FBC Tigrigna
1.97K subscribers
21.1K photos
9 videos
18 files
17.7K links
This is FBC Tigrigna official Telegram channel.

For more updates please visit www.fanabc.com/tigrigna
Download Telegram
ን#ውቅብቲኢትዮጵያ
#CleanEthiopia
ሎሚ መዓልቲ ንውቅብቲ ኢትዮጵያ ብር 50 ሚሊየን ኣብ ሓደ ፀሓይ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ዲጂታል ቴሌቶን ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2016 ዓ ም(ኤፍ ቢ ሲ) ሎሚ መዓልቲ ንውቅብቲ ኢትዮጵያ ብር 50 ሚሊየን ኣብ ሓደ ፀሓይ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ዲጂታል ቴሌቶን ክካየድ ኢዩ።
 አብዚ ዲጂታል ቴሌቶን ዜጋታት ንክሳተፉ ዕድል ተደሊዩ ኣሎ።
ስለ ዝኾነ ሎሚ 4 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንክፅንበሩ/ራ ፃውዒት ቀሪቡ።
ህዝባዊ ሽቓቕ ብምህናፅ ክብሪ ሓሊኻ ናይ ምፍታንን ምሻንን ባህሊ ክብ ንምባል ዓሊሙ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ 18 ሚያዚያ 2016 ዓ ም ዓላዊ ዝኾነ ጎስጓስ “ፅሩይ መገዲ-ናብራ ብጥዕና” ብዙሓት ዜጋታት ብምፅንባር ደገፍ ይገብሩ ኣለዉ።
 ሎሚ መዓልቲ ንውቅብቲ ኢትዮጵያ ብር 50 ሚሊየን ኣብ ሓደ ፀሓይ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ዲጂታል ቴሌቶን ሰለ ዝካይድ ናብዚ ንክፅንበሩ/ራን ደገፍ ንክገብሩ/ራን ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ን#ውቅብእቲኢትዮጵያ
For a #CleanEthiopia
ኣብ ባንኪ ንግዲ ኣብ ዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ 1000623230248፣ ብሔራዊ ባንክ ናይ ዶላር ኣካውንት 0101211300016 ን ብስዊፍት ኮድ NBETETAA ጎስጓስ “ፅሩይ መገዲ - ናብራ ብጥዕና”  ይፀንበሩ/ራ።
 ህዝቢ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዲጂታል ቴሌቶን ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንክሳተፍ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዲጂታል ቴሌቶን ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንክሳተፍ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ንውቅብቲ ኢትዮጵያ እናዋፃእና ሰንበት ነሕልፎ ኢሎም።
ህዝባዊ ሽቓቕ ብምህናፅ ክብሪ ሓሊኻ ናይ ምፍታንን ምሻንን ባህሊ ክብ ንምባል ዓሊሙ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ 18 ሚያዚያ 2016 ዓ ም ዕላዊ ኣብ ዝኾነ ጎስጓስ “ፅሩይ መገዲ-ናብራ ብጥዕና” ብዙሓት ዜጋታት ብምፅንባር ደገፍ ይገብሩ ኣለዉ።
 ሎሚ መዓልቲ ንውቅብቲ ኢትዮጵያ ብር 50 ሚሊየን ኣብ ሓደ ፀሓይ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ዲጂታል ቴሌቶን ሰለ ዝካይድ ናብዚ ንክፅንበሩ/ራን ደገፍ ንክገብሩ/ራን ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ን#ውቅብእቲኢትዮጵያ
For a #CleanEthiopia
ኣብ ባንኪ ንግዲ ኣብ ዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ 1000623230248፣
ብሔራዊ ባንክ ናይ ዶላር ኣካውንት 0101211300016 ን
ብስዊፍት ኮድ NBETETAA ጎስጓስ “ፅሩይ መገዲ - ናብራ ብጥዕና”  ይፀንበሩ/ራ።
‹‹ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘጀመርዎ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንከተማና ልዑል ግደ ዘለዎ ኢዩ። ስለዝኾነ መላእ ነበርቲ ከተማና ፅሬት ምልክት ዘበናዊነት፣ ክብሪ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብ ደገ ምሻን ነውሪ ብምዃኑ ነዚ ንምትራፍ ኣብ ዝተጀመረ ወፍሪ ዲጂታል ቴሌቶን ንክትሳተፉ ፃውዒት አቕርብ “- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንዝተሳተፉ ኩሎም አመስጊኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንዝተሳተፉ ኩሎም አመስጊኖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀሓይ ወፂኣ ክሳብ እትዓርብ ን#ውቅብቲኢትዮጵያ ስራሕና 50 ሚሊየን ብር ኢትዮጵያውያን ኩልና ክነዋፅእ ትልሚ ሒዝና ነይርና ኢሎም።
ዝሓሰብናዮ ከየዐወትና ፀሓይ ኣይዓርብን እሞ ኣብ ሓደ ፀሓይ ልዕሊ 154 ሚሊየን ብር ምእካብ ክኢልና ኣለና ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንዝተሳተፉ ኩሎም አመስጊኖም።
ኣባላት ማኔጅመንት ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ማኔጅመንት ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደገፍ ገንዘብ ብምግባር ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀንቢሮም።
እቲ ጎስጓስ ሰባት ንፅህኡ ኣብ ዝሓለወ ቦታ ብምሻን ከባቢ ንፁህ ናይ ምግባር ባህሊ ክብ ንከብሉ፣ ደረጅኡ ዝሓለወ ሽቓቓት ንክሃንፁ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ዝተገበረ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብመሰረት እዚ ትማሊ ብዲጂታል ቴሌቶን ብመሰረት ዝተገበረ ጎስጓስ ልዕሊ 154 ሚሊየን ብር ኣብ ሓደ ፀሓይ ደገፍ ተገይሩ ኢዩ።
#ውቅብቲኢትዮጵያ 4ን 5ን ግንቦት 2016 ዓ ዓ ም ዝተረኸበ ኣታዊ ድምር 216,253,172 ብር ምብፅሑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቅርንጫፍ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ 10 ሺሕ ብር ደገፍ ብምግባር ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀንቢሮም። እቲ ጎስጓስ ሰባት ፅርየቱ ኣብ ዝሓወ ቦታ ብምሻን ከባቢ ፅሩይ ናይ ምግባር ባህሊ ንክምዕብሉ ደረጀኦም ዝሓለዉ ሽቓቓት ንክስርሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ምግባሮም ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ በቲ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣይተ-ፍቃዱ-ተሰማ-ናብ-ጎስጓስ-ውቅብቲኢት/
ማሕበር ኣክሲዮን ሪል ስቴት ኣያት ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀምቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ሪል ስቴት ኣያት 6 ሚሊየን ብር ደገፍ ብምግባር ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀምቢሩ።
ንጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ዝግበር ደገፍ ይቕፅል ኣሎ።
ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ኦሮሞ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ10 ሺሕ ብር ደገፍ ብምግባር ናብ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተፀንቢሮም
እቲ ጎስጓስ ሰባት ፅርየቱ ኣብ ዝሓለወ ቦታ ብምሻን ከባቢ ፅሩይ ናይ ምግባር ባህሊ ንክምዕብሉ ደረጀኦም ዝሓለዉ ሽቓቓት ንክስርሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ምግባሮም ይፍለጥ።
ብመሰረት እዚ በቲ ጎስጓስ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 216 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ ኣሎ።
ተሳትፎ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰባት ፅርየቶም ኣብ ዝሓለወ ቦታ ብምሻን ከባቢ ንፁህ ናይ ምግባር ባህሊ ንከማዕብሉ ደረጀኦም ዝሓለዉ ሽቓቓት ንክህነፁ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ንዝኾነ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።
ተሾመ ጉዴ ደሜ 200 ሺሕ ብር፣ ዙቤዳ ከድር ኣሕመድ 100 ሺሕ ብር ብምብርካት ናብቲ ጎስጓስ ተፀንቢሮም።
4 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ ዲጂታል ቴሌቶን ብሓደ መዓልቲ ልዕሊ 154 ሚሊየን ብር ምእካቡ ይዝከር።
ንጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ 1000623230248፣ ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ናይ ዶላር ኣካውንት 0101211300016ን ብስዊፍት ኮድ NBETETAA ደገፍ ብምግባር ጎስጓስ “ፅሩይ መገዲ-ናብራ ብጥዕና” ይፀንበሩ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንጎስጓስድ #ውቅብቲኢትዮጵያ ዝውዕል 14 ሚሊየን ብር ከምዝኣከበ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ንዝተገበረ ጎስጓስድ #ውቅብቲኢትዮጵያ ዝውዕል 14 ሚሊየን ብር ከምዝኣከበ ገሊፁ። እቲ ገንዘብ፥ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዝተረኸበ ደገፍ ኢዩ ተባሂሉ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ፥ ንምዕዋት እቲ ጎስጓስ ግምቶም 22 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ዝኾኑ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ሚኒስቴር-ጉዳያት-ወፃኢ-ንጎስጓስድ-ውቅብ/
"ንጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ፃውዒት እንትነቕርብ ዜጋታትና ብልዑል ተበግሶ ኣብቲ ስራሕ ተሳቲፎም ኢዮም። ቀንዲ ዕላማና ከባቢና ሰሓቢ ብምግባር ዓይነ ምድሪ ናይ ምጥቃም ባህልና ካብ መሰረቱ ንምምዕባል ኢዩ። ሎሚ ብዜጋታትና ብዋጋ ዘይዕቀን ናይ ልቢ ሓገዝን እምነትን ዝተሃነፁ ስፍራታት ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ገምጊምና። ልዑል ፅርየት ብዘለዎም ጠንካራን ዘበን ተሻገርቲን ብዝኾኑ ናውቲታት ብምጥቃም ደረጀኦም ዝሓለዉ ዓይነ ምድሪ ህዝቢ ንምህናፅ ቆራፅነት ሒዝና ኣለና። እዚ መፈለሚ እቲ ስራሕ ኢዩ። ብናታትኩም ዘይተሓለለ ደገፍ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ክነስፍሖም ኢና”-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)