FBC Tigrigna
1.83K subscribers
20.7K photos
9 videos
18 files
17.5K links
This is FBC Tigrigna official Telegram channel.

For more updates please visit www.fanabc.com/tigrigna
Download Telegram
ኢትዮ ቴሌኮም 93 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 93 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣፈፃፅማ ስራሕ እቲ ባጀት ዓመት ዝጠመተ መብርሂ ሂበን። ኣብ መብርሂአን፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ 778 ናይ ቴሌኮም ኦፕሬተራት መበል 17 ደረጃ ከምኡውን ኣብ ኣፍሪካ ካብ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮ-ቴሌኮም-93-ነጥቢ-7-ቢሊየን-ብር-ኣታዊ-ረኺ/
ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክፍለ ኣህጉር  ቴክ ፎር ጉድ ሁዋዌ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክፍለ ኣህጉር “ቴክ ፎር ጉድ” ሁዋዌ ተዓዊቱ። ካብ ምብራቕ፣ ሰሜን፣ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኣ 17 ሃገራት ዘሳተፈ እቲ ውድድር፥ ካብ 26 ሰነ ክሳብ 2 ሓምለ ኢዩ ተሳሊጡ። ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሸሞንተ ዩንቨርስታት ዝተውፃእፅኡ 10 ተምሃሮ ኣብቲ ሰልጠና ዘሳተፈት እንትትከውን፥ ሓሙሽተ ተምሃሮ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ጉጅለ-ኢትዮጵያ-ኣብ-ሞሮኮ-ኣብ-ዝተሳለጠ-ው/
ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 18 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 18 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ካልኦት ብዙሓት ሰባት ድማ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ ኣብ ግዝኣት ኡታር ፕራዴሽ  ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ናይ ህዝቢ ኣውቶብስ ምስ ፃባ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት ብምልታማ ዘጋጠመ ከመዝኾነ ተገሊፁ። እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኣገልግሎት ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለዉ ኤንቢሲ ኒውስ ፀብፂቡ።

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ህንዲ-ብዘጋጠመ-ሓደጋ-ትራፊክ-18-ሰባት-ህ/
ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ። ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፥ “ሚዲያ ንሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘሰናደኦ እቲ መርሃ ግብሪ እተን ሚዲያታት ብዝበለፀ ንክሰርሓ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተገሊፁ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሓለፍቲ መራኸብቲ ሓፋሽ፣…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ንምኽባር-ብሄራዊ-ረብሓ-ንዝሰርሓ-መራኸብ/
‹‹ኢትዮጵያ ንኹለ መዳይ ጉዳያት ጥንቃቐ ኣብ ዘድልየሉ  እዋን ትርከብ። ኣብ ስራሕቲ ሚዲያ ፃዕርታትና ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ ሰላምን ፍቕሪን ቀዳምነት ሂብና ምስራሕ ይግባእ። ንቐፃሊ ትውልዲ ዝሻገር እንታይ ዝረብሕ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ኢልና ንገዛእርእስና ከየነኣስና ምሕታት ኣለና። ሎሚ መዓልቲ ሃገራዊ ልምዓትን ሕብረትን ብምፍላጥ ኢሉውን ብሄራዊ ረብሓ  ኣብ ምሕላው ዘሎ ፃዕሪ ክብ ዝበለ ስራሕ ብምስራሕ ሽልማት  ንዝተበርከተለን ትካላት ሚዲያ እንቋዕ ደስ በለክን ክብል እፈቱ “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ መጠነኛ ምስትኽኻል ተገይሩ
 ኣዲስ ኣበባ፣  3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሓምለ 3 ምሽት ሰዓት 1፡00 ሰዓት ጀሚሩ ኣብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ መጠነኛ ምስትኽኻል ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ፥
ቤንዚን …………………………… ብር 82.60 ብሊትሮ
ፃዕዳ ናፍጣ……………………… ብር 83.74 ብሊትሮ
ኬሮሲን ……………………………. ብር 83.74 ብሊትሮ
ነዳዲ ኣውሮፕላን  ………………… ብር 70.83 ብሊትሮ
ቀሊል ፀሊም ናፍጣ………………… ብር 65.48 ብሊትሮ
ከቢድ ፀሊም ናፍጣ…………………. ብር 64.22 ብሊትሮ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ዝምድናን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።
እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ምሸት ኣብ ዝተገበረ ፀወታ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ(ሆላድ) 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ ሓሊፋ።

ብመሰረት እዚ እንግሊዝን ስፔይን ናብ ፀወታ ፍፃመ ዝሓለፋ እንትኾና፥ ክልቲአን ብሄራዊ ጋንታታት ዝገብርኡ ፀወታ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተመልኦ ክኸውን ኢዩ።
ሃገራዊን ኣህጉራዊን ከይዲ ህንፀት ሰላም ንከይዲ ዘተ ዝህብዎ ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊን ኣህጉራዊን ከይዲ ህንፀት ሰላም ንከይዲ ዘተ ዝህብዎ ትምህርቲ፦ ኣፍሪካ ባህላዊን ብማሕበረሰብ ዝተሃነፁ ሰርዓታትንን ንዕርቀ ሰላም፣ ሀንፀት ሰላምን ሓድነትን ንምሕላው ክትጥቀም ፀኒሓ ኢያ። ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ዘትግበርን ኣቡንቱ ብምባል ዝፅዋዕን ሰርዓት ነዚ ኣብነት እንትኸውን፥ ‘I am because you are’ ዝብል ብሂል ናይዚ ስርዓት ፍልስፍና የንፀባርቕ።…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ሃገራዊን-ኣህጉራዊን-ከይዲ-ህንፀት-ሰላም/
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ስራሕቲና ዘቐመጥናዮ ሸቶ ብዘዐውት መገዲ ኣጀማምራ ንርከብ” ኢሎም። ተበግሶ ተኸላ ፈልሲ ሕብረተሰብ አወን ልዑል ከምኾነ ኣረዲኦም። ሎሚ ኣብ ፕሮጀከት ጫካ ፈልሲታት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቀ-ሚ-ኣቢይ-ኣሕመድ-ዶ-ር-ኣብ-ፕሮጀክት-ጫካ-ፈ/
426 ሺሕን 290 ሓደሽቲ ዓማዊል ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2016 ዓ.ም 426 ሺሕን 290 ሓደሽቲ ዓማዊል ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ከምዝኾኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ተረባሕቲ 95 ሚኢታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎት ድህረ ክፍሊት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፁ። ዝተረፉ ድማ ዓማዊል ቅድመ ክፍሊት ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ፀገም ፀፅታ፣ ምድንጓይ ሲስተም፣ ሕፅረት ቀረብ እታዎት፣ ከፍሊት ግምት ዋጋን መመሓየሺ ዋጋን ንምኽፋል…

https://www.fanabc.com/tigrigna/426-ሺሕን-290-ሓደሽቲ-ዓማዊል-ተረባሕቲ-ኤሌክት/
ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም-ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢምባሲታትን ቆንስላታትን ንዝውክሉ ሓደሽቲ ተሸወምቲ ኣምባሳደራት ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ። ኣምባሳደር ታዬ፥ ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም ኢሎም።…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ዲፕሎማታት-ብሄራዊ-ረብሓ-ሃገር-ንምሕላው/
"ንጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ፃውዒት እንትነቕርብ ዜጋታትና ብልዑል ተበግሶ ኣብቲ ስራሕ ተሳቲፎም ኢዮም። ቀንዲ ዕላማና ከባቢና ሰሓቢ ብምግባር ዓይነ ምድሪ ናይ ምጥቃም ባህልና ካብ መሰረቱ ንምምዕባል ኢዩ። ሎሚ ብዜጋታትና ብዋጋ ዘይዕቀን ናይ ልቢ ሓገዝን እምነትን ዝተሃነፁ ስፍራታት ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ገምጊምና። ልዑል ፅርየት ብዘለዎም ጠንካራን ዘበን ተሻገርቲን ብዝኾኑ ናውቲታት ብምጥቃም ደረጀኦም ዝሓለዉ ዓይነ ምድሪ ህዝቢ ንምህናፅ ቆራፅነት ሒዝና ኣለና። እዚ መፈለሚ እቲ ስራሕ ኢዩ። ብናታትኩም ዘይተሓለለ ደገፍ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ክነስፍሖም ኢና”-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እትገብሮ ደገፍ ከምእተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እትገብሮ ደገፍ ከምእተጠናኽር ገሊፃ። ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኣቦ መንበር ኤጀንሲ ምትሕብባር ዓለም ለኸ ልምዓት ቻይና ሉዎ ቻውሁይ ኣብ ቤጂንግ ዘቲዮም። ኣይተ መላኩ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝነኣድ ስምረት ኢኮኖሚ ምምዝጋባን ኣብዛ ሃገር ብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ይፍጠር ከምዘሎን ተዛሪቦም። ምዕባለ ኢኮኖሚ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቻይና-ንኢትዮጵያ-ኣብ-ዓውዲ-ኢኮኖሚ-እትገ/
ፕሬዚዳንት ዊልያም ሩቶ ኣባላት ካቢኔኦም በቲኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዊልያም ሩቶ ካብ ከልተ ኣባላት ካቢኔ ወፃእ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ካቢኔ ብሙሉኦም ከምዝበተንዎም ኣፍሊጦም። እቶም ፕሬዚዳንት፥ ነበር ፀሓፊ ላዕለዋይ ካቢኔ ሙሳሊያ ሙዳቫዲን ምክትል ፕሬዚዳንት ሪጋቲ ጋቻጓን ኣብ ሓላፍነቶም ክፀንሑ ከምዝወሰኑ ገሊፆም። ዝተረፉ ኣባላት ግን ሙሉእ ንሙሉእ ንክብተኑ ወሲኖም። እቲ ውሳነ፥ ብምኽኒያት ሕጊ ፋይናንስ ዘጋጠሞም ህዝባዊ ዓመፅ ስዒቡ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፕሬዚዳንት-ዊልያም-ሩቶ-ኣባላት-ካቢኔኦም/
ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣባል ዓለም ለኸ ዝምድና ጣቢያ ቴሌቨዥን ብሪክስ ብምዃን ንክሰርሕ ተሓሪዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣባል ዓለም ለኸ ዝምድና ጣቢያ ቴሌቪዥን ብሪክስ ብምዃን ንክሰርሕ ተሓሪዩ። ብመሰረት እዚ ኣባል ኮይኑ ንክሰርሕ ዘኽእሉ ሰነድ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ከቲሙ። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኢንተርናሽናል ሚዲያ ኔትወርክ ቲቪ ብሪክስ ጃና ቶልስተኮቫ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፋና-ብሮድካስቲንግ-ኮርፖሬት-ኣባል-ዓለም/