ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
4.4K subscribers
1.88K photos
1 video
1 file
7 links
Download Telegram
ብሄራውያን ሓይልታት ትግራይ፡ ሓይልታቶም ወዲቦም ብሕብረት ክቃለሱን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ፀቕጦም ከበርትዑን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።
እቲ ወድብ ነሓሰ 13፣ 2016 ኣ/ግ ኣብ ዝውፅኦ ሰሙናዊ መግለፂ  "...ሙሁር ይኹን ዓበይቲ ዓዲ ተገዲዱ ይኹን ብዘይፍላጥ ነዚ ፀረ ረብሓ ብሄረ ትግራይ ዝኾነ ህወሓት ዝተብሃለ ሓይሊ ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ደው ከብልን ንምልኪ እምቢ ክብልን ..." ተላብዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ጊዚያዊ ምምሕዳር  ትግራይ ቤት ዘይፈልጦ ኣኼባ ምክያድ ከምዘይከኣል ዝእዘዝ መምርሒ ስራሕ ዕላዊ ኾይኑ።

እቲ ካብ  ቤት ፅሕፈት ፕሬዜደንት ዝተውሃበ መምርሒ ስራሕ መምርሒ ስራሕ ካብ ነሓሰ 14/2016 ዓ.ም ዝትግበርን : ንዝጠሓሶ መንግስታዊ ኣካል ተሓታትነት ዘስዕብን እዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ሄር ኣብ ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ኣብ ዝሃብዎ ምረት ዝተመልኦ ሓሳብ "  2 ወርሒ ተደኺሙ ኣጋይሽ ካብ ኣውሮፖ፣ ኣሜሪካ፣ ኤስያ፣ ኣፍሪካ፣ ዓረብ ሃገራት፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ካብ ትግራይ ወፃኢ ከባቢታትን ናብ  ካልአይቲ ዘይብላ  ሕታዊት ዝኾነት ዓድኹም ትግራይ እንኳዕ ደሓን መፃኹም " ኢሎም።

" እንተኾነ " ኢሎም ሓሳቦም ዝቐፀሉ እቶም ሓላፊ  : ምፁታ ኢልና ንቡር ፃውዒት ጌርና ኣጋይሽና እንኳዕ ብሰላም መፃኹም ኢልና ካብ ኣሉላ ኣባነጋ መዕርፎ ነፈርቲ ተቀቢልና፣ ኣተሓሕዛ ጋሻን ምድላው ፅሬትን ፅፈትን ዘለዎ ግልጋሎት  መድረኽ ዘተ ንወነንቲ ሆቴላትን ካልኦት  ዝምልከቶም ኣካላትን ቅድሚ ዝተወሰኑ ሰሙናት ኣካይድና እንተነብቅዕ ሐዚ ኣብ ከተማ መቀለ ዝረአ ዘሎ ዘመናዊ ሽፍትነት ዘሕፍርን ትግራዋይ ኮይንካ እንትሓስቦ ዘሰክፍን እዩ። " ብምባል ብትሪ ገሊፆም።  


" ክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ጋሻ ትሕቲ 8 መዓልቲ ዓራት ኣይነካርን ፣ 2000 ቅርሺ ዝነበረ ዋጋ ዓራት ክሳብ 10000 ቅርሺ ንሓንቲ ለይቲ ክኸፍሉ ምግባር ኣበየናይ ናይ ቁጠባ ቀመር ተራእዩ ይፈልጥ ?  ኣብ ልዕሊ ጋሻኻ እንድዚ ምጭካን ሃፍቲ ምእካብ ድዩ ወይስ ካሊእ ዕላማ ኣለዎ።  " ዝበሉ ዶ/ር ኣፅብሃ ነቲ ዝተጋነነ ወሰኽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ካብ መጠንቕታ ደብዳበ ዝሰገረ ስጉምቲ ክወሰደሉ እዩ ኢሎም። 

ዓመታዊ በዓል ኣሸንዳ : ማርያ ዓይኒ ዋሪ " "ክብርታት ኣሸንዳ ንክብሪ ደቂ ኣሸንዳን ብሩህ መፃኢ ትግራይን !! " ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ነሓሰ 16 ክሳብ 24/2016 ዓ.ም ኣብ መላእ ትግራይ ክኽበር እዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ኣብያተ ምኽሪ አስልምና ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ንሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ አስልምና ትግራይ ኣስታት ብር 7 ሚሊዮን ዝግመት ገንዘባውን ንዋታውነረ ሓገዝ ምግባሮም ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) መበል 14 ጉባኤ ኣካይዱን ንቐፃሊ ዘገልግሉ መራሕቲ መሪፁን ብሰላም ብምዝዛሙ እንኳዕ ደስ በለኩም "  

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
 

እቲ ማሕበር ነሓሰ 13/2016 ዓ.ም ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝበሎ : ትግራይና ኣብ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ፀገማት ተፀሚዳ ኣብ ዘላትሉ ጊዜ ከምዚ ዓይነት ጉባኤ ምክያዱ ንኢዱ።


ብጉባኤ ንዝተመረፁ ኣመራርሓ ሰናይ ጊዜ ስራሕን ሓላፍነትን ክኾነሎም ዝተመነየ ማተሰኣ :  ዝተመረፀ ኣመራርሓ ውዕል ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ንኸይትግበር ገጢሙዎ ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕን ንቕድሚት ኣብ ምስጓምን ዝኽእል
 ኣመራርሓ ንኽህብ ብፁኑዕ ሓደራ ኢሉ። 

ህወሓት ኣብ ትግራይ ሰላምን ዲሞክራሲን ልምዓትን ንምምፃእ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ፣ ማተሰኣ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ሓገዝ ከምዝገብር ብምርግጋፅ ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ ኾኑ ሲቪላዊ ውዳበታት ትግራይን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃእ ዘሎ ኩሉ ትግራዋይን በብዝኣምነሉ መንገዲ ኣብ ሰላምን ዲሞክራሲን ልምዓትን ትግራይ ብፂሕቶም ንኸወፉይን ንኽሳተፉን ፃዊዒቱ ኣቕሪቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna
 " 3 ሽሕ ኪራዩ ክፍሊ ሆቴል  ብር 8 ሽሕ ክፈልሉ ተባሂልና "

ኣጋይሽ ኣሸንዳ ማርያ ዓይኒ ዋሪ።  

"ክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ጋሽ ትሕቲ 8 መዓልቲ ዓራት ኣይነካርን ፣ 2000 ቅርሺ ዝነበረ ዋጋ ዓራት ክሳብ 10000 ቅርሺ ንሓንቲ ለይቲ ክኸፍሉ ምግባር ኣበየናይ ናይ ቁጠባ ቀመር ተራእዩ ይፈልጥ ? " 

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ 

ኣብ ሓደ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ስሙ ዝዓቀበለ ዓለምለኻዊ ሆቴል ብብር 3 ሽሕ  ክፍሊ ሒዙ ዝቀነየ ጋሻ ኣሸንዳ ካብ ነሓሰ ሮቡዕ 15 / 2016 ዓ.ም ብር 8 ሽሕ ክፈል  ወይ ልቐቕ ከምዝተብሃለ ገሊፁ። 

እቲ ጋሻ ኣሸንዳ "ከምዚ ዓይነት ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር መንግስታዊ ዝጉምቲ ዝጠልብ እዩ ኢለ እኣምን " ኢሉ። 

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ሄር ኣብ ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ኣብ ዝሃብዎ ምረት ዝተመልኦ ሓሳብ "  2 ወርሒ ተደኺሙ ኣጋይሽ ካብ ኣውሮፖ፣ ኣሜሪካ፣ ኤስያ፣ ኣፍሪካ፣ ዓረብ ሃገራት፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ካብ ትግራይ ወፃኢ ከባቢታትን ናብ  ካልአይቲ ዘይብላ  ሕታዊት ዝኾነት ዓድኹም ትግራይ እንኳዕ ደሓን መፃኹም " ኢሎም።
" እንተኾነ " ኢሎም ሓሳቦም ዝቐፀሉ እቶም ሓላፊ  : ምፁታ ኢልና ንቡር ፃውዒት ጌርና ኣጋይሽና እንኳዕ ብሰላም መፃኹም ኢልና ካብ ኣሉላ ኣባነጋ መዕርፎ ነፈርቲ ተቀቢልና፣ ኣተሓሕዛ ጋሻን ምድላው ፅሬትን ፅፈትን ዘለዎ ግልጋሎት  መድረኽ ዘተ ንወነንቲ ሆቴላትን ካልኦት  ዝምልከቶም ኣካላትን ቅድሚ ዝተወሰኑ ሰሙናት ኣካይድና እንተነብቅዕ ሐዚ ኣብ ከተማ መቀለ ዝረአ ዘሎ ዘመናዊ ሽፍትነት ዘሕፍርን ትግራዋይ ኮይንካ እንትሓስቦ ዘሰክፍን እዩ። " ብምባል ብትሪ ገሊፆም።  

" ክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ጋሻ ትሕቲ 8 መዓልቲ ዓራት ኣይነካርን ፣ 2000 ቅርሺ ዝነበረ ዋጋ ዓራት ክሳብ 10000 ቅርሺ ንሓንቲ ለይቲ ክኸፍሉ ምግባር ኣበየናይ ናይ ቁጠባ ቀመር ተራእዩ ይፈልጥ ?  ኣብ ልዕሊ ጋሻኻ እንድዚ ምጭካን ሃፍቲ ምእካብ ድዩ ወይስ ካሊእ ዕላማ ኣለዎ።  " ዝበሉ ዶ/ር ኣፅብሃ ነቲ ዝተጋነነ ወሰኽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ካብ መጠንቕታ ደብዳበ ዝሰገረ ስጉምቲ ክወሰደሉ እዩ ኢሎም። 

ዓመታዊ በዓል ኣሸንዳ : ማርያ ዓይኒ ዋሪ " "ክብርታት ኣሸንዳ ንክብሪ ደቂ ኣሸንዳን ብሩህ መፃኢ ትግራይን !! " ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ነሓሰ 16 ክሳብ 24/2016 ዓ.ም ኣብ መላእ ትግራይ ክኽበር እዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ሓይልታት ፀጥታ ገለልተኛ ኮይኖም ንድሕንነት ህዝቢ ደው ክብሉ ይግባእ ኢሉ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ።

ምክትል ፕሬዝደንትን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነሓሰ 15/2016 ዓ.ም ከምዝበልዎ ፣ፀጥታ ንፖለቲካዊ መስርሕ ፖለቲካ ድማ ንፀጥታዊ መስርሕ ምችው ባይታ ክፈጥሩ ይግባእ ኢሎም።

ኣብተን ዝነበራ ዓበይቲ መድረኻት ፀገም ፀጥታ ከየጋጥም ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንዝፈፀሙ ኣካላት ፀጥታ ዘመስገኑ ጀነራል ታደሰ : በዓል ኣሸንዳ ብዝተማልአ ፀጥታ ክሓልፍ ምድላው ከምዝተወገነ እውን ገሊፆም ኣለው። 
 @tikvahethiopiatigrigna
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝህሊ ተገሊፁ 

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ነሓሰ 15 / 2016 ናብ መፈልፈሊ ሓይሊ ግድብ ተከዘ ዝኣቲ ማይ ኣብ ከይዲ ምትንፋስ ዘለዉ ዩኒታት እቲ ጣቢያ ስራሕ ደው ብምባሎም ምኽኒያት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝህሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብቲ ግድብ ማይ እንትስደድ ዝፍጠር ናይ ሃፋ ዕምብሮ ኣብ ትራንስፎርሜሽንን መፈልፈሊ ሓይሊን ጉድኣት ንከየብፅሕ ክልቲኦም ዩኒታት ስረሖም ደው ከብሉ ከምዝተገበረ እውን ገሊፁ።

ብምኽኒያት እዚ ፥ ምልሕላሕ “ቮልቴጅ” ብምግጣሙ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ከጋጥም ኢዩ ኢሉ።

ዝናብ ክራማትን ናብ'ቲ ግድብ ዝኣቲ መጠን ማይን ክሳብ ዝቕንስ እቲ ፀገም ንመዓልታት ከምዝቕፅል ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ብትዕግስቲ ንክፅበዩን ኣማራፂታት ንክጥቀሙን ምግላፁ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብላዕሊን ታሕቲን ተፋሰስ እቲ ግድብ ዘለዉ ከባቢታት ጣንቋ፣ ኣበርገለ፣ ቆላ ተንቤን፣ ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው፣ መረብለኸ፣ ኣስገደ ፅንብለ፣ ላዕላይን ታሕታይ ኣዲያቦ፣ መደባይ ዛና፣ ታሕታይ ቆራሮ ብሓፈሻ ኣብ ኣዋሰንቲ ሩባ ተከዘ ዘለዉ ወረዳታት ዝነብሩ ነበርቲን ኣካላት ምምሕዳርን ኣድሎዪ ጥንቃቐ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ዝነበረኒ ውሽጣዊ ፀገም በዘተ ፈቲሐ ኢሉ።

ወድብ ባይቶና ኣብ'ዚ ሰሙን ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ዕላዊ መግለፂ ዝነበረኒ ውሽጣዊ ፀገም ብምፍታሕ ሓደ ኮይነ እየ ኢሉ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ወድብ ባይቶና ዮሴፍ በርሀን ታደለ መንግስቱን ከምዝበልዎ : ውድቦም ውሽጣዊ ፀገም ብዘተ ጠረጴዛ ብምፍታሕ ናይ ቃልሲ ወንኡ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ወድብ ባይቶና ዝተፈጥረ ምክፍፋል ሓዲኡ ኣካል እቲ ወድብ ተፈልዩ ክሳብ ብብሄራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ክምዝገብ ዝገበረ እዩ።

ውድብ ብሄራዊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ መሰረት ጌሩ ኣብ ዝተጣየሸ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስልጣን ተላፊኑ ኣብያተ ዕዮ መጓዓዝያን ማዕድን ኤነርጅን ኣብ ምምራሕ ከምዝርከብ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተፈጠረ ሓያል ዕምብሮ ሎሚ መዓልቲ ክዓርፋ ዝግበአን ዝነበራ ነፈርቲ ናብ ካሊእ ተለዋጢ መዕርፎ ነፈርቲ ምዛረን ኣፍሊጡ። መልዓሊኦም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝኾኑ በረራታት እውን ምትእጉጓል ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ንድሕንነት ተጉዓዝቲ ብምሕሳብ እቲ ዝተገለፀ ውሳነ ምሕላፉ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ዘላቂ ልምዓት ትግራይ ንምርግጋፅ  ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብትኹረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ።

ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ነሓሰ 17/ 2016 ዓ.ም ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መንበረቅዱሳን ኣመራርሓ መንግስቲን ሕብረተሰብን ዝተሳተፍሉ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ኣጀሚሮም ኣለው ከም ፀብፃብ ቴሌቪዥ ትግራይ ።


ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ'ቲ ኣጋጣሚ ኣብ  ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ  ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝበፀሐ  ብረሰት  መሊስካ ንምሕዋይን ዘላቂ ልምዓት ንምርግጋፅን ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብትኹረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።


ኣብ ትግራይ  ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ይሳለጥ ከምዝፀነሐን ሎሚ እውን ኣብ 4 ዞባታትን ኣብ ዝርከባ ዝተመረፃ 15 ወረዳታትን ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ  ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ይሳለጥ ከምዘሎ ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ  እዮም ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ መላእ ሃገር ወፍሪ ተኽላ 600 ሚሊዮን ክካየድዩ :ነዚ ወፍሪ ንምዕዋት ብብርኪ ፌደራል :ክልል : ዞባ : ወረዳን ጣብያን ኣብ ዝተፈላለዩ መሓውራትን ኣብ ዝርከቡ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ተነጊሩ'ሎ ።  
 @tikvahethiopiatigrigna
ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ሓዱሽ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ሸይሞም : እቶም ሹመኛ ንኣባል ፓሊት ህወሓት ወ/ሮ ሊያ ካሳ ዝትክኡ እዮም።  

በፕሬዜዳን ጊዚያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ተፈሪሙ ነሓሰ 14/2016 ዓ.ም ዕላዊ ዝኾነ ደብዳበ :ፀጋይ ገብረተኽለ ገ/ኽርስቶስ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ብምኻን ህዝባዊ ግቡኦም ብዝግባእ ክፍፁም "ሓደራ" ብምባል የተሓሳስብ። 

ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ገ/ኽርስቶስ ቅድም ክብል ኣማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 

ኣብዚ ሕዚ ጊዜ ካብ ሸውዓተ ዞባታት ትግራይ እቶም 5 ማለት እውን 
- ምዕራባዊ :
- ማእከላዊ :
- ምብራቓዊ :
- ደቡበዊ :
- ደቡብ ምብራቓዊ : 
ንኣካይዳ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ብዝቃወሙ እንትምርሑ : ዝተረፉ ክልተ ዞባታት
- ሰሜናዊ ምዕራብን 
- መቐለን
ድማ ኣብ ጉባኤ ህወሓት ኣባል ፓሊት ቢሮን  ማእኸላይ ኮሚቴን ኮይኖም ብዝተመረፁ ይማሓደሩ ኣለው።
 @tikvahethiopiatigrigna