ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
4.62K subscribers
2.21K photos
1 video
1 file
7 links
Download Telegram
ኣብ  እዋናዊ ኩነታት ትግራይ  ብፍሉይ ድማ ፓለቲካዊ ኩነታት ህወሓት መሰረት ዝገበረ ዘተ ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ ።

ኣብቲ  ዋዕላ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት ፣ ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባ፣ወረዳን ካልኦትን  ይሳተፉ ከምዘለው ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ኣቦ ወንበር ወድብ ህወሓት  ከምዝበልዎ ውድብ ንምድሓንን ኩነታት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ  እዚ መድረኻት ዘተ ወሳኒ እዪ ኢሎም ክብል ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ሕውየት ዓዲ ብደቂ ዓዲ  ዝጋሃድ ኢሎም ነበር ዋና ፈፃሚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገ/ማርያም ።

ኣቶ ተወልደ ማርያም እዚ ዝበሉ ሳልሳይ ዙር መተኣኻኸቢ እቶት ንመኸተ ደርቂ ጉሎመኸዳ ሰርኹሶ ሰብዓ ዳሞ ነሓሰ 12/2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትሳለጥ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እዩ።

"ነቲ ዝተኻየደ ደማውን መስካሕክሕን ኩናት ስዒቡ ዝካየድ ናይ እግሪ ምትካል ስራሕቲ ከቢድ እዩ : " ዝበሉ ኣቶ ተወልደ " ኩልና እንተተሳቲፍና ግን ቀሊል እዩ እሞ : ኩልና ብዓቕምና ኣብ ዘዘለናዮ ኮይንና ንዕሰል :  ኣብ ጎንኹም እየ ኣብ ጎንኹም ኢና ኣጆኹም " ዝብል ሞራል ኣስኒቖም ።

" ህዝቢ ጉሎመኸዳ ሰርኹሶ ሰብዓ ዳሞ ኢዱ ንምፅዋት ሂቡ ኣይፈልጥን : ሎሚ ግን ካብ 1990 ዓ.ም ናብ'ዚ ንኣስታት 26 ዓመታት ኪናትን ፀገምን ተደራሪቡዎ ሓግዙኒ ይብል ኣሎ እሞ ንብፀሐሉ " ዝበሉ ድማ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኪዳነ ገ/ስላሴ እዮም። 

" ጊዚያዊ ሓገዝ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን " ዝበሉ  ኣይተ ኪዳነ ገ/ስላሴ " እዚ ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባውን ዓዳውን ምትእኽኻብ ኣጠናኺርና ህዝብና ብዘላቒ እግሪ ናብ ዘትክል ፕሮጀክት ነስግሮ " ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ልዕሊ 104 ሽሕ ህዝቢ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ፀገም ይርከብ ዝበሉ ኣቦ-መንበር ኣይተ ክብረኣብ ገ/ሚካኤል ኣቦ መንበር ምትእኽኻብ ሓገዝ ህዝቢ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣብ ክልተ ዜርያ  ካብ ውሽጢ ዓድን ደገነረ ዘሎ ተወላድን ፈታውን ኤርትራውያን ሓዊሱ ከባቢ 33 ሚሊዮን ብር ምእካቡ ኣዘኻኺሮም። 

ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ልዕሊ 3.5 ሚሊዮን ደጊፎም እዮም ዝበሉ ኣይተ ክብርኣብ ዛጊድ ዝተኣከበ ሓገዝ ን9 ሽሕ ወገናት ተባፂሑ እዩ : ንዝፀገሞ ምሕጋዝ ቋንቋ : ዶብ ኮነ ፓለቲካ ሓፁር ክኸውን ኣይኽእልን ብምባል እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ተላብዮም።

ኣብ'ቲ ቦታ ዝርከብ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ብዓይነትን ብገንዘብን ዘተኣከበ ሓገዝ ተኸታቲሉ ከቕርብ እዩ።
 @tikvahethiopiatigrigna
# ዝማዕበለ
ሰንበት ነሓሰ 12/2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ሳልሳይ ዙርያ መተኣኻኸቢ እቶት ንመኸተ ደርቂ ጉሎመኸዳ ሰርኹሶ ሰብዓ ዳሞ ልዕሊ ብር 25 ሚሊዮን ሓገዝ ተረኺቡ።

ኣብ ከተማታት መቐለን ዓዲግራት ኣብ ክልተ ዙራት ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ኣስታት 33 ሚሊዮን ብር ሓገዝ ምርካቡ ይዝከር ።

ብድምር ኣብ ሰለስተ ዙራት ንመኸተ ደርቂ ጉሎመኸዳ ሰርኹሶ ሰብዓ ዳሞ ኣስታት 60 ሚሊዮን ሓገዝ ምርካቡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ንዝካየድ መተኣኻኸቢ እቶት ንሓገዝ መርአያ እዩ ተባሂሉ ኣሎ ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
@tikvahethiopiatigrigna
"ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ውፅኢት ቃልስናን መስዋእትናን እዩ ኢልና ኢና ንኣምን " 

መግለፂ ቅዋም ክልላዊ ዋዕላ ምድሕን ህዝብን ውድብን 

ንሓደ መዓልቲ ዝተሳለጠ  ክልላዊ ዋዕላ ምድሓን ህዝብን ውድብን በዓል 10 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ኣማስዩኡ ሰዓት 2:30 ተዛዚሙ ።

ቁፅሮም ሓደ ሽሕ ምኻኑ ዝተገለፀ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ "  ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ናብ ረብሓና ቀይርና ክንሰርሕ ኢና " ዝብል ነጥቢ ዝርከቦ መግለፂኦም ከምዝስዕብ ኣቕሪቦም።
 @tikvahethiopiatigrign
 ክካየድ ኣብ ዝቐነየ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት 
ገብረ ካሕሳይ - ኣቦወንበር
ብርሃነ ከበደ - ምክትል ኣቦወንበር
 ወ/ሮ ራሕማ ዓብደልቃድር
ወ/ሮ ኣበባ ግደይ
ወ/ሮ ለተንቸአል ጋያ
ማሞ ውሬታ
ወ/ሮ መብራት ለገሰ
ኣታኽልቲ በርሀ
ደስታ ኣብርሃ
ኣባላት ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት ኮይኖም ተመሪፆም። 
 @tikvahethiopiatigrigna
ንዝሓለፉ 7 መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ ወንበር ዝምርሑ 45 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ መሪፁ : ንኣይተ ኣማንኤል ኣሰፋ ምክትል አቦ መንበር ጌሩዎም ኣሎ። 
 @tikvahethiopiatigrigna