FBC Tigrigna
2.08K subscribers
22.8K photos
25 videos
18 files
18.4K links
This is FBC Tigrigna official Telegram channel.

For more updates please visit www.fanabc.com/tigrigna
Download Telegram
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ብሕልፈት ህይወት ነበር ሴናተር ኣሜሪካ ጂም ኢንሆፍ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ብሕልፈት ህይወት ነበር ሴናተር ኣሜሪካ ጂም ኢንሆፍ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሴናተር ጂም ኢንሆፍ ኣብ ሓጎስ ይኹን ፀገም ሓቀኛ ፈታዊ ኢትዮጵያ ምንባሮም ኣዘኻኺሮም።

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣፈ-ጉባኤ-ታገሰ-ጫፎ-ብሕልፈት-ህይወት-ነበ/
ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ ምሸት ክፍለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ኣብ ዝገብርኡ ፀወታ  ክፍለጥ ኢዩ። እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ፀወታ ፈርቂ ፍፃመ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ሲግናል ኢዱና ፓርክ  ከካይዳ ኢየን። ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ፥ እንግሊዝ ንስዊዘርላንድ፣ ኔዘርላንድስ ንቱርክ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ምስ-ስፔን-ኣብ-ፀወታ-ፍፃመ-ፅዋዕ-ኣውሮፓ-ዝ/
ፈተና 12 ክፍሊ ብብርኪ ሃገር ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈተና 12 ክፍሊ 2016 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ይወሃብ ኣሎ። ሎሚ መዓልቲ ተፈተንትቲ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ 12 ክፍሊ ኣብ ዩንቨርስቲታት ፈተነኦም ይወስዱ ኣለዉ። ነቲ ፈተና ብዕሊ ዘጀመርዎ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ሎሚ ንልዕሊ 700 ሺሕ ተምሃሮ ዝወሃብ ፈተና ንፈለማ እዋን ብኦን ላይንን ወረቐትን ኢዩ ኢሎም። ኣብ መላእ ሃገር…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፈተና-12-ክፍሊ-ብብርኪ-ሃገር-ይወሃብ-ኣሎ/
ኣባላት ባይቶ ካብ ልዕሊ 127 ሺሕ ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት ንትካላት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ካብ 127 ሺሕን 277 ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት ንትካላት ኣቕሪቦም። ኣፈፀምቲ ኣካላት ንሕቶታት ህዝቢ ጠመተ ብምሃብ ንክሰርሕ እቲ ባይቶ ኣተሓሳሲቡ። ካብ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴራት መብርሂ ተዋሂቦም። ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ዝተመረፁ ከባቢታት ብምውራድ  ካብ 127 ሺሕን 277 ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣባላት-ባይቶ-ካብ-ልዕሊ-127-ሺሕ-ጣቢያታት-ዝኣ/
ኢትዮ ቴሌኮም 93 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 93 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣፈፃፅማ ስራሕ እቲ ባጀት ዓመት ዝጠመተ መብርሂ ሂበን። ኣብ መብርሂአን፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ 778 ናይ ቴሌኮም ኦፕሬተራት መበል 17 ደረጃ ከምኡውን ኣብ ኣፍሪካ ካብ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮ-ቴሌኮም-93-ነጥቢ-7-ቢሊየን-ብር-ኣታዊ-ረኺ/
ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክፍለ ኣህጉር  ቴክ ፎር ጉድ ሁዋዌ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክፍለ ኣህጉር “ቴክ ፎር ጉድ” ሁዋዌ ተዓዊቱ። ካብ ምብራቕ፣ ሰሜን፣ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኣ 17 ሃገራት ዘሳተፈ እቲ ውድድር፥ ካብ 26 ሰነ ክሳብ 2 ሓምለ ኢዩ ተሳሊጡ። ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሸሞንተ ዩንቨርስታት ዝተውፃእፅኡ 10 ተምሃሮ ኣብቲ ሰልጠና ዘሳተፈት እንትትከውን፥ ሓሙሽተ ተምሃሮ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ጉጅለ-ኢትዮጵያ-ኣብ-ሞሮኮ-ኣብ-ዝተሳለጠ-ው/
ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 18 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 18 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ካልኦት ብዙሓት ሰባት ድማ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ ኣብ ግዝኣት ኡታር ፕራዴሽ  ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ናይ ህዝቢ ኣውቶብስ ምስ ፃባ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት ብምልታማ ዘጋጠመ ከመዝኾነ ተገሊፁ። እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኣገልግሎት ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለዉ ኤንቢሲ ኒውስ ፀብፂቡ።

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ህንዲ-ብዘጋጠመ-ሓደጋ-ትራፊክ-18-ሰባት-ህ/
ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ። ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፥ “ሚዲያ ንሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘሰናደኦ እቲ መርሃ ግብሪ እተን ሚዲያታት ብዝበለፀ ንክሰርሓ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተገሊፁ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሓለፍቲ መራኸብቲ ሓፋሽ፣…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ንምኽባር-ብሄራዊ-ረብሓ-ንዝሰርሓ-መራኸብ/
‹‹ኢትዮጵያ ንኹለ መዳይ ጉዳያት ጥንቃቐ ኣብ ዘድልየሉ  እዋን ትርከብ። ኣብ ስራሕቲ ሚዲያ ፃዕርታትና ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ ሰላምን ፍቕሪን ቀዳምነት ሂብና ምስራሕ ይግባእ። ንቐፃሊ ትውልዲ ዝሻገር እንታይ ዝረብሕ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ኢልና ንገዛእርእስና ከየነኣስና ምሕታት ኣለና። ሎሚ መዓልቲ ሃገራዊ ልምዓትን ሕብረትን ብምፍላጥ ኢሉውን ብሄራዊ ረብሓ  ኣብ ምሕላው ዘሎ ፃዕሪ ክብ ዝበለ ስራሕ ብምስራሕ ሽልማት  ንዝተበርከተለን ትካላት ሚዲያ እንቋዕ ደስ በለክን ክብል እፈቱ “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ መጠነኛ ምስትኽኻል ተገይሩ
 ኣዲስ ኣበባ፣  3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሓምለ 3 ምሽት ሰዓት 1፡00 ሰዓት ጀሚሩ ኣብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ መጠነኛ ምስትኽኻል ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ፥
ቤንዚን …………………………… ብር 82.60 ብሊትሮ
ፃዕዳ ናፍጣ……………………… ብር 83.74 ብሊትሮ
ኬሮሲን ……………………………. ብር 83.74 ብሊትሮ
ነዳዲ ኣውሮፕላን  ………………… ብር 70.83 ብሊትሮ
ቀሊል ፀሊም ናፍጣ………………… ብር 65.48 ብሊትሮ
ከቢድ ፀሊም ናፍጣ…………………. ብር 64.22 ብሊትሮ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ዝምድናን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።
እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ምሸት ኣብ ዝተገበረ ፀወታ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ(ሆላድ) 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ ሓሊፋ።

ብመሰረት እዚ እንግሊዝን ስፔይን ናብ ፀወታ ፍፃመ ዝሓለፋ እንትኾና፥ ክልቲአን ብሄራዊ ጋንታታት ዝገብርኡ ፀወታ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተመልኦ ክኸውን ኢዩ።
ሃገራዊን ኣህጉራዊን ከይዲ ህንፀት ሰላም ንከይዲ ዘተ ዝህብዎ ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊን ኣህጉራዊን ከይዲ ህንፀት ሰላም ንከይዲ ዘተ ዝህብዎ ትምህርቲ፦ ኣፍሪካ ባህላዊን ብማሕበረሰብ ዝተሃነፁ ሰርዓታትንን ንዕርቀ ሰላም፣ ሀንፀት ሰላምን ሓድነትን ንምሕላው ክትጥቀም ፀኒሓ ኢያ። ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ዘትግበርን ኣቡንቱ ብምባል ዝፅዋዕን ሰርዓት ነዚ ኣብነት እንትኸውን፥ ‘I am because you are’ ዝብል ብሂል ናይዚ ስርዓት ፍልስፍና የንፀባርቕ።…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ሃገራዊን-ኣህጉራዊን-ከይዲ-ህንፀት-ሰላም/
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ስራሕቲና ዘቐመጥናዮ ሸቶ ብዘዐውት መገዲ ኣጀማምራ ንርከብ” ኢሎም። ተበግሶ ተኸላ ፈልሲ ሕብረተሰብ አወን ልዑል ከምኾነ ኣረዲኦም። ሎሚ ኣብ ፕሮጀከት ጫካ ፈልሲታት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቀ-ሚ-ኣቢይ-ኣሕመድ-ዶ-ር-ኣብ-ፕሮጀክት-ጫካ-ፈ/
426 ሺሕን 290 ሓደሽቲ ዓማዊል ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2016 ዓ.ም 426 ሺሕን 290 ሓደሽቲ ዓማዊል ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ከምዝኾኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ተረባሕቲ 95 ሚኢታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎት ድህረ ክፍሊት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፁ። ዝተረፉ ድማ ዓማዊል ቅድመ ክፍሊት ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ፀገም ፀፅታ፣ ምድንጓይ ሲስተም፣ ሕፅረት ቀረብ እታዎት፣ ከፍሊት ግምት ዋጋን መመሓየሺ ዋጋን ንምኽፋል…

https://www.fanabc.com/tigrigna/426-ሺሕን-290-ሓደሽቲ-ዓማዊል-ተረባሕቲ-ኤሌክት/
ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም-ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢምባሲታትን ቆንስላታትን ንዝውክሉ ሓደሽቲ ተሸወምቲ ኣምባሳደራት ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ። ኣምባሳደር ታዬ፥ ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም ኢሎም።…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ዲፕሎማታት-ብሄራዊ-ረብሓ-ሃገር-ንምሕላው/
"ንጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ፃውዒት እንትነቕርብ ዜጋታትና ብልዑል ተበግሶ ኣብቲ ስራሕ ተሳቲፎም ኢዮም። ቀንዲ ዕላማና ከባቢና ሰሓቢ ብምግባር ዓይነ ምድሪ ናይ ምጥቃም ባህልና ካብ መሰረቱ ንምምዕባል ኢዩ። ሎሚ ብዜጋታትና ብዋጋ ዘይዕቀን ናይ ልቢ ሓገዝን እምነትን ዝተሃነፁ ስፍራታት ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ገምጊምና። ልዑል ፅርየት ብዘለዎም ጠንካራን ዘበን ተሻገርቲን ብዝኾኑ ናውቲታት ብምጥቃም ደረጀኦም ዝሓለዉ ዓይነ ምድሪ ህዝቢ ንምህናፅ ቆራፅነት ሒዝና ኣለና። እዚ መፈለሚ እቲ ስራሕ ኢዩ። ብናታትኩም ዘይተሓለለ ደገፍ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ክነስፍሖም ኢና”-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)