ን400 ወገናት ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ስራሕ ኢድ ይሳለጥ ኣሎ።
መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ማእኸል ሕክምና ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ስራሕ ኢድ የሳለጥ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጀርመናዊ ሃንድስ ፕሮጀክት (Hands Project)ን ኢንግሊዛዊ ሃዲስ ኣጋቤ ፋውንዴሽንን( Haddis Agape foundation) ናብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኢዶም ንዝተቖረፁ ወገናት ብልዕሊ 15 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ስራሕቲ ገጠማ ባምቡላ ኢድ ኣካይዶም።
ኣብ ትግራይ ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ብርክት ዝበሉ ጉድኣት ኣካል ስለዘለው እዚ ግልጋሎት ቀፃሊ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝስራሕ ኣተሓባባሪ ሃንድስ ፕሮጀክት ጀርመን ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ቢንያም ገብረየሱስ ገሊፆም።
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ሕክምና ተሃድሶ ዶክተር ኮከብ ሓጎስ ብወገኖም ብገበርቲ ሰናይ ብተፈጥሮን ሰብ ኲናትን ኢዶም ዝሰኣኑን ዝተጎዱን ወገናት ስራሕቲ ገጠማ ባምቡላ ኢድን ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኮይኖም ኣብ ትግራይ ብስንኪ ኲናትን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማትን ኣካል ጉድኣት ኣካል ብዙሕ ስለዝኾነ ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት ተሳትፈኦም ከሐይሉ ፀዊዖም።
እዚ ግልጋሎት ካብ 17 ክሳዕ 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መቐለ ማእከል ሕክምና ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ እናተውሃበ ይርከብ።
ነቲ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኸቡ ጉድኣት ወገናት ካብ ስነ ልቦናዊ ሕውየት ብተወሳኺ ቅልል ዝበሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዘኽእሎምን ነዚ ዕድል ብምርካቦም ሓጎስ ከምዝተሰመዖምን ብምግላፅ ካልኦት ነዚ ዕድል ዘይረኸቡ ወገናት ድማ ግልጋሎት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፍጠረሎም ተላብዮም።
#ብጥዑማይ_ገዛኢ

ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተጠናኸረን ዝተናበበን ቃልሲ ክነካይድ ኢና - ኣይተ በየነ ምክሩ
መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
"ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተጠናኸረን ዝተናበበን ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክነካይድ ኢና።" ክብሉ ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ቁጠባ ኣይተ በየነ ምክሩ ገሊፆም።
ኣይተ በየነ ነዚ ዝበሉ፣ ካብ ጣቢያ ክሳዕ ዞባ ዘለዉ ኣመራርሓ ከተማ መቐለ ዝተሳተፉሉ ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ኣድሂቡ ይዝተየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ።
ዓለም ለኻዊ፣ ከባቢያዊን ውሽጣዊን ኵነታት ፖለቲካ ዝድህስስ ሓሳብ ኣብቲ መድረኽ ዘቕረቡ እንትኾን፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ንምትግባር ኣብቲ ስምምዕ ዝምስረቱ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝህልዉ ዝምድናታት ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ገሊፆም።
ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ንኲናት ጠንቂ ዝኾኑ ነገራት ክተርፉን ከም ዝቃለሱ ተዛሪቦም።
ፌደራል መንግስቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ከውፅእ ዘይምኽኣሉ ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዓቢይ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ዘረድኡ ኣይተ በየነ፣ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘለዉ ግቡኣቱ ክፍፅም ፀቕጢ ንምግባር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።
ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ዓበይቲ ምዕባለታት ይረአዩ ከም ዘለዉ ብምሕባር፣ "ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰማዓይነት ናብ ንጡፍ ዜጋ ክሰጋገር ጀሚሩ ኣሎ፤ ኵሉ ዝበሃል ተቐቢሉ ዝኸይድ ዘይኮነስ ዝሓትት ኾይኑ ኣሎ።" ኢሎም።
እዚ ኣብ ናይ ትግራይ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊ ባህልን ዓቢይ ለውጢ ዘምፅእን ንድሕሪት ዘይምለስን ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ነንባዕሎምን ምስ ካልኦት ትካላትን ጊዜያዊ ምምሕዳርን ተቐራሪቦም ክሰርሑ ምጅማሮም እውን ኣካል እቲ ለውጢ እዩ ኢሎም።
እዚ ምዕባለ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝቃለሱ ድማ ገሊፆም።
#ብቶማስ_ሓዱሽ

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ መድመይቲ ተተሓሒዙ ግልጋሎት ሕክምና ዝህቡ ማሽናት ተረኪቡ።
መቐለ፥ 03 መጋቢት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ትካላት ኣፈወርቅ ፋርማን ሸንዘን ማይንድረይን ብሓባር ብምዃን ዝለገሱዎም ምስ መድመይቲ ተተሒዙ ግልጋሎት ሕክምና ዝህቡ ልዕሊ ኽልተ ነጥቢ ሸሞንተ ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ዓሰርተ ማሽናት ከም ዝተረከበ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ።
እተን ማሽናት ናብ ዓሰርተ ሆስፒታላት ከም ዝከፋፈላ ብምሕባር፣ ሕብረተ ሰብ ኣብ ቐረብኡ ኣብ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ክግልገል ዕድል ከም ዝፈጥር ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም።
ንዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ዳግመ ህንፀት ትካላት ጥዕና ትግራይ ንምህናፅ ነዚ ሰናይ ተግባር ካልኦት ክስዕቡዎ ድማ ተላቢዎም።
"እዚ ፈለማና እምበር መወዳእታና ኣይኮነን።" ክብሉ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉሉ ኣካያዲ ስራሕን ኣፈወርቂ ፋርማ ኣይተ ኣፈወርቂ ወልደስላሴ ገሊፆም።
ኣመራርሓ ሸንዘን ማይንድረይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተ ኤፍሬም ተስፋይ፣ እቲ ትካል ሕዚ ካብ ዝገበሮ ሓገዝ ናውቲ ብተወሳኺ ዝተበላሸዋ ተመሳሰልቲ ማሽናት መለዋወጢ ብምቅራብን ብምፅጋንን ደገፍ ክገብር መደብ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።

ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ብልቓሕ ዝተረኸባ ትራክተራት ንዞባታት ተኸፋፊለን።
መቐለ፥ 12 መጋቢት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ብልቓሕ ዝተረከበን 85 ትራክተራት ሎሚ ን ዞባታት ኣከፋፊሉ።
ብምኽንያት ኲናት ዝነበረ ሃፍቲ ኣብዑርን ጉልበት ሰብን ስለዝተዳኸመ ነዚ ንምትካእ ጠለብ ትራክተር ወሳኒ ምዃኑ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር እያሱ ኣብረሃ ተዛሪቦም።
እተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝመፃ ትራክተራት ዓብይ ለውጢ ኢና ርኢናለን ዝበሉ ዶክተር እያሱ፣ሕዚ እውን ብመሰረት እቲ ሓረስታይ ዘርኣዮ ጠለብ 85 ትራክተራት ኣምፂና ኣለና ኢሎም።
እዘን ትራክተራት ምስ ማሕረሸእን ስለዝመፃ ሕዚ ዘድሊ እቲ ሓረስታይ ስልጠናን ዝተናወሐን ልቓሕ ወሲዱ ነተን ትራክተራት ተቐቢሉ ናብ ስራሕ ክኣቱ ምግባር እዩ ኢሎም።
ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሕፅረት ነዳዲ ንስራሕቲ ሕርሻ ዕንቅፋት ብምዃኑ መንግስቲ ፌደራልን ዝምልከቶም ኣካላትን መፍትሒ ክገብሩ ፀዊዖም።
#ህሊና ኣርኣያ

ሓዱሽ ደንቢ ትራፊክ 557/2016 ዓ.ም ተግባራዊ ንምግባር ተዳሊና ኣለና ኢሉ ቢሮ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ።
ካብን ናብን ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዘሎ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ዝህልው መምርሒን ደንብን ሓደ ብምዃኑ ንተሓታትነቱን ግልፅነቱን ምችውነት ከም ዘለዎ ተገሊፁ።
እቲ ሰለስተ ብርክታት ዝሓዘ ደንቢ ኣብ ብርኪ ሓደ ንዘጋጥም ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ 500 ብር ኣብ ብርኪ ክልተ 1000 ብር ኣብ ብርኪ ሰለስተ ድማ 1500 ብር ቅፅዓት የቐምጥ።
ሓደ ሰብ ትርፊ ዝፀዓነ ተሽከርካሪ 1500 ከምዝቕፃዕ እቲ ደንቢ ደንጊጉ ኣሎ። በዝሒ ትርፊ ሰብ ብዝወሰኸ ድማ ንሓደ ሰብ 100 ብር እናወሰኸ ከምዝኸይድ የረድእ።
ደንቢ 557/2016 መቆፃፀሪ ትራፊክ ካብቲ ብቤት ፍርዲ ዝወሃብ ቅፅዓት ብተወሳኺ ብመኽበሪ ስርዓት ፖሊስ ትራፊክ ድማ ተወሳኺ ቅፅዓት ዘንብር መምርሒ ዘለዎ ምዃኑ ተገሊፁ።
ተገልጋሊ ሕብረተሰብ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 3 ናይ ምሸት ብስሩዕ ታሪፍ ግልጋሎት መጓዓዝያ ክግልገል ከምዝግባእ ብምሕባር ካብዚ ወፃኢ ዝሕተት ታሪፍ ግን ደንቢ ዝጠሓሰ ከምዝኾነን ህዝቢ ባዕሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኮይኑ ክቃለስ ከም ዝግባእን ተሓቢሩ።
ድሕሪ ምሸት ሰዓት 3 ዝንቀሳቐሳ ባጃጃት ዝምልከት ድማ ኣበየናይ ሰዓት ፣ካበይ ናበይ ከምዝንቀሳቐሳን ኣቐዲመን ንፖሊስ ከፍልጣ ከምዝግባእ ኣብቲ ደንቢ ተቐሚጡ።
እቲ ሓዱሽ ደንቢ መቆፃፀሪ ትራፊክ 557/2016 ካብ መጋቢት 21 / 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ደንቢ ኣብዚ 👇 ልጋብ ክትረኽብዎ ኢኹም
https://tigraitv.com/ሓዱሽ-ደንቢ-ትራፊክ-557-2016-ዓ-ም-ተግባራዊ-ንምግ/

TMMA - Tigrai Mass Media Agency
ሓዱሽ ደንቢ ትራፊክ 557/2016 ዓ.ም ተግባራዊ ንምግባር ተዳሊና ኣለና ኢሉ ቢሮ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ። - TMMA - Tigrai Mass Media Agency
መቐለ፥12 መጋቢት 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ውዕሊ ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይምለስ መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ክትትል ንክገብር ተሓቲቱ።
መቐለ፥12 መጋቢት 2017 ዓ/ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ንተፈፃምነት ውዕሊ ስላም ፕሪቶርያ ዝሃቦ ጠመተን ሕዚ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ኩነታትን እቲ ውዕሊ ንድሕሪት ከይምለስ ክትትል ክገብር ሕቶ ቀሪቡ ።
ኣባል ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን ብመንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ጠመተ ክወሃቦ ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶታት ፣መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ንተፈፃምነት ውዕሊ ስላም ፕሪቶርያ ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብርን " ኣብ መንጎ ህውሓት ብዝተፈጠረ ምፍንጫል " እቲ ውዕሊ ንድሕሪት ከይምለስን ክትትል ይገበረሉ ምባሎም ኣብ ውልቃዊ ኤክስ (X) ገፆም ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከጋጥም ብዛዕባ ዝቀላቐል ዘሎ ሃዋህው ኲናት ዝጠመተ ዳህሳስ ከምዝተኻየደ ብምግላፅ እቲ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዛዕባ ዝህልዎ ፅዕንቶን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ኲናት ከየጋጥም ታይ ይስራሕ ምህላውን ? ዝጥምት ሕቶ ካብ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን ቀሪቡ።
ብተወሳኺ መንግስቲ እንግሊዝ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ስግግር ሰባትን ጠሚቶም ዝወፁ ዘለው ፀብፃባት ዳህሳስ ተገይሩ ዶ? ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን፤ኣብ ጉዳይ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሞንጎ ህውሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዘሎ ኣፈላላይ ዘለዎ ፅዕንቶን እውን ትኹረት ክረክብ ተላብዮም ኣለው ።