ዘርኡ ገብረሊባኖስ ካብ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሚኢቲ ሰባት ዓለምና ሓደ ብምዃን ሽልማት ተቐቢሎም።
መቐለ፥ 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ናይ ክብሪ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብብርኪ ዓለም ካብ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሚኢቲ ሰባት ሓደ ብምዃን ካብ ካውንስል ማአኸል ልምዓት ዶብ ኣልባ መራሕቲ ሽልማት ተቐቢሎም።
በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣብ ቤት ምኽሪ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ተረኺቦም ሽልማቶም ከምዝወሰዱ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኖርዘርን ስታር ቢዝነስ ጉሩፕ ዝበሃል ትካል ንግዲ ዘንቀሳቕሱ በዓል ሃፍቲ አንትኾኑ፣ብውልቀኦም ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፆም ንህዝብን መንግስትን ብምርካብን በቢ አዋኑ ንፅጉማት ብምሕጋዝን ዝፍለጡ በዓል ሃፍቲ ብምዃኖም ካብቶም ሚኢቲ ብሉፃት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰባት ኮይኖም ክሕረዩ ክኢሎም አዮም።
አዞም ብብርኪ ዓለም ዝተመረፁ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰባት ብስርሖም፣ ዘምፅእዎም ሓሳባትን መሪሕነቶምን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ምዃኖም ዝተኣመነሎ ካብ ሎሚ 21 ለካቲት ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲ ኣፍልጦን ሽልማትን ከምዝወሃቦም እቲ ካውንስል ዕላዊ ገይሩ።

መበል 1446 ዓመተ ሂጀራ ፆመ ረመዳን ፅባሕ ቀዳም ክጅምር እዩ።
መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
መበል 1 ሺሕን 446 ዓመተ ሂጀራ ፆም ረመዳን ፅባሕ ቀዳም ከምዝጅምር ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይን ሸሪዓ ቤት ፍርዲ ትግራይን ኣፍሊጦም።
ወርሒ ሎሚ መዓልቲ ብምርኣያ ህዝበ ሙስሊም ብፆምን ፀሎትን ዘሕልፎ ወርሒ ረመዳን ፅባሕ ቀዳም ከምዝጅመር ገሊፆም።

መበል 129 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ ብዝፈላለዩ ምድላዋት ክፅምበል እዩ-ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን
መቐለ፥21 ለካቲት 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
መበል 129 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ ብዝፈላለዩ ምድላዋት ክፅምበል እዩ ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፅብሃ ገ/ሄር (ዶ.ር)።
እቶም ሓላፊ ኣብ ናይ ውልቀ ፌስቡክ ኣካውንቶም ብመሰረት ዝጠቅዕዎ ሓበሬታ ፅባሕ 22 ለካቲት 2017 ዓ.ም ውድድር ዓብዩ ጉያ፣ መድረኽ ዘተ፣ ዑደት ታሪኻዊ ቦታታትን ምርኢት ጎደናን ክሳለጡ እዮም።
ሰንበት 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም ድማ ምርኢት ትያትር ፣ ምርኢት ሙዚቃን ካልኦትን ከምዝህልው እቲ መርሃግብሪ የመላኽት።
እቶም ምድላዋት ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ዝተዳለው ምዃኖም ተሓቢሩ።
በዓል ዓወት ኵናት ዓድዋ ወታደራዊ ብቕዓት ኣፍሪካዊ ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ራእሲ መንገሻ፣ ባሻይ ኣውዓሎምን ካልኦትን ደጊሙ ዝተረጋገፀሉን ፤ ተጋሩ ኣብ ሰሓጢ፣ ጉንደትን ዶግዓልን ኣብ ልዕሊ ወራሪ ፋሽሽት ጣልያን ናይ ዘመዝገብዎ ዓወት መቐፀልታን ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍፅም ምህላዉን ብህፁፅ ክወፅእን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓሳሲቡ።
መቐለ፥ 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ኣብ 2022 ዓመተ ፈረንጂ ዝተነበረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ሕዚ አውን ኣብ ግዝኣት ትግራይ ኮይኑ ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ ክብል ውድብ ሕቡራት መንግስታት የካይዶ ኣብ ዘሎ መበል 58 ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ገሊፁ።
መንግስቲ ኤርትራ ንዝሓለፉን ሕዚ ይፍፀሙ ንዘለውን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ድሌት የብሉን ክብል ወቒሱ።
ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ኣብ ግዝኣት ትግራይ ከምዘሎ እኹል መረዳአታ ኣለና እዩ ክብላ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስመዓ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ኢልዜ ብራንድስ ክሃሪስ ሓቢረን።
እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ ገበናት ስርቂ፣ ዓመፅ፣ጭውያን ካልኦት ዓበይቲ ገበናትን ይፍፅም ሰለዘሎ ብህፁፅ ክወፅእ ይግባአ ኢለን።
ዝምልከቶም ኣካላት ዝግባአ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱ እውን ገሊፀን።
#ብህሊና_ኣርኣያ

ን400 ወገናት ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ስራሕ ኢድ ይሳለጥ ኣሎ።
መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ማእኸል ሕክምና ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ስራሕ ኢድ የሳለጥ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጀርመናዊ ሃንድስ ፕሮጀክት (Hands Project)ን ኢንግሊዛዊ ሃዲስ ኣጋቤ ፋውንዴሽንን( Haddis Agape foundation) ናብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኢዶም ንዝተቖረፁ ወገናት ብልዕሊ 15 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ስራሕቲ ገጠማ ባምቡላ ኢድ ኣካይዶም።
ኣብ ትግራይ ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ብርክት ዝበሉ ጉድኣት ኣካል ስለዘለው እዚ ግልጋሎት ቀፃሊ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝስራሕ ኣተሓባባሪ ሃንድስ ፕሮጀክት ጀርመን ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ቢንያም ገብረየሱስ ገሊፆም።
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ሕክምና ተሃድሶ ዶክተር ኮከብ ሓጎስ ብወገኖም ብገበርቲ ሰናይ ብተፈጥሮን ሰብ ኲናትን ኢዶም ዝሰኣኑን ዝተጎዱን ወገናት ስራሕቲ ገጠማ ባምቡላ ኢድን ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኮይኖም ኣብ ትግራይ ብስንኪ ኲናትን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማትን ኣካል ጉድኣት ኣካል ብዙሕ ስለዝኾነ ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት ተሳትፈኦም ከሐይሉ ፀዊዖም።
እዚ ግልጋሎት ካብ 17 ክሳዕ 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መቐለ ማእከል ሕክምና ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ እናተውሃበ ይርከብ።
ነቲ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኸቡ ጉድኣት ወገናት ካብ ስነ ልቦናዊ ሕውየት ብተወሳኺ ቅልል ዝበሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዘኽእሎምን ነዚ ዕድል ብምርካቦም ሓጎስ ከምዝተሰመዖምን ብምግላፅ ካልኦት ነዚ ዕድል ዘይረኸቡ ወገናት ድማ ግልጋሎት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፍጠረሎም ተላብዮም።
#ብጥዑማይ_ገዛኢ

ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተጠናኸረን ዝተናበበን ቃልሲ ክነካይድ ኢና - ኣይተ በየነ ምክሩ
መቐለ፥ 21 የካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
"ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተጠናኸረን ዝተናበበን ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክነካይድ ኢና።" ክብሉ ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ቁጠባ ኣይተ በየነ ምክሩ ገሊፆም።
ኣይተ በየነ ነዚ ዝበሉ፣ ካብ ጣቢያ ክሳዕ ዞባ ዘለዉ ኣመራርሓ ከተማ መቐለ ዝተሳተፉሉ ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ኣድሂቡ ይዝተየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ።
ዓለም ለኻዊ፣ ከባቢያዊን ውሽጣዊን ኵነታት ፖለቲካ ዝድህስስ ሓሳብ ኣብቲ መድረኽ ዘቕረቡ እንትኾን፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ንምትግባር ኣብቲ ስምምዕ ዝምስረቱ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝህልዉ ዝምድናታት ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ገሊፆም።
ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ንኲናት ጠንቂ ዝኾኑ ነገራት ክተርፉን ከም ዝቃለሱ ተዛሪቦም።
ፌደራል መንግስቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ከውፅእ ዘይምኽኣሉ ንተግባራዊነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዓቢይ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ዘረድኡ ኣይተ በየነ፣ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘለዉ ግቡኣቱ ክፍፅም ፀቕጢ ንምግባር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።
ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ዓበይቲ ምዕባለታት ይረአዩ ከም ዘለዉ ብምሕባር፣ "ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰማዓይነት ናብ ንጡፍ ዜጋ ክሰጋገር ጀሚሩ ኣሎ፤ ኵሉ ዝበሃል ተቐቢሉ ዝኸይድ ዘይኮነስ ዝሓትት ኾይኑ ኣሎ።" ኢሎም።
እዚ ኣብ ናይ ትግራይ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊ ባህልን ዓቢይ ለውጢ ዘምፅእን ንድሕሪት ዘይምለስን ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ነንባዕሎምን ምስ ካልኦት ትካላትን ጊዜያዊ ምምሕዳርን ተቐራሪቦም ክሰርሑ ምጅማሮም እውን ኣካል እቲ ለውጢ እዩ ኢሎም።
እዚ ምዕባለ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝቃለሱ ድማ ገሊፆም።
#ብቶማስ_ሓዱሽ

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ መድመይቲ ተተሓሒዙ ግልጋሎት ሕክምና ዝህቡ ማሽናት ተረኪቡ።
መቐለ፥ 03 መጋቢት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ትካላት ኣፈወርቅ ፋርማን ሸንዘን ማይንድረይን ብሓባር ብምዃን ዝለገሱዎም ምስ መድመይቲ ተተሒዙ ግልጋሎት ሕክምና ዝህቡ ልዕሊ ኽልተ ነጥቢ ሸሞንተ ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ዓሰርተ ማሽናት ከም ዝተረከበ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ።
እተን ማሽናት ናብ ዓሰርተ ሆስፒታላት ከም ዝከፋፈላ ብምሕባር፣ ሕብረተ ሰብ ኣብ ቐረብኡ ኣብ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ክግልገል ዕድል ከም ዝፈጥር ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም።
ንዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ዳግመ ህንፀት ትካላት ጥዕና ትግራይ ንምህናፅ ነዚ ሰናይ ተግባር ካልኦት ክስዕቡዎ ድማ ተላቢዎም።
"እዚ ፈለማና እምበር መወዳእታና ኣይኮነን።" ክብሉ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉሉ ኣካያዲ ስራሕን ኣፈወርቂ ፋርማ ኣይተ ኣፈወርቂ ወልደስላሴ ገሊፆም።
ኣመራርሓ ሸንዘን ማይንድረይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተ ኤፍሬም ተስፋይ፣ እቲ ትካል ሕዚ ካብ ዝገበሮ ሓገዝ ናውቲ ብተወሳኺ ዝተበላሸዋ ተመሳሰልቲ ማሽናት መለዋወጢ ብምቅራብን ብምፅጋንን ደገፍ ክገብር መደብ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።