Tigrai Television
13.1K subscribers
6.21K photos
130 videos
28 files
4.65K links
Tigray Television is a media which disseminates news and programs world wide via Television, Radio and Website.
Download Telegram
ናብ ትግራይ ነዳዲ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ኣፍሊጡ።

መቐለ፥17 መጋቢት 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕፅረት ነዳዲ ከምሃገር ዘጋጠመ ፀገም ኮይኑ እቲ ፀገም ሕዚ ተስተኻኺሉ ምቕራብ ጀሚሩ ኣሎ ክብል በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ጅቡቲ ፀገም ዲፖ ነዳዲ ስለዝነበረ ኣብ ብዙሓት ክልላት ሕፅረት ቐረብ ኣጋጢሙ ከምዝፀንሐ ፈፃሚት ስራሕ ርክብ ህዝብን መንግስትን በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ወይዘሮ በቀለች ኩማ ሓቢረን።

መንግስቲ ትግራይ ካብ 6 መጋቢት ጀሚሩ ነዳዲ እናቐረበሉ ከምዘይኮነንን በዚ ምኽንያት ድማ እናተፀገመ ከምዝኾነ ብደብዳቤ ኣፍሊጡና እዩ ዝበላ እተን ፈፃሚት ስራሕ፣ ኣብ ካልኦት ክልላት እውን ተመሳሳሊ ቕሬታት ነይሮም እዮም ኢለን፡፡

ብፍላይ ኣብ ናፍጣ ሕፅረት ቐረብ ከምዝነበረን፤ ነዚ ንምፍታሕ ክበሃልኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዝርከቡ ዝለዓለ ቁጠባዊ ምንቕስቓሳት ዘለዎም ፕሮጀክትታት ብፍላይ ቀዳምነት ክረኽቡ ተገይሩ እዩ ኢለን፡፡

እቲ ሕፅረት ቐረብ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘጋጠመ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክልላት ሃረር፣ ጋምቤላ ብተወሰነ ብርኪ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦትን ነይሩ እዩ ክብላ ኣረዲአን፡፡

ነዚ ስዒቡ ስራሕቲ ምስትኽኻል እናተሰርሐ ፀኒሑ ካብ ሎማዓንቲ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ተጀሚሩ ኣሎ ኢለን፡፡

ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣብ ናይ ሎጂስቲክስ ጉዳይ ዘጋጥም ስለዝኾነ እምበር ናይ ትግራይ ንበይኑ ዝተፈለየ ምኽንያት የብሉን ኢለን ምስ ንጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበረን ፃንሒት።
ስነ ስርዓት ኢፍጣር ጎደና ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

መቐለ፥18 መጋቢት 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብኣዳላዊነት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ "ኢፍጣርና ንሰላምናን ሓድነትናን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስነ ስርዓት ኢፍጣር ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

4ይ ዙር ናይ 1446 ዓመተ ሂጅራ ረመዳን ኢፍጣር ጎደና ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ኣመንቲ ኢፍጣር ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር ሓጋዚ እዩ ኢሎም።

ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ተመዛብልትን ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዝርከብ ዝገለፁ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ነዚ ድማ ተሓጋጊዝና ክንሓልፎ ይግባእ ኢሎም።

ሕብረተሰብ በዓላት እናተፀበየ ጥራሕ ክተሓጋገዝ ዘይኮነስ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀረባና ምስ ዝርከቡ ወገናት ክንተሓጋገዝ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።

ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ እዚ ስነ-ስርዓት ኢፍጣር ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝተዳለወ
ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ሰነ-ስርዓት ንክሳለጥ ንዝሓገዙ ትካላትን ኣካላት ፀጥታን ኣመስጊኖም።

ኣብ ምስላጥ ሰነ- ስርዓት ኢፍጣር ልዑል ግደ ንዝነበሮም ኣካላት ሽልማትን ኣፍልጦን ተዋሂቡ።

#ብጥዑማይ ገዛኢ
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓዱሽ ኣወዳድባ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣፅዲቑ።

መቐለ፥ 03 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ፖለቲካዊ ባህልና ኣብ ምድምማፅ፣ ምክእኣልን ምክብባርን ዝተመስረተ ንምግባር ብልዑል ቆላሕታ ክስራሕ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሮም።

እቶም ፕረዚደንት ነዚ ዝገለፁ ሎሚ 3 ማዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካቢኔ ኣኼባ እዩ። እቲ ካቢኔ ብቢሮ ስቪል ሰርቪስ ተዳልዩ ዝቐረበሉ ኣወዳድባ ኣብያተ ዕዮ መሰረት ገይሩ ዝዘተየ ኮይኑ፣ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ድማ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅድቕዎ ኣሎ።

እዚ ኣወዳድባ ነቲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሐ ብመሰረቱ ዝልውጥ ዘይኮነስ፤ ዝነበረ እዚ ሰንሰለት ብዘወግድ፣ ውፅኢታዊነት ናይቶም ትካላትን ሓይሊ ሰብን ብዘረጋግፅን ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ውዕል ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክፍፀምን ብዘኽእል ኣገባብ ንምትዕርራይ ዝዓለመ ምዃኑ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ሓቢሮም።

ቀንዲ ምምዕርራይ ኣወዳድባ ኣብያተ ዕዮ ዘድልየሉ ምኽንያት ኣብዚ ሓፂር ግዜ ውዕል ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክፍፀም ዘኽእሉ ኣወዳድባታት ንምትእትታውን ኣብ ህዝብና ዘሎ ዙርያ መለሽ ፀገማት ንምፍታሕን ማእኸል ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

ካብቶም ኣብቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ ዝተኻተቱ ኣብያተ ዕዮታት ሓደ ድማ፣ ትግበራ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝከታተል ሰክሬተሪያት ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም። ብተዛማዲ ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምክያድ ፖለቲካዊ ልዝብ ምስ ፌደራል፣ ምስንባትን ዳግመ ፅንበራን ሰራዊት ትግራይ ወዘተ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝምርኮስ ኮይኑ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣወዳድባ ክህልዎ ምግባር ግድን ከምዘድሊ እዮም እቶም ፕረዚደንት ሓቢሮም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ዝምልከት መንግስትን ፖለቲካ ፓርቲታትን ብሓባር ኮይኖም ዝከታተልዎ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዝቕፅል ሓደ ዓመት ብፍላይ ድማ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ኣብ ምጥንኻር ብቐፃልነት ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ፖለቲካዊ ባህልና ኣብ ምድምማፅ፣ ምክእኣልን ምክብባርን ዝተመስረተ ንምግባር ብልዑል ቆላሕታ ክስራሕ ከምዘለዎ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ምጥንኻርን ተሓሳቢ ዝገበረ ምዃኑ ኣብሪሆም። ፖለቲካ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ዘይራኸብ ፀፍሒ ወፅዩ ምዕሩይ ፖለቲካዊ ባህሊ ንምህናፅ ድማ ብቐፃልነት ምስራሕ ከምዘድሊ'ውን ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ብተዛማዲ ርክባት ወረዳ ምስ ወረዳ፣ ዞባ ምስ ዞባ ብቐፃልነት ብምፍፃም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፀንሐ ስጡም ሓድነት ዝያዳ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ገሊፆም።

በቲ ዝተገበረ ሓዱሽ ምትዕርራይ መሰረት ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ካቢኔ ሰክሪተሪያት ዝተዓፀፈ ኮይኑ፣ ብቐጥታ ቢሮታት ንፕረዚደንት ተፀዋዕቲ ክኾኑን ሓደ ምክትል ፕረዚደንት ክህሉን ተገይሩ ኣሎ። በዚ ዝተገብረ ውስን ምትዕርራይ መሰረት ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ውሱን ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ከምዝግባር ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ፀብፂቡ።
ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስ ይኹን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምውሓስ ብሰላማዊን ሰላማዊን መንገዲ ጥራሕ ከም ዝስራሕ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ሓቢሮም።

መቐለ፥ 15 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ሎሚ 15 ማዝያ 2017 ዓ.ም. ምስ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ኣብ እዋናዊ ጕዳያት ጠሚቶም ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ እዩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብፍላይ ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ ምምላስ ዝተመዛበሉ ወገናት፣ ምጅማር ፖለቲካዊ ዘተ ከምኡ ድማ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምምላስን እግሪ ምትካልን ሰራዊት ትግራይ ዝተልዓሉ ጕዳያት እዮም።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ከቢድ ህይወት ክደፍኡ ዝተገደዱ ተመዛበልቲ ወገናትና ናይ ምምላስ ጉዳይ ቀንድን ቁልፍን ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ቁልፊ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ምትግባር ከዓ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምምኽኻር ከምዝስራሕን ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ንምምላስ ብልዑል ትኹረት ከምዝስራሕን ገሊፆም።

ተመዛበልቲ ንምምላስ ይኹን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምውሓስ ብሰላምን ሰላማዊን መንገዲ ጥራሕ ከም ዝስራሕ እውን እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ንምፍታሕ ብሄራዊ ዋዕላታት ብምክያድ ካብቶም መድረኻት ብዝርከቡ ሓሳባትን ኣብ ፅንዓት ብምምስራትን ብቐፃልነት ከም ዝስራሕ እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ብወገኖም ንፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዕዉት ናይ ስራሕ ግዜ ክኾነሎም ሰናይ ትምኒቶም ድሕሪ ምግላፅ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጠናኺሩ ብምሉእ ዓቕሙ ንኽሰርሕ፣ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትልሚ ተታሒዝሉ ዘሎ ህዝባዊ ዋዕላታት ኣብ ምጥንኻር፣ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝግበሩ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ ምንቅስቓስ ንኽሰምር ሃገሮም ዓባይ ብሪታንያ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ከምትገብር ገሊፆም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።