✨✨
"..ኩሉ ብቑምነገር እንተሒዝናዮ ምስ ሰባት ምንባር ክኸብደና እዩ። ስለዚ ነገራት ኣቕልል ኣቢልና ብምሕላፍ መንፈሳዊ ጥበብ ንጠቐም።"
"...ሓደ ሰብ ቅር ዘብል ነገር እንተተዛሪብካ ፤ ከም ዘይሰማዕኻዮን.. ንሱ 'ውን ከምዘይተዛረቦን ጌርካ ውሰዶ።
...ንዘረብኡ ብየዋህነት ተቐበሎ ፣ ስሓቐሉ ፣ ናብ ቀልዲ ውን ቀይሮ እምበር ..ናብ ቁም ነገር ኣይተዙሮ።"
"ሰላምካ ንምሕላው ፥ ኩሉ ክፉእ ንግግር ናብ ልብኻ ኣይተእትዎ።
ብፍቕሪ እምበር ፥ ብግትርነት ኾነ ብቑምነገር ክትስዕሮም ኣይትኽእልን።"
"..ጎይታና ክርስቶስ 'ውን ናይ ኩላትና ሓጥያት ዝተዓገሶ በዚ መልክዑ እዩ።"
✍ ፖፕ ሺኖዳ
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ፣ ርኢቶን

❤21🔥3👍2🙏2
✨✨
" ፅድቂ እዩ ኢልና እንሰርሖ ሓጥያት ከም ዘሎ ክንፈልጥ ኣለና።
..ቅንዕና ብዝመስል ዝተሸፈነ ቅንኢ ፥ የዋህነት ብዝመስል ዝተሸፈነ ክፍኣት ፥ ብትሕትና ዝተሸፈነ ትዕቢት ፥ ኣብ ምሕባእ ውሽጢ ዘሎ ርኣዩኒ ርኣዩኒ ምባል... ወዘተ..
እቲ እንገብሮ ፡ ንምንታይ ከም እንገብሮ እግዚኣብሔር የብርሀልና!
ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ከምዚ በለ...
✍ ፖፕ ሺኖዳ
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን

"ንስሕተት መን ኮን ዘስተውዕላ..?
ካብ ዝተሰወረ ሓጥያት ኣንፅሀኒ.."
/መዝ 18፥12/
✍ ፖፕ ሺኖዳ
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
❤17😢5🥰4🔥2
✨✨
ከም ዝደኸመካ እግዚኣብሔር ይፈልጥ እዩ ፤ ዝኽኣልካዮ ኩሉ ትገብር ምህላውካ ይፈልጥ እዩ።
ስለ መፃኢ.. መልሲ ከምዘይብልካ ይፈልጥ እዩ።
ንሱ ግን ይርኤካ እዩ ፥
ተስፋ ከምዘይቖረፅካ ይርኢ እዩ።
..ንዓኻ እቅድ ኣለዎ እዩ ፤
መንገዲ 'ውን ከዳልወልካ እዩ።
@aqlessia 👈 ንሕቶን ርኢቶን

❤24🙏5😭3
✨✨
"..ኣነ ግን ብምሕረትካ ይተኣማመን እየ ፥ ልበይ'ውን ብመድሓኒትካ ደስ ይብሎ ፥ ነቲ ዝረድኣኒ እግዚኣብሔር የመስግኖ ፥ ንልዑል እግዚኣብሔር ሽም 'ውን ክዝምር እየ.."
/ መዝ 13፥5 /
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
"..ኣነ ግን ብምሕረትካ ይተኣማመን እየ ፥ ልበይ'ውን ብመድሓኒትካ ደስ ይብሎ ፥ ነቲ ዝረድኣኒ እግዚኣብሔር የመስግኖ ፥ ንልዑል እግዚኣብሔር ሽም 'ውን ክዝምር እየ.."
/ መዝ 13፥5 /
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
❤24🥰6🔥3👏2
✨✨
" ከምዚ ግበር ፥ ክትድቅስ ከለኻ ፀልይ ፡ ክትነቅሕ ከለኻ 'ውን ፀልይ ፡
...ሕይወት ክከብደካ ኸሎ ፀልይ ፡ ሕጉስ ክትኸውን ከለኻ 'ውን ፀልይ ፡
... ርግፀኛ ምዃን ክኣብየካ ኸሎ ፀልይ ፡
...ተምራቱ ክትሪኦ ኢኻ ምኽንያቱ
..እግዚኣብሔር ኩሉ ጊዜ ምሳኻ ስለ ዝኾነ..."

🥰23❤5🙏4👏1
✨✨
እግዚኣብሔር ድኻምካ ከምዝፈልጥን ፡ ክሳብ ሐዚ ከም ዝፈትወካን ርግፀኛ ኹን።
..ኣብ ሓጥያት ውሽጢ ዋላ ውደቕ ፤
እግዚኣብሔር ከድሕነካ ፡ ናብ ባዕሉ ከቕርበካ ፡ ናብ ናይ ቀደም ቦታኻ ንኽመልሰካ ከምዝሰርሕ እመን.."

🥰10🔥6❤4
✨✨
"ሕጉስ ኩን ፡ ሰላምታኻ ንፁህን ብፍሽኽታ ዝተዓጀበን ይኹን። ናብ ጭቕጭቕ ካብ ምእታው ንባዕልኻ ሓልው። ዘረባኻ ሓፂርን ብጨው ዝተቐመመን ይኹን።
ካብ ሰይጣን ወፃኢ ካሊእ ፀላኢ ኣይሃልኻ። ናይ ሰባት ስሕተት ኣይትመርምር ፡ ናይ መሓዛኻ ሓጢያት ኣይትግለፅ ። ናይ ብፃይካ ውድቀት ደጋጊምካ ኣይትዛረብ።
ቅዱስ ፣ ጥንቁቕ ፣ ግልፅን በሊሕን ኩን። ርግዓታ ዝተላበሰ ስብእና ይሃልኻ።"
✍ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
( 📖 የትህርምት ሕይወት)

❤9❤🔥2🥰1👏1
✨✨
"ድብርት'ን ጭንቀትን ዝምንጭው ፡ ኣእምሮና ካብ መጠን ንላዕሊ ክርበሽ ከሎ እዩ።
እዚ ዝኽሰት ድማ ብስንፍና ፡ ከንቱ ነገራት ብምውራይ ፡ ወይ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምምጋብ እዩ.."
✍ ማር ይስሐቅ

🥰9❤5👌3👍1
✨✨
ናይ ኣቡነ ቄርሎስ ሕይወት ካብ ፀሎት ተፈልዩ ኣይፈልጥን። በብመዓልቱ ለይቲ ሠዓት 8፡00 እናተንስኡ መዝሙረ ዳዊት ፣ ቅዳሴ የጠናቕቑ ነበሩ።
ኣብ ጵጵስና ዘመኖም ካብ 12,000 ንላዕሊ ቅዳሴታት ቀዲሶም ኣቑሪቦም እዮም። ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ብማንም ሊቀ ጳጳስ ዘይተፈፀመ ዓብዪ ተጋድሎ እዩ።
• ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ፥ "ኣቦና ክንድዚ ቅዳሴ ከመይ ክትቅድሱ ክኢልኩም..?" ኢሉ ሓተቶም።
• ኣቡነ ቄርሎስ 'ውን ፥
"ቅዳሴ ከም ሓላፍነት ዘይኮነስ ከም ሕይወት ቀፀርክዎ። ልክዕ ከም ዝትንፍሶ ኣየር ፥ ከምዝሰትዮ ማይ.. ወደይ ፀሎት ንነፍሲ ልክዕ ከምኡ እዩ.." ኢሎም መለስሉ።
ንሕና 'ኸ ቅዳሴ ከም ሕይወት ዲና ንሪኦ ወይስ ከም ግዴታ..?
✍ ዲ.ን ያዕቆብ

❤8🥰6😭3
ፅባሕ ንዓኻ ዝሓሸ እዩ..!
" ሎምዓንቲ ንዓኻ ብጣዕሚ መሰልቸዊ ተኾይኑካ ንፅባሕኻ ንበር።
ኣብ ፅባሕኻ ውሽጢ ንዓኻ ንምርግጋዕ ናይ እግዚኣብሔር ኣእዳው ናባኻ ከም ዝዝርጋሕ ኣስተውዕል።
👉 እዚ ተጌርካ ኣብ ፅባሕኻ ብዙሓት መፍትሕታት ክትምልከት ትኽእል ኢኻ።
• ናትካ ሎምዓንቲ ፀልማት እንተኾይኑ : ጽባሕኻ ኣብ ቅድሜኻ ናይ ብርሃን መስኮት ይኸፍተልካ።
ቅዱሳን ፅባሕ ንዝረኽብዎ ዘልዓለማዊ ሂወት ስለ ዝምልከቱ ፥ ተስፈኦም ኹሉ ኣብ ፅባሖም ጌሮም መከራ ይቕበሉ።
• ሳዖል ከሳድዶ ከሎ ፥ ዳዊት ፅባሑ እናተመልከተ ይሃድም ኔሩ።
• ነብዪ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ ኾይኑ ፥ ንፅባሕ ይነብር ኔሩ።
• ቅ.ዮሴፍ ኣብ ወህኒ ቤት እናሃለወ ኣብ ናይ ፅባሕ ነፃነቱ ተስፋ ይገብር ነበረ።
ነገራት ንዓኻ መፀገምቲ ተኾይኖም ፡ ጽባሕ ካብ ኣምላኽ መፍትሒ ክረኽበልኩም እየ ኢልካ ንገሮም።
ድሕርዚ 'ዚ ፅባሕኻ እናሓሰብካ ብፍሽኽታ ንበር። "
❤️ ፖፕ ሺኖዳ
~~
" ንእግዚኣብሔር ስለ ናይ ፀገምካ ዕብየት
ኣይትንገሮ ፡ ንፀገምካ ስለ ናይ
እግዚኣብሔር ዕብየት ንገሮ እምበር..! "
~~
@aqlessia
@aqlessiabot /ንሕቶን ፣ ሓበሬታን/

❤12🥰5
✨✨
ብዕላማ ንቀበሎ..!
"ሓዱሽ ዓመት እንትመፅእ ፡ ዓመታት እንትፈራረቑ ፡ ብጥንቃቐ ክንሓስበሉ ይግባእ።
👉 ንኣይሁዳውያን... ፥ " መዓልትታቶም ብከንቱ ሃለቑ ፡ ዓመታቶም 'ውን ብችኮላ ተወድኡ.."
/መዝ-77፥33/
ከም ዝተብሃለሎም ኣባና 'ውን ንከይበፅሕ ንሕሰበሉ.. ብዕላማ ንቀበሎ።"
✍ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ
ሓዱሽ ዓመት... ብሓዱሽ ስብዕና ፣ ብሓዱሽ ማንነት .. ማለት ውን ብንስሓ ፣ ብቅዳሴ እስኪ ንቀበሎ..!
@aqlessia /ንሕቶን ፣ ርኢቶን/

❤17🥰4🫡3
✨✨
"ናብ ቤተክርስትያን መፂኻ ንእግዚኣብሄር ብዝግባእ ኣምሊኽካ ፡ ብድሕሪኡ ስራሕካ እንተድአ ኼድካ ፡ ስራሕኻ ዝተባረኸ ከምዝኸውን ትፈልጥ ዶ ?"
✍ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ
@aqlessia27 (ንሕቶን ርኢቶን)

❤14💯4
✨✨
"ሕይወተይ ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። ነገር ግን ሓደ ነገር ርግፀኛ እየ ፤ ንስኻ ኣብ ጎነይ ከም ዝነበርካ።
...ሐዚ ውን ነገራት ዋላ እንተኸበዱኒ ፡ ንስኻ ኣብ ጎነይ ከምዘለኻ ስለ ዝፈልጥ ኩሉ ጊዜ ዕሩፍ እየ.."
✍ ፖፕ ሺኖዳ
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
"ሕይወተይ ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። ነገር ግን ሓደ ነገር ርግፀኛ እየ ፤ ንስኻ ኣብ ጎነይ ከም ዝነበርካ።
...ሐዚ ውን ነገራት ዋላ እንተኸበዱኒ ፡ ንስኻ ኣብ ጎነይ ከምዘለኻ ስለ ዝፈልጥ ኩሉ ጊዜ ዕሩፍ እየ.."
✍ ፖፕ ሺኖዳ
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
❤25🥰1
✨✨✨
ከም ዝደኸመካ እግዚኣብሔር ይፈልጥ እዩ ፤ ዝኽኣልካዮ ኩሉ ትገብር ምህላውካ ይፈልጥ እዩ።
ስለ መፃኢ.. መልሲ ከምዘይብልካ ይፈልጥ እዩ።
ንሱ ግን ይርኤካ እዩ ፥
ተስፋ ከምዘይቖረፅካ ይርኢ እዩ።
..ንዓኻ እቅድ ኣለዎ እዩ ፤
መንገዲ 'ውን ከዳልወልካ እዩ።
@aqlessia
ከም ዝደኸመካ እግዚኣብሔር ይፈልጥ እዩ ፤ ዝኽኣልካዮ ኩሉ ትገብር ምህላውካ ይፈልጥ እዩ።
ስለ መፃኢ.. መልሲ ከምዘይብልካ ይፈልጥ እዩ።
ንሱ ግን ይርኤካ እዩ ፥
ተስፋ ከምዘይቖረፅካ ይርኢ እዩ።
..ንዓኻ እቅድ ኣለዎ እዩ ፤
መንገዲ 'ውን ከዳልወልካ እዩ።
@aqlessia
❤13🥰8🔥1
✨⭐️✨
" ንሕና ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ እንተነቋርፅ ፥ ጭንቀታትና ምሳና ምዝራብ ይጅምሩ።"
✍ Fr. pimen vlad
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ፣ ርኢቶን
" ንሕና ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ እንተነቋርፅ ፥ ጭንቀታትና ምሳና ምዝራብ ይጅምሩ።"
✍ Fr. pimen vlad
ፀሎት ፥ ማለት ምስ እግዚኣብሔር ምዝርራብ ማለት እዩ።
@aqlessia27 👈 ንሕቶን ፣ ርኢቶን
💯12❤6👍3
✨✨
" ሕልምታተይን ተስፋታተይን ብልበይ ሒዘ ክሳብ ሐዚ ምንባረይ ፤ ንባዕለይ ዓብዩ ተኣምር እዩ።
..ምኽንያቱ ሕዚ ብዘለናዮ መፍርሒ ኹነታት ኣንፃር ፡ ስለኦም ምሕሳብ ዕብደት ይመስል። እንተኾነ ግን ሕዚ ውን ተስፋታተይ ኣጥቢቐ ሒዘዮም እየ።
..ኣብ ዙርያና እዚ ኹሉ ቕትለት ፣ ጦርነት ፣ መሰቀቒ ጭካነ ዋላ'ውን እንተሃለወ ፤ ሐዚ 'ውን ወዲሰብ ብተፈጥርኡ ሓቀኛ ርህሩህነት ኣብ ልቡ ከም ዘለዎ ብፅንዓት ይኣምን እየ።
..ዓለም ቀስ ብቀስ ናብ ጭካነ ትቕየር ከምዘላ እዩ ዝስምዓኒ። ናይ ጥፍኣት ነጎድጓድ ይቐርበና ከምዘሎ ይፈልጥ እየ።
..እንተኾነ ግን ኩሉ ጊዜ ብመስኮት ናብ ሰማይ ክጥምት ከለኹ እዚ ኹሉ መከራ ሓደ ጊዜ ከምዝቐውምን፡ ሰላምን ፍቕርን ደጊሞም ናብ ምድሪ ከምዝምለሱን ተስፋ ይገብር።"
✍ ኣና ፍራንክስ
(ኣብ 2ይ ዓለም ጦርነት ፡ ምስ ስድራ ቤታ ካብ ሞት ተሓቢኦም ኣብ ዝነበርሉ ዝፀሓፈቶ diary)

😢9👍2🔥2