Tigray Regional Health Bureau
583 subscribers
4.46K photos
11 videos
42 files
486 links
Official Telegram Channel of Tigray Health Bureau. Get instant health related news, events, announcements, vacancies and more...
Download Telegram
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ሽመት መንግስቲ ትግራይ ንነበር ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ናይ ምፍናው ስርዓት ተሳሊጡ።

28 ግንቦት 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ምፍናው ስርዓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ቢሮ ጥዕና፣ኣመራርሓ ኣብ ጥዕና ዝነጥፉ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን መድረግቲ ኣካላት ተረኺቦም።

ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ኣብ ገበርቲ ሰናያት ዝሰርሑ ሰብ ሞያን ዝተዳለወ ሽልማትን መዘከርታ ህያብን ብኢድ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ተወከልቲ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዶ/ር በላይ ተስፋሁነይን ንዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ተበርኪቱ።

ደ/ር ኣማኑኤል ንዝነበሮም ፃንሒት 4 ዓመት ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይ የቐንየልና መልእኽቲ ብዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ዶ/ር በላይ ተስፋሁን ቀሪቡ።

ዶ/ር ኣማኑኤል ብወገኖም ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተገበረሎም ናይ ምፍናው ስርዓት ኣመስጊኖም።
ስራሕቲ ጥዕና ትግራይ ተጠናኺሩ ክኸድን ካብዘለዎ ፀገም መሊኡ ክወፅእ ኣብ መሓውር ጥዕና ዘሎ ኩሉ በዓልሞያ ኣብ ገበርቲ ሰናይ ዝሰርሑ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ከምቲ ኣፍቲ ቁርፂ እዋን ዝገብርዎ ዝነበሩ ደገፍ ሐዚ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮሞ ክኸዱን ኣብ ጎኒ እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮይኖም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑን ፀዊዖም።
ብወገኖም ካብኦም ዝግበር ትፅቢት ንምፍፃም ድልውነቶም ገሊፆም።

ነቲ ሓዱሽ አመራርሓ ምስቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታትን ምዝሕሓል ደገፍ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝኸበደ ሓላፍነት ከምዝፅበዮ ተረዲኡ ምስ ኩሉ ብምትሕብባርን ዓቕምታቱ ብምውዳብን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ብምልባው ሰናይ ስራሕ ዘመን ክኾን ተመንዮም።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ

Email: info@trhb.gov.et
መልእኽቲ ጥዕና!

ዕድመኦም ትሕቲ 6 ወርሒ ዝኾኑ ህፃውንቲ ፀባ ጡብ ኣዶ ጥራሕ ክምገቡ ይግባእ።

ስርዓት ኣመጋግባ ዕድመኦም ትሕቲ 6 ወርሒ ዝኾኑ ህፃውንቲ

👉 ህፃን ምስተወለደ ሽዑ ንሽዑ (ዋላ ቅድሚ መዳሕንቲ ምውፅኡ) ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ልግዐ ጥራይ ክወሃብ ኣለዎ።
👉 ልግዐ ብሰብ ስራሕ ክንረኽቦ ዘይንኽእል  ንጥረ ነገር ዘለዎ ብምዃኑ፤ ንህፃን ልግዐ ምጥባዉ  ዘይትካእ ተፈጥራዊ ክታበት ክረክብ የኽእሎ፣ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት የጎልብት፣ ከብዱ ይልስልስ ፣ ፍታኑ ብቐሊሉ ክወፀሉ ይገብር፣
👉 እታ ኣዶ ልግዐ ንቲ ህፃን ኣብ እተጥበሉ እዋን ፀባ ጡብ ቀልጢፉ ይወፅእ፣ መዳሕንቲ ተሎ ንክወፅእን ናይ ማህፀን መድመይቲ ንከይህሉን ይሕግዛ።
👉 ህፃን ክሳብ ሽዱሽተ(6) ወርሒ ዕድመ ዝመልኦ ፀባ ጡብ ጥራይ ክምገብ ኣለዎ። ዋላ ማይ ይኹን ክወሃብ የብሉን።
👉ብበዓል ሞያ ጥዕና እንተዘይተኣዚዙ ዝኾነ መድሓኒት ኽወስድ የቡሉን።
👉 ህፃን ጡብ ኣብ ዝደለየሉ ግዘ ክጠቡ ይግባእ። (በቢ ክልተ(2) ሰዓት ኣፈላላይ) ኣብ መዓልቲ ማለት እዉን ቀትርን ለይትን ሓዊሱ ካብ 10 ክሳብ 12 ግዜ ክጠቡ ይግባእ።
👉 ኣብ ዝጠቦሉ ግዜ ሓደ ጡብ ተፀንቂቑ ክሳብ ዝውዳእ ምሃብ፣ ምኽንያቱ ኣብ መጀመርታ ምጥባዉ ዝረኽቦ ቀጢን ፀባ ንማይ ፃምእ ዘርዊ ብምዃኑ ደድሕሪኡ ዝረኽቦ ፀባ ግና ሓፊስን ብንጥረ ነገር ዝማዕበለን ብምዃኑ ንምግብነት ዘገልግል እዩ። እዚ ብምግባር ህፃን ጥዕንኡ ዝተሓለወን ስሉጥ ኣካላዊ ዕቤት ክህልዎን የኽእሎ።
👉 ጡብ ኣብ እነጥብወሉ እዋን ድማ ነቲ ህፃን ብትኽክል ምሑቛፍናን ነቲ ጡብ ብዝግባእ ሙሉእ ብሙሉእ ምኹላሱ ነረጋግፅ።እዚ ብምርግጋፅና ዉላድና እኹል ፀባ ጡብ ክረክብ ይሕግዞ/ዛ።ነታ ኣደ እዉን ቃንዛ ይቕንሰላ።

ጥቡቅ መዘኻኸሪ

👉 ዉላድና እንተሓሚሙ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝበለፀ ብተደጋጋሚ እናጥበዉና ናብ ሕክምና ምውሳድን
👉 ኣዴታት ሕፅረት ምግቢ ኣብ ዘለሉ እዋን ብዝኸኣለኦ ምግቢ እናተመገባ ንደቀን ምጡባብ ከቋርፃ የብለንን
👉 ኣዴታት ጡበይ ፀባ የቡሉን ወይ ድማ ኣቡይኒ ፀባ ምዉፃእ ኢለን ጠጠዉ ከብላ ኣይግባእን፣

🌼ፀባ ጡብ ኣዶ ብምግቢ ክትካእ ዘይኽእል ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዝከላኸልን ህፃናት ዝተስተኻኸለ ዕቤት ህፃን ክህልዎም ዝገብር እዩ።

ብምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ዝተዳለወ

ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ

Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm