Sheba Entertainment
57 subscribers
3 photos
16 links
Sheba Entertainment, born from Queen Sheba's legacy, crafts art guided by wisdom, enriched by wealth, shining with gold, adorned by beauty, and offered as timeless gifts to the world.

https://www.youtube.com/@ShebaEntertainment-ET/videos
Download Telegram
Channel created
Channel photo updated
ኩሎም ስራሕታ ዘኪረ ኪናዊ ፅባቐ ስራሕታን ክቱር ፀሓይ ዘይዓርቦን ዕድመ ዘይግድቦን ፍቕሪ ሞያን እንትሓስብ "ቀዳሞት እንተዘይህልዉሲ ዳሕረዎት ከ መዓዝ መሃለዉ" ዝብል ብሂል ለባማት ይዝክር። ድምፃዊት ሶፍያ ኣፅበሃ

ሶፍያ ምልክዕቲ፣ ብድምፃ ሕሪቲ፣ ዓቕሚ ድምፃ ዝመዘነት፣ ሰማዒኣ ዘሀነነት ብደርፊ ዶር ኪሮስ ኣለማዮ ምንባሩ ክትዛረብ እንትሰምዓ እዉን ቀዳሞት መራሕቲ ዳሕረዎት ገይርና ክብሪ ክነጎናፅፎም ከምዝግባእ እየ ተረዲአ። ኣብ ዕሙር ኣኼባ ኣባል ኪነት ኮይና
"ንዘክሮም ናይ ቀደም ወለዲ
ሓፂራቶም ዘፅንሕዎ ዓዲ
ንሓልዋ ብዉዲ ብግዲ" ዝብል ደርፊ ኪሮስ ተዉህቦ ድምፃ ኮለል ኣቢሉ ዘርአየ ነይሩ።

ሕፍስ ዝበለ ቃጭል ጥዑም ዘለዋ ሶፍያ ቁልዕነት ክልተ ወለዶታት ኣዘኪራ፣ ስድራ ኩሎም ዉሉዳት ኣናፊቓ፣ መሃሙቕ ሓይሊ ፍቕሪ ንንኡሳት ኣመሳኺራ፣ ፍቕርን ጎጆን ዘጣምር ቀልቢ ዝገዝኡ ዜማታት እያ ኣዚማ። እትደርፎም ሓሳባት በብምዕራፉ ምስ ዝነብር ወለዶ መዓልታዊ ህይወቱ፣ ባህሉን ወግዑን ዝኸይድ መንፈስ ብዝገዝእ ኣዘያይማ እያ ከሺናቶም።

ሶፍ! "ሎሚ ፅባሕ" ብዝብል ዝወፀ ፈላማይ ኣልበማ ቁምጣ ለቢሳ ሳእኒ ሽረ ወድያ ዝሰርሐቶን ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ንዓለም ዝተርአየላን እዩ ነይሩ። ብድሕሪ እዚ ኣርባዕተ ኣልበም ኣሐቲማ። ካብዚኣቶም ድሃይን ናፍቖትን ወላዲት ዝሓትትን ዜማ "ከመይ ኣለኺ ወላዲት ኣደይ" ሓያልነት ናብራ ብሕታዉነት ዝገልፅ "ቆሪሩኒ"፣ ንእስነት ፀባ ፀገብ ራያታይ ዝገልፅ "ጉማየ ለለ ጉማየ" ዝኽርን ፍቕርን ቁልዕነትን ማሕበራዊ ህይወትን ብዝኽሪ ዝምልስ "መትዓቢተይ" ሓይሊን ልዕልናን ሕብረትን ሓድነትን ዘርኢ "ሕበሩ" ዝብሉ ዜማታታ ብዕሊ ይዝከሩ።

ድምፃዊት ሶፍያ ብምዕሩግ ኣከዳድና ባህሊ ተጋሩ ዘቅረበቶም ስራሕታ ኩሎም ባህልን ያታን ንዓለም ዘላለየት ኣምበሳደር እየ ዝብላ። ድሕሪ 1984 ዓ/ም ኣብ 8 ግዝኣታት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ጣልያንን እንግሊዝን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለማት ዞይራ ስራሕታ ኣቅሪባ። ከምቲ ዝሰርሐቶን ዝፀዓረቶን እልፊ ፍቅርን ክብርን እዉን ረኺባ። ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ኪነ ጥበብ ትግራይ ብምሩፅ ባህላዊ ኣልበም ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ።

ማዕረ ስራሕታ ቃላት ዝስእነላ ድምፀ ካናሪ ሶፍያ፣ ሐዚ እዉን ካብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ኣይወፀትን። "ምስ ሙዚቃ ሞት እዩ" ትብል። ብርተዐ ድምፃ፣ መቀረት ቃናኣ፣ ዋሕዚ ህብረ ዜማኣ ከምቀደሙ ኣሎ። ሐዚ እዉን ብሓዱሽ ስራሕ መፂኣ ኣላ። ኳዕናን ምልክዕቲ ኣደ ትግራይ ኮይና "ኣብ ብርለ" ትብል። ጣዕሚ ሜስ ኣብ ብርለ ኣልዒላ ፍቅሪ ደቂ ዓዳ ተዚመሉ ጎይላ ዓዳ ተድምቀሉ ጥዑም ዜማ እዩ።

ኣብዚ ሊንክ ኣብ ሼባ ኢንተርተይንመንት ክትረኽብዎ ኢኹም። ክብሪ ኮኾብ ካብ ኮኾብ ይዓቢ ከምዝበሃል ክብሪ ሶፍያ ልዕሊ እቲ ክቡር ስራሕታ ኮይኑ ዝስመዖ መድመፂ እልፊ እዩ። ሓድሽ ዜማ ሶፍያ ኣፅብሃ ብምድማፅ ሼርን ላይክን ብምግባር ፍቕርኹም ግለፁላ 🙏

✏️ ጋዜጠኛ በርሀ ኣረጋይ

"ኣብ ብርለ " ሶፍያ ኣፅብሃ 👇👇👇

https://youtu.be/aYJLYWDxt2E?si=XtzLa3IuI5S21ySd

============
ዩቲዩብ ቻናል
https://youtu.be/aYJLYWDxt2E?si=I6ZvxXRl9xApVYPj

ቲክቶክ ገፅ:
https://vm.tiktok.com/ZMBqvCvCL/

ፌስቡክ ገፅ፡
https://www.facebook.com/share/1Fbf1cjmzX/?mibextid=qi2Omg

ኢንስታግራም :
https://www.instagram.com/reel/DIao6LahYd5/?utm_source=ig_web_copy_link&igsh=MzRlODBiNWFlZA==

ቴሌግራም :
https://t.me/ShebaEntertainment
👏1
ዘሐጉስ ዜና ንመፍቀርቲ ሙዚቃ!!!

ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ብሉፃት ስራሕቲ ንምፍራይ ዝተግህ ትካልና ፈላማይ ስራሑ ዜማ ድምፃዊት ሶፍያ ኣፅበሃ ምዝርግሑ ይፍለጥ።

እቲ ዜማ ድሕሪ ምዝርግሑ ካባኹም ካብ ተኸታተልትና ብዝረኸብናዮ ዘዕግብ ምላሽን ሃነፅቲ ሓሳባትን ሐዚ ድማ ክልተ ብሉፃት ስራሕቲ ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና።

ብተፈተውቲ ድምፃውያን በርሀ ማርሰ ( ወዲ ማርሰ)ን ማርታ ገ/መድህንን ዝተደርፋ ክልተ ጥዑማት ዜማታት ናባኹም ንምብፃሕ ምድላዋትና ዛዚምና ኣለና።

ኣብ ቀረባ እዋን ተፀበዩና!!!
በዚ ቻነል ዝፍነዉ ስራሕቲ ንኽትእንገዱ Like,share, subscribe ክትገብሩ ድማ ብኽብሪ ንዕድም።

ዩቲዩብ ቻናል

https://youtube.com/@shebaentertainment-et?si=GBMJQcuUbyLVrFir

ቲክቶክ ገፅ:
https://vm.tiktok.com/ZMBqvCvCL/

ፌስቡክ ገፅ፡
https://www.facebook.com/share/1Fbf1cjmzX/?mibextid=qi2Omg

ኢንስታግራም :
https://www.instagram.com/reel/DIao6LahYd5/?utm_source=ig_web_copy_link&igsh=MzRlODBiNWFlZA==

ቴሌግራም :
https://t.me/ShebaEntertainment
👏3🔥1