ስነ-ፍልጠት ስነ-ከዋኽብቲ ንሰማያውያን ነገራትን ኣብ ቆስሞስ ንዝፍጠሩ ተርእዮታትን ዘጽንዕ ተፈጥሮኣዊ ስነ-ፍልጠት እዩ። መበገሲኦምን ሓፈሻዊ ፍልቀቶምን ንምግላጽ ሒሳብን ፊዚክስን ኬሚስትሪን ይጥቀም። ተገዳስነት ዘለዎም ነገራት ፕላኔታት፡ ወርሕታት፡ ከዋኽብቲ፡ ኔቡላታት፡ ጋላክሲታት፡ ሚቲዮሮይድ፡ ኣስተሮይድን ኮሜትን ይርከብዎም። ኣገደስቲ ተርእዮታት ፍንጀራ ሱፐርኖቫ፡ ምፍንጃር ጋማ ጩራ፡ ኳሳር፡ ብላዛር፡ ፑልሳርን ኮስሚክ ማይክሮዌቭ ድሕረ ባይታ ጨረርታን ይርከብዎም። ብሓፈሻ ስነ-ፍልጠት ስነ-ከዋኽብቲ ካብ ከባቢ ኣየር ምድሪ ወጻኢ ዝብገስ ኩሉ ነገር የጽንዕ። ኮስሞሎጂ ንኣድማስ ብሓፈሻ ዘጽንዕ ጨንፈር ስነ-ፍልጠት ስነ-ከዋኽብቲ እዩ። ኣብዚ ቻነልዚ ስለ ዓለምን ከባቢኣን ፍልጠት ክንረክብ ኢና።
ኣብ 2024 ናብ መሬት ዝቐርብ ኣስተሮይድ ኣሎ ድዩ?
2024 ON ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣስተሮይድ 290 ሜትሮ ስፍሓት ክህልዎን ኣብ ውሽጢ 1 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ናብ መሬት ክቐርብን ምዃኑ ናይ ኣሜሪካ ትካል ህዋ ላቦራቶሪ ጀት ፕሮፑልሽን ላቦራቶሪ (The US Space Agency's Jet Propulsion Laboratory) ይግምት። መረዳእታ ናሳ ከምዘመልክቶ፡ እዚ ከውሒ ህዋ ኣብ 2035 ካልእ ናብ መሬት ክቐርብ ምዃኑን፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2013 ንመሬት ከምዝሓለፈን ይሕብር።

Astro Tigray(ዓለም መንያ)
ጁፒተር | Jupiter ጁፒተር ቅድሚ ሕጂ ዕጽፊ ናይቲ ሕጂ ዘለዋ ስፍሓት ከም ዝነበራን ኣዝዩ ዝሓየለ ማግኔታዊ ፊልድ ከም ዝነበራን መጽናዕቲ ይሕብር።
Nature
Determination of Jupiter’s primordial physical state
Nature Astronomy - Constraints from satellite dynamics coupled with spin angular momentum show that young Jupiter had a radius twice its current value and a ~21 mT magnetic field, and was...
✍1👍1