መኣዲ ትግርኛ
440 subscribers
124 photos
1 video
26 files
335 links
ዓደይ ብገፋሓ ፣ ዓደይ ብዓባያ
ኣብ ንእሽተይ ሃገር ፣ 'ኒሃ ተኾርምያ።

ደስታ
Download Telegram
እወ እንግሊዝ ንካልኣይ ውግእ ኣለም ዘዋፈሩዎ ነፈርትን ቦምባታትን ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን፣ ቆልዓን ሰበይትን መቐለ ኣዝነቡዎ፡፡ ክሻብ ሎሚ እውን ንቱ ኩሉ ዝፈፀሙዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣይኮነንዶ ካሕሳ ክኸፍሉስ ይትረፍ ይቕሬታ’ኳ ኣይሓተቱን፤ ክሓሱና ኢሉ ዝጥይቖም እውን ኣይተገነየን፡፡

ክሳብ ኣጋምሸት ምስበዝሒ ህዝቢ መቐለ ንቶም ውቑዓት እናለዓልና፣ ስድራ ዘለለዩዎም ሬሳታት እናወሰዱ፣ ንቱ ክልለ ዘይኽእል ሬሳታት እውን ኣብ ሓደ እናተኣኻኸብና እናሃለና፤ እቱ ናይ ኣላጀ ጦር ካብ ዝባን ወሪዱ ምቕማጥ ዕውር በፂሑ ዝብሉ ፈረሰኛታት መፁ፡፡ ኣቦ ገረባትን ዓበይቲ ዓዲ መቐለን ህዝቢ ኣተሓባቢሮም ቀብሪ ይኹን ኩሉ ዝኸኣሉዎ ክገብሩ ተማኺርና፣ ካብ መቐለ ሰብኣይ ዘበለ ኩሉ ብኒሕ ዝሓዞ ሒዙ ስዒቡና ንለይቱ ገስጊስና ማይቀያሕ በፃሕና፡፡

ተዘክሮ ብላታ ሃይለማርያም ሓምለ 1985 ዓ.ም፤ መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ
~~~~~~~~~~~

እሞሲ ክደግሞ፤ ንሕና ኢና ዕንይንይ እናበልና ኣቢናዮም እምበር፤ ንሳቶምስ ካብ ውሉድ ወለዶኦም ኩልሻብ ምስቀተሉና እዮም! ምስኣድኸዩና እዮም! ምስኣሰደዱና ምስኣብረሱና እዮም!

ድሕሪ ደጊም ግና፤ እቶም ናትና ወለዶ ዕንይንይ እንተበሉ እኳ፤ ሕድሪ ደቅና ግና ገፅኩም ንድሕሪት ከይትመልሱ! ምእንተ ሓርነትኩም፣ ምእንተ ሃለዋት ደሕንነትኩም፣ ምእንተ ልምዓት ዕብየትኩም፤ ንቕድሚት ጥራሕ!!

እሞ ሓድነትና ሕድሪ! ትግራዋይነት ብሓድነትና እዩ ዝግለፅን ዝረጋገፅን፤ ዝኽበርን ዝምዕብልን! ኣብ ሓድነትና ረብሓናን ትግራይን ንሽከል እምበር፤ ኩሉ ዓቕምና ኣዋዲድና ንኣራዊታት ኣራት ኪሎን ዓዲሃሎን ምስ ከደምቶም፤ ብዘተኣማምን መኪትና ክንሰብሮም ክንቐብሮም ኢና! ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
ናማን ከይመስለኪ!
======//======
ሰርኪ ብልወገሐ፣
ፀሓይ ብልተዳጉሐ፤

ዋላ 'ውን ደቢኑ፣
ኣድማስ ኢድ ኸዲኑ ፤

ድሁር፣ብልደንገዘ፣
ኩልሻዕ ፣ኩልግዘ...

ብመሽኮት ምልሰተይ፣
ይቕልቀላ ኣዕንተይ።

ሕልው ብልበልኽኒ፣ኣብ ብሕቱው ሰሌዳ ፤
ትመላልእየን ፣ምሳኺ ይኸዳ።

ኣብ ፃታት ዝኽርኺ፣
ኣብ ሕድሕድ ውንታኺ፤

ኣነ መቐመጥኹ፣ ሓንቲ ተዓሪፋ፣
እዝጊ ምሰደደ፣ ሓንቲ ንጣብ ኻፋ፤

ማሕፉዳ መሊኡ፣ምገንፈለ ባሕሪ፤
ኣነ ምሃፍተምኹ፣ምራረየት ምድሪ።

ኢለ ልፀወኹ ...
በርደግ ኣቢለ'ምበ ፣ናማን ሀይመስለኪ፤
ዘኪረኪ ኣይፈልጥይ፣ መኣዝ ረሲዐኪ!
===========//============
መሓሪ ሠለሞን
ብወዲ ሰብ ዓቕሚ፣ ከምቲ ስሕበት መሬት
ስፍራት እዚ ዓለም፣ ቑልቁል ተዝዕፀፍ፣
ዘበን ተሸመሪሩ፣ ጥቕላል ልሕፂ ኾይኑ
ብሰብ ተዝጥለፍ፣
ሕቶ ኣይምኾነን ምንባር፣ ሸሽዑ ዝብሃግ
መማዕልቱ ዝድረፍ።
ታይማ ይዓብስ!
ኣብ ሓሳባት ሓፁር "ዘበን ፀገብ እየ ፤ ብዙሕ
ተቐሚጠ" ንዝብል ተኣኒኑ፣
ንፃሬ ክዋነ፣ ጉዕዞ መካን እምበይ፣ ኣብ ግዜ
ምቕማጥ ዕድመ መዓዝ ኮይኑ?
04 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም.

ዶር ሓጎስ
#መላእክተ_ምድሪ!
ኣትን እመታት ፣ ባዓል ጻዕዳ ነጸላ
ንጹሓነ ልብ ፣ ኵልሻዕ እንዲኽን ትምህለላ
በጃኽን እስከ ሎሚ ፣ ሓርነት ወስኻላ
ትንሣኤ ትግራይ ኢልክን ፣ኣብኣ ንብዓላ
ፍጹም እምነት፣ ቃል ምስ ግብሪ
ክብለክን ኣነ ፣መላእክተ ምድሪ
ደይባ ናብቲ ጎቦ፣ ገዳመ ይምኣታ
ናብቲ ቅዱስ መሬት፣ ብሩኽ ቦታ
ተማህለላ ንስኽን፣ ኣልዒልክን ብምልእታ
ትግራይ ከም ዝነብዐት፣ ዘክርዎ ንቱ ጎይታ
ፍጹም እምነት፣ ቃል ምስ ግብሪ
ክብለክን ኣነ ፣መላእክተ ምድሪ!
ኪዳ ኣኽሱም ጽዮን፣ ንገርኣ ንወላዲቱ
ትፈልጥ እንድያ ስቅያት፣ ናይ ወዳ ክትዝንቱ
ኣብ ታቦተ ጽዮን፣ ኣብቲ ጽላተ ሙስየ
ፍልስጥኤማውያን ክወጹ፣ ካብ ምድሪ ሕሩየ
ፍጹም እምነት፣ ቃል ምስ ግብሪ
ክብለክን ኣነ ፣መላእክተ ምድሪ!
ውረዳ ጉንድ-ጉንዶ ፣ መንክር ጥበብ ዝወለዶ
ብልሒ ደቂቀ እስጢፋኖስ ፣ ኣሎ መዝገብ ዝሰነዶ
ኣተሓሳስባ ብደሞም ፣ ኣዘክራ መስዋዕቶም
ምእንተ ዚኣከ'ዩ በልዎ፣ ጻማ ህይወት ሞቶም
ፍጹም እምነት፣ ቃል ምስ ግብሪ
ክብለክን ኣነ ፣መላእክተ ምድሪ!
ኣትን መላእክተ ምድሪ ተጕዓዛ ጎላጉል
ነስንሳ ሓመድ ፣ ኃጢኣትና ምእንታን ክቐልል
ነቲ እርኩስ ዘይወድሰብ፣ ካባና ክንቀል
ተማህለላ እስኽን፣ ኣይናትክንን እንድዩ ዝቕበል
ፍጹም እምነት፣ ቃል ምስ ግብሪ
ክብለክን ኣነ ፣መላእክተ ምድሪ!
---ኣግዓዘ---
ዘበንኺ መንጢሎም፣
ኣብ ሓመድ ኣዳምኺ፣
ሓምሊ ኽራማቶም፣ከብቁሉ እንትሓልሙ፤

ድበኺ በኒኑ፣
ብርሃን ትንሳኤኺ ፣
ብፋፆ እንትንጋሕ ፣ደኒኖም ቖዘሙ።

መሓሪ ሰለሞን
ኻንሽኻሾ!
ገረብ ቬላንስ ዓዳ፣ መሐምበጢ ሰይጣን
መጦሺ ኣውልዕኺ፣ ናኣንዶራ ዕጣን
ብጣልያን ራኩሳ፣ ብፈረንሳይ ዕብዳን
ዳስ ሓዘን ሃርሳ፣ ለምዳሎ ቕብጣን።
እማ እንደዒ!
ሰሓቕይ ሓዘንይ ስምዕት ጉራይ ምዝጋይ
ምቑትይዋ ቑርይ መሻገሪ ሓጋይ
ኻሸውሸዋ ነፍሲ፣ መጋምገ ፀባይ
ምድሪ ላሓደረት ትሓልም ናሰማይ
ንጉሆ ንእሽተይ ምሸት ምሸት ዓባይ።
ኻንሽኻንሾ ወግዒ!
ኣጓጉል ነፍረቕረቕ፣ ደይፈለየ ልቢ
ክየይዋ ካካዝይ፣ ማስራ ኽልተ ቀልቢ
ብልቃት ገራውለኣ ብማዕዶ ሃጋጊ
ግርማ ሰውነታ ካበሪ ሾጓጊ
ካውሉዳ ትንእስ ካደኣ ትዓቢ።
9/2/2014 ዓ.ም. (ፈረንሳይ)

ዶር ሓጎስ
ትውስታ ኣሸጎዳ
ቓላቕል እንደርታ፣ ገዛኢ መሬት ባሕሪ
ደርጋዕጀን ድርባ
በሪ ጉዕዞ ምዝባዕ፣ ቦኽታ ኣመንቲላ
ናይ ሸጎዳ እምባ፣
ሓይሊ ንፋስ ጅቡቲ፣ ህንፀት ዓቕሚ ትግራይ
መተካእታ ላምባ።
ሕሱብ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ሕነ ደብዳብ መቐለ
ብሕልሚ ክፈዲ
ኣብ ፈረቓ ህራስ፣ ትውስታታት ልምዓት
ዘኪረ መንገዲ፣
ጣቓ ተቐንጢጡስ ለይትና ዝወግሐ
መሲሉኒ ግዲ።
ይግበረለይ!
በሻቒ!
==/==
ብሕጭሪት ለይብላ፣
ንክሲት ለይብላ፤
ልብል ሕጊ ባእሲ፣
ናቑልዕነትናሲ፤
ሰብ ኣዘኪርኒ፣
ኣብ ናመንደር ተኽኒ፤
መጠምጠም ሓሊክኻ፣
ድቑስ ተብሎለኻ፤
ሕግታት ጥሒሱ፤
ንጅር ለብለካ፣ እዝንኻ ነኺሱ።
እሱ እዚ በሻቒ፣ እዚ በኻዪ ቖልዓ፤
ሎሚ ብልዓበየ፣ የሓደገይ "ናዓ"!
ናዓያ በብኢድ፣
ንክሲት ለይብላ ፣ብሕጭሪት ለይብላ፤
ልብል ሕጊ ሰይሩ፣
ድስቒት ቐልፃማት፣ረኺብዋ ኣብኣ'ላ።
ድሓር ብልተዳዕኸ፣ኣውያት ተደቢሩ፤
ምልክት ሽንፈቱ፣ ንክሲት ጀሚሩ ።
በሻቒ!
==========//=========
መሓሪ ሠለሞን
ና ዝሃን!
==//==
ሎሚ ማለት'ኮ ...
እቲ'ኳ ትማሊ ፣ዳስ ሰማይ ደገፍኺ፣
ኣሚንኻ ለይዕኮት ፣ቐጢን ማይ ሓቑይፍኺ፤
ልተፀበኽዮ...

ምውግሑ ለይተርፍ ፣ለይሓልፍ ካብ ልክዑ፣
ሓዱሽ ርእየት ክንጋሕ ፣ማእኸል ክኾን ፀግዓ ፀግዑ፤
ልጎየየ ለይቲ ስልም ለይበልኽዮ...

ፅባሕ ልነበረ ፣ለይተፈትሐ ሕልሚ፣
ትፅቢት ልብልዋቶ ፣ለይልኣም ግድሚ፤
እዩ ነይሩ ሰበይ።

ፈሪሕኻ ለይምለስ፣ተጨኒቅኻ ኣይዛሪ፣
ረእኽይዶ'ኳ ኾይኑ፣'ትልኾን ለይቐሪ፤
ህውቱት ኣይኸሰበይ።

ምስኪነይ እሞሲ...
ሃምታ ዒፍዶ ትነብሪ ፣ኸዚ ጥራሕ ክትቅልሲ፣
ወይ ኣብ ፅባሕ ክትኾልሊ ፣ምስ ሎሚዶ ትበኣሲ?
መልሲ!
============///============
✍️መሓሪ ሠለሞን
ሰብ'ኮ ግጥሚ'ዩ፣ ቅኔ ልሰርነቖ፣
በዓል ኽልተ ሓረግ፤

ልተደፍአ ቤቱ፣ ብተለላ ኣቕኒዑ፣
ልበቅዕ ልማዕረግ።