Dedebit Media
6.61K subscribers
4.93K photos
17 videos
3 files
5.94K links
Media company
Download Telegram
ምዝገባ ዕንወት ውልቀ ትካላት ንግዲ ክሳለጥ!!
***

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ምዝገባ ዕንወት ውልቀ ትካላት ንግዲ ከምዘሳልጥ ገሊፁ።
እቲ ኮሚሽን ምስ ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ትግራይ ብምዃን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ፣ካብ 5 ክሳብ 30 ጥሪ 2016 ኣ/ግ ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ምዝገባ ዕንወት ውልቀ ትካላት ንግዲ ከምዘሳልጥ ኣፍሊጡ።
ኣብ ትግራይ ዝተፈፀ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ትካሎም ዝዓነዎም ማሕበረሰብ ንግዲ እተን ዞባታት በቲ ዝተገለፀ ዕለት ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ኣክሱም፣ዓድዋን ዓብይ ዓድን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ቻምበር ተረኺቦም ኣብ ትካሎም ዝበፅሐ ዕንወት ከመዝግቡ ኮምሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ኣይተ የማነ ዘርኣይ ሓቢሮም።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ምዝገባ ዳህሳስ ዕንወት ትካላት ውልቀ ነጋዶ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕን መቐለን ከምዝተሳለጠ ዝገለፁ ኮሚሽነር የማነ፣ ነቲ ምዝገባ ስዒቡ ብዝተገበረ ምፅራይ ኣብ ልዕሊ 31 ሽሕ ማሕበረሰብ ንግዲ ዝበፅሐ ዕንወት ዝገልፅ ምስክር ወረቐት ከምዝተሰረሐን ኣብ ቀረባ እዋን ንሰብ ዋና ከምዝወሃብን ገሊፆም።
ኮሚሽነር የማነ ዘርኣይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቀዳማይ ዙር ምዝገባ ዘይተመዝገቡ ዕንወት ዝበፅሖም ትካላት ውልቀ ንግዲ ንምፅፋፍ ካብ 5 ክሳብ 30 ጥሪ 2016 ኣ/ግ ምዝገባ ዕንወት ከምዝሳለጥ እውን ኣመላኺቶም።
ብተመሳሳሊ ኣብተን ኣቀዲሙ ምዝገባ ዝተካየደለን ዞባታት ዕንወት ዝበፅሖም ማሕበረሰብ ንግዲ ከይተመዝገቡ ከይተርፉ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ማሕበረሰብ ንግዲ ንጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሃፍቱ ዝበፅሖ ዕንወት ተፈሊጡ ካሕሳ ክረክብ ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ትግራይ ምስ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ብቕርበት ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዕንወት ዝበፅሖም ማሕበረሰብ ንግዲ ድማ ሐዚ ተመዛቢሎም ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ዝርከባ ማእኸላት ምዝገባ ብምኻድ ኣብ ትካሎም ዝበፅሐ ዕንወት ከመዝግቡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ ክብል ድወት ፀብፂቡ።

27 ታሕሳስ 2016 ኣ/ግ

መቐለ

ደደቢት ሚድያ ንምሕጋዝ | To Support Dedebit Media Use the Following Platforms፡
****
Wegagen Bank: 0987045930101 Name:- Dedebit Media PTY LTD
GoFundMe: https://gofund.me/98d06651
PayPal: https://www.paypal.com/donate?hosted_button_id=NC4AFNBQLVMSN
TipHub: https://tiphub.co/dedebit-media-fundraiser/577
ቀዋሚ ኣባል ንምዃን/To be a member: https://www.patreon.com/dedebitmedia
A raffle organized by Dedebit Media ብደደቢት ሚድያ ዝተዳለወ ሎተሪ/ዕጫ: https://go.rallyup.com/dedebitmedia
ሓፀርቲ ዜናታት ደደቢት ሚድያ!!
***
@ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ተወላድን ፈታዊን ህዝብ ትግራይ ኣብ ኣፍ ሞት ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ከድሕን መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶ ዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ ::

@ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን መሬት ብሊዝ ወሲዶም ዓመታዊ ኽፍሊት ዘይከፈሉ ሰብ ዋና መሬት ውህሉል ዕደኦም ኣብ ዉሽጢ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ/ም ኽከፍሉ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ፀዊዑ።

@ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ካብ ባሕቲ ጥሪ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ሸሞንተ ሓደሽቲ ጨናፍር ንምኽፋት ምድላዋቱ ከምዝወገነ ሓቢሩ ።

@ብሪጣንያ ላዕላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ከምተኽብር ኣፍሊጣ ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ምላሽ ሂባ ::

@ ኣብ ሰማይ መስኮታ ተገንጺሉ ዝወደቓ ነፋሪት ኣብ ፖርትላንድ ክትዓልብ ተገዲዳ።

27 ታሕሳስ 2016 ኣ/ግ

መቐለ

ደደቢት ሚድያ ንምሕጋዝ | To Support Dedebit Media Use the Following Platforms፡
****
Wegagen Bank: 0987045930101 Name:- Dedebit Media PTY LTD
GoFundMe: https://gofund.me/98d06651
PayPal: https://www.paypal.com/donate?hosted_button_id=NC4AFNBQLVMSN
TipHub: https://tiphub.co/dedebit-media-fundraiser/577
ቀዋሚ ኣባል ንምዃን/To be a member: https://www.patreon.com/dedebitmedia
A raffle organized by Dedebit Media ብደደቢት ሚድያ ዝተዳለወ ሎተሪ/ዕጫ: https://go.rallyup.com/dedebitmedia
ብዓል ሃፍቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብምኽንያት ብዓል ልደት ንልዕሊ 3500 ወገናት እንግዶት ምሳሕ ገይሮም

እቶም ብዓል ሃፍቲ ኣብ ዝገበርዎ እንግዶት ምሳሕ ዝተረኸቡ ቆሞስ ካቴሊካዊት ቤተክርስቲያን ከተማ መቐለ አባ ጥዑም በርሀ ኩሉ ትግረዋይ እንተተሓጋጊዙ ዘይፍታሕ ፀገም የለን ኢሎም።

አብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ አብ ዝኸፍኣ ኩነታት ዋላ ይሃሉ ሐዚ እውን ተስፋ ሰኒቕናን ተሓጋጊዝናን እዛ ፀገም ክንሰግራ ይግባእ ኢሎም ኣባ ጥዑም በርሀ።

ብዓል ልደት እንትነኽብር ምስዝተፀገሙ ወገናት ኮይንና ክነሕልፎ ይግባእ ዝበሉ ብዓል ሃፍቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኩሉ ትግረዋይን ፈታዊ ትግራይን ተሓጋጊዙ ህዝብና ካብቲ አጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ከድሕኖ ይግባእ ኢሎም።

ብፍላይ ዝተመዛበሉን ግዳያት ድርቂ ዝኮኑ ወገናትና ቶሎ ኽንበፅሐሎም ይግባእ ኢሎም እቶም ብዓል ሃፍቲ ከም ፀብፃብ ድወት።
ሓፀርቲ ዜናታት ደደቢት ሚድያ!!!
***
@ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንበዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

@ብዓል ሃፍቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ሃብቲ ብዘይ ህዝብን መንነትን ትርጉም የብሉን ክብሉ ተዛሪቦም ::

@ኮሚሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ምዝገባ ዕንወት ውልቀ ትካላት ንግዲ ከምዘሳልጥ ገሊፁ።

@ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግፋ፣ ጓል 73 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ ተኣሲረን ተባሂሉ።

28 ታሕሳስ 2016 ኣ/ግ