Dedebit Media
6.58K subscribers
4.93K photos
17 videos
3 files
6K links
Media company
Download Telegram
ሓፀርቲ ዜናታት ደደቢት ሚድያ!!
****
@ንህንፀት ገዛና ንጉየ” ብዝብል ቴማ ብማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ሕሙማት ኣእሙሮን ህፃናትን ፍሬመናጦስ ዝተዳለወ ዓብይ ጉያ ሎሚ ተኻይዱ ::

@ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ንምዝታይ ካብ ሎሚ 02 ሕዳር 2016ዓ.ም ጀሚሩ ክልላዊ መድረኽ የካይድ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ሓቢሩ።

@ብሰንኪ ጆኖሳይዳል ኲናት ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ኣወሃህባ መሬት ብዝፀደቐ ሓዱሽ #መምርሒ_ኣጠቓቕማ_መሬት ንምትግባር ከምዝጀመረ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

@ብኲናት ዝተጎድአ ስነልቦና ህፃናት ትግራይ ንምሕዋይን ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምምላስን ዓሊሙ ትካል ገባሪ ሰናይ ሎሚኖስ ፈንድ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ ሳምረ 2ይ ዕድል ምንቅስቓስ ፌስቲቫል ምጅማር ትምህርቲ ኣብሲሩ።


@ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ኣሜሪካ ገሊጾም።


ደደቢት ሚድያ ንምሕጋዝ | To Support Dedebit Media Use the Following Platforms፡
****
Wegagen Bank: 0987045930101 Name:- Dedebit Media PTY LTD
GoFundMe: https://gofund.me/98d06651
PayPal: https://www.paypal.com/donate?hosted_button_id=NC4AFNBQLVMSN
TipHub: https://tiphub.co/dedebit-media-fundraiser/577
ቀዋሚ ኣባል ንምዃን/To be a member: https://www.patreon.com/dedebitmedia
A raffle organized by Dedebit Media ብደደቢት ሚድያ ዝተዳለወ ሎተሪ/ዕጫ: https://go.rallyup.com/dedebitmedia


02 ሕዳር 2016 ኣ/ግ

መቐለ
4 ተሃነፅቲ ሕጊ ተቐቲሎም!!
****
ኣብ ቤት ህንፀት ከተማ መቐለ ኣብ ህንፀት ካብ ዝርከቡ ተሃነፅቲ፡ ሕጊ ጥሒሶም ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ከምልጡ ዝሞኮሩ 125 ተሃነፅቲ ሕጊ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እቲ ቤትህንፀት ኣፍሊጡ።
ኣተሓባባሪ ቤት ህንፀት ከተማ መቐለ ኮማንደር ኣማኑኤል ፍስሃ ከምዝገለፅዎ እቲ ጥሕሰት ሕጊ ዘጋጠመ 1ሕዳር 2016 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 11:30 ኾይኑ ኣብ ምርኽኻብ ተሃነፅቲ ንዝነበሩ 20 ኣባላት ፖሊስ ብውቃዕን ናይ ሰለስተ ብሎክ ማዕፆ ብምስባርን ከምልጡ ዝተፈፀመ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቶም ብሓይሊ ጥሒሶም ከምልጡ ዝፈተኑ ተሃነፅቲ ካብ ሰራሕተኛታት ምግብና እቲ ቤት ህንፀት 12 ካራሩን ሞባይልን መንጢሎም ኣባላት ሓለዋ ኣጥቂዖም ግደፉ እንተተበሃሉን ጥይት ንሰማይ እንተተኮሰን ኣይንምለስን ኢሎም ዝጎየዩ ተሃነፅቲ እቶም 112 ብዝተወሰኸ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝሓበሩ እቶም ኮማንደር፤ እቶም 4 ግና ከምልጡ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣፍሊጦም።
በቶም ከምለጡ ዝሓሰቡ ተሃነፅቲ ዝተወቕዑ ኣባላት ፖሊስ 4 ከቢድ 3 ድማ ቀሊል ጉድኣት በፂሕዎም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ 'ውን ኮማንደር ኣማኑኤል ገሊፆም።
ካብቶም ዝተወቕዑ ኣባላት ሓደ ተጋዳላይ ሃይላይ ፀጋይ ብወገኑ ሃንደበት ኹሉም ጥሒሶም ብምውፃእ ከምዝቐጥቐጥዎን ገፁ 'ውን ብእምኒ ተወቒዑ ድሕሪኡ ብብፆቱ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰደ ይዛረብ።
እቲ ጎንፂ ሎሚ ዕለት 'ውን ጀሚሮም ናይ ቃፀሎ ፈተነታት ኣጋጢሙ ምንባሩን ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕቲ ፀጥታ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ምርድዳእ ይግበረሉ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ኣተሓባበሪ ፤እቲ ቤት ህንፀት መበገሲ እቲ ፀገም ኣብ ምፅናዕ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም።
ሕቶ እንተሃሊኡ እውን ጎንፂ ብምልዓል ዘይኮነስ ሕጋዊ መንገዲ ዝተኸተለ ሕጋዊ ሕቶ ብምሕታት እዩ ዝምለስ ዝበሉ ኮማንደር ኣማኑኤል ፍሰሃ ንቐፃሊ እውን ካብዚ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ንምድሓን ኹሉ ሕጊ ከኽብር ይግባእ ምባሎም ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

ደደቢት ሚድያ ንምሕጋዝ | To Support Dedebit Media Use the Following Platforms፡
****
Wegagen Bank: 0987045930101 Name:- Dedebit Media PTY LTD
GoFundMe: https://gofund.me/98d06651
PayPal: https://www.paypal.com/donate?hosted_button_id=NC4AFNBQLVMSN
TipHub: https://tiphub.co/dedebit-media-fundraiser/577
ቀዋሚ ኣባል ንምዃን/To be a member: https://www.patreon.com/dedebitmedia
A raffle organized by Dedebit Media ብደደቢት ሚድያ ዝተዳለወ ሎተሪ/ዕጫ: https://go.rallyup.com/dedebitmedia


02 ሕዳር 2016 ኣ/ግ

መቐለ
ስልጠና ሕውየት ንጉዱኣት ኲናት ደቂ ኣንስትዮ !!
***
ዩኒቨርሲቲ ራያ ኮሌጅ ማሕበራዊ ሳይንስን ስነ ሰብን ካብ ሕዳር 01- 02/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ማይጨው ኣብ ሕውየት ስነ-ኣእምሮ፣ ማሕበራዊ፣ ርእሰ-ሓልዮት፣ ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ክእለት ህይወትን ዘድሀበ ንግዳያት ኲናት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ስልጠና ሂቡ።

ዕላማ እቲ ስልጠና ነቲ ዘጋጠመ ከባብያዊ፡ ስነ-ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ፀቕጥታት ንምቅላልን ንምእላይን ፥ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥም ፀገማትን ብኣድማዒ መንገዲ ንምሕላው ብምምሃር መሰረታዊ ክእለት ምጥራይ እዩ።

ኣብቲ ስልጠና ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ መዘና ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምግላፅ ጠንቅታትን ምልክታትን ፀቕጢ፣ ጭንቀት፣ ስንባደ ከምኡ’ውን ብኸመይ ከምዝፍውስዎምን ዓርሶም ከምዝሃንፁን ብዝተፈላለዩ መሃሪ ኣብነታት ቐሪቡ ፡፡

ኣብቲ ዘተ ካብ ተግባራዊ ተሞክሮታት ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ሕቶታት ተላዒሎምን ብዝምልከቶም ኣካላት ድማ ግቡእ መልሲ ከምዝተውሃቦም #ድወት ፀብፂቡ።

ደደቢት ሚድያ ንምሕጋዝ | To Support Dedebit Media Use the Following Platforms፡
****
Wegagen Bank: 0987045930101 Name:- Dedebit Media PTY LTD
GoFundMe: https://gofund.me/98d06651
PayPal: https://www.paypal.com/donate?hosted_button_id=NC4AFNBQLVMSN
TipHub: https://tiphub.co/dedebit-media-fundraiser/577
ቀዋሚ ኣባል ንምዃን/To be a member: https://www.patreon.com/dedebitmedia
A raffle organized by Dedebit Media ብደደቢት ሚድያ ዝተዳለወ ሎተሪ/ዕጫ: https://go.rallyup.com/dedebitmedia


03 ሕዳር 2016 ኣ/ግ

መቐለ