ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
300 subscribers
354 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።💒🙏💒✝️✝️✝️

5 ናይ ድፍረትን/ትዕቢትን ሓጢኣትን✝️

ነቢይ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸልዩ «ንዓይ ንባርያኻ ብትዕቢት(ድፍረት) ሓጢኣት ከይገብር ሓልወኒ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥን ውን ዕገቶ፡ ሽዑ ሙልእ ክኸውን፡ ዓቢ ሓጢኣት ዉን ኣይክገብርንየ» /መዝ 19፥13/

ዳዊት፣ ናይ ድፍረት ወይ ናይ ትዕቢት ሓጢኣት ዝብለን ዘሎ ነየኖት ሓጢኣታት እየን፧? እዚአን ዓይነት ሓጢኣታት ብዙሕ ግዜ ሕቡኣትን እየን። በቲ ርኡይ ዝዀነ (ብኣፍኣ ንፍጽሞ) ናይ ጽድቂ ስራሕ ስለዝሽፈና፣ ሓጢኣት ኮይነን ኣይረኣያናን። ገሊኣተን ዉን፣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ብዘሐጉስ መንገዲ ዘይተስርሓ፣ ሰናይ ተግባራትን ስነምግባራትን ዉን ክዀና ይኽእላ። ከም ስነምግባር ኣምሲልና ስለእንወስደን፣ ሓደ ሓደ እዋን «ናይ የማናይ ኢድ ሓጢኣታት» ዉን ይበሃላ እየን።

ገለ ኣብነታት ናይ ድፍረትን ሓጢኣትን⁉️

1.ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምዉካል
ሰብከት ትሰምዕ፣ ልብኻ ውን ይትንከፍ፣ በዚ ስብከት‘ዚ ኣቢልካ መንገዲ ጽድቂ ክትጉዓዝ ትውስን። ብቅዱስ ቅንኢ መንፈሳዊ ህይወት ትጅምር፣ ትጸውም፡ ትጽልይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ። ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ውሽጥኻ ክደፍኣካ ይጅምር። ምናልባት እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ፣ ጸጋ ኣግዚኣብሔር መሲልካ ይኸውን፣ ግን ኣይኮነን።

ደሓር ግና ፈጺምካ ትዳኸም። ካብቲ ዝነበርካዮ ደረጃ ናብ ዝገደደ ትወድቕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ስለ ዝተወከልካ እዩ።

መፍትሒ፦ ቅድም ናብ ኣባት ነፍስኻ ኪድ፣ ንሱ ይምራሓካ። ንዓኻ ዝምጥን፣ ዓቕምኻ መደብ ክህበካ እዩ። ብኡ ጀምር!

2. እምብዛ ጽድቒ
መንፈሳዊ ህይወት፣ ኲሉ ግዜ ምስ መንፈሳዊ ማለት ኣባት ነፍስኻ ብምምዕዓድ ክጅመር ኣለዎ። ካብቲ ኣበ ነፍስና ዝመደበልና ነገራት ዉን ክንወጽእ የብልናን።

ዲያብሎስ «ኣቦይ ቀሺ መንፈሳዊ ብቕዓትካ ኣይፈልጥዎን፣ ኣቦይ ቀሺ ንመንፈሳዊ ዕብየትካ ከደናጉዩካ እዮም ዝደልዪ» እንዳበለ ኣባት ነፍስካ ካብ ዝወሰኑልካ ንላዕሊ ንኽትገብር ይምዕደካ። ነዚአን ነገራት ክትፍጽመን ምስ ጀመርካ ዉን፣ ድያብሎስ ይሕግዘካ፤ ማለት ነዚኣን ነገራት ክትገብር ከለኻ ኣይፍትነካን። ስለምንታይ ዲያብሎስ ነዚ ክትገብር ይሕግዘካ⁉️

ምግባረ ጽድቅ፣ ናብ ፍጽምና መብጽሒ መንገዲ ደኣ እዩ እምበር፣ ዕላማ ኣይኮነን። ብዙሕ ሰዓታት ብምጿምና፡ ብዙሕ ግዜ ብምጽላይና፡ ብዙሕ ብምስጋድና ክንሕጎስ ንጅምር። በዘን መንፈሳዊ መንገዲታት ኣቢልና ምስ እግዚኣብሔር ተራኺብና ዲና ንዝብል ሕቶ ግና ኣይንዝክሮን። ማለት በቲ ዝጾምናዮን ዝጸለናዮን፣ ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ቀሪብና ዲና፣ ዋላስ ኣይቀረብናን?

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ይብለና። «እምብዛ ጽድቂ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን ስለምንታይ ንርእስኻ እትቐትል» /መክ 7፥16/። «ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዕእደሎ መንፈስ እምነት ገይሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ክይሓስብሲ ንነፍሲ መከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ ዝወሃበኒ ጸጋ እምዕዶ ኣሉኹ» /ሮሜ 12፥3/።

ርእሰ መንኮሳት ቅዱስ እንጦንስ፣ ጸሎት ወዲኦም ምስ ደቀሱ፣ ድያብሎስ እንዳተመላለሰ «እንጦንስ፣ ተንስእ ጸሎት ግበር» እንዳበለ የተንስኦም ኔሩ። ቅዱስ እንጦንስ ግና «ኣብ ዝመረጽክሉ ግዜ ክጽልይ እየ፡ ንዓኻ ግን ፈጺመ ኣይክሰምዓካን እየ» እንዳበለ ይምልሰሉ ኔሮም። ኩሉ ጉዕዞና ማእከላይ ክከውን ኣለዎ። ኣቦታትና፣ ነዚ ማከላይ መንገዲ «መንገዲ ክብረት» ኢሎም ይጽዉዕዎ። መንገዲ ክብረት ዝበሃል ኣመና ናብ የማን (እምብዛ ጽድቂ) ወይ ናብ ጸጋም (ሓጢኣት) ዘይምዝንባል እዩ።

በዚ ምኽንያት እዩ፣ ገዳማዉያን መነኮሳትን ደናግልን፣ ብመንፈሳዊ መራሕቶም (ኣበነፍሶም/መማህራኖም) ዝተመደበሎም ናይ ጸሎት፡ ጾም፡ ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ መዳባት ዘለዎም። ብዛዕባ መንፈሳዊ ባህግታት ኩሉ ሳዕ ትምርሓሉ መንገዲ ክምደበልካ ሕተት።

3 . ገዛእ ርእስኻ ምቕጻዕ
ገለ እዋን ባዕልና እንገብሮ መንፈሳዊ ስርዓት ኣሎ። ሓጢኣት ክንፍጽም ከለና ንገዛእ ርእስና ቐኖና ንእዝዘላ። ንኣብነት፣ ገለ ሓጢኣት ምስ ንሰርሕ፣ ባዕልና ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ንውስኸሉ። ከምዚ ምግባርና ውን ዝተዓውትና ይመስለና፤ እዚ ግና ናብ ካልእ መንገዲ እዩ ዝመርሓና።

4.ገዛእ ርእስኻ ካብ ሓጢኣት ምፍታሕ
ንኣብነት ኣብ ጊዜ ጾም ብነፋሪት ትገይሽ ኣለካ ንበል፣ ኣብታ ነፋሪት ዝተቐረበልካ መግቢ ናይ ስዕረት ኮይኑ፣ ነቲ ዝተቐረበ መግቢ ሃሪፍካ ክትበልዕ ደሊካ። ነቲ ውሳኔኻውን «ንብዙሕ ግዜ ጾይመ እየ፡ ሕጂ ኸኣ ክበልዕ መሰለይ እዩ» ብዝብል ምኽንያት ደጊፍካ ትበልዕ።

ኣብዚ ዘየስተውዓልካዩ ነገር እንተሃልዩ! ዲያብሎስ ንካህናት ጥራይ ዝምልከት ስልጣን ምእሳርን ምፍታሕን ንገዛእ ርእስኻ ከምትውንኖ ጌርካ እዩ። ብርግጽ ዲያብሎስ እዩ ዝኣስረካን ዝፈትሓካን ዘሎ። መንፈሳዊ መራሒ ከምትስእን ጌሩ፣ ባዕሉ መንፈሳዊ ኣማኻሪኻ ኮይኑካ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና «ንመብራህቲ ኣብሪሁ እቶም ዝኣትው ምእንቲ ክርእዩ ኣብ በሪክ መቐመጢኡ እምበር ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ከፈር ዘንብሮ ሓደ እኳ የልቦን» /ሉቃ 11፥33/። ኣቦታት ነዚ ክትርጉምዎ እንከለዉ፣ ዝኾነ እትፍጽሞ ጽድቂ ስራሕ ካብ ኣባት ነፍስኻ ኣይትሕባኣዮ ኩሉ ትገብሮ ነገር መንፈሳዊ መራሒኻ ይፍለጦ፣ ብምባል ይምህሩና።

5.ኣደናጋሪ ጽድቂ
በዚ መንገዲ ምስ እትቕጽል፣ ዲያብሎስ ሰናይ ትገብር ከምዘለኻን፣ ነቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘውርስ መንገዲ ከምዝሓዝካን የእምነካ። ግደ ሓቂ ግና፣ መገዲ ድሕነትካ ገዲፍካ ናብ ጥፍኣት መንገዲ ኢኻ ትጉዓዝ ዘለኻ። «እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቕ» /ሉቃ 11፥35/ ብምባል ጐይታ ኣጠንቒቑና እዩ። ጐይታ፣ ካብቶም መራሕቲ ሸውዓተ ቤተክርስቲያናት ዝኾኑ ጳጳሳት ነቲ ሓደ ከምዚ ኢሉ ገስጽዎ እዩ፣ « “ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ እኳ ዝጎድለኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ ሕሱርን ዘደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምኻንካ ኣይትፈልጥን ኢካ» /ራእ 3፥17/።

ኣብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ዳርጋ ጠፊኦም እዮም። ቅዱስ ቲዮፋን ባሕታዊ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ሞቱ እዮም ጥፍኣቶም ዝርድኦም፣ ይብለና። ጐይታ ብዛዕባ ከምዚኦም ሰባት «በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ጐይታይ ጐይታይ! ብስምካ‘ዶ ኣይተነበናን ብስምካ‘ዶ ኣጋንንቲ ኣየውጽኣናን ብስምካ ብዙሕ ተኣምራት‘ዶ ኣይገበርናን፣ ክብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ከቶ ኣይፈልጠኩምን እየ ካባይ ርሓቑ” ክብሎም እየ» /ማቴ 7፥22–23/።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ዓይነ ልቦና ይሃበና።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ

ሎቱ ስብሓት ኣሜን ።
ሰላም ዝከብርኩም ኣሕዋት ከመይ ኣለኩም ብመጀመርታ ሰላም ኣምላክ ምስ ኩላትና ይኩን! ጾም ከመይ ኣሎ ይከኣል'ዶ ኣሎ ሕራይ ንዕለት 10/4/2014ግእዝ ሰንበት እዩ 19/12/2021ፈረንጂ ኣብ ሰማእቱ ቅዱስ መርቆሪዎስ ቤተክርስትያን መብራት ሃይል ሰዓት 8:30 ናይ ንግሆ ብዛዕባ ናይ ወልደ ዮሴፍ ዝሞተ ሓውና ዓመቱ ስለ ዝቀረበ እንታይ ከም ንገብር ክንዛራረብ ስለ ዝኮና ኩላትና ክንመጽእ ሓደራ ንብል ኣሕዋት እንተ ተካኢሉ ኣብ ሰማእቱ ቅድስ መርቆሪዎስ ቤተክርስትያን እንተ ኣቀደስና ዝበለጸ እዩ እንተዘይተካኢሉ ግን ኣብ ሰዓትና ንረከብ ኩብራት የሕዋት በረከትን ረድኤትን ጸሎትን ኣማላድነትን ናይ ሰማእታ ቅድስት ኣርሴማ ኣይፈለየና!!! ክሳብ ሽዑ ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ኩላትና ይኩን!!!
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

"ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ" መዝ 111/112፥6

መንፈሳዊ ሰላምታ ብምቅዳም ብምክንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ጻድቅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ደብረ ድማኋ፤ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ ዝኮነ ብጻዕዳ ጸበል ዝልለ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ዝርከብ ዓመታዊ በዓሉ ስለዝኮነ። ኩላትና ድማ ናይዚ ገዳም ጸበል እንዳተለከና ዝዓበና ኢና። ብእኡ ተፈዊስና ድማ ብበረከቱ ተከሊልና ከም ዝዓበና መጠን ዓመት መጸ ክንዝክሮ ግቡእ እዩ። እንተኮነ ብመግዛእቲ ጣልያን ተከዊሉ ብካቶሊክ እምነት ዝተስፋሕፍሐ ናይ ጽሕዲ ምምላክ ስርዓት ኣብ ቤትና ኣንጊስና ጻድቁ ረሲዕናዮ ኢና። እሞ ሕጂ የሕዋትና ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብዚ ኣምልኮተ ጣኦት ወጺና ፣ብእግዚኣብሄር ብዝከበረ ጻድቅ ኣቦና ብሓድነት ኮይንና፣ ምእንታናን ምእንቲ ሃገርናን ሕዝብና ጸሎትን ምህለላን ክንገብር ኢና እሞ ኩላትና ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክንኮኑ ንዕድም።

መደብና ለይቲ ብኤርትራውያን መምህራን ካህናትን ማህሌት ተቆይሙ ኩላትና ድማ ምስ ኣዴታትና ብውዳሴ ምስግና ጸሎት ምግባር ክንሓድር። ንግሆ ድሕሪ ቅዳሴ ድማ መዝሙር ብዓበይቲ ካህናትን ሊቃውንትን። መንፈሳዊ ተዋስኦ ዘጠቃልል እዩ። ስለዚ ካብ ናብ ናይ ኣምልኮተ ሰይጣን ዝወስድ በዓል ምግባር፣ ናብ ናይ ጽድቂ ጎደና ዝመልስ መንፈሳዊ ቦታ ክንመጽእ ብፍቅሪ ንዕድም።
ኣድራሻ ጎፋ መብራት ሃይሊ ደብረ መዊዕ ቅዱስ መርቆሪዎስ የውሓንስ መጥምቅን ቤተ ክርስቲያን።

ንዝያዳ ሓበሬታ 0983340375
0972449764 ኣራብሳ
0941202835 ላፍቶ
0900624883 ሳሪስ
0937860836 መብራት
0967821460 ጆሞ
0955021439 ሳፋሪ ፊጋ ካልኦት ገዛውትን ደውሉ መኪና ክነዳሉ ኢና።
ሼር ብምግባር ንቤተሰብናን ፈተውትናን ናብዚ በረከት ዝሕፈሶ መግቢ ነብሲ ዝርከቦ ቤት ንዓድሞም ኢና። ምክንይቱ በዚ ዕለት ሰይጣን ብገረብ ዝምለከሉ ኣጋጥሚ ስለዘሎ ናብዚ ክመጹ ንጸውዓዮም። ዘይናትና እምነት ኣብ ቤትና ካብ ምእታዉ ንፈልጦ ጻዕዳ ጸበልና ደኣ ይሕሸና። በረከቶም ኣይፈለየና።
Forwarded from Solo Mehari
ከም'ዚ ፍለጥ ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እቲ ዓቢ ባህግና እዩ። ስለዝኮነ ድማ ኣብዚ ግዜ ጉዕዞ ገዳማት ብሰንኪ ሰላም ተሰናኪሉ ከምዘሎ መጥን፣ ኣምላክ ግና ኣይሓደገንን ኣብ ሰናይ ግብሪ ክንውልዕ ፈቂድና ኣሎ። ዝሓለፈ ቀዳም ንገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ብዓቢ ክብሪ ኣብዒልና። ሕጂ ድማ ንካልኣይ ብተርታኡ ዝኮነ ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ገዳም ሃም ክነክብር ተዓዲምና። እሞ ድማ ቀንዲ ንዓና ዝምልከት ከም ምኳኑ መጥን ናይ ማሕበር ርክብና ከይተረፈ ኣብኡ ክከውን እዩ። ስለዚ ዝኮነ ሰብ ከይተርፍ ካብዚ ዓቢ በረከት። ኩላትና ኣባላት እዚ ግሩብ ከም ስምና መጠን ኣቀዲምና መጺና ተዓጠቕቲ ኢና ክንከውን ዘለና።
ምክንያቱ ከም ቃልና መሰረት ውራይና ስለዝኮነ። ምትራፍ ኣይፍቀድን እዩ ንዘይፈለጡ ሼር እንዳ በልና ነፍልጥ ሓደራ ብስም ጻድቁ ንብል። በረከት ኣለዎ ቀሊል ዘይኮነ ቃል ኪዳኖም ዘቀብል።