ስድራ እግዚኣብሔር ከመይ ኣለኩም ከም ዝፍለጥ ጉዕዞ ገዳማት ተቋሪጹ ኔሩ ሕጂ ግን ብጸሎት ወላዲቱ ናብ ብርብር ማርያም ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ገዳም ዝርከቦ ቦታ ውሑስ ኮይኑ ካብዚ ናይ ኩናት ቦታ ውጹእ እዩ። ናብ ደቡብ ክልል ስለዝኮነ ካልኣይ ድማ ምስ ናይዚ ዓዲ ኣዳለውቲ ብምስምማዕ ሕጋዊ ዝኮነ መሰነይታ ወረቀት ሒዞም ኢና ክንከይድ። ንሳለሞም ገዳማት ክሳብ 6 ዝበጽሑ ኢዮም። ብፍላይ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝፍልፈሎ 40 ጸበላትን ናይ ኣቡነ ገብረመንፈስቅዱስ ሓያል ጸበልን ድማ ዝተፈልዩ እዮም። ምብጋስ ሰንበት ኮይኑ ምምላስ ድማ ሓሙስ እዩ። ክንከይድ ንደሊ 0983340375 ንደውል ንመዝገብ ኣብዚ ጭንቂ ግዜ ናብ ዕረፍቲ ዝህበካ ቦታታት ብፍቃድ እግዚኣብሔር ምካድ እቲ ዝበለጸ እዩ።
Forwarded from Solo Mehari
Watch "ደስ ዝብል መዝሙርን ጸሎትን ኤርትራውያን ኣብ ገዳም ሸብሸቦ ማርያም Part 3" on YouTube
https://youtu.be/Zy7K3G0dMpw
https://youtu.be/Zy7K3G0dMpw
YouTube
ደስ ዝብል መዝሙርን ጸሎትን ኤርትራውያን ኣብ ገዳም ሸብሸቦ ማርያም Part 3
Don't forget to Subscribe! More videos coming soon
Join us on Social Media:
Facebook: https://www.facebook.com/bietaboytewahdo/
Instagram: https://www.instagram.com/bietaboytewahdo/
Thanks for tuning in to ቤት ኣቦይ ተዋሕዶ/ Biet Aboy
Join us on Social Media:
Facebook: https://www.facebook.com/bietaboytewahdo/
Instagram: https://www.instagram.com/bietaboytewahdo/
Thanks for tuning in to ቤት ኣቦይ ተዋሕዶ/ Biet Aboy
Forwarded from Solo Mehari
ጸሎት ናይ ቅዱሳን ዝተቀበለ ኣምላክ ጸሎትኩም ይቀበል እንዳ በልኩም ናብ ኩሉ ክበጽሕ ብሓባር ክንጽሊ ሼር ምባል ኣይንሕመቅ ንበረከት እዩ።
Solo Mehari:
ሰላም ኩቡራት የሕዋት ከመይ ቀኒኩም ጾም ከመይ ኣሎ ደሓን ድዩ ይከኣል ዶ ኣሎ። እቲ ዝራክበና ዝነበረ ጉዕዞ ገዳም ምስ ኩነታት ሰላም ካብ ዘይንከይድ ብዙሕ ኮይኑ ኣሎ ።ስለዚ ሓደ ከራክባና ዝክእል ወርሓዊ ኣኬባ ማሕበር እዩ። እንተኮነ ኣይንመጽእ ኮይና ኩላትና ሸለል ንብሎ ግን ብዝሕ ንዓና ዝተቅምን ክትዓብየሉ ንክእል ኣብ መንፈሳዊን ሥጋውን ህይወትና ዕላማ ሒዝና ንጎዓዝ ኣለና እሞ መጺኢኩም ተሓወሱና ብፍቅሪ ክንቅበለኩም ኢና።
1. ሓደ ካብኡ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ መናባብሮ ሽግር ንምፍታሕ ብሓባር ብሓድነት ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ኣሎ።ነዚ ድማ ዕቁቡ ብማሕበር ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ክንሳተፍ ንደሊ ንናይ ማሕብር ወኪላት ኣብሰሰፈርኩም ደውሉሎም ኣገባብ ኣመዛግባ ክሕብሩኩም እዮም። ግደን ጽባሕ ስለዝጅመር ድማ ሎሚ ክትድውሉ ኣለኩም። ሰሙናዊ ኮይኑ ናይ 250&500 እዩ እቲ ገንዘብ ዝእከብ።
2. ኣብ መንፈሳዊ ተዋስኦ ድራማ ዓቅምና ክንሳተፍ ንደሊ ደዊልና ንመዝገብ።
ካልእ ንሰንበት ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ባእታ ናይ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ን ምክንያት ብምግባር ናይ ትግርኛ መዝሙር ክነቅርብ ስለ ዝተዓደምና ኩላትና ክንሳተፍ ንደሊ ልክዕ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ኣብ ፕያሳ ጊዮርጊስ ቤተክርስትያን ክንመጽእ ንክልእ ኢና።

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።💒⛪🙏💒✝️✝️✝️
❇5 ናይ ድፍረትን/ትዕቢትን ሓጢኣትን✝️
ነቢይ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸልዩ «ንዓይ ንባርያኻ ብትዕቢት(ድፍረት) ሓጢኣት ከይገብር ሓልወኒ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥን ውን ዕገቶ፡ ሽዑ ሙልእ ክኸውን፡ ዓቢ ሓጢኣት ዉን ኣይክገብርንየ» /መዝ 19፥13/
ዳዊት፣ ናይ ድፍረት ወይ ናይ ትዕቢት ሓጢኣት ዝብለን ዘሎ ነየኖት ሓጢኣታት እየን፧? እዚአን ዓይነት ሓጢኣታት ብዙሕ ግዜ ሕቡኣትን እየን። በቲ ርኡይ ዝዀነ (ብኣፍኣ ንፍጽሞ) ናይ ጽድቂ ስራሕ ስለዝሽፈና፣ ሓጢኣት ኮይነን ኣይረኣያናን። ገሊኣተን ዉን፣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ብዘሐጉስ መንገዲ ዘይተስርሓ፣ ሰናይ ተግባራትን ስነምግባራትን ዉን ክዀና ይኽእላ። ከም ስነምግባር ኣምሲልና ስለእንወስደን፣ ሓደ ሓደ እዋን «ናይ የማናይ ኢድ ሓጢኣታት» ዉን ይበሃላ እየን።
ገለ ኣብነታት ናይ ድፍረትን ሓጢኣትን⁉️
1✅.ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምዉካል
ሰብከት ትሰምዕ፣ ልብኻ ውን ይትንከፍ፣ በዚ ስብከት‘ዚ ኣቢልካ መንገዲ ጽድቂ ክትጉዓዝ ትውስን። ብቅዱስ ቅንኢ መንፈሳዊ ህይወት ትጅምር፣ ትጸውም፡ ትጽልይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ። ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ውሽጥኻ ክደፍኣካ ይጅምር። ምናልባት እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ፣ ጸጋ ኣግዚኣብሔር መሲልካ ይኸውን፣ ግን ኣይኮነን።
ደሓር ግና ፈጺምካ ትዳኸም። ካብቲ ዝነበርካዮ ደረጃ ናብ ዝገደደ ትወድቕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ስለ ዝተወከልካ እዩ።
✅መፍትሒ፦ ቅድም ናብ ኣባት ነፍስኻ ኪድ፣ ንሱ ይምራሓካ። ንዓኻ ዝምጥን፣ ዓቕምኻ መደብ ክህበካ እዩ። ብኡ ጀምር!
2. ✅እምብዛ ጽድቒ
መንፈሳዊ ህይወት፣ ኲሉ ግዜ ምስ መንፈሳዊ ማለት ኣባት ነፍስኻ ብምምዕዓድ ክጅመር ኣለዎ። ካብቲ ኣበ ነፍስና ዝመደበልና ነገራት ዉን ክንወጽእ የብልናን።
ዲያብሎስ «ኣቦይ ቀሺ መንፈሳዊ ብቕዓትካ ኣይፈልጥዎን፣ ኣቦይ ቀሺ ንመንፈሳዊ ዕብየትካ ከደናጉዩካ እዮም ዝደልዪ» እንዳበለ ኣባት ነፍስካ ካብ ዝወሰኑልካ ንላዕሊ ንኽትገብር ይምዕደካ። ነዚአን ነገራት ክትፍጽመን ምስ ጀመርካ ዉን፣ ድያብሎስ ይሕግዘካ፤ ማለት ነዚኣን ነገራት ክትገብር ከለኻ ኣይፍትነካን። ስለምንታይ ዲያብሎስ ነዚ ክትገብር ይሕግዘካ⁉️
ምግባረ ጽድቅ፣ ናብ ፍጽምና መብጽሒ መንገዲ ደኣ እዩ እምበር፣ ዕላማ ኣይኮነን። ብዙሕ ሰዓታት ብምጿምና፡ ብዙሕ ግዜ ብምጽላይና፡ ብዙሕ ብምስጋድና ክንሕጎስ ንጅምር። በዘን መንፈሳዊ መንገዲታት ኣቢልና ምስ እግዚኣብሔር ተራኺብና ዲና ንዝብል ሕቶ ግና ኣይንዝክሮን። ማለት በቲ ዝጾምናዮን ዝጸለናዮን፣ ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ቀሪብና ዲና፣ ዋላስ ኣይቀረብናን?
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ይብለና። «እምብዛ ጽድቂ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን ስለምንታይ ንርእስኻ እትቐትል» /መክ 7፥16/። «ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዕእደሎ መንፈስ እምነት ገይሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ክይሓስብሲ ንነፍሲ መከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ ዝወሃበኒ ጸጋ እምዕዶ ኣሉኹ» /ሮሜ 12፥3/።
ርእሰ መንኮሳት ቅዱስ እንጦንስ፣ ጸሎት ወዲኦም ምስ ደቀሱ፣ ድያብሎስ እንዳተመላለሰ «እንጦንስ፣ ተንስእ ጸሎት ግበር» እንዳበለ የተንስኦም ኔሩ። ቅዱስ እንጦንስ ግና «ኣብ ዝመረጽክሉ ግዜ ክጽልይ እየ፡ ንዓኻ ግን ፈጺመ ኣይክሰምዓካን እየ» እንዳበለ ይምልሰሉ ኔሮም። ኩሉ ጉዕዞና ማእከላይ ክከውን ኣለዎ። ኣቦታትና፣ ነዚ ማከላይ መንገዲ «መንገዲ ክብረት» ኢሎም ይጽዉዕዎ። መንገዲ ክብረት ዝበሃል ኣመና ናብ የማን (እምብዛ ጽድቂ) ወይ ናብ ጸጋም (ሓጢኣት) ዘይምዝንባል እዩ።
በዚ ምኽንያት እዩ፣ ገዳማዉያን መነኮሳትን ደናግልን፣ ብመንፈሳዊ መራሕቶም (ኣበነፍሶም/መማህራኖም) ዝተመደበሎም ናይ ጸሎት፡ ጾም፡ ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ መዳባት ዘለዎም። ብዛዕባ መንፈሳዊ ባህግታት ኩሉ ሳዕ ትምርሓሉ መንገዲ ክምደበልካ ሕተት።
3 .✅ ገዛእ ርእስኻ ምቕጻዕ
ገለ እዋን ባዕልና እንገብሮ መንፈሳዊ ስርዓት ኣሎ። ሓጢኣት ክንፍጽም ከለና ንገዛእ ርእስና ቐኖና ንእዝዘላ። ንኣብነት፣ ገለ ሓጢኣት ምስ ንሰርሕ፣ ባዕልና ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ንውስኸሉ። ከምዚ ምግባርና ውን ዝተዓውትና ይመስለና፤ እዚ ግና ናብ ካልእ መንገዲ እዩ ዝመርሓና።
4.✅ገዛእ ርእስኻ ካብ ሓጢኣት ምፍታሕ
ንኣብነት ኣብ ጊዜ ጾም ብነፋሪት ትገይሽ ኣለካ ንበል፣ ኣብታ ነፋሪት ዝተቐረበልካ መግቢ ናይ ስዕረት ኮይኑ፣ ነቲ ዝተቐረበ መግቢ ሃሪፍካ ክትበልዕ ደሊካ። ነቲ ውሳኔኻውን «ንብዙሕ ግዜ ጾይመ እየ፡ ሕጂ ኸኣ ክበልዕ መሰለይ እዩ» ብዝብል ምኽንያት ደጊፍካ ትበልዕ።
ኣብዚ ዘየስተውዓልካዩ ነገር እንተሃልዩ! ዲያብሎስ ንካህናት ጥራይ ዝምልከት ስልጣን ምእሳርን ምፍታሕን ንገዛእ ርእስኻ ከምትውንኖ ጌርካ እዩ። ብርግጽ ዲያብሎስ እዩ ዝኣስረካን ዝፈትሓካን ዘሎ። መንፈሳዊ መራሒ ከምትስእን ጌሩ፣ ባዕሉ መንፈሳዊ ኣማኻሪኻ ኮይኑካ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና «ንመብራህቲ ኣብሪሁ እቶም ዝኣትው ምእንቲ ክርእዩ ኣብ በሪክ መቐመጢኡ እምበር ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ከፈር ዘንብሮ ሓደ እኳ የልቦን» /ሉቃ 11፥33/። ኣቦታት ነዚ ክትርጉምዎ እንከለዉ፣ ዝኾነ እትፍጽሞ ጽድቂ ስራሕ ካብ ኣባት ነፍስኻ ኣይትሕባኣዮ ኩሉ ትገብሮ ነገር መንፈሳዊ መራሒኻ ይፍለጦ፣ ብምባል ይምህሩና።
5.✅ኣደናጋሪ ጽድቂ
በዚ መንገዲ ምስ እትቕጽል፣ ዲያብሎስ ሰናይ ትገብር ከምዘለኻን፣ ነቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘውርስ መንገዲ ከምዝሓዝካን የእምነካ። ግደ ሓቂ ግና፣ መገዲ ድሕነትካ ገዲፍካ ናብ ጥፍኣት መንገዲ ኢኻ ትጉዓዝ ዘለኻ። «እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቕ» /ሉቃ 11፥35/ ብምባል ጐይታ ኣጠንቒቑና እዩ። ጐይታ፣ ካብቶም መራሕቲ ሸውዓተ ቤተክርስቲያናት ዝኾኑ ጳጳሳት ነቲ ሓደ ከምዚ ኢሉ ገስጽዎ እዩ፣ « “ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ እኳ ዝጎድለኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ ሕሱርን ዘደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምኻንካ ኣይትፈልጥን ኢካ» /ራእ 3፥17/።
ኣብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ዳርጋ ጠፊኦም እዮም። ቅዱስ ቲዮፋን ባሕታዊ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ሞቱ እዮም ጥፍኣቶም ዝርድኦም፣ ይብለና። ጐይታ ብዛዕባ ከምዚኦም ሰባት «በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ጐይታይ ጐይታይ! ብስምካ‘ዶ ኣይተነበናን ብስምካ‘ዶ ኣጋንንቲ ኣየውጽኣናን ብስምካ ብዙሕ ተኣምራት‘ዶ ኣይገበርናን፣ ክብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ከቶ ኣይፈልጠኩምን እየ ካባይ ርሓቑ” ክብሎም እየ» /ማቴ 7፥22–23/።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ዓይነ ልቦና ይሃበና።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ
ሎቱ ስብሓት ኣሜን ።

ሰላም ዝከብርኩም ኣሕዋት ከመይ ኣለኩም ብመጀመርታ ሰላም ኣምላክ ምስ ኩላትና ይኩን! ጾም ከመይ ኣሎ ይከኣል'ዶ ኣሎ ሕራይ ንዕለት 10/4/2014ግእዝ ሰንበት እዩ 19/12/2021ፈረንጂ ኣብ ሰማእቱ ቅዱስ መርቆሪዎስ ቤተክርስትያን መብራት ሃይል ሰዓት 8:30 ናይ ንግሆ ብዛዕባ ናይ ወልደ ዮሴፍ ዝሞተ ሓውና ዓመቱ ስለ ዝቀረበ እንታይ ከም ንገብር ክንዛራረብ ስለ ዝኮና ኩላትና ክንመጽእ ሓደራ ንብል ኣሕዋት እንተ ተካኢሉ ኣብ ሰማእቱ ቅድስ መርቆሪዎስ ቤተክርስትያን እንተ ኣቀደስና ዝበለጸ እዩ እንተዘይተካኢሉ ግን ኣብ ሰዓትና ንረከብ ኩብራት የሕዋት በረከትን ረድኤትን ጸሎትን ኣማላድነትን ናይ ሰማእታ ቅድስት ኣርሴማ ኣይፈለየና!!! ክሳብ ሽዑ ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ኩላትና ይኩን!!!
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
"ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ" መዝ 111/112፥6
መንፈሳዊ ሰላምታ ብምቅዳም ብምክንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ጻድቅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ደብረ ድማኋ፤ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ ዝኮነ ብጻዕዳ ጸበል ዝልለ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ዝርከብ ዓመታዊ በዓሉ ስለዝኮነ። ኩላትና ድማ ናይዚ ገዳም ጸበል እንዳተለከና ዝዓበና ኢና። ብእኡ ተፈዊስና ድማ ብበረከቱ ተከሊልና ከም ዝዓበና መጠን ዓመት መጸ ክንዝክሮ ግቡእ እዩ። እንተኮነ ብመግዛእቲ ጣልያን ተከዊሉ ብካቶሊክ እምነት ዝተስፋሕፍሐ ናይ ጽሕዲ ምምላክ ስርዓት ኣብ ቤትና ኣንጊስና ጻድቁ ረሲዕናዮ ኢና። እሞ ሕጂ የሕዋትና ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብዚ ኣምልኮተ ጣኦት ወጺና ፣ብእግዚኣብሄር ብዝከበረ ጻድቅ ኣቦና ብሓድነት ኮይንና፣ ምእንታናን ምእንቲ ሃገርናን ሕዝብና ጸሎትን ምህለላን ክንገብር ኢና እሞ ኩላትና ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክንኮኑ ንዕድም።
መደብና ለይቲ ብኤርትራውያን መምህራን ካህናትን ማህሌት ተቆይሙ ኩላትና ድማ ምስ ኣዴታትና ብውዳሴ ምስግና ጸሎት ምግባር ክንሓድር። ንግሆ ድሕሪ ቅዳሴ ድማ መዝሙር ብዓበይቲ ካህናትን ሊቃውንትን። መንፈሳዊ ተዋስኦ ዘጠቃልል እዩ። ስለዚ ካብ ናብ ናይ ኣምልኮተ ሰይጣን ዝወስድ በዓል ምግባር፣ ናብ ናይ ጽድቂ ጎደና ዝመልስ መንፈሳዊ ቦታ ክንመጽእ ብፍቅሪ ንዕድም።
ኣድራሻ ጎፋ መብራት ሃይሊ ደብረ መዊዕ ቅዱስ መርቆሪዎስ የውሓንስ መጥምቅን ቤተ ክርስቲያን።
ንዝያዳ ሓበሬታ 0983340375
0972449764 ኣራብሳ
0941202835 ላፍቶ
0900624883 ሳሪስ
0937860836 መብራት
0967821460 ጆሞ
0955021439 ሳፋሪ ፊጋ ካልኦት ገዛውትን ደውሉ መኪና ክነዳሉ ኢና።