ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
299 subscribers
353 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
ሰላም ከብራት የሕዋት ሎሚ ሰንበት ሰዓት 1 ናይ ሓውና ዮሴፍ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ላፍቶ ሚካኤል መድብ ኣሎ እሞ ኩላትኩም ክትርከቡ ብፍቅሪ ንዕድም ንፈልጦም ሰብ ንደውልሎም ከይንተረፍ ሓደራ።
ዘሕጉስ ብስራት ሼር በልዎ

እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክድህን እዩ፥እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ።
ማር 16፥16

ሎሚ ደስ ዝብል ፍሉይ ዜና ኣለና። ማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሳምራ ዘኤርትራ ኣብ ኣዲስኣበባ፥ ካብ ዝገብሮም ምብጻሕ ናብ ቅዱሳን ገዳማት ኢትዮጽያ ፥ኣብ ነፍሲወከፍ ጉዕዝኡ ብዙሓት ነብሳት ናብ ቤት ኣብኦም ዝኮነት እምንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክምለሱ ኣኪኢሉ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓዲ መጺኦም ጥፍኣት መንገዲ ንዝጅምሩን ካብ ዘይፈልጥዋ ዓለም መጺኦም መንግዲ ንዝስሕቱ ብዙሓት ንምምላሶም ምክንያት ኮይኑ እዩ። ሕጂ ውን መንገዱ ንእግዚኣብሔር ሓደራ እንዳ ሃበ መንገዱ ኣየቋረጸን። ናይዚ ውጺኢት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ግሸን ደብረ ከርቤ ጉዕዝኡ ዓቢ ናይ ብስራት ሰሚዑ፥ ንሱ ድማ ካብ ካቶሊክ እምነት ናብ ተዋህዶ ትምለስ ሓፍቲ ረኪቡ።
ጎይታናን ኣምላክና መድኋኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ ፡"ብሓቂ፥ብሓቂ እብለካ ኣለኩ፥ ሰብ ካብ ማይን መንፈስቅዱስን እንተ ዘይተወልደ፥ናብ መንግሥቲ ኣምላክ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።" የሓ 3፥5 ስለ ዝብል ብጣዕሚ ድስ ስለዝበለና ድማ፥ናብ ገዳሙ ናይ ስሙ መጸዊዒኡ ዝኮነ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ወሲዱ ካብ ኣብራክ መንፈስቅዱስ ክትውለድ ወሲኑ። ስለዚ ኩላትኩም ደቂ ተዋህዶ ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብፍቅሪ ንጽውዕ። ንዝመጸእ ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ብግእዝ ጉዕዞ ኣድልዩ ኣሎ። ኩላትና ዘዝዓቅምና ጌርና ነዚ ዓቢ በዓል ጌርና ክነሕልፎ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ሼር እንዳ በልኩም ናብ ማሕበር እንዳ ደውልኩም ክትሕጉዙና ንትስፎ። ኣድራሻ ማሕበር በዚ ደውሉ 098340375|0967821460|0905689262።

ቴለግራም ቻነል https://t.me/bizen5
ጉዕዞ ገዳም ናብ ደብረ ሃይል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል።
ቁልቢ ገብርኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ምብጋስ ቀዳም ዕለት 17-20 ሓምለ ብግእዝ ብማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሳምራ ዘኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዳልዩ ኣሎ ክንከይድ ንደሊ ኣብዘለናዪ ኮይና 0983340375|0905689262 ደዊልና ንመዝገብ
ጉዕዞ ገዳም ናብ እምነ ክርስቶስ ሳምራ ትውልዲ ዓዳ ቡልጋ ሃገረ ማርያም በጺሕካ ምምላስ ንቀዳም ዕለት 24 ሓምለ ክንከይድ ንደሊ ቀልጢፍና ንመዝገብ እንዳ ዳወልና ናብ ናይ ማሕበር ቴለፎን 0983340375 ካልኦትን።
ሰላም ኩቡራት ኣባላት ማሕበር ጽባሕ ወርሓዊ ርክብና ስለዝኮነ ኩላትና ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ኣብ መርቆሪዎስ ቤተክርስቲያን መብራት ከይንተርፍ ሓደራ ናይ ጽባሕ ሰባት ይግበረና ብሰላም የሕድረና።
ሰላም ክቡራትፍቁራት ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣፍቀርቲ ድንግል ማርያም ኣመንቲ ኣማላድነት ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሰምራን ከመይ ኣለኩም ሓድሸ ዓመት ከመይ ተቀቢልኩሞ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ክበጽሓኩም ናይ ልቢ ምንዮተይ እዩ። ርሑስ በዓል መስቀል ድማ ይግበረልኩም ይብል። ብምቅጻል ብማሕበርና ኣብ ዝተካረናዮ ገዛ ክንነብር ንደሊ ብፍቅሪ ተሰማሚዕና ነዛ ዛላ ሓጸር ናይ ስደት ዘመን ከይተፈላለና ቃል ኣምላክ እንዳተማሃሃርና ገንዘብና ቆጢብና ንመጻኢ እንዳማዕዶና ከየጋፋፍሕና ሕጂ ውን እቲ ገዛ ናጻ ስለዘሎ ቀዲምና ቦታ ንሓዝ ክጠቀመና እዩ። ድሌትና ንዕቤት ሂወትና ኩሉ ግዜ ብቃሉን ብመዝሙር እንዳ ተመካከርና መንፈሳዊ ዕብየት እንርእየሉ ናይ ስደት መንገዲ ንምጥቃም የኣክል ኢና እዚ ገዛ ሒዝናዮ እሞ ብሓባር ብሓደነት ንጠቀመሉ ክሳብ ምዓስ ተፈላሊና ናይ ግሊ ሂወት ጥራይ ክነስተማቅር። ነዚ ዕድል ክንጥቀም ንደሊ እንዳ ዳወልና ንኣብ ከባቢና ዘለዎ ኣባላት ማሕበር ንሓብር ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ንደውል 0983340375።
ፍቃድ ወላዲተ ኣምላክ ኮይኑ ከም ጸሎትናን ድሌትናን ግሸን ማርያም ተፈቂድልና ሰላም እዩ መንገዲ ደቀይ ክትመጹ ትክእሉ ኢኩም ኢላትና። ስለዚ ክንከይድ ንደሊ ደብረ ሲና ዝለመድና ምንጋድ ማሕብር ምዝገባ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ ኣብ ዘዘለክሞ ብ ቁጽሪ ቴሌፎናት ናይ ማሕበር ደውሉ ተመዝገቡ እዚ ዓቢ በረከት ከየምልጠኩም ኣብዚ ጭንቂ ዘመን ፍሪሕካ ዘይኮንካ ጸሊካ እዩ ዝውጻእ እሞ ኣብቲ ክብር ናይ ጎይታና መስቀል ዘሎ ዝተቀደሰ ቦታ ንለምኖ ንዑናይ መከራና ከሓልፈልና ይብል ኣሎ ኤርትራዊ ማሕበር ናትና ናይ ኩልና። ምብጋስ ቀዳም ዕለት 19 ብስራታዊ መልኣክ ምምልስ ድማ ዕለት 24 ናይ ማሕበርና ስም።

መብራት ጉፋ ጆሞ 0905689262
ሳሪስ ወርቂ ሰፈር 0900624883
ላፍቶ ጋርመት ሉቡ 0941202835
ሳፋሪ ሰሚት ፉጋ መጋነኛ ገርጂ 0955021439
ኣራብሳ ኣያት የካባዶ 0972449764
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ጉዕዞ ገዳም ናብ ግሸን ደብረ ከርቤ ኣምሳለ ኢየሩሳሌም
ብማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሰምራ ዘኤርትራ



ሰላም ክቡራት ደቂ ተዋህዶ እንካዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና ኣሜን። ክቡር መስቀሉ ዝርከበሉ ቦታ ንምካድ ድልዋት ዲኩም፧ ኣቀዲሞም ዝከዱ ማሕበር ብሰላም በጺሕና ኢሎም መልእክቲ ኣብጺሖምልና ስለዝኮኑ ንሕና ድማ ብፍቃድ ድንግል ማርያም ተበጊስና ኣለና። በሉ ንስሉስ ዕለት 18 መስከረም እዚ ድንቂ ማሕበርኩም ነዚ ዓመት መጀመርታ ጉዕዝኡ በቲ ቅድሚ 2000 ዓመተ ድሕነቱ ዘበሰረሉ መስቀል ተባሪኩም ጉዕዝኡ ይጅምር ኣሎ ዓመት በረከቱ ክኮነሉ። ክንከይድ ንደሊ ብኣድራሻና እንዳ ደውልኩም ብብሰፈርኩም ተመዝገቡ። ድንጉዩ ዝምዝገብን ከይተመዝገበ ዝመጸእን ከም ዘይንወስድ ኣቀዲምና ንሕብር። ፍቃድ እግዚኣብሔር ይኩን ኣሜን።
መንቀሳቀሲ ዘይብሉን ዝረስአን ኣይንወስዶን ኢና።
0983340375
0941202835
0955021439
መብራት ጉፋ ጆሞ 0905689262
ሳሪስ ወርቂ ሰፈር 0900624883
ላፍቶ ጋርመት ሉቡ 0941202835
ሳፋሪ ሰሚት ፉጋ መጋነኛ ገርጂ 0955021439
ኣራብሳ ኣያት የካባዶ 0972449764
ሰላም ክቡራት ደቂ ተዋህዶ ማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሰምራ ከመይ ቀኒኩም ርሑስ በዓለ ክቡር መስቀል እንዳ በልና ወርሓዊ ርክብና ንሶሊ ዕለት 24 እዩ። ኩላትና በረከት እዞም ቅዱሳን ክንሳተፍ ንደሊ ከይተረፍና ክንመጽእ ንዕድም። ሰዓት ይከበር ኣብ ግዜና ንራከብ ሰዓት 9፥00 ንካልኦት የሕዋትና ሒዝና ክንመጽእ ንክእል ኢና። ዓበይቲ ናይ በረከት ስራሕ ውን ክንሳተፍ ኢና።
1. ብስንኪ ገንዘብ ምስኣን ብመናፍቃን ትህደን ዘላ ኣደ ሓደ ቆልዓ እሞ ከኣ ናብ ደብረ ሲና ተወፍዩ ዝነበረ ወዳ ንከይብላዕ ኢደይ ኢድካ ንበለላ ኢና።
2. ካብ ምስልምና ተመሊሳ ተጠሚቓ ክንሳ ሕጂ ድማ ብመናፍቃን ትጭነቅ ዘላ ኣደ ሓደ ቆልዓ ድማ ብካልእ ንክሕገዛ ኩላትና ብዓቅምና በብከባቢና ኣሕዋትና ክንሕግዘን ካብዚ ሰዓትን መዓልትን ከይንተርፍ ሓደራ ንብል።
ስለዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ህይወትና ብበረከት ተካፊልቲ ኮይና ክንጅምራ ኩላትና ተሳተፍቲ ንኩን።
ቦታና ቅዱስ ሰማእት መርቆሪዎስ ጎፋ መብራት ሓይሊ ኮንደሚኖም እንዳ ነዳዲ(ኣዋሽ ባንክ) መእተዊኡ ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ደውሉ 0983340375
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ብፍቃድ እግዚኣብሔር ጉዕዞ ገዳም ናብ ዝቋላ ገዳም ተደልዮ ኣሎ ን4-5 ጥቅምቲ ሓሙስ ዓርብ እዩ። ደዊልኩም ተመዝገቡ።