ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
297 subscribers
352 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ሰላም ኩቡራት የሕዋት ከመይ ቀኒኩም እንኳዕ ናብ ብርሃነ ዕርገት ብሰላም ኣብጸሓና ብምክንያት እዚ ዘመነ ትንሳኤን ብርሃነ ዕርገትን ፍሉይ መደብ ንቀዳም ተደልዩ ስለዘሎ ኩላትና ደቂ ማሕበርን በዚ ማሕበር ንጎዓዝ የሕዋትን ከይንተርፍ ሓደራ ቦታ ጆሞ መድሃኔ ዓለም ልዕል ኢልካ ቡናሜዳ እዩ ንዛያዳ ሓበሬታ ናብ ናይ ማሕብርና ንፈልጦ ቴለ ንደውል።
ብምትሕብባር ማሕበርናን ጎፋ ገብርኤልን ናይ በገና መሰንቆ ክራርን ናይ ድምጺ (vocal ) ክንመሃር ንደሊ ቀዳም ሰዓት 5 ሰንበት ድማ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ብምርካብ ክንመሃር ንክእል ኢና ንዝያዳ ሓብሬታ ንደውል።
ዓቅሚ ምውሳእ ዘለኩም ኩሉኩም ክትዋስኡ ትጽሕፉ ዝኮነኩም ዝጸሓፍኩምዎ ሒኩም ምጹ ከይትርስዑ።
ሰላም ኩቡራት ኣሕዋት ኣብ ናይ ጽባሕ ርክብና ኣብዚ ዝጅመር ዘሎ ናይ ማሕበር ራኢ እንበጽሖ መድረክ መጀመርታ ኩላትና እንታይ ኣስተዋጽኦ ኣለና ንዝብል ቃል እንኣትወሉ እዩ ስለዚ ዝኮነ ሰብ ከይተርፍ ሓደራ ኣቀዲምና ንምጻእ ንሓበሬታ ቦታ ድም ንደውል ኢና።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
እንኳዕ ብሰላም ናብ ብርሃነ ዕርገት ኣብጽሓና።

Subscribe!!
ቀወምቲ ናይ እዚኣ <ቤት ኣቦይ ተዋሕዶ-Biet Aboy> YouTube channel Subscribers ክትኮኑ ተዋሓደ 2 min ክትሪአዎ ኣለኩም ካብ 2 min ንታሕቲ Youtube ከም Fake ስለ ዝርእዮ
Link
https://www.youtube.com/channel/UCEkx9Ky89qoSOhFHaWM-_zg
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ከመይ ቀኒኩም ዝከበርኩም ማሕበር ንጽባሕ ሓሙስ ዕለት 10 ኣኬባ ማሕበር ኣሎ ኣብ ሳፋሪ ኪዳነ ምህረት ምፍላይ መጋነኛ ገርጂ የካባዶ ሳሚት ኣራብሳን ሓደራ ከይትተርፉምክንያቱ ነዓኩም ኢልና ኢና ኣብኡ ንመጽእ ዘለና እሞ ሓደራ ንዘይፈለጠ ንገርዎ ኩሉ ገዳም ዝከይድ ዝነበረን ዘይከደን ሒዝኩምዎ ምጹ ኢኩም ዓቢ ናይ በረከት ስራሕ ስለዘሎ። ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ምድንጓይ ኣይፍቀድን እዩ ሓደ ሰብ ድማ ከይተርፍ።
ሰላም ኩላትኩም የሕዋት ኣብዚ ተከፊቱ ዘሎ YouTube ኩላትና እጃምና ከነበርክት ግዴታ ኣለና ምክንያቱ ነዓና ውን ጉዳይ ገዳማትና የሕዋትናን ተማሃሮ ቤተክርስቲያን ይምልከተና ስለዝኮነ ስለዚ ሓደ ሰብ ን100 ሰባት subscriber ክገብሩ ክጉስጉስ ኣለዎ ብዝቀለለ ዝነፍአ ድማ ክሳብ 1000 ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኩን ብሩክ ምጅማር ጾም ኩላትና ብጸሎት ንደጋገፍ ንማሕበር ድማ ንጸሊ።
ሰላም ኩላትኩም የሕዋት ኣብዚ ተከፊቱ ዘሎ YouTube ኩላትና እጃምና ከነበርክት ግዴታ ኣለና ምክንያቱ ነዓና ውን ጉዳይ ገዳማትና የሕዋትናን ተማሃሮ ቤተክርስቲያን ይምልከተና ስለዝኮነ ስለዚ ሓደ ሰብ ን100 ሰባት subscriber ክገብሩ ክጉስጉስ ኣለዎ ብዝቀለለ ዝነፍአ ድማ ክሳብ 1000 ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኩን ብሩክ ምጅማር ጾም ኩላትና ብጸሎት ንደጋገፍ ንማሕበር ድማ ንጸሊ።
ፍቃድ ወላዲተ ኣምላክ ኮይኑ ከም ጸሎትናን ድሌትናን ግሸን ማርያም ተፈቂድልና ሰላም እዩ መንገዲ ደቀይ ክትመጹ ትክእሉ ኢኩም ኢላትና። ስለዚ ክንከይድ ንደሊ ደብረ ሲና ዝለመድና ምንጋድ ማሕብር ምዝገባ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ ኣብ ዘዘለክሞ ብ ቁጽሪ ቴሌፎናት ናይ ማሕበር ደውሉ ተመዝገቡ እዚ ዓቢ በረከት ከየምልጠኩም ኣብዚ ጭንቂ ዘመን ፍሪሕካ ዘይኮንካ ጸሊካ እዩ ዝውጻእ እሞ ኣብቲ ክብር ናይ ጎይታና መስቀል ዘሎ ዝተቀደሰ ቦታ ንለምኖ ንዑናይ መከራና ከሓልፈልና ይብል ኣሎ ኤርትራዊ ማሕበር ናትና ናይ ኩልና። ምብጋስ ቀዳም ዕለት 19 ብስራታዊ መልኣክ ምምልስ ድማ ዕለት 24 ናይ ማሕበርና ስም።

መብራት ጉፋ ጆሞ 0905689262
ሳሪስ ወርቂ ሰፈር 0900624883
ላፍቶ ጋርመት ሉቡ 0941202835
ሳፋሪ ሰሚት ፉጋ መጋነኛ ገርጂ 0955021439
ኣራብሳ ኣያት የካባዶ 0972449764
#ርሑስ #በዓል #ኣዴታት #ይግበረልና🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷
በዚ ዕለት እዚ መዓልቲ ኣዴታት (#Mother's #Day) ዝውዕለሉ እዩ።

 ክብሪ ወላድት ብዓይኒ 💒መጽሓፍ ቅዱስ

ነዴኻ ድማ ኣኽብራ ብሂወት ክሳዕ ዘሎኻ ድማ ናብያ ዘሐጎሳ ዘበለ ኩሉ ግበረላ በገለ እኳ ኣይተጉህያ ኣብ መሓጸና ከለኻ ምእንታኻ ኽትብል ብዙሕ ከም እተሳቐየት ዘክር መጽሓፍ ጦቢት 4፥3-4

ኦሪት ዘጸአት 20፤12
 ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

"ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።"(መልእክቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 6፡2)

ሂወት ናይ ቤተክርስትያን ፍልስፍናዊ ወይ ዓለማዊ ጥበብ ዝመሰረቱ ሓሳባዊ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሰረቱ መንፈሳዊ ናብራ ኢዩ። ጎይታ ኢየሱስ ንቤተክርስቲያኑ(ማሕበሩ) ኩሉ ሰናይ ነገር ብግብርን ብቓልን መሃራ። ሓደ ካብኡ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ክህሉ ዘለዎ ፍቕራዊ ናይ ምክብባር ናብራ ኢዩ። እዚ ናብራ ኣገዳስነቱ ዓብይ ስለ ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባኡ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያን ጸሓፈ። ከምዚ ድማ በለ "ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።"( መ' ጳውሎስ ኤፌሶን 6፡2) ክርስትና ንኹሉ ናብራ ጨው ኮይኑ መቐረት ዝህብ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ውሉድ ንወለዶም ብጎይታ ክምእዘዙ ኢዩ ዝጽውዕ።ጽሑፍ ይብል "ኣቱም ውሉድ እዚ ቅኑዕ ኢዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተኣዘዝዎም።

ኣቦኻን፡ ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቅ ክኾነልካ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ክነውሕ፡እዚ ተስፋ ዘሎዎ ቀዳማይ ትእዛዝ ኢዩ።"(መ፥ጳውሎስ ኤፌ6፡1-3) እምበኣር ንወለድኻ ምኽባር ብርግጽ ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ የንውሕ ኢዩ።ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምስ ዝነውሕ ድማ ብዙሕ ከተፍሪ ኢኻ። ስለዚ እቶም ውሉድ ከም ንጎይታ ብሕልና ንስድርኦም ክምእዘዙን ከኽብሩን ከም ዘለዎምን ማዕረ ክንደይ ድማ ወሎዶም ምእንታኦም ክብሉ ድቃስ ከምዘይብሎምን ከቢድ ጻዕሪ’ውን ከም ዝጽዕሩን ፈሊጦም ክርድኡ ትእዛዝ ተዋህበ።

(ኦሪት ዘጸአት 20፡12) ኣምላኽ ንሙሴ ከምዚ በሎ "ነፍሲ ወከፍኩም ኣቡኡን ኣዲኡን ይፍራሕ፡ ሰናብተይ ሓልዉኣነ እግዜኣብሔር ኣምላኽኩም ኢየ።"(ኦሪት ዘሌዋውያን 19፡3) ነዚ ትእዛዝ እዚ ዘይምሕላው ተሪር ዘየናሕሲ መቅጻዕቲ ከም ዘለዎ ንርኣ። “ኣብኡ ወይ ኣዲኡ ዝወቅዐ ሞት ይሙት።"

(ኦሪት ዘጸአት 21፡15) “ኣብኡ ወይ ኣዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት’’። (ዘጽ1፡17) “ነብኡን ኣዲኡን ዝንዕቅ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ ኣሜን ይበል’’(ኦሪት ዘዳግም 27፡16) ‘’እቲ ነብኡን ኣዲኡን ዝረግም መብራህቱ ኣብ ማእከል ድቅድቅ ጸላም ክጠፍእ እዩ’’። (መጽሓፍ ምሳሌ 20፡20) እቲ ነብኡ ዘባጭዎ ነዲኡ ከኣ ክምእዘዝ ዝንዕቕ፡ ንዓይኑ ኳዃት ሩባ ክጉጥጉጥዎ፡ ጨቓዊት ንስሪ ከኣ ክበልዕዎ እዮም። እምበኣር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦኻን ኣዴኻን ዘይምኽባር ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ይግብኣና። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ፡ ቅኑዕ ምኽባርን ምእዛዝን ከርእየና መጸ። ስለዚ ወዲ ኣምላኽ ክነሱ "ርእሱ ክሳብ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳብ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።"

 (መ፥ ጳውሎስ ፊሊጲ2፡8) ክብሪ ንስሙ ይኹን!! ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዲኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ነቲ ነዲኡ ክሕሉ ዝተሓጸየ ዮሴፍን ብዝግባእ የኽብሮምን ይእዞዘምን ነበረ። (ወንጌለ ሉቃስ 2፡51) በዚ ኸኣ ንኹሎም ውሉድ፡ ንወለዶም ክእዘዙን ከኽብሩን ህያው ኣብነት ኮነ።
ንወለድና ብፍቕሪ ኣብ ኩሉ ጉዳይ ክንረድኦም’ውን መሃረና። ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ ክነሱ፡ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዲኡን ንሓላዊኣ ጻድቕ ዮሴፍን ክሳብ ክንድዚ ካብ ኣኽበረን ተኣዘዘን ንሕና ግዳ ከመይ ንዝወለዱና ዘይነኽብር ዘይንእዘዝን!! ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝተባህለ ኣቦ ነዚ ከብርህ ከምዚ ይብል፡ ዓለም ንክርስቶስ ናይ ዘይምእዛዝ ባህሪ ኣርኣየቶ፡ ክርስቶስ ግና ንስድርኡ ናይ ምእዛዝ ባህሪ ኣርኣየ። ደጊሙ’ውን እዚ ኣቦ ከምዚ ይብል ንወለድኻ ኣይተኾሪ ብኩሉ ደኣ ኣኽብሮም፡ ከመይ ጎይታ ብሰንኪ እዚ ዘይምግባርካኣብ ልዕሌኻ ከይኩሪ። ኩቡር ኣንባቢ መጽሓፍ ቅዱስን ቤተ ክርስትያንን ንስድራና ከነኽብር ይእዙዝና ኢዮም፡ ግና’ኸ ልዕሊ ክርስቶስ ክኸውን ኣይግባእን። ልዕሊኡ እንተደኣ ኣኽቢርናዮም ንነብስና ከነጥፍኣ ኢና፡፡ደቂ መዛሙርቲ ጎይታውን ክንበሃል ኣይክንበቅዕን ኢና። እንታይ ድኣ ኣብቲ ክንህልዎ ዝግብኣና ፍቓድ ኣምላኽ ኳንና ንወለድና ነኽብር። (ወንጌለ ሉቃስ 2፡49) ከምኡውን ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ብፍቕሪ ደኣ ኣረድእዎም እምበር ኣይተኾርይዎም። ጽሑፍ ከምዚ ይብል ‘’ኣቱም ኣቦታት’ውን፡ነቶም ውልድኩም ብናይ ጎይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ኣይተኾርይዎም’’።

(መ፥ጳውሎስ ኤፌሶን 6፡4) ወለዲ ንደቆም ከኾርይዎም ቅቡል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብጎይታ ክምህርዎም፡ ክግስጽዎም፡በቲ ኣምላኻዊ ትእዛዝን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓሳብን ክምዕድዎም ይግባእ። ወለዲ ንደቆም ክቀጽዕዎም ጽቡቕ ኢዩ፡፡ ግና ኣቀዲሞም ንልቢ ውሉዶም ብኣምላኻዊ ፍቅሪ ከስፍሑ ይግባእ።ሽዑ እቲ መቅጻዕቲ ንኹሎም ናብ ቅኑዕ ዝመርሕ ፍረ ዘለዎ ይኸውን። (ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፍወርቅ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መምሃራን ቤተክርስቲያን)ከምዚ ይብል ‘’ቆልዑ ዝኾነ ክገብሩ ኣይንኸልክሎም ግን ካብቲ ንዕኦም ዝሃሲ ግና ንኸውሎም። ከም ፍቁራት ውሉድ እምበር ከም ንፍጓት ኣይንቅጽዓዮም። እምበኣር ኣቱም ወሉድ ንጎይታ ኢየሱስ ብምፍቃር ንስድራኹም ተኣዘዙ። ከምኡውን ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ገናብንኡሶም ቅጽዕዎምን እታ ዝኸድዋ መንገዲ ኣላምድዎምን፡፡ ብፍቕሪ ጎይታ ኢየሱስ ከኣ ኩሉ ሓልዮትኩም ኣርእይዎምን።

ኣስተንትን
1.ኣቱም ውሉድ ከምቲ ጎይታ ኢየሱስ ንስድራኡ ዝእዘዝ ዝነበረ፡ ንሕነውን ብፍቕሪ ንስድራቤትና ንተኣዘዝ።
2. እቲ ብስድራቤቱ ዘይግደስ ካብቲ ዘይኣምን ዝገደደ ኢዩሞ፡ ከም ኣመንቲ ውሉድ ብጎይታ ንስድራና በቲ ዘድልዮም ንሕሰበሎም።(1ይ ጢሞቴዎስ 5፡8)
 
#hagos #haile
ሰላም ዝተፈተኩም ክቡራት ማሕበር ወርሓዊ ርክብና ከም ዝፍለጥ ትማሊ ሓሙስ እዩ ኔሩ። እንተኮነ ግን ግሸን ስለዝቀነና ምስ ድካም ስለዘይጥዕመና ንጽባሕ ቀዳም ቀይርናዮ ኣለና። ኣብ መአከቢና ቦታ ጎፋ መብራት ሃይሊ ኮንደሚኖም ኣብ ላዕሊ ወገን እንዳ ነዳዲ ሓሊፍካ ኣዋሽ ባንኪ ምስ በጽሓካ ንውሽጢ ኣቲካ ዝርከብ ቤተክርስቲያን እዩ። ስለዚ ኩላትና ክንመጽእ ክንግደድ ኢና ሓደ ሰብ ከይተርፍ ብዙሕ ዝስራሕ ናህ ጻድቂ በረከት ኣለና። ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ኩላትና ይኩን ናይ ሽዑ ሰባት ይበልና ኣሜን። ናብ ዘይፈለጡ ሼር በልዎ ኢኩም።
ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር ጉዕዞ ገዳም ናብ ሸንኮራ ቅዱስ የውሃንስ ንረቡዕ ዕለት 30 ሰነ ተዳልዩ ኣሎ ክንከይድ ንደሊ ኩላትና ኣቀዲምና ንመዝገብ መንቀሳቀሲ ዘይብልና ክንከይድ ስለዘይንክእል ኣብዚ ኣዲስ ውን ምንቅስቃስ ከቢድ ስለዝኮነ ግዴታ የድልየና እዩ። በጺሕካ ምምልስ እዩ። ሓያል ጸበሉ ንለምጺ ፈውሲ ቃልኪዳኑ 55 ትውልዲ ዝተባህበ ጻድቅ መጥምቀ መለኮት ገዳሙ ክንረገጽ ፍቃድ ይኩን።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ፥ እግዚኣብሔር ከኣ ብመዓልቲ መከራ ከናግፎ እዩ። መዝ 41፥1

ሎሚ ከም ዝፍለጥ ናይ ጾምና መወዳእታ እዩ። እንተኮነ ክርስትና ዝውዳእ ኣብ ግዜ ዕረፍትካ እንበር ጌና ዘሎ ናይ ቃልሲ መንገዲ እዩ። ዝጅምር ዘሎ ብዙሕ ፍጻሜታት ድማ ነዓና ንበረከትና ዝክውን እዩ። ስለዚ ኩቡራት ደቂ ተዋህዶ ጾምና ፈጺምና ኢልና ናብ ብልዒ ሥጋ ዘይኮነ ናብ ናይ ነብሲ ጉዳይ ኢና ክንጓየይ ዘለና እንበር፥ ስለዝተፈጸመ ናብ ብልዒ ልክዕ ከምቲ ዝጠመየ ፍቅሪ ናይ ምብላዕ ዘለዎ ኣይኮናንን ክንከውን ዘለና። ጾምና ሰዓታት ምህላው ጥራይ እንተ ጸኒሑ እኮ ሓቅና ኢና። ማለት መዓስ ሰዓት 3 ኮይና ንበልዕ ኢልና ክንሓስብ እንተቀኒና ሕጂ ምውድኡ ናብ ከብዲ ከብለና ሓቅና ኢና። እንተኮነ ብግዜ ጾምና ከብድና ዘይኮነ ነብስና እንተ ኣጽጊብናያ ብጸሎት፣ ስግዳን፣ ብገዳማት ኣቦታት ምብራክን ቅዱሳን ገዳማት ምስላምን እንተ ጸኒሕካ ኢካ ዘይትጠሚ። ስለዚ ጾምና ሕጂ ውን በረከት ክንረክበሉ ንሽጉራት ኣብ ጎንና ዘለና ምሕጋዝ፣ ዘለና ምክፋል፣ ተቋዲስና ብሓደ ብምምጋብ ኢና ጾምና ክንፈትሕ ዘለና። እንተኮነ ካብ ናይ ስዕረት መግቢ ብዙሕ ገንዘብ ነጥፍእ ንድኻታት ቤተሰብና የሕዋትና ጎሮባብትና ዘለዎ ጸገማት ክንፈትሕ ክንሕቦም ይሓይሽ። እንተ ተካኢሉ ቀረባት ማለት ዘይቲ ፥ሩዝ፥ በርበረ፥ ካልእ ዝጎድሎም ምልኣክ ወይ ምሃብ። ምስዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ዝተፈናቀሉ የሕዋት ምርዳእ ፣ምቅባል፥ ምስካ ምጽጋዕ። ኣብ ዘለውዎ ድማ ገንዘብ ብምልኣክ፥ ምድግጋፍ፥ ቴሌፎን ምድላው፣ ደሃይ ምግባር እዚ እዩ እቲ ክርስቲያናዊ ጾምና ዝገልጾ እሞ ልቢ ንበል። ማሕበርና ነዚ ከም ዓቢ መድብ ኣውጺኡ ወርሓዊ ገንዘብ እንዳ ኣከበ ክድግፍ ተዳልዩ ኣሎ ንስኩም ከ እንታይ ትብሉ።
ሰላም ከብራት የሕዋት ሎሚ ሰንበት ሰዓት 1 ናይ ሓውና ዮሴፍ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ላፍቶ ሚካኤል መድብ ኣሎ እሞ ኩላትኩም ክትርከቡ ብፍቅሪ ንዕድም ንፈልጦም ሰብ ንደውልሎም ከይንተረፍ ሓደራ።
ዘሕጉስ ብስራት ሼር በልዎ

እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክድህን እዩ፥እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ።
ማር 16፥16

ሎሚ ደስ ዝብል ፍሉይ ዜና ኣለና። ማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሳምራ ዘኤርትራ ኣብ ኣዲስኣበባ፥ ካብ ዝገብሮም ምብጻሕ ናብ ቅዱሳን ገዳማት ኢትዮጽያ ፥ኣብ ነፍሲወከፍ ጉዕዝኡ ብዙሓት ነብሳት ናብ ቤት ኣብኦም ዝኮነት እምንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክምለሱ ኣኪኢሉ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓዲ መጺኦም ጥፍኣት መንገዲ ንዝጅምሩን ካብ ዘይፈልጥዋ ዓለም መጺኦም መንግዲ ንዝስሕቱ ብዙሓት ንምምላሶም ምክንያት ኮይኑ እዩ። ሕጂ ውን መንገዱ ንእግዚኣብሔር ሓደራ እንዳ ሃበ መንገዱ ኣየቋረጸን። ናይዚ ውጺኢት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ግሸን ደብረ ከርቤ ጉዕዝኡ ዓቢ ናይ ብስራት ሰሚዑ፥ ንሱ ድማ ካብ ካቶሊክ እምነት ናብ ተዋህዶ ትምለስ ሓፍቲ ረኪቡ።
ጎይታናን ኣምላክና መድኋኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ ፡"ብሓቂ፥ብሓቂ እብለካ ኣለኩ፥ ሰብ ካብ ማይን መንፈስቅዱስን እንተ ዘይተወልደ፥ናብ መንግሥቲ ኣምላክ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።" የሓ 3፥5 ስለ ዝብል ብጣዕሚ ድስ ስለዝበለና ድማ፥ናብ ገዳሙ ናይ ስሙ መጸዊዒኡ ዝኮነ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ወሲዱ ካብ ኣብራክ መንፈስቅዱስ ክትውለድ ወሲኑ። ስለዚ ኩላትኩም ደቂ ተዋህዶ ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብፍቅሪ ንጽውዕ። ንዝመጸእ ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ብግእዝ ጉዕዞ ኣድልዩ ኣሎ። ኩላትና ዘዝዓቅምና ጌርና ነዚ ዓቢ በዓል ጌርና ክነሕልፎ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ሼር እንዳ በልኩም ናብ ማሕበር እንዳ ደውልኩም ክትሕጉዙና ንትስፎ። ኣድራሻ ማሕበር በዚ ደውሉ 098340375|0967821460|0905689262።

ቴለግራም ቻነል https://t.me/bizen5
ጉዕዞ ገዳም ናብ ደብረ ሃይል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል።
ቁልቢ ገብርኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ምብጋስ ቀዳም ዕለት 17-20 ሓምለ ብግእዝ ብማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሳምራ ዘኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዳልዩ ኣሎ ክንከይድ ንደሊ ኣብዘለናዪ ኮይና 0983340375|0905689262 ደዊልና ንመዝገብ