Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
እንኳዕ ሓጎሰና ኩላትና የሕዋት ርሑስ በዓል ናጽነት ኤርትራ ሃገርና ናይ ጻዕዳ እንባ ዝተረገረ ትንቢት ተፈጺሙ 30 ምስ የሕለፉ ብኪደነ ምህረት መዓልቲ ክእቱ ዝተረግረሉ ናይ ኣምሳያ ምልክት ድማ ካርታ ኤርትራ ኣብ እቲ ጸዳፍ ከውሒ ብመብረቅ ተወቂሩ ንረክቦ ኢና እዛ ሃገር ሃገር ቅዱስን እግዚኣብሔር ዝመረጻ ሃገር ኣብ ስደቱ ምስ ወላዲቱ ዝቀሰነላ ሃገር ሎሚ ንሕና ብሰንኪ ሓጥያትና ሰይጣን ድማ በታቲንና ዘለናሉ ግዜ እዩ እሞ። ሓድነትና ትመልስ ስም እግዚኣብሔር እንዳ ኣመስገና ክንመሃር ካብ ደርፊ ጓይላ ወጺና ክንበረክ ምእንቲ የሕዋት ደገፍኩም ኣይፈለየና ኣቅምኩም ኩሉ ሓጉዙና ብፍላይ ኣብ ደገ ዘለኩም እዚ እንዳተደገገፍና ሽግርና ብጽሎት ክንፈትሕ ምእንቲ እግዚኣብሔር ድማ ክስምዓና ብፍቅሪ ክሪኤና እዩ።
Solo Mehari:
ሰላም ዝከብረኩም የሕዋት ወርሓዊ ኣኬባ ማሕበርና ከም ዝፍለጥ ንሰሉስ 24 ግንቦት እዩ። ስለዝኮነ ድማ ኩላትና ሰዓትና ከይድንጉና ሰዓት 9፣30 ኣብ ሓድሽ ዝተፈቀደልና ቤተክርስቲያን ጉፋ መብራት ሃይሊ ቅዱስ መርቆሪዎስን መጥምቀ መለኮት ቅዱስ የውሓንስ ቤተክርስቲያን ገዳም ዝመስልን ደስ ዝበል መንፈስ ዘለዉ ንኩላትና ናይ መጀመርታና ቦታ ስለኮነ ዝኮነ ሰብ ከይተርፍ ኣብዚ ኣኬባ ጉዳይ ሓፍትና ዛይድን ናይ ማሕበር ዘሎ ኣካይዳን ክንዘራረብ ብመምሃራን ቤተክርስያን ድማ ናይ ኣቀባብላን ኣካይዳ ማሕበርና ትምህርቲ ክወሃበና ድማ እዩ ስለዚ ከይንተርፍ ሓደራኩም ካብ ሳሪስ ኣድያባ ሓንቲ ታክሲ እዩ ካብ ላፍቶ ውን ሓንቲ ታክሲ እዩ ካብ ጉፋ ድማ ካብ ገብርኤል ሓንቲ ታክሲ እዩ መብራት ከይኣተካ እንዳ ነዳዲ ኣሎ ካብኡ ሕልፍ ኢልካ ኣዋሽ ባንክ ምስ በጽሓካ ንኢድ የማን ንውሽጢ ኣቲካ ንዝኮነ ኩላትና ኣባላት ማሕበር ስለዘልና ክንድውል ንክእል ኢና ስለዚ ሓደራ ከይንተርፍ።
ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ደዊልና ንወከስ 0905689262 ብምክንያት ንድሓን እንበር ብምክንያት ኣይንጥፍኣእ ሓደ ሰብ ከይተርፍ ነዚ መልእክቲ ዝረኣየ ንካልእ ሰብ ሕዙ ድማ ይምጻእ ምክንያቱ ንኩላትና ዝምልከት በረከት ምርካብ እንበር ድካም ኣይኮነንን እሞ ከይሓልፈና ንቀዳዳም ኩሉ ኤርትራዊ ኣባል እዚ ማሕበር እዩ ንምንታይ ገዳማት ኤርትራ ምድጋፍ ዝጸልእ ስለዘየለ እዩ።

ሰላም የሕዋት ሎሚ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ማሕበር ንሓፍትና ዝተዋጸ ገንዘብ ከባቢ 10000 ኮይኑ ካብ ዉሱናት ግዱሳትን ኣሕዋት ደቂ ማሕብር እሞ እቲ ዝተረፈ ንክማላእ ኩላትና ኢደይ ኢድካ ኢልና ኣብዚ ሰሙን ክነምጽእ ሓደራ ንብል።
ኣብዚ ዩቲቭ ዓቢ እጃም ኣለኩም እዚ ማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሳምራ ኣብ ስደት ከይበለ ዓበይቲ ቅዱሳን ገዳማት ብዙሓት ምእመናት ደቂ ሃገር ኣብ ወርፊ ስክራን ጥፍእት መንገዲ ከይጥፍኡ ከሳልምን ከባርክን ዝጸንሐ እዩ ሕጂ ድማ ንዓቢ ዕላማ ብሕባር መንፈሳውያን ኣገልገልቲ በዚ መጺኡ ኣሎ እሞ ሓዳራኩም ካባኩም ዝደለ ዘበለ ኣማልኡ ነሓድነት ስራሕ ብሓደ ንሕበር ዓወት ክንረክብ የብል ኣሎ እሞ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዘለኩም የሕዋት ደቂ ተዋህዶ እጃምኩም ኣበርክቱ ሼር እንዳበልኩም ሳብስክራይቭ ክገብሩ ሓገዝኩም ኣበርክቱ ኣብዛ መወዳእታ ግዜ ዝመስል እዋን ብፍቅሪ ተደጋጊፍና ንውጻእያ ቀሊል ብዝኮነ ስራሕ ዓቢ በረከት ንቀበል፡ ንኩሉ ትገብሩልና ምትሕብባርን መንፈሳዊ ፍቅሪ ብቅዱሳን ናይ እዛ ማሕበር ስያመ ጸሎቶም ይብጻሓኩም ኣሜን።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ሰላም ኩቡራት የሕዋት ከመይ ቀኒኩም እንኳዕ ናብ ብርሃነ ዕርገት ብሰላም ኣብጸሓና ብምክንያት እዚ ዘመነ ትንሳኤን ብርሃነ ዕርገትን ፍሉይ መደብ ንቀዳም ተደልዩ ስለዘሎ ኩላትና ደቂ ማሕበርን በዚ ማሕበር ንጎዓዝ የሕዋትን ከይንተርፍ ሓደራ ቦታ ጆሞ መድሃኔ ዓለም ልዕል ኢልካ ቡናሜዳ እዩ ንዛያዳ ሓበሬታ ናብ ናይ ማሕብርና ንፈልጦ ቴለ ንደውል።
ብምትሕብባር ማሕበርናን ጎፋ ገብርኤልን ናይ በገና መሰንቆ ክራርን ናይ ድምጺ (vocal ) ክንመሃር ንደሊ ቀዳም ሰዓት 5 ሰንበት ድማ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ብምርካብ ክንመሃር ንክእል ኢና ንዝያዳ ሓብሬታ ንደውል።
Forwarded from ደቂ ኤረይ ንዛራረብ
ሰላም ኩቡራት ኣሕዋት ኣብ ናይ ጽባሕ ርክብና ኣብዚ ዝጅመር ዘሎ ናይ ማሕበር ራኢ እንበጽሖ መድረክ መጀመርታ ኩላትና እንታይ ኣስተዋጽኦ ኣለና ንዝብል ቃል እንኣትወሉ እዩ ስለዚ ዝኮነ ሰብ ከይተርፍ ሓደራ ኣቀዲምና ንምጻእ ንሓበሬታ ቦታ ድም ንደውል ኢና።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
እንኳዕ ብሰላም ናብ ብርሃነ ዕርገት ኣብጽሓና።
Subscribe!!
ቀወምቲ ናይ እዚኣ <ቤት ኣቦይ ተዋሕዶ-Biet Aboy> YouTube channel Subscribers ክትኮኑ ተዋሓደ 2 min ክትሪአዎ ኣለኩም ካብ 2 min ንታሕቲ Youtube ከም Fake ስለ ዝርእዮ
Link
https://www.youtube.com/channel/UCEkx9Ky89qoSOhFHaWM-_zg
እንኳዕ ብሰላም ናብ ብርሃነ ዕርገት ኣብጽሓና።
Subscribe!!
ቀወምቲ ናይ እዚኣ <ቤት ኣቦይ ተዋሕዶ-Biet Aboy> YouTube channel Subscribers ክትኮኑ ተዋሓደ 2 min ክትሪአዎ ኣለኩም ካብ 2 min ንታሕቲ Youtube ከም Fake ስለ ዝርእዮ
Link
https://www.youtube.com/channel/UCEkx9Ky89qoSOhFHaWM-_zg
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ከመይ ቀኒኩም ዝከበርኩም ማሕበር ንጽባሕ ሓሙስ ዕለት 10 ኣኬባ ማሕበር ኣሎ ኣብ ሳፋሪ ኪዳነ ምህረት ምፍላይ መጋነኛ ገርጂ የካባዶ ሳሚት ኣራብሳን ሓደራ ከይትተርፉምክንያቱ ነዓኩም ኢልና ኢና ኣብኡ ንመጽእ ዘለና እሞ ሓደራ ንዘይፈለጠ ንገርዎ ኩሉ ገዳም ዝከይድ ዝነበረን ዘይከደን ሒዝኩምዎ ምጹ ኢኩም ዓቢ ናይ በረከት ስራሕ ስለዘሎ። ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ምድንጓይ ኣይፍቀድን እዩ ሓደ ሰብ ድማ ከይተርፍ።
Watch "Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur (መዝሙር ኣብ ጉዕዞ ገዳማት)" on YouTube
https://youtu.be/aNsl_wFF1sY
https://youtu.be/aNsl_wFF1sY
YouTube
Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur (መዝሙር ኣብ ጉዕዞ ገዳማት)
Eritrean orthodox tewahdo mezmur (መዝሙር ኣብ ጉዕዞ ገዳማት)
Dont forget to Subscribe! More videos coming soon
Join us on Social Media:
Facebook: https://www.facebook.com/bietaboytewahdo/
Instagram: https://www.instagram.com/bietaboytewahdo/
Thanks for tuning in to…

ሰላም ኩላትኩም የሕዋት ኣብዚ ተከፊቱ ዘሎ YouTube ኩላትና እጃምና ከነበርክት ግዴታ ኣለና ምክንያቱ ነዓና ውን ጉዳይ ገዳማትና የሕዋትናን ተማሃሮ ቤተክርስቲያን ይምልከተና ስለዝኮነ ስለዚ ሓደ ሰብ ን100 ሰባት subscriber ክገብሩ ክጉስጉስ ኣለዎ ብዝቀለለ ዝነፍአ ድማ ክሳብ 1000 ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኩን ብሩክ ምጅማር ጾም ኩላትና ብጸሎት ንደጋገፍ ንማሕበር ድማ ንጸሊ።
Forwarded from ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
ሰላም ኩላትኩም የሕዋት ኣብዚ ተከፊቱ ዘሎ YouTube ኩላትና እጃምና ከነበርክት ግዴታ ኣለና ምክንያቱ ነዓና ውን ጉዳይ ገዳማትና የሕዋትናን ተማሃሮ ቤተክርስቲያን ይምልከተና ስለዝኮነ ስለዚ ሓደ ሰብ ን100 ሰባት subscriber ክገብሩ ክጉስጉስ ኣለዎ ብዝቀለለ ዝነፍአ ድማ ክሳብ 1000 ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኩን ብሩክ ምጅማር ጾም ኩላትና ብጸሎት ንደጋገፍ ንማሕበር ድማ ንጸሊ።
ፍቃድ ወላዲተ ኣምላክ ኮይኑ ከም ጸሎትናን ድሌትናን ግሸን ማርያም ተፈቂድልና ሰላም እዩ መንገዲ ደቀይ ክትመጹ ትክእሉ ኢኩም ኢላትና። ስለዚ ክንከይድ ንደሊ ደብረ ሲና ዝለመድና ምንጋድ ማሕብር ምዝገባ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ ኣብ ዘዘለክሞ ብ ቁጽሪ ቴሌፎናት ናይ ማሕበር ደውሉ ተመዝገቡ እዚ ዓቢ በረከት ከየምልጠኩም ኣብዚ ጭንቂ ዘመን ፍሪሕካ ዘይኮንካ ጸሊካ እዩ ዝውጻእ እሞ ኣብቲ ክብር ናይ ጎይታና መስቀል ዘሎ ዝተቀደሰ ቦታ ንለምኖ ንዑናይ መከራና ከሓልፈልና ይብል ኣሎ ኤርትራዊ ማሕበር ናትና ናይ ኩልና። ምብጋስ ቀዳም ዕለት 19 ብስራታዊ መልኣክ ምምልስ ድማ ዕለት 24 ናይ ማሕበርና ስም።
መብራት ጉፋ ጆሞ 0905689262
ሳሪስ ወርቂ ሰፈር 0900624883
ላፍቶ ጋርመት ሉቡ 0941202835
ሳፋሪ ሰሚት ፉጋ መጋነኛ ገርጂ 0955021439
ኣራብሳ ኣያት የካባዶ 0972449764
መብራት ጉፋ ጆሞ 0905689262
ሳሪስ ወርቂ ሰፈር 0900624883
ላፍቶ ጋርመት ሉቡ 0941202835
ሳፋሪ ሰሚት ፉጋ መጋነኛ ገርጂ 0955021439
ኣራብሳ ኣያት የካባዶ 0972449764
#ርሑስ #በዓል #ኣዴታት #ይግበረልና🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷🌷
በዚ ዕለት እዚ መዓልቲ ኣዴታት (#Mother's #Day) ዝውዕለሉ እዩ።
ክብሪ ወላድት ብዓይኒ 💒መጽሓፍ ቅዱስ
ነዴኻ ድማ ኣኽብራ ብሂወት ክሳዕ ዘሎኻ ድማ ናብያ ዘሐጎሳ ዘበለ ኩሉ ግበረላ በገለ እኳ ኣይተጉህያ ኣብ መሓጸና ከለኻ ምእንታኻ ኽትብል ብዙሕ ከም እተሳቐየት ዘክር መጽሓፍ ጦቢት 4፥3-4
ኦሪት ዘጸአት 20፤12
ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
"ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።"(መልእክቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 6፡2)
ሂወት ናይ ቤተክርስትያን ፍልስፍናዊ ወይ ዓለማዊ ጥበብ ዝመሰረቱ ሓሳባዊ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሰረቱ መንፈሳዊ ናብራ ኢዩ። ጎይታ ኢየሱስ ንቤተክርስቲያኑ(ማሕበሩ) ኩሉ ሰናይ ነገር ብግብርን ብቓልን መሃራ። ሓደ ካብኡ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ክህሉ ዘለዎ ፍቕራዊ ናይ ምክብባር ናብራ ኢዩ። እዚ ናብራ ኣገዳስነቱ ዓብይ ስለ ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባኡ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያን ጸሓፈ። ከምዚ ድማ በለ "ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።"( መ' ጳውሎስ ኤፌሶን 6፡2) ክርስትና ንኹሉ ናብራ ጨው ኮይኑ መቐረት ዝህብ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ውሉድ ንወለዶም ብጎይታ ክምእዘዙ ኢዩ ዝጽውዕ።ጽሑፍ ይብል "ኣቱም ውሉድ እዚ ቅኑዕ ኢዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተኣዘዝዎም።
ኣቦኻን፡ ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቅ ክኾነልካ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ክነውሕ፡እዚ ተስፋ ዘሎዎ ቀዳማይ ትእዛዝ ኢዩ።"(መ፥ጳውሎስ ኤፌ6፡1-3) እምበኣር ንወለድኻ ምኽባር ብርግጽ ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ የንውሕ ኢዩ።ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምስ ዝነውሕ ድማ ብዙሕ ከተፍሪ ኢኻ። ስለዚ እቶም ውሉድ ከም ንጎይታ ብሕልና ንስድርኦም ክምእዘዙን ከኽብሩን ከም ዘለዎምን ማዕረ ክንደይ ድማ ወሎዶም ምእንታኦም ክብሉ ድቃስ ከምዘይብሎምን ከቢድ ጻዕሪ’ውን ከም ዝጽዕሩን ፈሊጦም ክርድኡ ትእዛዝ ተዋህበ።
(ኦሪት ዘጸአት 20፡12) ኣምላኽ ንሙሴ ከምዚ በሎ "ነፍሲ ወከፍኩም ኣቡኡን ኣዲኡን ይፍራሕ፡ ሰናብተይ ሓልዉኣነ እግዜኣብሔር ኣምላኽኩም ኢየ።"(ኦሪት ዘሌዋውያን 19፡3) ነዚ ትእዛዝ እዚ ዘይምሕላው ተሪር ዘየናሕሲ መቅጻዕቲ ከም ዘለዎ ንርኣ። “ኣብኡ ወይ ኣዲኡ ዝወቅዐ ሞት ይሙት።"
(ኦሪት ዘጸአት 21፡15) “ኣብኡ ወይ ኣዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት’’። (ዘጽ1፡17) “ነብኡን ኣዲኡን ዝንዕቅ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ ኣሜን ይበል’’(ኦሪት ዘዳግም 27፡16) ‘’እቲ ነብኡን ኣዲኡን ዝረግም መብራህቱ ኣብ ማእከል ድቅድቅ ጸላም ክጠፍእ እዩ’’። (መጽሓፍ ምሳሌ 20፡20) እቲ ነብኡ ዘባጭዎ ነዲኡ ከኣ ክምእዘዝ ዝንዕቕ፡ ንዓይኑ ኳዃት ሩባ ክጉጥጉጥዎ፡ ጨቓዊት ንስሪ ከኣ ክበልዕዎ እዮም። እምበኣር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦኻን ኣዴኻን ዘይምኽባር ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ይግብኣና። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ፡ ቅኑዕ ምኽባርን ምእዛዝን ከርእየና መጸ። ስለዚ ወዲ ኣምላኽ ክነሱ "ርእሱ ክሳብ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳብ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።"
(መ፥ ጳውሎስ ፊሊጲ2፡8) ክብሪ ንስሙ ይኹን!! ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዲኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ነቲ ነዲኡ ክሕሉ ዝተሓጸየ ዮሴፍን ብዝግባእ የኽብሮምን ይእዞዘምን ነበረ። (ወንጌለ ሉቃስ 2፡51) በዚ ኸኣ ንኹሎም ውሉድ፡ ንወለዶም ክእዘዙን ከኽብሩን ህያው ኣብነት ኮነ።
ንወለድና ብፍቕሪ ኣብ ኩሉ ጉዳይ ክንረድኦም’ውን መሃረና። ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ ክነሱ፡ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዲኡን ንሓላዊኣ ጻድቕ ዮሴፍን ክሳብ ክንድዚ ካብ ኣኽበረን ተኣዘዘን ንሕና ግዳ ከመይ ንዝወለዱና ዘይነኽብር ዘይንእዘዝን!! ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝተባህለ ኣቦ ነዚ ከብርህ ከምዚ ይብል፡ ዓለም ንክርስቶስ ናይ ዘይምእዛዝ ባህሪ ኣርኣየቶ፡ ክርስቶስ ግና ንስድርኡ ናይ ምእዛዝ ባህሪ ኣርኣየ። ደጊሙ’ውን እዚ ኣቦ ከምዚ ይብል ንወለድኻ ኣይተኾሪ ብኩሉ ደኣ ኣኽብሮም፡ ከመይ ጎይታ ብሰንኪ እዚ ዘይምግባርካኣብ ልዕሌኻ ከይኩሪ። ኩቡር ኣንባቢ መጽሓፍ ቅዱስን ቤተ ክርስትያንን ንስድራና ከነኽብር ይእዙዝና ኢዮም፡ ግና’ኸ ልዕሊ ክርስቶስ ክኸውን ኣይግባእን። ልዕሊኡ እንተደኣ ኣኽቢርናዮም ንነብስና ከነጥፍኣ ኢና፡፡ደቂ መዛሙርቲ ጎይታውን ክንበሃል ኣይክንበቅዕን ኢና። እንታይ ድኣ ኣብቲ ክንህልዎ ዝግብኣና ፍቓድ ኣምላኽ ኳንና ንወለድና ነኽብር። (ወንጌለ ሉቃስ 2፡49) ከምኡውን ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ብፍቕሪ ደኣ ኣረድእዎም እምበር ኣይተኾርይዎም። ጽሑፍ ከምዚ ይብል ‘’ኣቱም ኣቦታት’ውን፡ነቶም ውልድኩም ብናይ ጎይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ኣይተኾርይዎም’’።
(መ፥ጳውሎስ ኤፌሶን 6፡4) ወለዲ ንደቆም ከኾርይዎም ቅቡል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብጎይታ ክምህርዎም፡ ክግስጽዎም፡በቲ ኣምላኻዊ ትእዛዝን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓሳብን ክምዕድዎም ይግባእ። ወለዲ ንደቆም ክቀጽዕዎም ጽቡቕ ኢዩ፡፡ ግና ኣቀዲሞም ንልቢ ውሉዶም ብኣምላኻዊ ፍቅሪ ከስፍሑ ይግባእ።ሽዑ እቲ መቅጻዕቲ ንኹሎም ናብ ቅኑዕ ዝመርሕ ፍረ ዘለዎ ይኸውን። (ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፍወርቅ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መምሃራን ቤተክርስቲያን)ከምዚ ይብል ‘’ቆልዑ ዝኾነ ክገብሩ ኣይንኸልክሎም ግን ካብቲ ንዕኦም ዝሃሲ ግና ንኸውሎም። ከም ፍቁራት ውሉድ እምበር ከም ንፍጓት ኣይንቅጽዓዮም። እምበኣር ኣቱም ወሉድ ንጎይታ ኢየሱስ ብምፍቃር ንስድራኹም ተኣዘዙ። ከምኡውን ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ገናብንኡሶም ቅጽዕዎምን እታ ዝኸድዋ መንገዲ ኣላምድዎምን፡፡ ብፍቕሪ ጎይታ ኢየሱስ ከኣ ኩሉ ሓልዮትኩም ኣርእይዎምን።
ኣስተንትን
1.ኣቱም ውሉድ ከምቲ ጎይታ ኢየሱስ ንስድራኡ ዝእዘዝ ዝነበረ፡ ንሕነውን ብፍቕሪ ንስድራቤትና ንተኣዘዝ።
2. እቲ ብስድራቤቱ ዘይግደስ ካብቲ ዘይኣምን ዝገደደ ኢዩሞ፡ ከም ኣመንቲ ውሉድ ብጎይታ ንስድራና በቲ ዘድልዮም ንሕሰበሎም።(1ይ ጢሞቴዎስ 5፡8)
#hagos #haile

ሰላም ዝተፈተኩም ክቡራት ማሕበር ወርሓዊ ርክብና ከም ዝፍለጥ ትማሊ ሓሙስ እዩ ኔሩ። እንተኮነ ግን ግሸን ስለዝቀነና ምስ ድካም ስለዘይጥዕመና ንጽባሕ ቀዳም ቀይርናዮ ኣለና። ኣብ መአከቢና ቦታ ጎፋ መብራት ሃይሊ ኮንደሚኖም ኣብ ላዕሊ ወገን እንዳ ነዳዲ ሓሊፍካ ኣዋሽ ባንኪ ምስ በጽሓካ ንውሽጢ ኣቲካ ዝርከብ ቤተክርስቲያን እዩ። ስለዚ ኩላትና ክንመጽእ ክንግደድ ኢና ሓደ ሰብ ከይተርፍ ብዙሕ ዝስራሕ ናህ ጻድቂ በረከት ኣለና። ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ኩላትና ይኩን ናይ ሽዑ ሰባት ይበልና ኣሜን። ናብ ዘይፈለጡ ሼር በልዎ ኢኩም።