ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
296 subscribers
352 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
ናብዚ ገዳም ክንከይድ ንደሊ ንጽባሕ ቀዳም ሰንበት ጉዕዞ ተዳልዩ ኣሎ ናይ ድንግል ማርያም ገዳም ኮይኑ ጻበላ ልክዕ ከም ጡባ ኮይኑ ዓጽሚ ቅዱሳን ናይ እግራ ኣሰር ውን ዘለዎ እዩ ስለዚ ክንከይድ ንደሊ በዚ ደዊልና ንመዝገብ 0983340375|0905689262 ዋጋ ሓዳሪ ኮይኑ 300 እዩ
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ሰላም የሕዋት ኣብዚ ግዜ ሒዝናዮ ዘለና ዓቢ ጉዳይ ናይ መንቃቕሒ መንእሰይ ወላዶ ናብቲ ዝረበሮ ክብሪ ኣቦታቱ ክምለስ እዩ። እምነቱ ዓጽኒዑ መንገዲ ህይወት ክጓዓዝ ስለዝኮነ ዘለዎ ነዚ ንምግባር ድማ ብማሕበር ዓቢ መድብ ውጺኡ ንትግባረ ድማ ንየሕዋቱ ግዴታ ምክፋልን ምስታፍን ስለዝግባእ ንኩላትና ዕድመ የቅርብ። ንሱ ከኣ በብዘለናዮ ኮይና ንገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ ከም ዝግባእ ምስባክን ምዝክካርን ሓደ ነዚ ኩሉ ግን ከብጽሓልና ዝክእል ናይ ዩቲዩብ መንገዲ ስለዝኮነ ነዚ ንምግባር ድማ ካሜራ ኣገዳሲ ከም ምኳኑ ኣንጻር ኩላትና ሓደሓደ ብር ወይ ዶላር ወይ ፓውንድ ወይ ኢሮ በብዓዱ እንዳ ኣውጽኣና ሓገዝ ክትገብሩልና ብትሕትና ንሓትት። ነዚ ሓገዝ ትገብርሩና ንስራሕ እዩ ንሕና ድማ ዓቅሚ ሞያዊ ክእለት ዘለዎ የሕዋት ብምሓዝ ኣብ ምድላው ኣለና። ብዝግባእ ሰሪሕና ንገዳማትን ዝተሸገሩ የሕዋትን ኣብ ናይ ቆሎ ትምህርቲ ዘለዎ ከይለመንና ሓገዝ ክንገብር ኢና እዩ እቲ መደብና እግዚኣብሔር ኣምላክ ንሓሰብና ሰሚሩ ክድግፈና ናቱ ሰናይ ፍቃድ ይኩነልና ኣሜን ናብ ኩሉ ፈተውትና ንልኣኮ ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ንደውል 0983340375።
ሰላም ኩቡራት የሕዋት ደቂ ማሕበር ወርሓዊ ርክብና ከም ዝፈለጥ ዕለት 24 እዩ እንተኮነ ረቡዕ ከም ምኳኑ ንሓሙስ 25 ለካቲት ግእዝ ተቀይሩ ኣሎ ቦታ ድማ ኣብ ሳሪስ ኣዲስ ሰፈር ኪዳነ ምህረት ቤተክርስቲያን ናይ ዝሓለፈ ገምገም ክንወስድን ኣብ ስራሕ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበሩን ድም ክንሽልም ስለዝኮና ሓደ ሰብ ከይተርፍ ካልእ ድማ እቲ ዘዋጽእናዩ ሓደ ብር ሒዝና ክንመጽእ ሓደራ ንብል ብሩክ መዓልቲ ይግበሮ ከይንተርፍ።
ሰላም ኩቡራት የሕዋት ደቂ ማሕበር ወርሓዊ ርክብና ከም ዝፈለጥ ዕለት 24 እዩ እንተኮነ ረቡዕ ከም ምኳኑ ንሓሙስ 25 ለካቲት ግእዝ ተቀይሩ ኣሎ ቦታ ድማ ኣብ ሳሪስ ኣዲስ ሰፈር ኪዳነ ምህረት ቤተክርስቲያን ናይ ዝሓለፈ ገምገም ክንወስድን ኣብ ስራሕ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበሩን ድም ክንሽልም ስለዝኮና ሓደ ሰብ ከይተርፍ ካልእ ድማ እቲ ዘዋጽእናዩ ሓደ ብር ሒዝና ክንመጽእ ሓደራ ንብል ብሩክ መዓልቲ ይግበሮ ከይንተርፍ። ሰዓት 10፣00 ናይ ንግሆ እዩ።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ጉዕዞ ገዳም ናብ ገዳም ኣቡነ መልከ ጸዴቅ ንሶኒ ዕለት 29-30 መጀመሪ ገዳም ተደልዩ ስለዘሎ ክንከይድ ንደሊ ደዊልና ንመዘገብ 0983340375| 0967821460| 0905689262
ናብዚ ገዳም ክትከይድ ንደሊ ቀልጢፍና ንመዝገብ ሶኒ እዩ ምብጋስ ጾም መጀመርታ 0983340375
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ሰላም የሕዋት ብማሕበር ካብ ዝስርሑ ዘለዉ ስርሓት እቲ ዝዓበየ ናይ ሓደ ሓደ ብር ምእካብ ይቅጽል ኣሎ ክሳብ ሕጂ ዳርጋ 30000 በጺሕና ኣለና ምስ ናይ ደጋ ሓገዝ ደሚርና ኩላትና ድማ ኢድና ክነበርክት ታሪክ ክንሰርሕ ማሕበር ትሓተና። ንድኩማት ምሕጋዝ ንሽጉራት ምርዳእ ኣብ ጸገም ዘለው ምውጻእ ናይ ኩላትና ሓደነት የድልይ እዩ። ሓደ ብር ንዝኮነ ሰብ ኣይጎድኦን እዩ ምስ ተኣካበ ግን ሚሎናት እዩ ኮይኑ ብዙሓት ሰባት ክሕግዝ ዝክእል እሞ ልቢ ኢልና ነስተውዕሉሉ ነዚ ነገር። ዝኣከብና ሰባት ኣብ ከባቢና ዘለዉ ወከልቲ ማሕበር ክነረክብ ንክእል ኢና ወይ ድማ በዚ ቁጽሪ ቴሌፎን ክንሓትት ንክእል ኢና 0905689262።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ብሰንኪ ናይ መኪና ምስኣን ናይ ሰንበት ጉዕዞ ናብ ኣዴና ቅድስት ክርስቶስ ሰምራ ገዳም ንቀዳም 18መጋቢት ብግእዝ ተቀይሩ ኣሎ ሰናይ ሰሙን ይግበረልና ናይዚ በረከት ተሳተፊት ክንከውን እግዚኣብሔር ይፍቀደልና ደዊልና ኣብዘለናዮ ንመዝገብ 0983340375።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ናይ ሓውና ዲያቆን መምህር ሃብቶም ናይ ጥዕናዊ ትምህርቲ ኣገልጉሎት እዩ እሞ ኩላትና ሼር ንግበሮ ንሓግዞም ሳብስክራቭ ድማ ኣይንሕመቅ ኣይጉድኣናን እዩ ከምዚ ኢልና ተሓጋጊዝና ንውጽኣያ እያ እዛ ግዜ።
ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ “ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስ’ውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መን’ዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስ’ውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጡር ዕለተ ዓርቢ ዝዀነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንኢዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት ኣይትፈልጦን ዲኻ?”ኢልዎ። ዲያቢሎስ ከኣ ብፍጹም ሰሚዐሉ’ውን ኣይፈልጥን፡ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ የብለይን። ዝገርም’ዩ ከመይ ዝበለ ጨካን ፍጥረት’ዩ በለ ርእሱ እናነቕነቐ። እወ ከምዝበልካዮ ጨካን’ዩ። ነዚ ፍጥረት ዘይምፍላጥካ ግን ገሪሙኒ፡ ይገርመካ ንሱ ጨካን ጥራይ ኣይኮነን ነቲ ዝፈጠሮ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ዝፈተነ ደፋር’ውን እዩ። ጨካንን ደፋርን ዋላ እንተኾነ ግን ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ እዩ’ሞ ንሕና’ውን ነዛ ጾም ለንቅነ ንጾሟ እኮ ኢና ዘለና፡ ኢልዎ። ኣብዚ እዋን ዲያቢሎስ ተሳዒሩ ዝብል ቃል ክሰምዕ ከሎ ስዕረቱ ተዘኪርዎ ኣዕለበጠ። ከይፍለጥ ግና “ኣይ እዚ ደፋር! ጉድ እናበለ ምምሳሉ ቀጸለ፡ ኣባ መቃርስ ከኣ እሞ ንስኻ ነዚ እንተዘይፈሊጥካዮ ኣይትጸውምን ኢኻ ማለት’ዩ? ኢልዎ ፍሽክ እናበለ፣

ዲያቢሎስ ከኣ ጾ……ጾ…..ም ጾም ስለዘሕምመኒ እናበለ ሃተፍተፍ ክብል ከሎ፡ ኣባ መቃርስ፡ ሕጂውን ፍሽክ እናበለ፡ ኣይ ንስኻ ስጋብ መዓስ ኢኻ ጸላኢ ሰብ ትኸውን? ከም ዝሓመምኩ ፈሊጥካ ከይጸውም ነዚ ኩሉ ሃተውተው ኢልካ፡ ገና ክትመጽእ ከለኻ መን ከም ዝዀንካ ፈሊጠካ ኔረ። ገና ንዓይ ክትፍትን ክትሓስብ ከለኻ ይፈልጥ ኔረ! ኣይ ዲያቢሎስ ጸላኢ ሰብ ንስኻ ጥራይ ኢኻ! በል ሕጂ እዋን ጾም’ዩ እሞ ኣልግስ ኢሉ ገሰጾ። ዲያቢሎስ ከኣ ካብኡ ኣልገሰ። ነዚ ታሪኽ ኣባ መቃርስ ከንብብ ከለኹ ሓደ ነገር ተዘኪሩኒ፡ <<ዲያቢሎስ እቲ መጻርርትኩም ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቁ ንቕሑ ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ተቃወምዎ>> ዝብል ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ እዩ። 1ይ ጴጥ.5፣8።

ነዚ ጽቡቅ ጌርና ንረዳኣዮ፡ ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን። ጸላኢኡ መን’ዩ? ዲያቢሎስ እዩ። በዚ እንተተሰማሚዕና ንኣገልግሎትና ከመይ ጌርና ካብ ጸላኢና ዲያቢሎስ ክንሕልዎ ከምእንኽእል ብሓባር ንርአ።
ዝክር ናይ መድሃኔዓለም እንዳገበሩ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦ ጻድቅ ኣቡነ መብዓጽዩን ቃልኪዳኖም ዓቢ ኣብዚ ናይ ቀልውላው ዘመን ገዳሞም ከይድና ክንባረክ ንጽባሕ ሰንበትን 26-27 ሰኑይን ጉዕዞ ተዳልዩ ኣሎ ክንከይድ ተደሊና በዚ ቁጽሪ ደዊልና ንመዝገብ 0983340375 |0905689262| 0967821460 ከይሓልፈና ኣብዚ ናይ ሽግር ዘመን ኣቤትና ተዓጺና ከየምልጠና።