ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
296 subscribers
352 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
በዓለ ዕረፍታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣስተርእዩ 21 ጥሪ ምክንያት ብምግባር ዓቢ ናይ በረከትን ጸጋን ጉዕዞ ገዳም ናብ ግሸን ደብረ ከርቤ ናብ ናይ ጎይታናን ኣምላክናን መድኅኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ኣብ መስቅል ዝሞተልና ክቡር መስቀሉ ዘለዎ ቦታ ብዘይ ምፍላጥን ብዘይምርዳእን ኣብ ቀረባና ከሎ ከይረኣናዮ ከይተሳለምናዮ ናብ ካልእ ንከይድ ኣለና እሞ ሕጂ ውን ግዜ ከለና ኩላትና ነዚ ንከታተል ጉዕዞ ተዳልዩልና ኣሎ ስለዚ ዘለና ግዜ ድማ ሓጺር እዩ ንምዝገባ እሞ ተቀዳዲምና ንመዝገብ ምብጋስ 19 ጥሪ ምምላስ 25 ጥሪ ንበጽሖም ንሳለሞም ክሳብ ሰለስተ ገዳማትን ካልኦት ታሪካውያን ቤተክርስቲያንን ማይ ውዑይ ጸበልን ዋጋ 1200 እዩ።
Solo Mehari:
ናይ ግሸን ደብረ ከርቤ ማርያም ገዳም ብከፊል ነዚ ይመስል ናብ ኣፍደግኣ ብሰላም ተብጽሓና

ሼር ናብ ኩሉ ፈትውትና ኣይንሕመቅ ስኣን ሓበሬታ ብዙሕ ሰብ እዩ ዝተርፍ እሞ ሓደራኩም ናብ ሰናይ ነገር ምጉስጓስ በረከት ኣለዋ ኣብዛ ዝከፍአት ህይወት።
Solo Mehari:
ናይ ግሸን ደብረ ከርቤ ማርያም ገዳም ብከፊል ነዚ ይመስል ናብ ኣፍደግኣ ብሰላም ተብጽሓና

ሼር ናብ ኩሉ ፈትውትና ኣይንሕመቅ ስኣን ሓበሬታ ብዙሕ ሰብ እዩ ዝተርፍ እሞ ሓደራኩም ናብ ሰናይ ነገር ምጉስጓስ በረከት ኣለዋ ኣብዛ ዝከፍአት ህይወት።
ካብ ምኽርታት ማር ይስሓቅ
ካብ መበል 51 ስብከቱ ዝተወስደ

ꗺ ልቦና ዝጎደሎ ጻድቅ ሰብ መብራህቲ ኣብ ትሕቲ ጽሓይ እዩ።
ꗺ ጸሎት ናይ ጌጋተት ዝዝክር ሰብ ዘርኢ ኣብ ከውሒ እዩ
ꗺ ምሕረት ዘይብሉ ባሕታዊ ፍረ ዘይብላ ኦም እዩ።
ꗺ ካብ ቅንኢ ዝወጽእ ጸርፊ መርዛም ኩናት እዩ።
ꗺ ውዳሰ ብልሓተኛ ሰብ ሕቡእ መጻወድያ እዩ።
ꗺ ዓሻ መኻሪ ዕዉር ዋርድያ እዩ።
ꗺ ምስ ስሚዒት ኣልቦ ሰባት ኮፍ ምባል ልቢ ይሰብር።
ꗺ ምስ ለባም ሰብ ምዝርራብ ምቁር ውሓዚ እዩ።
ꗺ ለባም መኻሪ ናይ ተስፋ መንደቅ እዩ።
ꗺ ዓሻን ግዲ ኣልቦ ዓርኪ ናይ ዕንወት ሓብቲ እዩ።
ꗺ ካብ ለባም ሰብ ንዓሻ ጽን ክብል ምርኣይ፡ ሓዘንተኛታት ዝመልእዎ ገዛ ምርኣይ ይበልጽ።
ꗺ ምስ ቀናእ ሰብ ካብ ምንባር ምስ ኣራዊት ምንባር ይበልጽ።
ꗺ ካብ ምስ ዘይየመስግኑ ሰባት ምንባር ኣብ መቃብር ምንባር ይሓይሽ።
ꗺ ካብ ምስ ህሩፍን ገባትን ኮፍ ምባል ምስ ኣሞራታት ምቅማጥ ይበልጽ።
ꗺ ካብ ምስ ሃርጓፍ ሰብ ምዝራብ ምስ ሓሰማ ምዝራብ ይበልጽ፡ ካብ ኣፍ ሃርጓፍ መብልዒ ሓሰማ ስለዝሓይሽ።
ꗺ ካብ ኣብ መንጎ ትዕብተኛታት ምዃን ኣብ መንጎ ርኹሳት(ለምጻማት/leper) ሰባት ኮፍ ምባል ይበልጽ።
“ ካብ ክትኣስር ተኣሰር
ካብ ክትሰቅል ተሰቀል
ካብ ክትብድል ተበደል
ተጽረፍ እምበር ኣይትጻረፍ።”
ꗺ ርቡጽነት ዘይኮነስ ምቅሉልነት ይሃልኻ፡
ፍትሒ ዘይኮነስ ሠናይ ነገር ድኣ ሓዝ፡ ፍትሒ ንክርስትያናዊ ሕይወት ስለ ዘይምልከት። ኣብ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ እውን ኣይተጠቅሰን። ምስ ዝተሓጎሱ ተሓጎሱ፡ ምስ ዝነብዑ ንብዑ፡ እዚ ምልክት ናይ መገዲ ቅኑዕ ንጽህና ስለዝኾነ። ምስቶም ዝሓሙ ስቅያቶም ይሰምዓካ፡ ምስ ኃጥኣተኛታት ኣልቅሱ። ምስቶም ዝንስሑ ድማ ተሓጎሱ። ምስኩሉ ሰብ ሕውነታዊ ፍቕሪ ይኃልኻ። ኣብ ኣእምሮኹም ግና በይንኹም ኩኑ። ኣብ ስቃይ ኩሎም ሰባት ተኻፈልቲ ኩን ነብስኻ ግና ካብ ኩሎም ኣርሕቃ። ንዝኾነ ሰብ ኣይትጽረፍ፡ ኣይትውቀስ፡ ቃላ ብኽፍኣት ዝነብሩ ይኹኑ።
ዝወደቀ ሰብ ዲኖኻ ዘርግሕካ ሸፍኖ። ስሕተቱን ቅጽዓቱን ኣብ ክንድኡ ክትወስድ እኳ እንተ ዘይከኣልካ ብትዕግስቲ ሕፈረቱ ተኻፋሊ ኩን እምበር ኣይተዋርዶ።
ንኸብድኻ ክትብል ምሰባት ኣይትስመር። ንኽብሪ ክትብል እውን ኣይትጽላእ። ኣብ ፍርዲ እውን ኣይትደሰት። ኣብ ልብኻ ኣርምሞ እኳ እንተ ዘይሃለወካ ብውሕዱ ኣፍካ ኣርምሞ ይሃልዎ።
ንሓሳብካ ቅኑዕ ትእዛዝ ክትህቦ እኳ እንተ ዘይካኣልካ ንስምዒትካ ግና ቅኑዕ ትእዛዝ ሃቦ።
ኣብ ኣካላትካ ብሕትውና እኳ እንተዘይብልካ፡ኣብ ሕልናኻ ግና ብሕትውና ይሃልኻ። ብኣካልካ ክትጽዕር/ክትሠርሕ እኳ እንተዘይካኣልካ፡ ሕልናኻ ግና ይወቀስ።
ደው ኢልካ ክትነቅሕ እንተ ዘይኪእልካ፡ ኣብ ወንበርካ ኮፍ ኢልካ ንቃሕ፡ እንተ ዘይኮነ ጎቦ ኮንካ ንቃሕ።
ክልተ መዓልቲ ብሓደ ግዜ ክትጸውም እንተ ዘይኪእልካ፡ ክሳብ ምሸት ጹም፡ ክሳብ ምሸት ሙጻም እንተ ስኢንካ ግና ብውሕዱ ካብ ህርፋን ተቆጠብ።
ኣብ ልብኻ ቅዱስ እንተ ዘይኮንካ ኣካልካ ቅዱስ ይኹን። ኣብ ልብኻ ሓዘን እንተዘይብልካ፡ ብውሕዱ ገጽካ ብሓዘን ሸፍኖ። መሓሪ እንተ ዘይኮንካ ኃጢኣተኛ ስለዝኾንካ ብውሕዱ ተዛረብ።
ገባሪ ሰላም እንተ ዘይኮንካ እኳ ምንጪ ጸገማትን ሽግርን ግና ኣይትኹን። ህርኩት እኳ እንተ ዘይኮንካ ሃካይ ምዃንካ ግና ሕልናኻ ይፍለጥ።
ዕዉት እኳ እንተዘይኮንካ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሣዕሩ ልዕል ኣይተብል። ንብጻዩ ዘቆናጽብን ዘቃልልን ሰብ ክተቁሞ እንተ ዘይከኣልካ ምስኡ ካብ ምሕባር ግና ተቆጠብ።
እዚ ፍለጥ። እሳት (ሓዊ) ካባኻ ከይዱ ንኻልኦት ሰባት እንተበሊዕዎም፡ እግዚአብሔር ነፍሳት እዞም ብእሳት ዝተቃጸላ ካብ ኢድካ ክደልየን እዩ። እቲ እሳት ካባኻ ዘይኮነስ ካብ ካልእ ሰብ ዝኸደ እንተኾነ፣ ኮይኑ ግና ንስኻ ምስኡ ተሓባቢርካን ኣብቲ ዝኾነ’ውን እንተ ተሓጉስካ፡ ኣብ ፍርዲ ግዜ ከም ተሓባባሪ ክትቁጸር ኢኻ።
ትሕትና ተፍቅር እንተዀንካ ሰላማዊ ኩን። ዋጋ ሰላም እንተ ሒዝካ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ወርቂ ዘይኮነስ ፍልጠት ድለ። ብኽዳን ዘይኮነስ ብለውሃት ንነፍስኻ ክደና። መንግሥቲ ዘይኮነ ሰላም ወንን።

ወስብሓት ለእግዚ አብሔር
ወለወላዲቱ ድንገል።
ወለወስቀሉ ክቡር።

ክፍለኢየሱስ
ተጓዕዝቲ ግሸን ደብረ ከርቤ ናይ መወዳእታ ምድላዋት ነጻፍፈሉ ግዜ በጺሕና እንተ ኮነ ካልኤቲ መኪና ብሰንኪ ደንግዮም ዝተመዝገቡ ክንብል ክሳብ ትማሊ ክንምዝግብ ኣምሲና እንተኮነ ሕጂ ውን ኣይመልአት 15 ሰባት ተሪፎምና ኣለዉ ሰለዚ ክሳብ ፋዱስ ዘሎ ግዜ ኣፍሉጡና ትከዱ ተኮንኩም። እቶም ተመዝጊብኩም ዘለኩም ኣብ ሳሪስ ኣብ ሓዉና ፊሊሞን ክትእከቡ ይኩም ምክንያቱ ምብጋስና ለይቲ ስለዝኮነ ሳሪስን ከባቢኡን ናባይ ደውሉ ናይ ሳፋሪ ናብ ሄርሞን ካልእ ካባቢ ካብ መጋነኛ ዘለኩም ናይ ላፍቶን ከባቢኡን ድማ እብ ዲ ናቱ ተጠርነፉ ኩላትና ድማ ግዴታ መንጸፍና ሕዝና ንምጻእ ኮቦርታ ድማ ብጣዕሚ ቆራሪ እዩ ጫማ ድማ ድልዱ ጌርክን መጻ።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
የሕዋት ናይ ሓውና ዮሴፍ ከም ዝተሰማማዕናዮ መሰረት እቲ ክዋጻእ ዝተባህለ ገንዘብ 200 ግዜ ኣኪሉ ስለዝኮነ ስራሕ ከኣ ስለዝተጀመረ ተተካኢሉ ቀሊጢፍና ክንከፍል ሓድራ እዚ ባዕልና ዝኣተናዩ ቃል እዩ ቃልና ኣይንዘንግዕ ኣይንረስእ ምሳና ዝከዱ ኣብዚ ግሩብ ዘየለዉ ድማ ንሓብሮም ኢና።
ቅዱስ ባስሊዮስ ዓቢ

√√ “ስለምንታይ ዲያብሎስ ኣንጻርና ይቃለሰና፧ እቲ ማዕከን ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ፡ ንሕማም ቅንኢ ከም ባህርያቱ ዝሓዞ ነቲ ናትና ባህሪ ኣቕኒእዎ።

√√ ህይወትና ካብ ስቓይ ነጻ ኮይኑ ኣብ ገነት ክነብር ኣይተጻወሮን።

√√ ብጉርሕን ሓሶትን ምሉእ ብምሉእ ንወዲ-ሰብ ኣታሊልዎ። ነቲ ከም ምስሊ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ሙዃን ድልየት ወዲ-ሰብ ተጠቂሙ ኣታሊልዎ። ነታ ኦም በለስ ብምርኣይ፡ ንዕኣ ብምብላዕ ከም ኣምላኽ ከም ዝኸዉን መሓለሉ።

√√ “ካብኣ ምስ ትበልዑ” ይብል ንሱ “ ከም ኣምላኽ ክትኮኑ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ክትፈልጡ ኢኹም።” (ዘፍ 3:5) በዚ ምኽንያት፡ ከም ጸላኢ መልክዕ ኣይሓዞን ነይሩ፣ እንተ ኾነ ብቅንኢን ብጽልኢን ኣንጻርና ጠጠዉ ኢሉ ነይሩ።

√√ ካብ መንጎ መላእኽቲ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዉድቀት እንዳ ረኣየ፡ ነቲ ምድራዊ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ብመዓርግ ዓብዩ ክርእዮ ምጻር ስኢንዎ።”
ጉዕዞ ገዳም ናብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣምሳለ ቅድስት ኢየሩሳሌም ንዝመጽእ ቀዳም ብግእዝ 13 ለካቲት በጺሕካ ተባሪክካ ብማይ ጸሎቶም ድማ ተወፊስካ ካብ ኩፉእ ልምድታት ወጺእካ ናይ ሰማያት ዓሸራ ተቀቢልካ ብሓደ መዓልቲ ምምልሳ ነዚ ዕድል ከየምልጠና ኣብ ቦቦታና ኮይና ብቁጽሪ ስልኪ 0983340375| 0905689262|0967821460 ክንምዝገብም ንዕድም ካብ ማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሳምራ ናይ ኤርትራውያን ማሕበር ኣዲስ ኣበባ ከይሓልፈኩም ቦታ ናይ ጽድቂ ንመሓዝ ተቀዳደሙ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ግዜ ትመስል እዋን ዋጋ 150 ብሰላም ክሳብ ሽዑ የጽንሓና ልብና ይክፈተልና ኣተውዓሊ ኣእምሮ ይዓድልና ነዚ ክንስዕቦ ይሓግዘና ኣምላከ ቅዱሳን ብቃል ኪዳን ሕሩያኑ ኢሉ ካብ ኩሉ ክፉእ ሰዊሩ ነዚ ዕድል ክንጥቀም የብቅዓና። እዝን ካልእ ገዳማት ንምክትታል ነዚ ብምጥዋቅ ንዕሩከትና መሓዙትና ቤተሰብና እንዳለኣክና ካብዛ ናይ ጥፍኣት ወረ ዝስመዓላ ዓለም ካብዛ ከባድ ናይ ስራሕ ሰይጣን ጥራይ ንመሃረላ ጎደና ኣዲስ ኣበባ ምኩላል ክንድህን ማለት እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝውዕልን ዝመሃርን ብግቡእ ግዚኡ ዝጥቀም ኣይውክልን እዩ ብምንጽር ብዝሕና ክንርእዮ እንተ ኮነ እኮ እቲ ዝበዝሕ ሕዝበና ናብ ጥፍኣት መንገዲ ዝተበርሓላ ምኳና ኣየከራክረናን እዩ። ምክንያቱ ካብ ስድርኡን ቤተሰብን ስለዝረሓቀ ካልእ ድማ ምዕበላ ስለዝመሰሎ ወላ ምስድርኡ ሕማቅ ዝገብር ኣይተስኣነን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ የሕዋትና ዘይነበርን ባህሪ ዓዲ ምስ ቀየርካ ጠባይካን ኣከዳድናካን ቀይርካ ርእስካ ሸይጥካ ጥራሕካ መሊስካ ጥራሕካ ምኳንካ ትምስክርሉ ግዜ ኢና በጺሕና ሕፍረትካ ምቅላዕ ምዕበላ ተሸፊንካ ምካድ ግን ፋርነት ዝበሃለሉ ክፉእ እዋን ኣብ ክብሪ ናይ መርዓኣ ግዜ ከይተረፈ ኣጉባዝ ዓዲ ረኣዩኒ ጥራይ ከምታዝደውለድኩላ እየ ዝከይድ ዘለኩ እንዳበለት ጸቢቀ ትብለሉ ዕሽነት ዝተመልአ ኣክደዳድና። ድንግል ከምዘይኮነት ናይ ብዙሓት ክትከውን ከምትደሊ ዝገልጽ ርእስካ ጽዓዱ ዝለበሰዎ ጻዕዳ ምስሊ ዘለዎ ሕስረት ዝገልጽ። ቀዳድ ምኳኑ ድማ ክብረት ከምዘየለ ዘረድእ በቃ ባዕልካ ገዛእ ርእስካ ምውራድ እዩ እሞ ካብዚ ዓዘቅቲ ዘውጽኣና ናይ ኣቦታትና ጸሎትን ኣማላድነት እዩ እሞ ንዑናይ ንኪድ ገዳም መምለሲ ናብ ኣምላክና ሓደ ንሱ እዩ ዘለና ኣምራጺ።
🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔
🔔 @bizen5 @bizen5 🔔 🔔 @bizen5 @bizen5 🔔
🔔@bizen5@bizen5🔔
🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔🔔
ሰላም ዝከብረኩም የሕዋት ብማሕበና ንቅሩብ ግዜ ሓገዝ ዝግበረላ ዝነበረ ሓሪሳ ሰብ ሲእና ተሸጊራ ዝነበረት ሓፍትና ሮዳስ ህጻን ቆልዓ ገዲፋ ካብዛ ብሞት ተፈሊያትና ኣላ እሞ ኩላትና የሕዋት ሎሚ ኣብ ላፍቶ ክንረከብ ናብ ኩሉ ሼር በልዎ ንሕጋዝ ድማ ተዳሊና ክንመጽእ ኣብ ቀብራ ድማ ክንሳተፍ ሓደራ ንብል 0936417771|0940117412|0941202835|0983340375 ብምድዋል ክትውከስ ንክእል ኢና።