ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
295 subscribers
351 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
ናይ በረኸት ጥቕሲ
ምዕዶታት ኢያሱ ወዲ ሲራክ
ክፉእ ዘበለ ኣይትግበር፡ ክፉእ ከኣ ኣይክበጽሓካን እዩ።
ካብ ሓጢኣት ርሓቕ፡ ንሱ ድማ ካባኻ ክርሕቕ እዩ።
ወደየ!
እታ ምድሪ ሾብዓተ ዕጽፊ ፍዳ ከይተፍርየልካ፡ ብዓመጽ ኣብ ዝተሓርሰ ኣይትዝራእ።
ዓቢይ ሽመት ኪህበካ፡ ናብ እግዚአብሔር ኣይትጸሊ፡
መንበሪ ክብሪ ክህበካ ውን ንንጉስ ኣይትለምኖ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይትመጻደቕ፡
ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ ፈላጥ ምዃንካ ኣይተርኢ።
ዓመጽ ንኸተርሕቕ ዚኣክል ሓይሊ እንተ ዘይብልካ፡
ዳና ዄንካ ክትሽየም ኣይትተምነ፡ እወ ሓያል ሰብ ምስ ኣጓነፈካ
ብኣድልዎ ከይትፈርድ እሞ፡ ዝነበረካ ጽቡቕ ስም ከይጠፍእ፡ ይትረፍካ።
ንሕዝቢ ኣይትዓምጾ፡ ንገዛእ ርእስኻ ውን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣይተዋርድ።
ንዝገበርካዮ ሓጢኣት ደጊምካ ኣይትግበሮ፡
ድሮ እኳ በታ ሓንቲ ግዜ ዝገበርካያ ሓጢኣት ክትቅጻዕ ኢኻ።
“እግዚአብሔር ነቲ ዘቕርበሉ ብዙሕ ህያባት፡ ጽቡቕ ግምት ኪህቦ እዩ፡
እቲ ኣዝዪ ልዑል ዝኾነ ኣምላኽ መባኣይ ከቕርበሉ ከለኹ፡ ኪቕበለለይ እዩ” ኣይትበል።
ዘይደክም ጸላዪ ኩን፡ ምጽዋት ኣብ ምሃብ ሸለል ኣይትበል።
ነቲ መሪርዎ ዘሎ ሰብ ኣይተላገጸሉ፡ ከመይ ዜዋርድን ልዕል ዜብልን ሓደ ኣምላኽ እዩ።
ምስ ኃውኻ ኾነ ምስ ዓርክኻ፡ ምህዝ ኣቢልካ ሓሶት ኣይትዛረብ።
ልምዲ ሓሶት ዘምጽኦ ረብሓ የብሉን እሞ፡ ሓሶት ዚብልዎ ንኸይትዛረብ ተጋደል።
ኣብ ማእከል ጉባኤ ዓበይቲ፡ ሃጠውቀጠው ንኽትዛረብ ኣይትተንስእ፡
ክትጽሊ ከሎኻ ከኣ ምድግጋም ኣይተብዝሕ።”
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል
ኣሜን!!!
(ምንጪ፦ ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ ምዕ 7፡1-14)
ዲ/ን ዘርእሰናይ ገብረኣምላኽ
(22/12/2020 ዱባይ)
ቀጻሊ ጉዕዞ ብምክንያት ዓመታዊ በዓል ናይ ኣቡና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ናይ ልደቶም ክብረ በዓል ናብ ዝተወለድሉ ዓዶም ቡልጋ ጽላለሽ ኢንቲሳ ገዳም ናይ ኣቡኦም ቐሺ ጸጋዝኣብን ናይ ኣዲኦም እግዚእሃርያ መካነ ቀብሮም ዘለዎ ምስ ተወልዱ ዝተቀመጡላ እምንን ካልእ ዝጸለዩሉ በዓትን ኣምሳለ ሲኦም ዘለዎ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዳግማይ ቆሮንጦስ ቤተክርስቲያን ዋሻ ዝርከቦ ክንከይድ ንደሊ ምብጋስ ብዋዜማ 23 ምምላስ ድማ ድሕሪ ክብረ በዓሎም ዕለት 24 እዩ እግዚኣብሔር ኣምላክና ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ይግበረና ኣሜን ደዊልና ንመዝገብ ዋጋ 250 እዩ። 0983340375/0905689262
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ናይ ቅዱስ ገብርኤል ምብጋስ ዓርቢ ዕለት 16 ኮይኑ ኣሎ ምምላስ ግን ከምቲ ዝነበሮም ዕለት 20 እዩ።
​​#ቅዱስ_በርናባስ_ሐዋርያ

ቅዱሱ ሐዋርያ ስሙ ሲጠራ ሞገስ አለው:: የቅዱሱ ሰው የመጀመሪያ ስሙ ዮሴፍ ሲሆን በርናባስ ያለው መድኃኒታችን ክርስቶስ ነው:: ትርጉሙም "ወልደ ኑዛዜ-የመጽናናት ልጅ" እንደ ማለት ነው::

+በምሥጢሩ ግን "ማሕደረ መንፈስ ቅዱስ-የመንፈስ ቅዱስ ማደሪያ" እንደ ማለት ያስተረጉማል:: ቅዱስ በርናባስ ምንም በትውልዱ እሥራኤላዊ ቢሆን ተወልዶ ያደገው በቆዽሮስ ነው:: እስከ ወጣትነት ጊዜውም የቆየው እዚያው ነው::

+የመድኃኒታችን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰው የመሆኑ ዜና ሲሰማ ግን ወደ ኢየሩሳሌም መጥቶ መድኅን ክርስቶስን ተመለከተ:: ጌታውንም ሊከተል በልቡ ቆረጠ:: የፈጠረን ክርስቶስም እንዲረባ (እንዲጠቅም) አውቆ: ስሙን ቀይሮ አስከተለው:: ከ72ቱ አርድእትም ደመረው::

+ቅዱስ በርናባስ እንደ ወንድሞቹ ሐዋርያት ለ3 ዓመት ከ3 ወር ከጌታ እግር ቁጭ ብሎ ተማረ:: ተአምራቱንም ሁሉ ተመለከተ:: ከጌታ ዕርገት በሁዋላ 120ው ቤተሰብ በጽርሐ ጽዮን ሲጸልዩም አብሮ ይተጋ ነበር::

+በጊዜውም አበው ሐዋርያት በይሁዳ ፈንታ ከ12ቱ የሚቆጠረውን ሰው ለመምረጥ 2 ሰዎችን አቅርበው ነበርና አንዱ ይኸው ቅዱስ ነው:: እዚያውም ላይ ጌታችንን ከመጀመሪያው ጀምሮ ማገልገሉ ተመስክሮለታል:: (ሐዋ. 1:22)

+ስሙንም ኢዮስጦስ ብለውታል:: ባለ 3 ስም ነበርና:: በወቅቱም ዕጣ በቅዱስ ማትያስ ላይ ስለ ወደቀ በርናባስ ከ72ቱ አርድእት: ማትያስ ከ12ቱ ሐዋርያት ሆነው ቀጠሉ::

+ከዚህ በሁዋላ ቅዱስ በርናባስ መንፈስ ቅዱስን ተቀብሎ በኃይል ያገለግል ጀመር:: የሐዋርያትን ዜና በሚናገር መጽሐፍ ላይ የተጻፉና ስለ ቅዱሱ ማንነት የሚናገሩ ክፍሎችን እንመልከት::

1.ቅዱሳን ሐዋርያት የእኔ የሚሉት ንብረት ሳይኖራቸው: ያላቸውን በጋራ እየተጠቀሙ በፍቅር ይኖሩ ዘንድ የመንፈስ ቅዱስ ትዕዛዝ ነበር:: ያለውን ሁሉ ሸጦ በሐዋርያት እግር ላይ በማኖር ደግሞ ቀዳሚውን ሥፍራ ቅዱስ በርናባስ ይይዛል:: (ሐዋ. 4:36) በዚህም የዘመነ ሐዋርያት የመጀመሪያው መናኝ ተብሏል::

2.ልሳነ እፍረት (ብርሃነ ዓለም) ቅዱስ ዻውሎስ ባመነ ጊዜ ሐዋርያት ለማመን ተቸግረው ነበር:: የሆነውን ሁሉ አስረድቶ ቅዱስ ዻውሎስን ከሐዋርያት ጋር የቀላቀለው ይህ ቅዱስ ነው:: (ሐዋ. 9:26)

3.አንድ ቀን መንፈስ ቅዱስ "ፍልጥዎሙ ሊተ ለሳውል ወለበርናባስ - በርናባስና ሳውልን (ዻውሎስን) ለዩልኝ" በማለቱ ሐዋርያት ጾመው: ጸልየው: እጃቸው ከጫኑባቸው በሁዋላ ላአኩአቸው:: (ሐዋ. 13:1)

+እነርሱም ወንጌልን እየሰበኩ በየሃገሩ ዞሩ:: በሃገረ ልስጥራን መጻጉዕን ስለ ፈወሱ ሕዝቡ "እናምልካችሁ" ብለው የአማልክትን ስም አወጡላቸው:: 2ቱ ቅዱሳን ግን ይህንን ሲሰሙ ልብሳቸውን ቀደው በጭንቅ አስተዋቸው:: መመለክ የብቻው የፈጣሪ ገንዘብ ነውና::
(ሐዋ. 14:8-18, ዘጸ. 20:1)

4.በአንጾኪያ የነበሩ አሕዛብ ክርስትናን በተቀበሉ ጊዜ ከሐዋርያት ተልኮ ሒዶ በጐ ጐዳናን መራቸው:: (ሐዋ. 11:22)

+ቅዱስ በርናባስ በአገልግሎት ዘመኑ መጀመሪያ ከቅዱስ ዻውሎስ ጋር: ቀጥሎ ደግሞ ቅዱስ ማርቆስን አስከትሎ ብዙ አሕጉራትን አስተምሯል:: ቆዽሮስም ሃገረ ስብከቱ ናት::

+ቅዱሱ ከብዙ ትጋት በሁዋላ በዚህች ቀን አረማውያንና አይሁድ ገድለውታል:: ቅዱስ ማርቆስም ገንዞ ቀብሮታል::

<< ስለርሱ መጽሐፍ "ደግ: መንፈስ ቅዱስ የሞላበት ነው" ይላልና ክብር ይገባዋል !! >> (ሐዋ. 11:24)

#አባ_ይስሐቅ_ጻድቅ

ይህ ቅዱስ በመካከለኛው ዘመን በምድረ ግብጽ የነበረ ገዳማዊ ነው:: መንኖ ለብዙ ዘመናት በገዳም ሲኖር ምኞቱ አንዲት ብቻ ነበረች:: እመቤታችንን በአካል መመልከትን ይፈልግ ነበር::

+የገዳሙ ጠባቂ በመሆኑ መነኮሳት ሲተኙ መቅደሱን ከፍቶ በድንግል ማርያም ስዕል ፊት ይጸልይ: ይሰግድ: ያነባ ነበር:: እንዲህ ለ7 ዓመታት ስለ ተጋ ድንግል እመ ብርሃን ልመናውን ሰማች::

+በዚህ ዕለትም ከፀሐይ 7 እጅ ደምቃ ወደ እርሱ መጣች:: ደንግጦ ሲወድቅ አነሳችው:: "ከ3 ቀናት በሁዋላ እመለሳለሁ" ብላም ተሠወረችው:: በ23ም ዐረፈ::
"በዛቲ ዕለት ሶበ ጸለየ ጥቡዐ::
ለይስሐቅ አስተርዓየቶ እም አይቆናሃ ወጺአ::
እምጸዳለ መብረቅ ጥቀ እንዘ ትጸድል ስብአ::" እንዳለ ደራሲ:: (አርኬ)

የእሥራኤል እረኛ ሥጋችንን ከመቅሰፍት: ነፍሳችንን ከገሃነመ እሳት ይጠብቅልን:: ከበረከተ ቅዱሳንም ይክፈለን::

#ታሕሳስ_21 ቀን የሚከበሩ ዓመታዊ የቅዱሳን በዓላት
1.ኖላዊ ሔር
2.ቅዱስ በርናባስ ሐዋርያ
3.አባ ይስሐቅ

ወስብሐት ለእግዚአብሔር
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!

22 ታሕሳስ ወርሓዊ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ኡራኤል መላኣኽ እዩ።

ኡራኤል ማለት ካብ ክልተ ናይ እብራይስጥ ቋንቛ ዝተወሰደ ኮይኒኑ ኡር ካብ ኦር ካብ ዝብል ናይ እብራይስጥ ቛንቛ ዝተወስደ ኮይኑ ትርጉሙ ብርሃን ማለት እዩ።ኤል ማለት ድማ ኣምላኽ ማለት እዩ።ስለዚ ኡራኤል ማለት ናይ ብርሃን ኣምላኽ ማለት እዩ።"ኣብ መንገዲ ክሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ከውጻኣካ ፡ እንሆ ኣነ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ፡ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ድምጹ ከኣ ስማዕ፡ እምቢ ኣይትበሎ፡ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፡በደልካ ኣይክሓድገልካን እዩ።ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተሰማዕካ ኣነ ዝብለካ ኩሉ ድማ እንተገበርካ ኣነ ንጸላእትኻ ክጸልኦም፡ ንዝጻረሩኻ ድማ ክጻረሮም እየ"(ዘጸ 23.20-22"በረኸትን ኣማላድነትን ቅዱስ ኡራኤል መልኣኽ ምስኩላትና ይኹን ኣሜን! ዝተቐደሰን ዝተባረኸን መዓልቲ ይግበረልና ኣሜን!https://youtu.be/a6zBA_FOIBg
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ናብዚ ኢና ክንከይድ ጽባሕ ክንከይድ ንደሊ ንደውል ሕጂ
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
23 ታሕሳስ
ወርሓዊ ባዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ኩሉ ዕለም ዝለኹም ኩሉኹም ቅዱስ ጊዮርጊስ ብቃልኪዳኑ ይሓልኹም
ፈጣን ተራዳኣነት ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሊቀ ሰማእታት ምስኩላትና ይኹን
ኦ ፍጡነ ረድኤት እምሩጸተ ነፋስ ወኣውሎ ለዘይጼውዓከ በተወክሎ፥ጊዮርጊስ ቅረብ ለምሕረት ወለተሣህሎ፥ተወከፍ ወትረ ጸሎትነ ወቃለ ጽራሕነ ኩሎ፥ እስመ ልበ ኣምላክ ርህሩህ በሃቤከ ሃሎ።
ዝተቀደሰን ዝተባረኸን ማዓልቲ ይግበረልና
ታሕሳስ 23
††† እንቋዕ ናብ ቅዱሳን ቆርኔሌዎስ ሐዋርያዊን ኣብድዩ ነብይን ዓመታዊ ናይ ዕረፍቲ በዓል ብሰላም ኣብጸሓኩም፤ ኣብጸሓና። †††
††† በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! †††
††† ቅዱስ ቆርኔሌዎስ †††
††† ሎሚ እንምልከቶ ናይዚ ቅዱስ ዜና ሕይወት መብዛሕትኡ ዝተወሰደ ካብ ግብረ ሐዋርያት ምዕራፍ 10 እዩ:: ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሐዲስ ኪዳን ታሪክ ወሳኒ ካብ ዝበሃሉ ዕዮታት ናይዚ ቅዱስ ኣሚኑ ምጥማቅ ስለ ዝኾነ ኣብ ዓቢ ቅዱስ መጽሐፍ ብስፍሓት ተመዝጊቡ እዩ::
ምንም እኳ ካብኡ ኣቀዲሙ ኢትዮዽያዊ ባኮስ ከምዝኣመነን ከም ዝተጠመቀን እንተተፈልጠ (ሐዋ. 8:26) ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ካብ ወገን ኣሕዛብ ኣሚኑ ናብ ሐዋርያት ዝተሓወሰ ናይ መጀመሪያ ሰብ እዩ:: ጥንተ ነገሩኸ ከመይ እዩ እንተበልና:-
መንግሥቲ ሮም ኣብ ትሕቲ ቄሣራውያን ኣብ ሚኢቲ ክ/ዘመን ንዓለም ይገዝእ ነበረ:: በቢ ኣህጉር ድማ ክሳብ ሹሞት ዓዲ ተሾይሞም ግብሪ ንቄሣር ይእክቡ: ነቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቄሣር የግዝኡ ነበሩ::
ካብ ማእከል እዚኣቶም ዝኮነ ድማ ሓደ ቆርኔሌዎስ ኣብ ቂሣርያ ዘፍልስጥኤም (ካልእ ቂሣርያ ስለዘላ እዩ) ሓለቃ ሚኢቲ (ሃቤ ምዕት): ናይ ሠራዊት መራሒ (ሊቀ ሐራ) ኮይኑ ተሸይሙ ነበረ:: ናይ ሠራዊቱ ስም ድማ "ኢጣሊቄ" ይብልዎ::
ቆርኔሌዎስ ንእግዚአብሔር ኣይፈልጥን:: ከም ኣረሚ (ግሪካውያን) ኣምላኺ ከዋክብቲ ደኣ ነበረ እንበር:: ግን ወላ ኡካ ከምኡ እንተኾነ ጸላኢ ክፋእ: ርህራሄ ዘብዝሕ: ምጽዋት ዘዘውትርን በሐቲት (ብምርምር) ዝነብር ሰብ ነበረ::
ስለዚ በታ ሰሙን ክርስቶስ ኢየሱስ መድኃኒና ናይ ምድሓን ሥርሑ ፈጺሙ: ኣበው ሐዋርያት ንትምሕርተ ወንጌል ከም በቅሎ ይቀላጠፉ ነበሩ:: ሽዩም (ሓለቃ) ስለ ዝኾነ ቆርኔሌዎስ ናይ ሐዋርያት ዜና ቀልጢፉ እዩ ዝበጽሖ::
ቅዱሳን ብስም ክርስቶስ ንድውያን ከምዝፍውሱ: ንሙውታን ከምዘተንስኡ: ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብዙሓት ምልክታት (ተኣምራት) ከምዝገብሩ ሰሚዑ ተገረመ:: ንሱ ዘምልኾ ዙሐል (ናይ ኮከብ ስም እዩ) ኣቅሚ ዘይብሉ ፍጡር ምዃኑ ተረድአ እሞ ጽርግፍ ኣቢሉ ገደፎ::
ምንም እኳ ሽዩም ሓለቃ ሠራዊት እንተኾነ ዘወትር ብመዓልትን ብለይትን ክጸውምን ክጽልይን ጀመረ:: ጸሎቱ ድማ "ሓቀኛ ኣምላክ ተገለጽ" ነበረ:: ጾምን ጸሎትን ብዘይ ምጽዋት ቁም ነገር ስለ ዘይሰርሑ ንቤቱ ቤተ-ጥሙያት: ቤተ-ነዳያን ገበሮ::
እዚ ተፈትዊ ጾም: ጸሎትን ምጽዋትን ድማ ብዘይ ከልካሊ ናብ ሰማያት: ናብ ቅድመ እግዚአብሔር በጽሐ:: ምንም ኣሕዛባዊ (ኢ-ጥሙቅ) ወላ እንተኾነ ጎይታ ግን ንቅዱስ መልኣኹ ለኣኸሉ::
ሓደ መዓልቲ ከም ልማዱ ክጽሊ እንከሎ ኣከባቢ ሰዓት ትሽዓተ (በሠርክ) መልኣክ ብሩህ ልብሲ ተጐናጺፉ ተገልጸሉ:: "ኦ ቆርኔሌዎስ! ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ እግዚአብሔር በጸሓልካ:: እግዚአብሔር ድማ ዘከረካ" በሎ::
"ሕጂ ድማ መታን ክትድሕን ኣብ ቤት ሰፋዪ ስምዖን: ኣብ ሃገረ ኢዮዼ: ዼጥሮስ ዝብልዎ ስምዖን ስለ ዘሎ ንዕኡ ጸውዓዮ:: ንሱ እትድሕነሉ ክነግረካ እዩ" ኢልዎ: ብስራቱ ድማ ነጊርዎ ተሰወረ:: ሽዑ ድማ ካብ ራዕዩ ተንሲኡ እናኣድነቀ ንኣወዳት ጸዊዑ ናብ ኢዮዼ ልኣኾም::
በታ ዕለት ድማ ናይ ሐዋርያት ሓለቃ ቅዱስ ዼጥሮስ ኣብ ቤት ስምዖን ሰፋዪ ከሎ መታን ክጽሊ ናብቲ ደርቢ (ፎቅ) ደየበ:: ኣብኡ ድማ ኣብ ጸሎት እንከሎ ተዶሞ መጾ:: ግሩም ራዕይ ድማ ተመልከተ:: "ሞጣሕት ስፍሕት" ይብላ:: ካብ ሰማይ ኣብ 4ተ መዐዝን ዝተተሓዘት መጋረጃ: ኣብ ውሽጣ ናይ እንስሳታት: ናይ ኣራዊት: ናይ ኣዕዋፍ ስእሊ ተሳኢልዋ ክትወርድ ተመልከተ::
ሓንቲ ኢድ ድማ ናብ (ሓሰማ) እናኣመልከተት "ተንስእ ኦ ዼጥሮስ ኅርድ ዘንተ ወብላእ . . . - ኦ ዼጥሮስ! ተንስእ: እዚ ድማ ሓሪድካ ብላዕ" ምስ በለቶ:: ንሱ ግን "ግሙራ ኢቦአ ርኩስ ውስተ አፉየ-ዝረኸሰ ነገር ናብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን" ኢሉ መለሰ::
መሊሱ ድማ "ዘእግዚአብሔር አንጽሐ አንተ ኢታስተራኩስ- እግዚአብሔር ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ" ምስ በሎ:: እዚ ራዕይ ድማ 3 ግዜ ክደጋገም ተመልከተ:: ሽዑ ንሽዑ ድማ እታ መጋረጃ ናብ ላዕሊ ተመልሰት::
ናይቲ ራዕዩ ምሥጢር ንግዜኡ እግዚአብሔር ካብ ዝፈጠሮ "ርኹስ" ዝበሃል ከምዘየለ የሕትት:: ንፍጻሜኡ ግን እታ ሞጣሕት ናይ ወንጌል (ናይ ክርስትና) ከምኡ ውን ናይ እመ ብርሃን ድንግል ማርያም ምሳሌ እያ::
እታ እሪያ(ሓሰማ) ድማ ናይ ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ምሳሌ ስለዝኾነት "ኣይትጸየፎ: ኣጥምቆ" ይብሎ ነበረ:: ቅዱስ ዼጥሮስ ስለዚ ነገር ከሰላስል ከሎ ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ዝለኣኾም ኣወዳት መጽዮም ጸውዕዎ:: መንፈስ ቅዱስ "ምስኦም ኪድ" ስለ ዝበሎ ድማ ምስኦም ከደ::
ናብ ቆርኔሌዎስ ምስ በጽሐ ድማ 2ቲኦም ራዕዮም ተዘራረቡ:: ቆርኔሌዎስ ድማ ብግንባሩ ተደፊኡ ንሊቀ ሐዋርያት ሰገደሉ:: ቅዱስ ዼጥሮስ ግን ስለ ትሕትና "ኣይትስገደለይ" በሎ:: ድሕሪኡ ድማ ንኣፉ ከፊቱ ንዕኡን ንቤተሰቡን ካብ ቅዱስ ቃል መገቦም:: ኣጥሚቑ ድማ ኢዱ ምስ ጸዓነሎም ካብ ቅዱስ መንፈስ ተኻፈሉ::
ድሕሪ እዛ ዕለት ድማ ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ሃብቱን: ንብረቱን: ሹመቱን ክብሩን ንዒቑ ንሐዋርያት ተከተሎም:: ንስብከተ ወንጌል ኣገልግሎት ድማ ሓንቲ በትሪ ጥራይ ሒዙ ናብ ምድረ ግብጺ ወረደ:: በዚ ድማ ንብዙሓት ናብ ክርስትና ስሒቡ: ንዓመታት ተጋዲሉ በዛ መዓልቲ ዓረፈ::
††† ቅዱስ አብድዩ ነቢይ †††
††† "አብድዩ" ማለት "ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ" ማለት እዩ:: ቁጽሩ ካብ 12ተ ደቂቀ ነቢያት ክኸውን ከሎ ናይ ቅዱስ ኤልያስ ዓቢ ወዲ መዝሙር እዩ:: ቅዱሳን ነቢያት ዮናስን ኤልሳዕን ድማ መሓዙቱ ነበሩ::
ቅዱስ ኣብድዩ ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ኣከባቢ 800 ዓመት ናይ ከሓዲ ንጉሥ መራሒ ኲናት ኮይኑ ብሓምሳ ሓለቓነት ኣገልገለ:: ግፍዐኛ ኤልዛቤል ንነቢያተ እሥራኤል ክትቀትል ከላ ነቶም 50 ኣብ ሓደ ባዓቲ ነቶም 50 ድማ ኣብ ካልእ ባዓቲ ጌሩ ኣትረፎም:: እቶም 900 ግን ተጨፍጨፉ::
ነቶም ዘትረፎም ድማ ክፉእ ዘመን ክሳብ ዝሓልፍ መገቦም:: ኣክኣብን ኤልዛቤልን ምስ ሞቱ ድማ ንቅዱስ ኤልያስ ተኸቲሉ ንሽሞቱ ገደፈ:: እግዚአብሔር ገሊጽሉ ድማ ትንቢት እናተዛረበን: ንህዝቢ ድማ እናገሰጸን ነበረ::
ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ዘለዉ ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ ድማ ብጣዕሚ ሓጺር ዝጸሓፈ እዚ ነቢይ እዩ:: ትንቢተ ኣብድዩ በዓል ሓደ ምዕራፍ ጥራይ እያ:: እዚ ቅዱስ በዛ መዓልቲ ዓሪፉ ወገናቱ ቀበርዎ::
††† አምላከ ነቢያት ወሐዋርያት ናይ በረኸትን ናይ ሰላምን ዘመን የምጻልና:: ካብ በረኸቶም ይኽፈለና::
††† ታሕሳስ 23 ዝኽበሩ ዓመታዊ ናይ ቅዱሳን በዓላት
1.ቅዱስ ቆርኔሌዎስ (ሐዋርያዊ ጻድቅ)
2.ቅዱስ አብድዩ ነቢይ
††† ወርኀዊ በዓላት
1.ልበ አምላክ ቅዱስ ዳዊት
2.ቅዱስ ጊዮርጊስ ሊቀ ሰማዕታት
3.ነቢየ ጽድቅ ቅዱስ ሰሎሞን (ንጉሠ እሥራኤል)
4.አባ ጢሞቴዎስ ገዳማዊ
5.ቅዱስ ዳንኤል ነቢይ
6.አባ ሳሙኤል
7.አባ ስምዖን
8.አባ ገብርኤል
†††
23 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለዳዊት ንጉስ እስራኤል
በረኸትን ጸጋን ናይቲ ከም ልበይ ዝተባህለ ቅዱስ ዳዊት ምስኩላይና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!https://youtu.be/08SOKElfpu0
ናብ ቅዱስ ላሊበላ ትከዱ ኩላትኩም የሕዋት ካልኤይቲ መኪና ክንውስክ ሓደ 30 ሰባት ጎዲሎምና ስለዝኮኑ በብዘለና እዩ ክንሓትት ናይ ገንዘብ ሕጂ ኣብ ኢዶም ዘይምህላዎም ከየትረፎም ምስ ተመለሱ ክከፍሉ ስለዝክእሉ ደውሎም ይሕባሩ ስለዚ ንዘይፈልጠ ብዙሕ ሰብ ስለ ዘሎ ክንሕብር ኣለና ኣብ ከባቢና ዘሎ የሕዋትና እቲ ዕድል ክሳብ ሰዓት 5 ክፉት እዩ ሎሚ ሰንበት ማለት እዩ ደውሉ ሓብሩ ብሩክ ሰንበት ንኩልና።
ብማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምነ ክርስቶስ ሰምራ ዝገበር ዘሎ ሓገዝ ናብ ናይ ኣብነት ተማሃሮ የሕዋትና እንዳ ቀጸለ እዩ ኣብ ጉዕዞ ላሊበላ 4 ከረጺት ኾረንሾን በረበረ ሽኮር ሽሮ ተላኢኩ ናብ ኣብ ጎጃም ዘለዉ ሕጂ ድማ ናብ ኣብ ጎንደር ዘለዉ ሓገዝ ክግብር ስለዝኮነ ኩላትና ኤርትራውያን የሕዋት ነበርቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብታ ንበልዓ ጸጊብና ነትርፋ እሞ ንድርብያ ዘለና መግቢ እቲ ጥዕይ ነቂጹ ኢልና ንግሕፎ ብምእካብ ክተረኩቡና ካልእ ሓገዝ ክዳውንቲ መሳልን ዘለና ገንዘብን ካልእን ደዊልኩም በረከት ክትካፈሉ ምእንቲ ንዕድመኩም ኣለና ሰሰናዩ እግዚኣብሔር ንሃገርና ሰላሙ ይልእከና ሕጂ ኢድና ብምዝርጋሕ ቤተክርስቲያና ንሓልዋ ገዳማትና ድማ ንሓግዝ። ክንደውለሉ ንክእል ቴሌፎናት ኣብ ዘዘለኩሞ ክንህበኩም ንክእል ኢና ኣብ ላፍቶ መብራት 24 መጋነኛ ሳፋሪ ፊጋን ጆሞ ጎፋ ካልእ ሰፈር እንተ ኮነ ክንቅበለኩም ንክእል ኢና ንዝተሸገሩ ዝሓመሙ የሕዋትና ናይ ሕክምና መጻኢ ዝሰኣኑ ድማ ብዝተካእለ መጠን ኣቅምና እንዳ ኣዋጻእና ንድግፍ ኢና እሞ ኣብዚ ክሳተፍ ዘደሊ እዋን ደዊሉ ክሓተና ኣቅሙ ከበርክት ውን ይክእል እዩ እታ ግዜ ሓጻር እያ እሞ እዛ ሽግርን መከራን ተደጋጊፍና ብሓደ ንውጻኣያ 0952688043|0936417771። ተወሳኪ ሓበሬታ በዚ ንደውል 0983340375|0905689262
ናብ ኩሉ ንፈልጦ ክባጻሕ ሼር ኣይንሕመቅ
ጉዕዞ ገዳም ናብ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ንዕለት 10-11 ተዳልዮ ኣሎ ክንከይድ ንደሊ ንደውል ሶኒን ሰሉስን ዓቢ ቃል ኪዳን ናይ ኣቦና ዝተውሃብሉ ዕለት ስለዝኮነ ከይሓልፈና ቀዲምና ንመዝግብ 0983340375 | 0905689262 ንካልእ ፈተውትና ድማ ንላከሎም ሰኣን ሓበሬታ ሰብ ይተርፍ ኣሎ ኣብ ካልእ ኢድና ይቅልጥፍ ኣብ ሰናይ ንገር ድማ ነዓና ጥራይ ይሓስብ ንፈተውትና ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ምዕዳም እዩ እቲ ዝበለጸ እሞ ብቀላል ሼር ጽድቂ ኣብ ኢድና ከላ ከይንስእና ሕጂ ንስራሕ ንጽባሕ ዝተቅመና ኣብ ሰማያት ዓድና ዘእትወና።
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ገዳም ኣቡነ ዜና ማርቆስ ምካድ ማለት ከይተነሳሕካ ኣይትመውትን ኢካ ዝብል ቃል ኪዳን ምስታፍ እዩ ካልእ ድማ ኣብ ጥምቀት ማየ ጸሎት ምጽባል ምሕጻብ ካብ ሓጥያትካ ምንጻሕ ኢየሩሳሌም ምጽባል እዩ እዚ ዕድል ከየምልጠና ንመዝገብ ቦታ ከይመልኣና።