ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
296 subscribers
351 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!

22 ሕዳር ወርሓዊ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ኡራኤል መላኣኽ እዩ።ኡራኤል ማለት ካብ ክልተ ናይ እብራይስጥ ቋንቛ ዝተወሰደ ኮይኒኑ ኡር ካብ ኦር ካብ ዝብል ናይ እብራይስጥ ቛንቛ ዝተወስደ ኮይኑ ትርጉሙ ብርሃን ማለት እዩ። ኤል ማለት ድማ ኣምላኽ ማለት እዩ። ስለዚ ኡራኤል ማለት ናይ ብርሃን ኣምላኽ ማለት እዩ።"ኣብ መንገዲ ክሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ከውጻኣካ ፡ እንሆ ኣነ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ከኣ ስማዕ፡ እምቢ ኣይትበሎ፡ ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፡ በደልካ ኣይክሓድገልካን እዩ። ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተሰማዕካ ኣነ ዝብለካ ኩሉ ድማ እንተገበርካ ኣነ ንጸላእትኻ ክጸልኦም፡ ንዝጻረሩኻ ድማ ክጻረሮም እየ"(ዘጸ 23.20-22"በረኸትን ኣማላድነትን ቅዱስ ኡራኤል መልኣኽ ምስኩላትና ይኹን ኣሜን! ዝተቐደሰን ዝተባረኸን መዓልቲ ይግበረልና ኣሜን!https://youtu.be/a6zBA_FOIBg
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
Forwarded from ኤርትራ ገዳማት ናፊቅኒ
ንልዕሊ 30 ገዳማት ንምስላ እዩ ጉዕዞና ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ንደውል 0983340375
ናይ በረኸት ጥቕሲ፦
“እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደአ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ “ መዝ 27፡1
ኣብ ህይወትና ብዙሓት ጸገማትን ፈተናታትን ኣለዉ፡ እዚኦም ከኣ ኣብ ህይወትና ንኽንፈርሕን ክንስምብድን ብዙሕ ይፍቱኑና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ በረኸት ጥቕሲ ግና፡ ልበ አምላክ ቅዱስ ዳዊት፡ እቲ ሓያል እግዚኣብሔር ምሳና ክሳብ ዝኾነ እንፈርሓሉ ምኽንያት ከም ዘየለ ብቓሉ ይነግረና።
እቲ ካብ ምልኣት ብርሃኑ፡ ብርሃን ዝፈጠረ እግዚአብሔር ምሳና ክሳብ ዘሎ ንፈርሓሉ ምኽንያት የብልናን። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መዝ 43፡3 ተጠቒሱ ዘሎ ቃል የዘኻኽረና፦’’ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።”ኣብ ህይወትና ወላ’ኳ ጸልማት እንተ ኸበበና፡ እግዚአብሔር ግና ነቲ መገዲ የርእየና። ኣብቲ ጸላም፡ ወላ’ኳ ብዙሕ ከቢድ ነገርን፡ ኣደንጻዊ ነገርን እንተሎ፡ እግዚአብሔር ግና ካብዚ ኩሉ ክስውረናን ክሕልወናን ምሳና ኣሎ።
ኣብ 2ሳሙ 21፡17 “እቶም ገላዉ ዳዊት ንዳዊት “መብራህቲ እስራኤል” ከይትጠፍእሲ፡ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ፡ በልዎ።” ወላ’ኳ መብራህቲ እስራኤል ኢሎም እንተ ጸውዕዎ ብርግጽ እግዚኣብሔር ምስኡ ስለ ዝነበረን፡ ብርሃን ኮይኑ መገዱ ስለ ዝመርሐን እዩ።
እግዚኣብሔር መድሕን ህይወትና ስለ ዝኾነ ንፈርሓሉ ምኽንያት የብልናን። እዚ ነቲ ኣብ መዝ 62፡2 “ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ፈጺመ ኣይክናወጽን እየ።” ዝብል ቃል የዘኻኽረና። እግዚአብሔር ኣብቲ ፍጹም ጸልማት፡ መንገዲ ጥራይ ኣይኮነን ዘርእየና፡ እንታይ ደኣ፡ ካብ ኩሉ ፈተናን መከራን ጸላእን የድሕነና። ወላ’ኳ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ጸላኢና፡ ናብ ጒድጓድ ጥፍኣት ከስጥመና እንተፈተነ፡ እግዚአብሔር ግና ንኣእጋርና ኣብ ከውሒ ኣቚሙ ንስጉምትና የጽንዖ።(ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽአኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙ፣ ንስጉምተይ ኣጽንዖ።) መዝ 40፡2።
እግዚኣብሔር መዕቆቢና ስለ ዝኾነ ንፈርሓሉ ምኽንያት የብልናን። ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት፡ ኣብ መዝሙሩ መዝ 144፡2 ነዚ ክገልጽ ከሎ “ንስኻ መዕቆቢየይ፡ ዕርደይ፡ እምባይ፡ መድሓኒየይ፡ ዋልታይ ኢኻ።” ይብል። ወላ’ኳ ነቲ ካብ ኣብ ጸልማት ዘሎ ጸላኢና ዝመጽእ ፈተናታትን መስገድላትን ቅሉዓት እንተኮና፡ እግዚአብሔር ግና ይሕልወናን የዕቁበናን እዩ።
ስለዚ ካብዚ ናይ ሎሚ ናይ በረኸት ጥቕሲ፡ ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ ሮሜ 8፡31” ዝበሎ እግዚአብሔር ምስና እዩ’ሞ ኣብ ዝኾነ ኩነታትን፡ ኣብ ዝኾነ ናይ ህይወት ፈተነታትን፡ ናይ ሓጢኣት ፈተነታትን ክንፈርሕን ክንስምብድን ከም ዘይብልና ንመሃር። እግዚአብሔር ካብ ኩሉ ፈተና ይሓልወና። ኣሜን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል
ኣሜን
ዲ.ን ዘርእሰናይ ገብረኣምላኽ
12/12/2020 ዱባይ
“ሃለዋት ኣባጊዕካ ፍለጥ።
ንልብኻ ኣብ መጓሰኻ ኣንብሮ፣ ምሳ ” .27።23-24፣
1. ሓለቓ ጓሶት።
2. ባህርይ ሕያዋይ ጓሳ።
3. ኣገባብ ጉስነት ሕያዋይ ጓሳ።
4. ባህርይ ናይተን ኣብ ትሕቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝነብራ መጓሰ።
5. ንዝጠፍኡ ጓሶት ንምምላስ ዝግበር ፍሉይ ኣገባብ ጕስነት።
6. ባህርይ ዓሰባ።
7. ኣገባብ ጉስነት ዓሰባ።
8. ባህርይ ተዅላ።
9. ጕስነትና ኪጸንዕ፣ ዝተዋህበና ውህበት ኣጽኒዕና ኪንሕዝ።
10. መደምደምታ።
1. ሓለቓ ጓሶት።
ሀ. ህያብ ጸጋ ጕስነት። -- ካብ ዓበይትን ሕፃናትን። ካብ ሕዝብን ኣሕዛብን። ካብ ጻድቃንን ኃጥኣንን። ካብ
ዝተማህሩን ዘይተማህሩን። ካብ ቅዱሳንን ርኹሳትን ብማዕረ ናብ ጸጋ ጕስነት ይዕድም፣
ንኣብነት።-
 ካብ ዓበይትን ጻድቃንን። - እቲ ጻድቕ ንኣምላኽ ዝፈርህ ምጽንናዕ እስራኤል ውን ዝጽበ መንፈስ ቅዱስ ድማ
ዝነበሮ ስምዖን፣ ሉቃ .2።25-33፣
 ካብ ሕፃናት፣- ከም ሳሙኤል። 1 ሳሙ.3፣4። ከም ኤርምያስ። ኤር .1፣4-11።
 ካብ ሕዝቢ እግዚኣብሔር፣ - ከም ሙሴ።ዘፀ.3፣1-12።
 ካብ ኣሕዛብ።- ከም ረኣብ እታ ኣመንዝራ። ኢያ .2፣1-14። ከም ሩት፣ ማቴ .1።5፣
 ካብ ጻድቃን።- ከም ኣብርሃም፣ ዘፍ .12።1-10፣
 ካብ ኃጥኣን።- ከም እንጣዎስ ኣሞራዊ፣ ስንክሳር 17 ነሐሴ፣ ፊልክስዩስ ተስእሎ ፶፪።
ገጽ፹፪ ንመልከት።
ከም ሙሴ ጸሊም፣ ስንክሳር 24 ሰነ፣
ከም ማርያም ግብጻዊት ስንክሳር 6 ሚያዝያ፣
 ካብ ዝተማህሩ።- ከም ጳውሎስ፣ ግብ .22።3-4፣ 26።4-6፣
 ካብ ዘይተማህሩ።- ከም ድሜጥሮስ፣ ስንክሳር 12 መጋቢት፣
ከም አቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን። ገድለ አቡነ ፊልጶስ፣
ጸጋ እግዚኣብሔር ምስ ጸሎት ጻድቃን ፣ ጸሎት ኃጥኣን ምቕባሉ ከኣ ። እቶም ጻድቃን ንኸይዕበዩ። እቶም ኃጥኣን
ከኣ ተስፋ ንኸይቆርጹ እዩ፣ ለ. ንኹሎም ከከም ዓቕሞም ናይ ጕስነት ሓላፍነት ይህቦም። (ማቴ.25፣15)፣
“እምበኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ። መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ። ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ፣
ግብሪ ኃይሊ ድማ በበይኑ እዩ። እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ፣ ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ
ምግላጽ መንፈስ ንጠቕሚ ይወሃቦ እዩ፣ ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይወሃቦ እዩ፣ ነቲ ሓደ ከኣ ቃል ፍልጠት በቲ
ሓደ መንፈስ። ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ። ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይወሃቦ።
ንሓደ ከኣ ግብሪ ኃይሊ ንምግባር፣ ንሓደ ትንቢት። ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ። ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቋንቋታት።
ነቲ ሓደ ከኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይወሃቦ።፣ እዚ ኵሉ ከኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍስ ወከፍ
ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ፣ ” 1 ቆሮ.12።4-12።
“ከምቲ ኣምላኽ ንነፍስ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር። ካብቲ
ዝግብኦ ኣዕዚዙ ከይሓስብ ንነፍስ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ እተዋበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ፣ ከምቲ ኣብ ሓደ
ሥጋ ብዙኅ ኣካላት ዘሎና እሞ። ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኮነ። ንሕና ብዙኃት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ
ሥጋ ኢና፣ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና፣ ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝኾነ ውህበት ጸጋ ኻብ
ዚህልወናስ። ትንቢት እንተ ኮይኑ ብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። መዓዲ
እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ ዚህብ ተገሪሁ ይሀብ፣ መራሒ እንት ዀይኑ ብትግሃት ይምራሕ፣ እቲ ዚድንግጽ ውን
ብሓጐስ ይደንግጽ፣ ሮሜ ” .12።3-9፣
“ግናኸ መወዳእታ ኵሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ፣ ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎት ውን ንቕሑ፣ ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት
ትኸድን እያ እሞ፣ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሃልኹም፣ ብዘይምዕዝምዛም
ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቐባበሉ፣ ነፍስ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ
ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፣ ዘገልግል
እንተዀነ ውን ከምቲ ኣምላኽ ዝህቦ ኃይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ምእንቲ ኪኸብር፣
ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹኖ፣ ኣሜን፣ ” 1 ጴጥ.4።7-12።
“እምበኣርከ ንስኻትኩም ሥጋ ክርስቶስ ኢኹም። ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብክፍሉ ኣካላቱ ኢኹም፣ ኣምላኽ ድማ
ኣብ ማሕበር ቅድም ሓዋርያት። ካልኣይ ነብያት። ሳልሳይ መምህራን። ደሓር ገበርቲ ኃይልታት። ደሓር ውህበት
ምፍዋስ። ምርዳእ ድኹማት። ምምራሕ። በበይኑ ቋንቋታት ሠርዐ፣ ” 1 ቆሮ.12።27-29፣
ሐ. ዓሰርተ ክልተ ሰዓት ንዝሰርሑን ሓደ ሰዓት ንዝሰርሑን ዓስቢ ጸጋ ብማዕረ ይህብ፣
ካብ ብቐዳሞት ብዳሕረዎት ይጅምር፣ ገንዘቡ ብልግሲ ስለ ዝሃቦም ከኣ ተዓዘብቲ የጉረምርምሉ። ገንዘቡ
ብርሕራሔ ንዝደለዮ ክህቦ ከም ዝግብኦን ከም ዝኽእልን ብፍትሒ የረድእ። ማቴ .20።1-17፣
መ. ዕድመ (ጻውዒት ድራር) ።- ናብ ድራር መርዓ ወዱ ንጻድቃንን ንኃጥኣንን። ንሕያዎትን ንክፉኣትን። ብማዕረ
ዝዕድም ክዳን መርዓ ከይተኸድኑ ንዝመጹ ግን። ዘለዓለማዊ ፍርዲ ዝፈርድ። ማቴ .22።1-15፣ ምሳ.9።1-7።
ኢሳ.55።1-7፣
ሰ. ነቶም ሓላፍነት ጉስነት ሸለል ዝብሉ። - ሓላፍነቶም ይጸባጸቦም እሞ። ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ጸጋኡ የሕድጎም።
ንመጓሰኡ ከኣ ባዕሉ ይጓሲ። ሕዝ .34።10፣ ሉቃ.16።2፣ “እንሆ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብኃይሊ ይመጽእ። ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ። ካሕሳኡ ከኣ
ቀቅድሚኡ ይኸይድ፣ ንመጓሲኡ ከም ጓሳ ከውፍር። ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኪእክብ። ኣብ ሕቝፊኡ ከኣ
ኪስከሞም ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሐን፣ ኢሳ ” . 40።10-11፣
ረ. ነቶም ሓላፍነት ጕስነቶም ብግቡእ ዝፍጽሙ ከኣ። - ጻማ ጕስነቶም ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ይህብ፣
1 ጴጥ.5።4፣
2. ባህርይ ሕያዋይ ጓሳ። -
 ብኣፍ ደገ ይኣቱ ። - ማለት ገዛእ ሰብነቱ ብሕጊ እግዚኣብሔር። ከም ቃል እግዚኣብሔር ይመርሕ፣ ነቲ ዝምህሮ
ከኣ ኣቐዲሙ ባዕሉ ይነብረሉ፣
 እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ። - ሓለቓ ጓሶት ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ጕስነት ኣፍደገ (ናይ ጕስነት ጸጋ ) ይኸፍተሉ፣
ዮሓ.10።9፣
 እተን ኣባጊዕ ቃሉ ይሰምዓ። - ነቲ ዝምህረሉ ቃል ኣቐዲሞም ብግብሪ ክነብረሉ ስለ ዝረኣይዎ። ማሕበር
ምእመናንን ኣገልገልትን ይሰምዕዎን ይእዘዝዎን፣
 ነተን ኣባጊዑ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። - በብስመን ጸዊዑ የውፍረን ማለት። ንኹሎም ኣባላት መጓሰኡ
ኣስማቶም ይፈልጦም፣ ንዅሎም ህልዊ ኵነታቶም ይፈልጥ። ንዝሓመሙ በእንተ ዱያን ይደግም። ንዝሓዘኑ
የጸናንዕ። ንዝደኸሙ የበርትዕ። ንዝተሰብሩ ይዝንን። ንዝጠፍኡ ይደሊ። ተስፋ ንዝቖረጹ ተስፋ ይህብ። ካብ
ዝተዋህብዎ ብሸለልትነትን ብትሪ ልብን ንዝጸንዑ ከኣ ይግስጽ። ይገንሕ። ይቐጽዕ፣
 ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ከኣ ቀቅድሚአን ይኸይድ። - ኣብ ፍቕሪ ይነብር። ብሕይወቱን ብቓሉን ከኣ ፍቕሪ
ይሰብኽ፣ ኣብ ሓቂ ይነብር ሓቂ ኸኣ ይምህር። ነቲ ብግብሪ ዝነብረሉ ብቓል ይምህረሉ፣ ዮሓ .10።1-6። ነቲ ካባይ “
እተማሃርክምዎን እተቐበልክምዎን ዝሰማዕክምዎን ኣባይ ውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ። ኣምላኽ ሰላም
ምሳ
ንኩሉ ክበጽሕ ምስ ኣነበብኩምዎ ተረዲእኩም ሕተትሉ እሞ ሼር ድማ ኣይትሕመቁ ኢኩም
ኻትኩም ክኸውን እዩ። ፊል .4፣9።
 ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፍ። -- ታሪኽ እቶም ኣብ ክንዲ ዝበደሉ ዝተገርፉ። ኣብ ክንዲ ኃጢኣተኛ ዝኃጥኡ
መንፈሳዊ ኣቦ ኣብ ትርጓሜ ወንጌለ ዮሓንስ 15።13፣ ንመልከት፣
 በታ እተቐደሰት እምነት። - ርእሱ ይሃንጽ 1። ብመንፈስ ቅዱስ ይጽሊ 2፣ ነቲ ናብ ምሕረት ዘለዓለም ዘብጽሕ
ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይጽበ 3፣ ንገዛእ ርእሱ ብፍቕሪ ኣምላኽ ይሕሉ 4፣ ነቶም ዝጠራጠሩ የረድእ 5፣
ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢሉ የናግፍ 6፣ ንገሊኦም ከኣ ነቲ ብሥጋ ዝረኸሰ ክዳን (ሰብነት) እናጸልአ ብፍርሃት
ይድንግጸሎም 7፣ በዚ ድማ ኵሉ ፍቓድ ፈጣሪኡ ይፍጽም። ይሁ .1።20-25፣
3. ኣገባብ ጕስነት ሕያዋይ ጓሳ፣ 1 ጴጥ.5።1-10፣
 ብሓቂ ይጓሲ።-
 ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ ይጓሲ። -
 ብታሕጓስ ይጓሲ።- “ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኪሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ። ካብ ቅድሚ እቶም
ዋዕላ እና ተሓጐሱ ኸዱ፣ ግብ ” .5።41፣
 ነቲ መጓሰ ብኹሉ ብቓልን ብግብርን ኣርኣያ ብምዃን ይጓሲ። - “ነቶም ኣመንቲ ብቓል 1። በካይዳ 2። ብፍቕሪ 3።
ብእምነት 4። ብንጽሕና 5 ውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር። ነታ ንእስነትካ ሓደ ኳ ኣይንዓቃ፣ ’ ” 1 ጢሞ.4።12፣
 ብትሕትና ይጓሲ።- (ትሕትና ቅዱስ ሳዊሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘሀገረ ኣንጾኪያ ኣብ 2 ጥቅምቲ መጽሓፈ ስንክሳር
ንመልከት፣)
 ካብ ዘለዎ ደረጃ ብፍቓዱ ወሪዱ ኣብ ቦታ ዝወደቑ ተረኺቡ ይጓሲ። - ክብሪ ሥጋና ገዲፍና። ኣብ ማእከል
ዝወደቑን ዝኃጥኡን ተረኺብና። ከይተጸየፍና ንዝወደቑ መሲልና ምጕሳይ ይግባእ፣ (ታሪኽ ኣባ ባጥል መነኰስ ኣብ
ስንክሳር 14 መጋቢት ተመልከት፣)
4. ባህርይ ናይተን ኣብ ትሕቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝነብራ መጓሰ፣
 እተን ኣባጊዕ ውን ቃሉ ይሰምዓ። - ቃል እቲ ሕያዋይ ጓሳ ይሰምዓ። ኣብቲ ዝሰምዕኦ ቃል ከኣ ይነብራ። ዮሓ .10።3፣
 እተን ኣባጊዕ ውን ድምጹ የለልያ እሞ ይስዕባኦ። - ድምጹ ድምጺ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ። ብግብሪ ኸኣ ስለ
ዘርእየን ብእግሪ ይኽተላኦ። ብግብሪ ኸኣ ይመስላኦ፣ ዮሓ .10።4፣
 ድምጺ ካልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝኾና። ንኻልእ ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን። -እቲ ጓሳ ካብ ጓሳነት ናብ
ዓሰባነት እንተ ተለዊጡ። ንሰን ብጀካ ድምጺ ጓሳ። ካልእ ድምጺ ስለ ዘይፈልጣ ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን
እየን፣ ዮሓ.10።5፣
ታሪኽ እተን ቅዱሳት ኣባጊዕ ክርስቶስ ጤቀላ። ማርያ። ማርታ። ኣመታ። ዓበያ ዝተባህላ ሓሙሽተ ቅዱሳት ካብ
መጽሓፈ ስንክሳር 30 ጥሪ ተርኽ፣
እዘን ቅዱሳት እዚኣተን ካህን ፎላ ብገንዘብ ተሓቢሉ ፈጣሪኡ ምስ ከሓደ። ንዓኣተን ውን ፈጣሪአን ኢየሱስ
ክርስቶስ ንኽኽሕዳ መኸረን፣ ንሳተን ግን ከምዚ ክብላ መለሳ። ወተናገሮን ፎላ ለደናግል ከመ ይኂጦን። ወፀረፋሁ “
ለካህን ፎላ። እንዘ ይብላ ኦ ወልዱ ለሰይጣን ወፀራ ለጽድቅ። እፎ ታሜክረነ ከመ ንክሐዶ ለክርስቶስ አምላክነ
ዘሎቱ ስብሐት። እንዘ አንተ መምህርነ፣ ”
ካህን ፎላ ነተን አምልኮ እግዚኣብሔር ዝመሃረን ደቁ። ነተን ቅዱስ ቍርባን ብኢዱ ዘቝረበን ደቁ። ንክርስቶስ
ንኽኽሕዳኦ ምስ ሓባበለን። ኣንታ ወዲ ሰይጣን። ኣንጻር ጽድቂ። ንስኻ መምህርና ከሎኻ ከመይ ጌርካ ነቲ “
ምስጋናን ኣምልኾን ዝግብኦ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንክሕዶ ትመኽረና ኣሎኻ በላኦ፣ ”
ካህን ፎላ ምስማዕ ምስ ኣበያኦ። ኣብ ክንዲ ምኽረን ተቐቢሉ ዝንሳሕ። በታ ቅዱስ ቍርባን ዝዓደለተን ኢዱ
ክቐትለን መጸ፣
“ወይቤላሁ ደናግል ኦ ኖላዊ ሃካይ። እፎ ታማስን አባግዒሁ ለክርስቶስ እንበይነ ፍቅረ ንዋይ። አኮኑ ተመጠውነ
በእዴከ ሥጋሁ ወደሞ ለክርስቶስ አምላክነ። ወእንዘ ዘንተ ይትናገራ መተረ አርእስቲሆን በሰይፍ ከመ ብእሲ ምሁረ
ፀብዕ፣”
“ኣንታ ሃካይ ጓሳ ስለምንታይ ብምኽንያት ፍቕሪ ገንዘብ ኣባጊዕ ናይ ክርስቶስ ተጥፍእ፣ ብኢድካ ዶ ክቡር ደሙን ’
ቅዱስ ሥጋኡን ናይ ክርስቶስ ኣይተቐበልናን፧ ከምዚ እንዳ በላ ከለዋ ከኣ ከም ውግእ ዝተማህረ ሰብኣይ ብሰይፊ ”
ርእሰን ቆረጸን ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ስለ ዝዓጽዶ ከኣ። ነቲ ዝደለዮ ገንዘብ ከይረኸቦ ከሎ። ብኡ ብኡ በቲ ከሓዲ ንጉስ ብሰይፊ ተቖርጸ።
ቅድስት ሶስና ውን ካብ ምስቶም ረበናት ብርኽሰት ምስታፍ። ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ “
ንሕይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ። ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ። ሕይወቱ ቀቢጹ ኣብ ጸጽባሕ
መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ፣ (ማቴ 16።24-25፣ ማር.8።34-35፣ ሉቃ.9።23-24፣) ዝብል ሕጊ ወንጌል ብመንፈስ ስለ
እተገልጸላ። ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ከም ዓቢ ረብሓ ተቐበለቶ፣ ብረድኤት ኣምላኽ ድማ ብተኣምር ድኂና፣
5. ንዝጠፍኡ ጓሶት ንምምላስ ዝግበር ፍሉይ ኣገባብ ጕስነት።
ድኹም ምዃንካ ክትፈልጥ፣ ውድቀት ሓያላት ዘክር። ተስፋ ከይትቐብጽ ከኣ፣ ትንሣኤ ረሲኣን ናብ ጽድቂ ዘክር፣
ታሪኽ ኣባ ያዕቆብ ቅዱስ ወጽሙድ፣ መጽሐፈ ስንክሳር 3 የካቲት ንመልከት፣
 ጕስነት ኣባ ኣትናስዮስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣንጾኪያ። ኣብ ኣተሓሕዛ ጕዳይ ኣባ እልመፍርያን ጳጳስ (መጽሐፈ
ስንክሳር 9 ጥቅምቲ)፣
 ጥበብ እታ ጻድቕን ንጽሕትን ፈራሂተ እግዚኣብሔርን። ክብሪ እዛ ሓላፊት ዓለም እትጸልእን ኣዲኡ ንቅዱስ
መቃርስ 1 ይ። መበል 59 ሊቀ ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ዝነበረ እዩ፣ ቅዱስ መቃርስ ዝተወልደሉ ዓዲ ሳብራ ይበሃል።
ዝነበረሉ ጊዜ ከኣ። 932-952 ዓ.ም እዩ። እዛ ቅድስት ኣዲኡ ብጥበባ ከመይ ገይራ ከም ዝጓሰየቶ እምበኣር። (ኣብ
መጽሐፈ ስንክሳር 24 መጋቢት ንመልከት)፣
 ጥበብ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ዓቢይ ኤጲስ ቆጶስ ናይ ቆጵሮስ ኣብ ምፍዋስ ጕድለት ምሕረ ትን ፍቕሪ ወርቅን ኣባ
ዮሓንስ ኤጲስ ቆጶስ ናይ ኢየሩሳሌም መጽ .ስን. 17 ግንቦት፣
ሰይጣን ነቶም ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክፈታተኖም እዩ ዝነብር፣ ከይተፈለጦም ንእሽቶ
ኃጢኣት ኣብ ውሽጦም ክዘርእ ከሎ ግን። እግዚኣብሔር በቶም ታራ ሰባት ዝመስሉ ጻድቃን ገይሩ ብኣብነት
ጕድለቶም የፍልጦም፣
ንኣብነት።-
 ናይ ቅዱስ መቃርስ ድኽመት ትዕቢት እዩ ነይሩ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ናብ እስክንድርያ ናብ ክልተ ኣንስቲ ሰብ ሓዳር
ከይዱ ጕድለቱ ክእርም ኣዚዝዎ። ኣብኡ ከይዱ ከኣ ካብተን ኣንስቲ ትሕትና ተማሂሩ። ፊልክስዩ ተስእሎ ፴፯። ገጽ
፷፬፣
 ቅዱስ በብኑዳ ድኽመቱ ፍቕሪ ግንዘብ እዩ ነይሩ፣ ናብ ፈያታዊ መዐንዝር ከይዱ መንኖ ጥሪት ክመሃር
ብእግዚኣብሔር ተኣዚዙ። ከይዱ ከምቲ ፈጣሪኡ ዝኣዘዞ። ካብ ፈያታዊ መዐንዝር መንኖ ጥሪት ተማሂሩ፣ ፊልክስዩ
ተስእሎ ፴፯። ገጽ ፷፬፣
 ኣዩጳን ድኽመቱ ቍጥዐ እዩ ነይሩ፣ ናብ ኖላዊ ትሩፍ ከይዱ ካብኡ ህድኣት ክመሃር ተኣዚዙ፣ ከይዱ ከኣ ከምቲ
ፈጣሪኡ ዝኣዘዞ ካብ ኖላዊ ትሩፍ ህድኣት ተማሂሩ ተመልሰ፣ ፊልክስዩ ተስእሎ ፴፯። ገጽ ፷፬፣
እግዚኣብሔር ነቶም ዝጋገዩ ንኽምለሱ በቶም ሕይወት ዘለዎምን ዘይብሎምን ማለት። ብእንስሳታትን ብኻልእ
ነገራትን ገይሩ ምልክት ይህቦም፣ እንተ ተመልሱ ከኣ ይቕረ ይብለሎም፣
“ኣምላኽ ሓንሳእ ክልተ ሳዕ ይዛረብ።
ሰብ ግና ኣየቕልብን እዩ። (2 ዜና.36።14-17) ፣ ብሕልሚ ብናይ ለይቲ ራእይ። (ዳን.4።5-37) ፣
ንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ
ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ።
ንሰብ ካብ ግብሩ ምእን
እንኽእል፣
 “እቲ ትእዛዝ ዚሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ፣ ንዅሉ ነገር ገግዜኡን ፈፍርዱን ኣለዎ እሞ። ልቢ ጥበበኛ ኸኣ
ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ፣ መክ ” .8።5-6፣  “……. እቲ ዘመን ሓጺር እዩ። ” 1 ቆሮ.7፣29።
 “ካብ ድቃስ እትበራበርሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ሮሜ ” .13፣11።
 “… ንእግዚኣብሔር እትደልይሉ ጊዜ እዩ እሞ፣ ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፣ ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ፣ ”
ሆሴ.10።12፣
4. ዝተዋህበና ትእዛዝ።- “… ጽቡቕ ምእንቲ ክትረኽቡ ውን በቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ መንገድታት
ተመላለሱ፣ ኤር ” .7።23፣ እተን ዝተዋህባና ትእዛዛት ኣብ ክልተ (2) ክጥርነፋ ይኽእላ እየን፣
ሀ. ፍቕሪ ኣምላኽ።- ... “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ።
ዘዳ.6።5፣ ማቴ.22።37፣ ከምኡውን። እተፍቅሩኒ እንተ ኴንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ፣ ዮሓ “ ” .14።15፣
ለ. ፍቕሪ ብጻይ።- “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ። ዘሌ .19።18፣ ማቴ.22።39፣ ብተወሳኺ ውን። ማለት ኵሉ “
እቲ ሕጊ ብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ፣ ገላ ” .5።14፣ እቲ ጸገም ግን ድልዱል
መሠረት ዘለዎ ፍቕሪ ኣምላኽ ከይሓዝና። ንብጻይና ከም ነፍስና ከነፍቅሮ ከቶ ዘይከኣል ምዃኑ እዩ፣ ማለት
ብቐዳመይቲ ትእዛዝ ዝወደቐ ብኻልኣይቲ ትእዛዝ ክዕወት ይኽእል ኢልካ ምሕሳብ። ከቶ ዘይከውን ነገር እዩ፣
5. ዝተዋህበና መክሊት።- ዝተዋህበና መክሊት ብዓቐንን ብዓይነትን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ነቲ ዝተዋህበና ኣርቢሕና
(ኣብዚሕና) ናይ ምጽናሕ ግን ግዴታና እዩ፣
መክሊትና ኣርቢሕና እንተ ጸኒሕና። -
 ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ተባሂልና ንምጐስ፣ ማቴ .25።21፣
 ብፁዓን ኣገልገልቲ ተባሂልና ንጽዋዕ። ማቴ .24።46፣
 ናብ ሓጐስ ጐይታና ንኣቱ፣ ማቴ .25።21፣
 ኣብ ዓሰርተ ኣህጉር ንሽየም፣ ሉቃ .19።17፣
መክሊትና እንተ ዘየርቢሕና ግን። -
 ክፉኣትን ሃካያትን ኣገልገልቲ ተባሂልና ንውቀስ፣ ማቴ .25።26፣
 ኣብ ሒደት ስለ ዝዓመጽና ኣብ ብዙሕ ዓመጽቲ ንብሃል፣ ሉቃ .16።10፣
 ዝተዋህበና መክሊት ንሕደግ (የግድፈና)፣ ማቴ.25።28፣
 ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ንድርበ፣ ማቴ .25።30፣
 ግዴና ኣብቲ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ዘለዎ ይኸውን፣ ማቴ .8።12፣ 25።30፣
እቲ ናጻ ምርጫ ግን ንዓና እዩ ተዋሂቡ፣ ሲራ .15።15-17፣ ብግብሪ ዝመረጽናዮ ከም ዝወሃበና ከኣ ኣይንዘንግዕ፣
6. ዝተዋህበና ሕይወት።- እዛ ሕይወት እዚኣ። ፍረ ኵሉ ህያባት እግዚኣብሔር እያ፣ ፍረ ድሕሪ ተግባር ስለ ዝኾነ።
ንቕድም ንዝተዋህበና ውህበት ብግቡእ ክንትግብርን ክንፍጽምን የድሊ። እዛ ሕይወት ኣዚኣ። -
 ብቓል እግዚኣብሔር ዝቖመት ኮይና። ብእኡ ኸኣ ትነብር፣ ዘዳ .32።47፣ ማቴ.4።4፣
 ካብ ልቢ ኸኣ ትፍልፍል፣ ምሳ .4።22፣
 ቀንዲ ዕዮኣ ንኣምላኽ ምምስጋን እዩ፣ መዝ .63።4፣ 104።33፣
 ካብ ክርስቶስ እያ፣ ፊል .1።21። ምሳ.8።35፣
 ብክርስቶስ ኣሚና ምስ እትነብር ከኣ። ዘለዓለማዊ ሕይወት ትወርስ፣ ዮሓ .3።36፣
ኣምላኽውን ነዚ ሕይወት ዚ ክንበቅዕ ኣቐዲሙ ሕይወት ሕረዩ ኢሉና እዩ፣ ሕይወትን ሞትን፣ በረኸትን መርገምን ’ “
ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ። ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም፣ እምበኣርሲ ንስኻትኩምን
ዘርእኹምን ብሕይወት ምእንቲ ክትነብሩ፣ ሕይወት ሕረዩ፣ ዘዳ .30።19፣
10. መደምደምታ፣
ስለዚ ባህርይ እቲ ሕያዋይ ጓሳን ጕስነቱን ኣገልግሎቱን ምስ ባህርይናን ኣገልግሎትናን ብምዝማድ። ንሕሊናና
ዘቕስን ኣገልግሎት ኣሎና ንብል እንተ ዄንና። ነቲ ዘሎ ግቡእ ኣገልግሎት ከይዝረፈና ኣጥቢቕና ክንሕዞ ይግብኣና፣
እግዚኣብሔር ዘይከብረሉ ሓሳብን ግብርን ጠባያትን ኣሎና ኢልና ንስከፍ እንተዄንና ግን ካብ ሕይወትና ቆሪጽና
ክንድርብዮ ይግብእ፣ እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጉርሕን። ግብዝናን ቅንእን። ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ፣ “
እግዚኣብሔር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ። ብእኡ ንምድኃን ምእንቲ ክትዓብዩ። ከምቶም ሕጂ
ዝተወልዱ ሕፃናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ በሃግዎ፣ ”1 ጴጥ.2።1-3፣
“ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ክፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሓቕ፣ ኤፌ ” .4።31፣
“ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ኵራ ምንጽርጻር ክፍኣት ጸርፊ ዜሕፍር ዘርባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ፣ ”
ቆላ.3።8፣
“እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን ንምህናጽ ውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር። ዘይጠቅም ዘረባስ
ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፣ ኤፌ ” .4።29፣
“ምእንቲ ዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደመና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና። ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ’
ኃጢኣትን ነርሕቕ፣ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግሥቲ ንጕየ፣ ዕብ .12።1፣
“ለይቲ ሓሊፋ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ። ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ ኣድዋር ብርሃን ንልበስ፣ ሮሜ .13።12፣
እምበኣርከስ ነቲ ሕያዋይ ጓሳን መጓሴኡን መሲልና መጓሴና ክንመርሕ። ዝተዋህበና ጸጋ ኣብ ዝተዋህበና ጊዜ
ክንሰርሕ። ዝተዋህበና መክሊት ንዓናን ንመጓሴናን ከም ዝጠቅም ጌርና ከነርብሕ። ሕይወትናን ሕይወት መጓሰናን
ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኪኸውን ክንጽዕር። ዘለዓለማዊት ሕይወት ለቢስና ኣብ ዘለዓለማዊት መንግስቲ ንዘለዓለም
ክንነብር። ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ስድራቤቱ ንኣምላኽ ተባሂልና ብትንሣኤ ሕይወት ክንሓብር። ናይ እግዚኣብሔር
ጸጋን ምሕረትን። ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ጸሎትን። ናይ ቅዱሳን ነቢያት ሓዋርያት
ሰማዕታት ጻድቃን ትጉሃን መላእክት ትራዳእነት ኣይፈለየና፣
ኣምላከ ሰላም መድኃኔ ዓለም
ነባሪ ሰላም የውርደልና ! አሜን፣
ቲ ኺመልሶ።
ካብ ትዕቢቱ ውን ኪስውሮ።
ንነፍሱ ኻብ ዓሚቝ ምእንቲ ኺባልሃ።
ንሕይወቱ ውን ካብ ሴፍ ምእንቲ ኬናግፋስ።
ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ ።
ንተግሳጹ ይሓትሞ። ኢዮ .33።14-18፣
“ብሰንሰለት እንተ ተኣስሩ።
ብግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ።
ንሱ ንተግባሮም።
ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም፣
እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ።
ካብ ኃጢኣት ኪምለሱ ይእዝዞም፣
እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ።
መዓልታቶም ብሠናይ።
ዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ፣
እንተ ዘይሰምዑ ግና፣ ብሰይፊ ኪጠፍኡ።
ብዘይ ፍልጠት ውን ኪሞቱ እዮም።ኢዮ .36።8-12፣
ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖ።
ብጭንቀት ውን ንእዝኖም ይኸፍቶ፣ ኢዮ .36።15፣
ካብቶም ብሽጋርን ብጭንቅን ዝተመልሱ፣ - ታሪኽ ምናሴ ወዲ ህዝቅያስ ንመልከት። 2 ዜና.33።10-14፣
ካብቶም ተገሲጾምን ተመኺሮምን መጠንቀቕታ ተቐቢሎምን ዘይተመልሱ ኸኣ። ታሪኽ እንዳ ሊቀ ካህናት ኤሊን
ካህናት ደቁ ኣፍኒንን ፊንሃስን ንመልከት። 1 ሳሙ.2።12
በለዓም እቲ ረኣዪ ውን ገጽ እግዚኣብሔር ንምርኣይን ድምጹ ንምስማዕን ዘይበቅዕ ስለ ዝነበረ። ብቓል በሃም ኣድጊ
እንተ ተገሰጸ እኳ። ንረሲእነቱን ንዓመጽኡን። ወሰኸሉ እምበር ኣየቋረጾን፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ንዘለዓለም ኣብ
ታሪኽ ክውቀስ ይነብር ኣሎ፣
“ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ። መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ፣ ስለ ኣበሳኡ ግና
መግናሕቲ ተቐበለ፣ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት፣ ንጽላለ እቲ ነብዪ ኸኣ ዐገተት፣ 2 ጴጥ.2።5-16፣
“ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር ንጣዖታት እተሓርደ ኪበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሃሮ
ምህሮ በለዓም ዝሓዙ ስለ ዘለዉኻ ግና ቅሩብ ነገር ረኺበልካ ኣሎኹ። ራእ .2።14። እቲ ዘገርም ከኣ። በለዓም እኳ እንተ ሓለፈ። እቲ ንሱ ዘስተምሃረ ስሕተት ክሳብ ሕጂ ንቤተ ክርስቲያን የድሚ ምህላዉ እዩ፣
6. ባህርይ ዓሰባ።
 ሃይማኖት መጋባበሪ ከንቱ ረብሓ ስለ ዝመስሎ፣ (1 ጢሞ.6።4-5) ብጉልባብ እቲ ዝተዋህቦ መንፈሳዊ ጕስነት ኣብ
ስርቅን ዓመጽን ምጥፍፋእን ምፍልላይን ይነብር። በዚ ምኽንያት ከኣ ሰራቕን ጕሒላን ዝብል ናይ ግብሪ ስም
ተዋሂብዎ ኣሎ፣ ዮሓ .10።1።
 ዓሰባ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ሓላፊ ጥቕሚ እምበር። ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ሕይወቱን ሕይወት መጓሲኡን ኣይግደስን፣
ተዅላ ክርኢ ከሎ ከኣ ነተን ናይ ዓሰባነት ኣባጊዑ ገዲፉ ይሃድም፣ ዮሓ .10።12።
 ንጊዜ ብድልየቱ ስለ ዝሰርዖ ጐይታይ ይድንጒ እዩ ኢሉ ይሓስብ፣ ነቶም ብጾቱ ይወቕዖም። ምስቶም ሰኽራማት
ከኣ ይበልዕን ይሰትን፣ ማቴ .24።48-49፣ ታሪኽ ናይቶም ንዘይጥቀምሉ ረብሓ ክብሉ። ንኣልኣዛር ሊቀ ካህናትን
ሰበይቱ ሰሎሜን (መብክዩ) ሸውዓተ ደቆምን። ማለት ንዒሞ። እንጦኒቶስ። ዖዝያ። ኣልኣዛር። ኣስዮና። ሰሙና።
መርክሎስ ንኣንጥያኮስ ዓላዊ የሕሊፎም ዝሃብዎ ሰለስተ ካህናት ማለት ስምዖን። ኣልፍሞስ። መባልስ፣ ታሪኽ ካብ
መጽሓፈ ስንክሳር 8 ነሓሰ ንመልከት፣
 ካብ ፍርሃት እግዚኣብሔር ፍርሃት ሰብ ስለ ዘቐድም። ፍቓድ ኣምላኽ ገዲፉ ፍቓድ ሰብ ክፍጽም ይነብር እሞ።
ኣብ መወዳእታኡ ዘለዓለማዊ ኵነኔ ይወርስ። ማቴ .25።24-30፣
 ዝብሎን ዝገብሮን ስለ ዘይፈልጥ። ምስ ፈጣሪኡን ቅዱሳንን ከይተረፈ ይጻረፍን ይፈርድን፣ ብድፍረት ከኣ ኣብ
ልዕሊ ፈጣሪኡ። ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ዘይበተንካዮ ውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጠካ እየ፣ “ ”
ብምባል ንፈጣሪኡ ይኸስስን ይጸርፍን፣ ማቴ .25።24፣ ከምኡውን ይነቅፍን የዕዘምዝምን፣ ማቴ .20።11፣
ሉቃ.19።7፣
 ንድልየቱ ብኃይልን ብዓመጽን ከተግብር ይደሊ፣ 1 ሳሙ.2።12-18፣ 1 ጴጥ.5።2፣
7. ኣገባብ ጕስነት ዓሰባ።
 ንኸንቱ ረብሓ ብግዲ ይጓሲ። -
 ኣንጻር እቲ ዝሰብኮ ይነብር፣ ወይ ኣንጻር እቲ ዝነብሮ ይሰብኽ። - ነቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሸለል
ብምባል ከኣ። ንባዕሉ ካብ ስነ -ምግባር ወጻኢ ኰይኑ ስነ -ምግባር ይምህር፣ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን። “
ግናኸ ይብሉ ደኣ እምበር ኣይገብሩን እዮም እሞ። ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ፣ ከቢድን ምጽዋሩ ዘይጥዕምን ጾር
ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ። ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ ኳ ኣይፈትዉን፣ ማቴ ’ .23።3-4፣
8. ባህርይ ተዅላ (ሰይጣን) ።
 ኣቦ ሓሶት ስለ ዝዀነ ኣምላኽነት ብሓሶት ክምንዝዕ ብምፍታኑ። ካብ ሰማያት ናብ ሲኦል ተደርበየ፣ ኢሳ .14።12-
16፣
 በተን ንሱ ዝወደቐለን ሓሶትን ትዕቢትን ህርፋን ኣምላኽነትን ሽመትን ገንዘብን ገይሩ ከኣ ካብ ጥንቲ ክሳብ ሕጂ፣
ነቶም ውዲቱ ዘየስተውዓልሉ ነፍሳት ከውድቕ ይነብር፣ ዘፍ .3።1-7፣ ማቴ.24።24፣
 ሰራቒ ስለ ዝዀነ። በጀካ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ፣ ዮሓ .10።10፣  ኵሉ ጊዜ ንሕሩያት ኣምላኽ ኪወቕሶምን ኪኸሶምን ድቃስ ዘይብሉ ይሓድር፣ ኵሉ ጊዜ ከኣ በቲ ዝወቕሶም
ወቐሳን ክስን ክሓፍር ይነብር፣ ኢዮ .1።9-11፣ ራእ.12።10፣ ዘካ.3።1-3፣
 እንተ ኽኢሉ ማለት ዕድል እንተ ረኺቡ። ስርናይ ሚሑ ኣብ ቦታ ስርናይ ክርዳድ ክዘርእ። ዕድል እንተ ዘይረኺቡ
ከኣ ኣብቲ ስርናይ ዝተዘርኦ ቦታ ብለይቲ (ብጸልማት) ክርዳድ ይሕውስ፣
 ማቴ.13።19,25፣ ዮሓ.13።2-27፣
9. ጕስነትና ኪጸንዕ። ዝተዋህበና ውህበት ኣጽኒዕና ምሓዝ፣
“ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ። ሓደ ኳ ኣኽሊልካ ከይዝርፈካ። ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ፣ ይብል። ራእ ’ ” .3።11፣ ከምኡ
ውን። ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ፣ ራእ “ ” .2።25፣ እቲ ዘሎኩም ዝብለና ዘሎ እምበኣር።
ነቲ ዝተዋህበና ጽቡቕን ምሉእን ውህበት ኣጽኒዕና ክንሕዞ እንተ ዄንና። ነዚ ዝተዋህበና ውህበት። ምፍላጡን
ምዕቃቡን ፍረ ምፍራዩን ውን ናትና ግደ ምዃኑ ብግልጺ ክርድኣና ኣለዎ፣
ካብቲ ብዙሕ ዓይነት ውህበታት ዝተዋህበና። ንኣብነት። -
1. ዝተዋህበና ጸጋ።
2. ዝተዋህበና ሥራሕ።
3. ዝተዋህበና ጊዜ።
4. ዝተዋህበና ትእዛዝ።
5. ዝተዋህበና መክሊት።
6. ዝተዋህበና ሕይወት
1. ዝተዋህበና ጸጋ።- በበይኑ ዓይነት ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘሎ። (1 ቆሮ.12።4-11) ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ፣
እንተ ዀነ ግን ከምቲ ዝግባእ እንተ ዘይሰሪሕናሉ። ካባና ስለ ዝውሰድ። እቲ ዝተዋህበና ጸጋ ኣለሊና። ብእኡ
ክንሰርሕን ፍረ ከነፍርየሉን ይግባእ፣ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ “
ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ፣ ” 1 ጴጥ.4።10፣
2. ዝተዋህበና ሥራሕ።- ኣብ ዝተዋህበና ሥራሕ ትግሃት። ኣብ ግዜኡ ምፍጻም፣ ምስትውዓል። እሙን ምዃን። …
ወዘተ ዘድሊ እኳ እንተ ዀነ። ሓለፋ ኵሉ ግን ንእግዚኣብሔር ኣብ ቅድሜና (ምሳና) ጌርና እንተ ሰሪሕና ዕዮና
ይቐንዓልና፣ እግዚኣብሔር ምስ ዮሴፍ ነበረ እሞ። ንሱ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ኰነ። ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ “
ጐይታኡ ድማ ነበረ፣ ጐይታኡ ኸኣ እግዚኣብሔር ምስኡ ከም ዘሎን። ንሱ ዝገበሮ ኵሉ ድማ እግዚኣብሔር ኣብ
ኢዱ ኸም ዘቕንዓሉን ረኣየ፣ ዘፍ ” .39።2-3፣
3. ዝተዋህበና ጊዜ።- ልዕሊ ዅሉ ነቲ ጊዜ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ፣ እንተ ፈሊጥናዮ ጥራይ ኢና ኸኣ ክንሰርሓሉ
የነታ ጥበቡን ካልኦት ናይ ሃገርና መምህራን ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ጎንደርን ጎጃምን ብምዛር ንወልጌል ፍቅሪ ንክርስቶስ ንሃዋርያን ንምምሳል ንደቂ ዓዶም ክብሉን ዝተምሃሩ ሊቃውንቲ ንሕና ሎሚ ኣብ ዓራትና ኣማሚቅና ክንሰምዖም ክንመሃረሎም ተሸጊርና ንሶም ግን ክንደይ እዮም ከርቲቶም እሞ ኣብ ዩቲቭ ኣቲና ዋጋ ጻዕሮም ንኩላቶም ንፈልጦ ሼር እንዳበልና ንክፈሎም እዞም የሕዋትና እዚኣ ነዓና ኣይትጎድኣናን ኢያ ኣይንከፍለላን ኢና ንዕዖም ግን ምትብባዕ እያ ኩላትና ዲቂ ተዋህዶ ንሳተፍ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንነብስናን ነብሲ የሕዋትና ካብ መናፍቅንን ኣረማውያን ተሃድሶስ ነውጽኣያን ነድሕናንን ሼር ሳብስክራይብን ኣይንሕመቅ።
በስመ ኣብ፥ ወወልድ ፤ወመንፈስቅዱስ፥ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

7ተ ሊቃነ መላእክት ዝበሃሉ
ቅዱስ ሚካኤል
ቅዱስ ገብርኤል
3. ቅዱስ ሩፋኤል
4. ቅዱስ ኡራኤል
5. ቅዱስ ራጉኤል
6. ቅዱስ ፋኑኤል
7. ቅዱስ ሳቁኤል

7ተ ኪዳናት ዝበሃሉ
1. ኪዳነ አዳም
2. ኪዳነ ኖህ
3. ኪዳነ መልከ ፀድቅ
4. ኪዳነ ኣብርሃም
5. ኪዳነ ሙሴ
6. ኪዳነ ዳዊት
7. ኪዳነ ምህረት እዮም

7ተ ኣጽማዋት ዝበሃሉ
1. ዓቢ ፆም (ጾም ኣርብዓ)
2. ናይ ሃዋርያት ፆም
3. ጾመ ፍልሰታ
4. ፆመ ነብያት
5. ፆመ ገሀድ
6. ፆመ ነነዌ
7. ፆመ ድሕነት እዮም

7ተ ናይ ጸሎት ጊዜያት
1. ናይ ንጉሆ ዝጽለ ጸሎት ወጋሕታ ስዓት 6
2. ናይ ስዓት 9 ንጉሆ ጸሎት
3. ፍርቂ መዓልቲ ወይ 12 ስዓት ፋዱስ ዝጽለ ጸሎት
4. ናይ ድሕሪ ቀትሪ ስዓት 03 ዝጽለ ጸሎት
5. ኣጋ ምሸት ስዓት 05 ዝጽለ ጸሎት
6. ናይ ምሸት ስዓት 09 ዝጽለ ጸሎት
7. መንፈቕ ለይቲ 12 ዝጽለ ጸሎት

7ተ ሚስጥራተ ቤተክርስቲያን ዝበሃሉ
1. ሚስጥረ ጥምቀት
2. ሚስጥረ ሜሮን
3. ሚስጥረ ቁርባን
4. ሚስጥረ ክህነት
5. ሚስጥረ ተኽሊል
6. ሚስጥረ ንሰሓ
7. ሚስጥረ ቀንዴል እዮም

7ተ ሰማያት ዝባሃሉ
1. ጽርሃ ኣርያም /ካብ ሰማያት ሰማያት
2. መንበረ መንግስቲ /መንበረ ብረሃን መንበረ ፀባኦት መንበረ ስበሃት
3. ሰማይ ውድድ /መንበረ መንግስት ዝተዘርገሓሉ
4. እየሩሳሌም ሰማያዊት መንግስተ ሰማያት
5. እዮር
6. ራማ
7. ኤረር /ናይ መላእኽቲ ከተማ እዮም

7ተ ኣቦታት ዝባሃሉ
1. ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ልዑል እግዚአብሔር
2. ናይ ንሰሓ ኣቦ/አባት ነፍሲ
3. ወላዲ ኣቦ
4. ናይ ክርስትና ኣቦ
5. ናይ ጡብ ኣቦ ማለት /ዘይወለደካ ግን ከም ኣቦ ኮይኑ ዘዕቢ
6. ናይ ስልጣን ኣቦ/ ናይ ሃገር መራሒ
7. ናይ ቀለም ኣቦ ብ መንፈሳዊ/ ወይ ብ ዓለማዊ ዝምህሩ እዮም።

7ተ ኣነ እየ ዝበሎም ጎይታ
1. ናይ ሂወት እንጀራ ኣነ እየ _ ዮሐንስ 6÷35
2. ናይ ዓለም ብርሃን ኣነ እየ_
ዮሐንስ 8÷12
3. ኣፍ ደገ ( በሪ) ኣነ እየ _ ዩሓንስ 10-9
4. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ _ ዮሐንስ 10÷11
5. ትንሳኤን ሂወትን ኣነ እየ_
ዮሐንስ 11÷25
6. መንገድን ሓቅን ሂወትን ኣነ እየ___ ዮሐንስ 14÷
7. ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ኣነ እየ___ ዮሐንስ 15÷1

7ተ ቃላት ጎይታና ኣብ መስቀል ዝተዛረቦም
1. ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ___ ማቴ 27÷46
2. ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም ሞ ይቕረ በለሎም___ ሉቃ 23÷34
3. ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ___ሉቃ 23÷43
4. ንድንግል ማርያም እንሆ ወድኺ በላ፡ ንዮሃንስ ድማ እነሀት ኣዴኻ በሎ ። ዮሓ፡ 19÷26--27
5. ጸማእኩ___ ዮሐንስ 19÷30
6. ኦ ኣቦ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቁባ ኣለኹ በለ።__ ሉቃ 23÷46
7. ተፈፀመ _ዮንሐስ 19÷30

7ተ ናይ ክርስቶስ መንነት ዝምስክሩ
1. ናይ ባህሪ ኣቦ ምስክርነት
ዮሐ 5=34÷37 8÷18
2. ባዕሉ ወልድ ናይ ክርስቶስ ምስክርነት___ ዮሐ 8 ~18~58
3. ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስክርምነት__ ዮሐ 15፦ 26 ÷16 ÷12
4. ን ሃዋርያት ዝሃቦም ምስክርነት__ ዮሐ 5÷36--10-- 25
5. ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ምስክርነት__ ዮሐ 5÷39 ~46
6. ናይ መጥምቁ ዮሃንስ ምስክርነት___ ዮሐ 1 ÷7--5--33
7. ናይ ተማሃርኡ ምስክርነት__ ዮሐ 15÷27~ 19~35 እዮም

7ተ ተአምራት ጎይታና ምስ ተሰቕለ ጊዜ
1. ፀሓይ ጸልመተት
2. ወርሒ ደም ሰሪባ
3. ከዋኽብቲ ረጊፎም
4. እምባታት ጎቦታት ተሰናጢቖም
5. መቓብራት ተኸፍቱ
6. ምውታት ተንስኡ
7. ናይ ቤተመቕደስ መጋረጃ ተተርተረ

7ተ ብ እግዝኣቢሄር ዝፍንፈኑ ነገራት
1. ትዕቢተኛ ዓይኒ
2. ሓሳዊት መልሓስ
3. ናይ ንጹሃን ደም እተፍስስ ኢድ
4. ክፏእ ሓሳብ ዘፈልፍል ልቢ
5. ናብ ኩፋእ ነገር እትጎዪ እግሪ
6. ብሓሶት እትምስክር ሓሳዊት መልሓስ
7. ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ጽልኢ ዝተክል

12ተ ናይ ድንግል ማርያም ኣስማት
1. ወላድተ አምላክ-------ማቴ 1÷21
3. ናይ አምላኽ ኣደ ------ሉቃ 1÷40
4. ዘልኣለማዊት ድንግል-----ህዝቄ 40÷2
5. ብርኽቲ ----ሉቃ 1÷42
6. ብጽእቲ---- ሉቃ 1÷49
7. ንግስቲ ናይ ኩሉ ----መዝ 44÷9
8. ናይ ዓለም ንግስቲ-------መዝ44÷9
9. ኣደ ናይ ኩሉ ሰብ----------መዝ86 ÷5
10. ኣማላዲት---------'ዮሐንስ 2
12. ናይ ድሕነትና ናይ ኣምላኽ ኣደ-------መዝ 59÷4 ኢሳ 7÷1።

7ተ ኣብ ግዜ ሓደጋ ዝንበቡ
1. ክኸፍኣካ እንከሎ__ ዮሐንስ 14
2. ሓጥያት ምስ እትሰርሕ__ መዝሙር 51
3. ምስ እትጭነቕ__ መቴወስ 6 19÷34
4. ሓደጋ ምስ ዘጋጥም____መዝሙር 19
5. ሰላምን ዕረፍትን ምስ ዝርሕቐና___ ማቴ 11 ÷25--30
6. ጁባና ባዶ ምስ ዝኸውን____መዝሙር 37
7. ብሕትውና ምስ ዝስመዐና ____መዝሙር 23

6ተ ቃላተ ኢየሱስ ክርስቶስ ብትሪ ዝተዛረበን
1. ኣብ ሓዉ ብከንቱ ዝተቖጠዐ ክፍረዶ እዩ
2. ን ጓል ኣንስተይቲ ብዓይኑ ሪኡ ዝተመነያ ፡ ኣመንዚሩ
3. ብዘይ ዝሙት ምኽንያት ሰበይቱ ዝፈትሐ፡ ዝተፈትሐት ዝተመርዓወ አመንዚሩ
4. ፈጺምኩም ኣይትምሓሉ
5. ክፋእ ብኽፋእ ኣይትመልሱ
6. ጸላእትኹም ኣፍቅሩ

4ተ ወንጌላውያን ዝባሃሉ
1. ማቴዎስ
2. ማርቆስ
3. ሉቃስ
4. ዮሐንስ እዮም

5ተ ናይ ሕጊ መጽሓፍቲ
1. ኦሪት ዘፍጥረት
2. ኦሪት ዘለላውያን
3. ኦሪት ዘፀአት
4. ኦሪት ዘውልቁ
5. ኦሪት ዘዳግም እዮም

5ተ አእማደ ሚስጥራት
1. ሚስጥረ ስላሴ
2. ሚስጥረ ስጋዊ
3. ሚስጥረ ጥምቀት
4. ሚስጥረ ቁርባን
5. ሚስጥረ ትንሳኤ ሙታን

5ተ ቅንዋተ መስቀል
1. ሳዶር
2. እላዶር
3. ዳናት
4. አደራ
5. ሮዳስ እዮም

8ተ ናይ ዓቢ ፆም ሰሙናት ዝባሃሉ
1. ዘወረዴ__ 5. ደብረ ዘይት
2 .ቅድስት___ 6. ገብርሄር
3. ምኩራብ _ 7. ኒቆድሞስ
4. መፃጉኡ__ 8. ሆሳእና ትንሳኤ ፍሲካ እዮም

12ተ ሃዋርያት
1. ጴጥሮስ--------- 7. ማቴዎስ
2. እንድሪያስ------ 8. ቶማስ
3. ያእቆብ--------- 9. ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ
4. ዮሐንስ----------- 10. ስሞኦን
5. ፌሊጶስ-------- 11. ታዴዎስ
6. በርተለሜዎስ------- 12. ንሞት ኣሕሊፋ ዝሃቦ ይሁዳን እዮም።

10ተ ትእዛዛት
1. ካባይ ካብ እግዝኣቢሄር ኣምላኽካ ወጻኢ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽ
2. ናይ እግዚአብሔር ስም ብከንቱ ኣይተልዕል
3. ሰንበት ኣኽብር
4. ኣቦኻን ኣዴኻን አኽብር
5. ኣይትቕተል
6. ኣይትዘሙ
7. ብሓሶት ኣይትመስክር
8. ናይ ሰብ ገንዘብ ኣይትድለ
9. ኣይትስረቕ
10. ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር

ወስብሓት ለእግዚኣቢሔር ልኡል
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር
💡``ክፋትን ከአንተ አርቃት``💡

🪔 ምክር ዘቅዱስ ባስልዮስ🪔

"ሰይጣን ክርስቶስ በልብህ ውስጥ ያለ መሆን አለመሆኑን ያውቃል፡፡ ይኸውም ስትቆጣ ወይም ስትጮህ ወይም የማይረቡ ከንቱ ነገሮችን ስትናገር ሲያይህ ጠላት በአንተ ዘንድ እግዚአብሔር እንደሌለ ያውቃል ያን ጊዜ በውስጥህም በውጭህም ያለውን ሳይቀር ይገዛል ፤ መዝጊያ እንደሌለው ቤት እንደ ክፉ ሌባ ይገባና ውስጥህን ይበረብረዋል፡፡"


J0IN👉 @Gubaye_Afe_Werk💡