ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና
295 subscribers
351 photos
37 videos
8 files
199 links
Download Telegram
Watch "ከመይ ገርና ብ account bank ን ገዳማት ኤርትራ ንሕግዝ ?" on YouTube
https://youtu.be/C-AZiqloWZw
Watch "lisan tewahdo web TV: ሌላ ምስ ገዳም ደብረደናግል ቅድስት ድምያና (ቀዳምይ ክፋል)" on YouTube
https://youtu.be/oc0HZsakXUc
ነዚ ዝመስል ገዳማት ኤርትራ ናብ ካልእ መኣዝን ሒዙ ሰብ ከም ዝሰኣነ ካብ ዝባድም ሕጂ ንተንስእ ኢድና ንሓውስ ኣብ ውሕስነቱ ንሕና ኢና ነድልዮ ድምጹ ንስመዓዩ ስቅ ኢልና ዓዲ ጓና ኣይንሰደድ የሕዋት ንንቃሕ ጽባሕ ጽላል ከይንስእን ሎሚ ንስራሕ ንትከል ዓንዲ ንመዋእል ነባሪ ኣብ ድገ ኣይኮነን ምንባርና ንእተው ደጋ ውሻጠና ንሱ እዩ ዘማሙቀና።
#ኢንህድግ ማኅበረበነ

#ኣብኤርትራ #ኣብምህናጽሓድሽ #ገዳምእጃምና #ከነበርክትንሕተት!!

እዚ ኣብ ኤርትራ ዞባ ማእከል ን/ዞባ ጋላ ነፍሒ ኣብ ዓዲ ሓዉሻ ክህነጽ ተሓሲቡ ዘሎ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማእት ቅድስት ኣርሴማ፡ ብቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፍቓድ ረኺቡ ብህዝቢ'ውን ድጋፍ ምብርካቡ ምእመናን ዓቕሞም ዘፍቐደ ኣብ ምብርካት ይርከቡ ከምዘለዉ ምስ ሓንቲ ካብተን ወከልቲ ገዳም ዝኾነት ኣዴና ኢታይ ወለተሚካኤል ኣብርሃም ብቴሌፍን ኣብ ዝገበርክዎ ዝርርብ ሓበሬታ ክረክብ ክኢለ ኣለኹ።

ብዘይካዚ እቲ ገዳም ኣብ ምህናጹ ገና ይበጋገስ ከምዘሎን ብፍላይ ድማ ህዝቢ ዓዲሓዉሻን ከባቢኣን ብንዋቱ፡ ብጉልበቱን ብገንዘቡን እጃሙ የበርክት ከምዘሎን ካልኦት መንግስታዊ ትካላት'ዉን ይሳተፉሉ ከምዘለዉ ጠቒሳትለይ።

ኣብ ርእሲ'ዚ እቲ ገዳም ተሃኒጹ ምስ ተዛዘመ ክኒዮ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃቡ፡ መንበሪ ገዛውቲ፡ ናይ ኢደ ጥበባት መሳርሒን መእከቢን ኣዳራሻት ከምኡ’ውን መቐበሊ ኣጋይሽን ካልእን ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ደብረ ደናግል፡ ናይ ኣንስቲ መነኮሳይያት በይነን ንዋየ ቅድሳት እናሰርሓ፡ ርእሰን ምስ ከኣላ ብእአን ዝመሓደር ኮይኑ #መዕበይዘክታማትን #መዕለይጽጉማትን ዝጠርነፈ ሰፊሕ መደባት ኣለዎ።

ስለዚ ምህናጽ ናይቲ ገዳም ኣብ መዕለቢኡ ምእንቲ ክበጽሕ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ደገን እንርከብ ግዱሳት ዜጋታት እጃምና ብምብርካት ተኻፈልቲ በረኸት ንኩን ይብል።

ዓዲሓዉሻ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ደቡብ 14 ኪ.ሜ. ርሒቃ እትርከብ ዓዲ እያ።

ናይቲ ገዳም ቁጽሪ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ A/C 17593

ብናይ ወጻኢ ባጤራ ሓገዝኩም ክተበርክቱ ንእትደልዩ ድማ C/A 00-02-02-1784 ኢልኩም ክትጥቀሙ ትኽእሉ።

ንዝያዳ ሓበሬታ

ወኪልቲ ናይቲ ገዳም

1. ኢታይ ወለተ ሚካኤል ኣብርሃም ቁ.ቴ. 00-291-7-49-10-95

2. ኢታይ ወለተ ተክለሃይማኖት ገብራይ 00-291-7-62-90-95

3. ኢታይ ወለተስላሴ ተስፋሚካኤል 00-201-2769-04671

ብምድዋል ምዉካስ ይከኣል።

ሼር ምግባርዉን ዓቢ ሓገዝ እዩ'ሞ ሃየ ሼር ንግበሮ ክቡራት የሕዋት።

ወድሓንኩም።
ምትሕግጋዝ ባህልና እዩ!
ፈጣሪ ንሃርናን ህዝብናን ይባርኽ!

#ፓሎ-ዘ-ፓራዲዞ
29/10/2020
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

“ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም።” ማቴ. ፭፥፲፬/5፥14

ሓፂር ታሪኽ ሕይወት መምህር ኣካለ ወልድ ቀሺ መሓሪ ገብረ

ሓደ ካብቶም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ እትሕበነሎም ብሊቅነቶም ዝፍለጡ፣ ብመምህርነቶም ዘብርሁ፡ ብመንፈሳውነቶም ኣርኣያ ዝኾኑ መምህር ኣካለ ወልድ እዮም። መምህር ኣካለ ወልድ ካብ ኣቦኦም ቀሺ መሓሪ ገብረን ኣደኦም ወ/ሮ ቅዱሳን ተማኑን፡ ብዕለት ፲፮ የካቲት ፲፰፺፯ ዓ.ም./ 24 የካቲት 1905 ኣብ ዞባ ማእከል ሎጎ ጭዋ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ኸፈለት ተወልዱ። ጸጋ ጥምቀት ክብረ ውሉድነት ተቐቢሎም ብጸጋን ብቑመትን ዓበዩ። ኣብ ጊዜ ሕፃንነቶም ንኣቦኦምን ኣደኦምን ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ 10 ዓመት ዕድሜኦም ደብረ ድማኅ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣትዮም ኣብ እግሪ መምህር ገብረ እግዚኣብሔር በረከተኣብ ተቐሚጦም ፊደል ብምቝጻር ዘሎ ትምህርቲ ግብረ ዲቁናን ግብረ ክህነትን ብግቡእ ኣጠናቐቑ። ‘ቃላትካ እምብዛ ጥዑም እዩ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ።’ (መዝ. 119፥103) ከምዝብል ንቃለ እግዚኣብሔር ኣዝዮም ስለ ዘስተማቐርዎ ናብ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ደብረ ኮል ገዳም አቡነ ቡሩክ ኣምላክ (መራጕዝ) ኣትዮም ካብ መምህር ዘመንፈስ ቅዱስ መዝገበ ቅዳሴ ምስ ኣመሉ ኣጽፊፎም ተማህሩ።

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ከይተሓጽሩ ዝለዓለን ተወሳኽን መንፈሳዊ ትምህርቲ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ኣብ ዝተፈላለዩ መምህራን ተማህሩ። ብፍላይ ግና ኣብ ጎንደር ካብ የኔታ ይትባረክ ምዕራፍን፤ ጾመ ድጓን፤ ኣቋቋምን ተማሂሮም ርእሶም ዝኽኣሉ ወደ መዝሙር ኮኑ።
ቀጺሎም ካብ መምህር ልዑለ ቃል ትርጓሜ መጻሕፍትን፤ቅኔን ምስ ኣገባቡ ብዕምቈት ተማህሩ። እግዚኣብሔር፡ ነቲ ጽንዓት እምነቶምን ሥፍሓት ኣእምሮኦምን ተመልኪቱ ብርሃን ዓለም ክኾኑ ስለዝጸውዖም ብእኡ ተመሪሖም ኣብቶም ብዙኃት ሊቃውንቲ ዘፍረዩ መምህር ክፍሌ በዓል እንድርታ ኣቋቋም ምስ ይትበሃሉ ኣጠናቒቖም ብመምህርነት ተመረቑ። በዚ ከይተወሰኑ ኣብ ዙርኣባ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝማሬን መዋሥእትን ተማሂሮም ኣመስከሩ። መምህር ኣካለ ወልድ ከም እሙን ኣገልጋሊ መኽሊቶም ንኸርብሁ፡ እቲ ዅሉ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ መንበር ዘርጊሖም ንኽምህሩ ኣብ ጎንደር ወረዳ ሰቀልት ብፍሉይ ስሙ ገንደዋ ገብርኤል ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ን22 ዓመት ዝኣክል ብመምህርነት ኣገልገሉ። ብዙኃት ሊቃውንት ድማ ኣፍረዩ።
ብድኅርዚ ኣብ 1952 ዓ.ም.ግ ናብ ዝተወልድሉ ዓዶም ዓዲ ኸፈለት ተመልሱ። መንበሮም ዘርጊሖም ነቲ ዝተዋሃቦም ሃብተ መምህርነት ብዝለዓለን ብዝበለጸን ኣገባብ ን44 ዓመት ኣገልገሉ። ካብ መንበሮም ከይተንሥኡ ምስ ዝመጽኣ ተማሃራይ ኵሉ፡ ኵሉ እናኾኑ ብዓቕልን ፍቕርን ምሉእ መዓልቲ ነዊኅ ሰዓታት ይምህሩ ነበሩ። በዚ ኸኣ ብዝኆም ክንድዚ እዮም ኢልካ ንምቝጻር እኳ ዘሸግር እንተ ኾነ ብዙኃት መምህራን፣ ካህናትን፣ ዲያቆናትን ኣፍርዮም’ዮም። ብኣቋቋም፡ ብዝማሬወ መዋሥእት ብቅዳሴ ብሓፈሻ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተመሃሩ ብዙኃት እዮም። ካብቶም ዝመሃርዎም ብቐረባ ኣስማቶም ዝተፈልጡ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ሊቃውንት ኣፍርዮም እዮም። መምህር ኣካለ ወልድ ኣብ ጎንደር 22 ካብ ዓዶም ዓዲ ከፈለት ድማ 44 ብድምር 66 ዓመት ብመምህርነት ኣገልጊሎም።
መምህር ኣካለ ወልድ ብጠባዮም ምስጉን፡ ብትሕትናኦም ፍሉጥ ምስ ካህናት ኮነ ምስ ምእመናን ገጽ ቍጠዐ ከየርኣዩ ብዓቕልን ብትዕግሥትን ይነብሩ ነበሩ። ኣብ ደብረ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዝተለምደ ቀለም ከየቋረጹ፡ ጸሎተ ዜማ- ውዳሴ ማርያም ምስታ ናይ ሠርክ ዝጥዕምዋ መግቦም ዘይትተርፍ ነበረት። ድኅሪ መንበር ትምህርቲ ድማ ኵሉ ጊዜ ቅዱስ መጽሓፍን ገድለ ቅዱሳንን ዜና ኣበውን ብዘይ ምቍራጽ ዕለታዊ መግቦም ነበረ።
መምህር ኣካለ ወልድ ምሉእ ሕይወቶም ከም መላእኽቲ ኾይኑ ብንጽሕናን ብድንግልናን ከም በዓል ኤልያስ፡ ዮሓንስ፡ ጳውሎስን ካልኦት ኣበውን ተወሲኖም ዝነበሩ ንጹሕ መምህር እዮም ነይሮም።
መምህር ኣካለ ወልድ ከምቲ “ንስኻትኩም ናይ ዓለም ኣይኮንኩምን” ዮሓ. 15፥19-20 ዝበሎ ኣምላኻዊ ቓል ዕድሚኦም ምሉእ ንእግዚኣብሔር ዘገልገሉ ብቑዕ ኣቦ እዮም። ከምኡ ውን “ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም” ማቴ.5፥14-16 ብዝበሎ መሠረት ንቤተ ክርስቲያንና ብትምህርቶም መምህራንን ሊቃውንትን ብምፍራይ ኣብሪሆምዋ እዮም።
ከምቲ ነቢየ እግዚኣብሔር ዳዊት “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሔር ወይበቍሉ ውስተ ዐጸዱ ለአምላክነ/ ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ ንሳቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ዝተተኽሉ እዮም ኣብ ዓጸድ ኣምላኽና ውን ይለምዑ።” (መዝ. ፺፩/92፥12) ዝበሎ፡ መምህር ኣካለ ወልድ ቀሺ መሓሪ ድማ ምሉእ ዕድሜኦም ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ተተኺሎም፡ ኣብ ኣጸደ ቤተ እግዚኣብሔር ብዙኃት መምህራን ዝፈረዩ እዮም።
እምበኣር ኣብ መወዳእታ ኣቦና መምህር ኣካለ ወልድ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሎም ጕያኦም ወዲኦም ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ብ፫ ግንቦት ፲፱፺፰ ዓ.ም./ 11 ግንቦት 2006 ኣብ መበል 101 ዕድሜኦም ብሰላም ዓሪፎም። ሥነ ሥርዓት ቀብሮም ድማ ብኸምቲ ንሊቅነቶምን ሞያኦምን ዝግባእ ስብሓታት በጺሑ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ጊዜ ኣብ ዓዶም ዓዲ ከፈለት ሓመድ ኣዳም ለበሱ።

ቅኔ ሥላሴ ዘጥዑመ ልሳን
አመ ሐፀ ወአመ ነትገ ባሕረ ተዋሕዶ አካለ ወልድ፡
እምዋዕየ ፀሐይኅልፈት ዘሔዋ እንተ ኢይትከሀል ሞቁ ።
ቀለማት ዓሣተ ቀላይ በዋሕድ ኀልቁ።
እስመ በዐይነ ማይ ዘባሕር አካለ ወልዱ አብ ልኅቁ።
ወለመቃብር ማየ ዕመቁ።
አእጋረ ካህናት ኵሎሙ መኃልይ ተጠምቁ።
ይኩንዎ ሰማዕተ ለጽድቁ።

በረኸቶም ኣይፈለየና!
ምንጪ ልሳን ተዋሕዶ
https://lisantewahdo.org/index.php/2015-08-15-05-50-13/164-5-14

Like, follow our page
Mahliet Tube
ሰላም የሕዋት ገዳማት ምሕጋዝ ብሓሰብ እዩ እሞ ኣብ ዘዘለናዩ ኮይና ንበገስ