ጉዕዞ ናብ ገዳም ምድረከብድ ሓዳር እዩ ምክንያቱ ዓመታዊ በዓል ስለዝኮነ ዕለት 4 መጋቢት ኬድና 5 መጋቢት ድሕሪ ቅዳሴ ምምላስ ናይ መኪና ዋጋ 200 ብር እዩ ብስላም የብጽሓና ናይ በረከቱ ተሳተፊቲ ይበላና ጻድቁ። 0983340375 ደዊልና ብዘለናዩ ኮይና ክንምዝገብ ንክእል ኢና።
Solomon mehari ኩሉ ስም ወጋገን ባንክ 751190830101 ኣዋሽ ባንክ 01320192117000 ንግድ ባንክ 1000180820462 ብሰለስቲኡ ኣብ ዘዘለናዩ ክንከፍን ንክእል ኢና ምስከፈልና ግን ክንሕብር ኣለና ደዊልና ሰሰናዩ። ብሩክ ጾም ንኩልና ይግበረልና ኣሜን።
ናብ ገዳም ጻድቅ ኣቡነ ሃብተማርያም ናይ ለሚን ጸበል ዘለዎ ናይ ክፉእ ግብሪ ጸላኢ ሰናያት ዘይቀርበካ ጸበሉ ካብ ኩሉ ሕማቅ ወረ ንሰምዖ ዕጣኑ ፈዋሲ ዝኮነ ኣቦና ጻድቁ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ገዳማይ ኢካ ትቅበር ዝበልዎ ዓቢ ገዳም እዩ እሞ ዘይሰምዑ ንገርዎ እቶም ዝሰማዕኩም ድማ ጽባሕ ናይ መወዳእታ እዩ ምዝገባ ቀልጢፍኩም ተመዝገቡ ዋጋ 170 በጺሕካ ምምላስ።
ቀጻሊ ጉዕዞና ድማ ናብ ሰማእት ቅድስት ኣርሴማ ጁሩ ዘሎ ገዳማ ጸበላ ፈዋሲ ሰይጣን ዝሓፍረሉ ቦታ ሓዲርካ ምምላስ፡ቀዳም 19 ከይድና ሰንበት 20 ምምላስ ክንከይድ ንደሊ ቀዲምና ቦታ ንሓዝ
ሰብ ክጽውዕ ከሎ ይድሀ ኣምላክ ክጽውዕ ከሎስ መን እሞ ንእኡ ሰምዐ እዩ ነገሩ ሎሚ ቅነ። ኣይኮነ ዶ የሕዋት ዘገርም ዘሎ ኩነት ፍርሒ ልብና ኣትዩ ናይ መን ምኳኑ ጻዊዒት ምስትብሃል ተሳኢኑ። እወ ኢልና ከይንቅበል ተደናጊርና ናይ ዓለም መሲልና ናብ ምክልካል ፈተና ኣቲና። ኣይመስልን ግን ክንፍትን ተዛይኮይና ክንወጾ ኣብ ዜና እንዳሰምዓና ንሱ እዩ ሒዝዎ ደው ከብለልና እንዳሕር የእዊና ድምጽና ካብ ልቢ ካብ ውሽጥና ኣድሚጽና። እንተኮነ ግን ለሚድና እኮ ጠፍ ኣቢሉ ካብ ጎረቤትና ክምለስ ከሎ ነዕና ስለዘይበጽሓና ኣይመጽእን እዩ ናብና እንዳበልና ጻዊዒቱ ሸለል ኢልና ኣብ ክፉእ መገዲ ምጉዓዝ ዘይምቁራጽና። ሕጂ ግን የኣክል ደኣ ንውጻእ ካብ ክፉእ ልምድታትና ናብ ቃላቱ ነስተብህል ንጉየይ ናብ ቤት ኣምላክና ኣብኡ ንተዓቀብ ህይወት ክንረክባ ኢና ኣብ ሰማያዊት ቤትና። ናይ ዘልኣለም ናቱ ክንከውን ንገደፍ ዝሙት ስርቂ መስተ ምዕበላ ኣምሲልና ደሓር ከይከውን መላሲ ኣውያት ዘይብሉ ጥፍእትና። ሓድራ ሕዝቢ ኣምላክ ግዜ ተዋሂቡና ኩሎ ንስሓ ንእተው ናብ ኣቦታትና ኣብ መወዳእታ የለን እዚ ዕድል ዓለምና ንርእያ ኣለና ካብ ሰማይ እንበር ካብ ምድሪስ ተስፋ ሲኢና እያ ዘላ። ንሕናስ ንፈልጥ እኮ ሳላ እምነትና ንሶምስ ወሪድዎ ኣብ ትፍኣት ዝነበሩ ኩሉ ሕደ ደኣ ኮይንዎም እንበር የደንግጹና። እሞ ልቢ ንበል ሕጂ እዩ ግዜና የኣክል ይብለና ኣሎ ዝሓለፍናዮ ናይ ጸልማት ዘመን ንመለስ ደኣ ናብ ጎይታ ዘልዓለም ኣምላክና።
የሕዋት ተጠንቀቁ እዚ ሕማም ኣብና ድማ በጺሑ ስለዘሎ ማለት ካብ ወገናትና ውን ዝሓመሙ ስለዘለዎ ሸለል ኢልና ኣይንተዓዘቦ ንጠንቀቅ ኢና ኣብ ከባቢና ካብ ዘሎ ሰብን ካልእ ኩነታትን ሓደራ።
ሰላም የሕዋት ከመይ ኣለኩም ጉዕዞ ገዳም ብሰንኪ ሕማም ተቋሪጹ ኣሎ እዚ ሕማም ኣብ ወገናትና ከይተረፈ ከም ዝተርእየ ይሕበር እኳ እንተ ዘየለ ግን ክንጥንቀቅ ስለዘለና ናይ ኩሉ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብ ምንቅስቃስ ክንከታተል ኣልና ብፍላይ ዝወሃበና ሓበሬታ ብጉቡእ ክነተግብ ኣለና ። ብሓቂ እዚ ዘርእየና ምክንያት ብዝሒ ሓጥያትና መቅጻዕትና እኳ እንተኮነ ግን ከም ምሕረቱ ክጥምተና ምእንቲ ጸሎት ምህልላ ስግደት ልመና ናብ ኣምላክና ብሓባር ብግሊ ብኩሉ የድልየና ኣሎ እሞ ነቂሕና ንጻሊ ኢና ኣይንታከስ ክፉእ እዩ ዘመኑ ሓደራ ብሰልኪ ሸለልትነትና ብዙሕ ከይንጉሂ ኣቀዲምና ምስ ኩሉ ሽግርና ተጠንቂቅና ንሕለፎ እዚ ግዜና ኣምላክ ኣሎ ኢልና ምስ ጎዶሎ እምነትና ነብስና ኣይንጠብራ።
ሰላም የሕዋት ዘለናዮ ኩነታት ኣዝቱ ኣስጋዒ ናይ እግዚኣብሔር መቅጻዕቲ ንርእየሉ ግዜ ብምኳኑ ናብ ቤተክርስቲያን ንከደሉን ንመሃረሉን ኣብ ምካልካል ደረጃ በጺሑ ስለዘሎ ናይ ቴለግራም ሶፍትዊር app ሞባይልና ንጽዓና እሞ ምእኡ ክንመሃሃርን ክንረዳዳእ ኩነታት ድማ ክንፈልት ክሕግዘና እዩ። ግን ሓደራኩም ጥንቁቋት ንኩን ብጸሎት ድማ ንበርትዕ ቀሊል መቅዘፍቲ ኣይኮነንን ዝመጸና ዘሎ እሞ ወላዲተ ኣምላክ ክትረድኣና ንግሆን ምሸት ናብ ኣምላክና ንጸሊ ኣይንዘናጋዕ ይኣክለና ዝሓለፈ ህይወት ክንህሉ እንተ ኮይና ካብዚ መዓት ክንተርፍ ተጊህና ንጸሊ ንለምን ንኣምላክና ከቁርረልና እሲ ንሰምዖ ዘለና ሓደራ ናብ ኩሉ ፈተውትና ንልኣኮ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
➢ ብሂል አበው፡
➢ጸሎት 🙌
ቅዱስ ኣባ እንጦንዮስ ከምዚ በለ፡ “ቅድሚ ዝኾነ ነገር ብዘይምስልካይ ክትጽሊ ይግባእ። ብዝወረደካ ኩሉ ድማ ንኣምላኽ ኣመስግን” ።
➢ቅድሚ ናይ ሓባር ጸሎት ንበይንኻ ጸሊ።
➢ንኣባ መቓርዮስ ሰባት፡ “ከመይ ገይርና ክንጽሊ፤” ኢሎም ምስ ሓተቱዎ፡ ከምዚ ክብል መለሰ፡ “ኣእዳውና ዘርጊሕና ንኣምላኽ ከምዚ ንበሎ፡ ኦ ልዑል ኣምላኽና፡ ንስኻ ዝበልካዮ ሠናይ ነገር ሃበና፡ ኣብ ጸበባና ብረድኤትካ ብጽሓና። መሓሪ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ካባና ንላዕሊ እንታይ ከምዝጠቕመና ይፈልጥ እዩ።”
ሊቐ ጳጳሳት ኣባ ሰራብዮን ንኽምንኩስ ዝመጾ ኩሉ ከምዚ እናበለ ይምዕዶ ነበረ፡ “ክትጽሊ ከሎኻ፡ ኦ ንጉሠይን ኣምላኸይን ፍቓድካ ክገብር ምርሓኒ በል”።
ዮሓንስ ሓጺር፡ “ንጸሎት ክትቐውም ከሎኻ፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር፡ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ሓያል ኣምላኽ፡ ሰማይን ምድርን ብስብሐትካ ምሉኣት እየን” በል። ብድሕሪኡ፡ “ኣብ ሓድሽ ኪዳንካ ዘዳለኻዮ ክብሪ ኣብቅዓኒ፡ ኣብ ምጽኣትካ ተሰካሚ ዕዳ ከይከውን ሐልወኒ። ኦ ኣምላኸይ፡ ክፈልጠካ ኃግዘኒ፡ ኣብ ውሽጢ ፍቕርኻ ክነብር ድማ ሃበኒ። ብድሕሪዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ደቂ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ጸሊ።
➢. ንኽትጽሊ ተቐላጠፍ።
ቅዱስ ኣባ ኣንጦንዮስ፡ “ጸሎት ክበሃል ከሎ ኣይተመኽኒ፡ ቀልጢፍካ ኣብቲ ናይ ጸሎት ቦታ ተረኸብ። ኣብኡ ድማ ኣይትዛረብ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ምኻድካ ንቁምነገር ምዃኑ ኣስተውዕል። (ማለት፡ ብዛዕባ ዓላማዊ ነገራት ክትዛተ ኢልካ ወይ ንሰባት ክትረክብ ኢልካ ኣይትኺድ)” ።
ቅዱስ በረሰነፍዮስ ክሕተት ከሎ፡ “ሓደ ሰብ ክጽልየሉ ሓቲቱኒ። ክጽልየሉ’ዶ ወይስ እንታይ፤” መልሲ፡ “ዝኾነ ጸልየለይ ኢሉ ዝሓተተካ ክትጽልየሉ ኣብ ጸሎትካ ክትዝክሮ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ፡ <<ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩም’ውን ጸልዩ>> (ያዕ 5፡16) ኢሉ ይምህረና።”
➢ ካብ ጸሎት ዝርከብ ረድኤት።
ሓደ ተማሃራይ ንቅዱስ ኣባ መቓርዮስ መጺኡ፡ “ኣቦይ ንሓደ ስራሕ ክልእከኒ ከሎ፡ ኣብ ዝሙት ከይወድቕ ይፈርህ ኣለኹ።” እቲ ቅዱስ ኣቦ ድማ፡ “እዚ ፈተና ከጋጥመካ ከሎ ከምዚ በል፡ ኦ ኣምላኽ ብጸሎት ኣቦታተይ ርድኣኒ፡ ክረድኣካ ድማ እዩ።” ። ሓደ እዋን ሓንቲ ድንግል ኣብ ውሽጢ ቤታ ምስ ዓጸወቶ ከምቲ ዝተባህሎ ብዓቢ ድምጺ፡ “ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ ርድኣኒ” ምስ በለ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ማእከል ከተማ ተራእየ።
ቅዱስ ማርቆስ ግብጻዊ ካብታ ዝጽልየላ ስፍራ ከይወጸ ን30 ዓመት ዝጸነሕ ቅዱስ ኣቦ እዩ። መነኰሳን ዝኣሊ ሓደ ቀሲስ ድማ ነበረ። በዚ ነገር እዚ ዘይቀስን ሰይጣን ኣብ ሓጢኣት ፍርዲ ምእንቲ ከውድቖ ንቅዱስ ኣባ ማርቆስ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ንኽጽልየሉ ኣዳለወ። እቲ ሕሙም ምስ ኣባ ማርቆስ ከሎ፡ “እቲ ዝኣልየካ ቀሲስ ብሓጢኣት ዝረሰሐ እዩ። ስለዚ ናባኻ ክኣቱ ኣይትፍቀደሉ።” ይብሎ። ቅዱስ ኣባ ማርቆስ ድማ፡ “ዝወደይ ሰባት ንርስሓት ኣብ ደገ ክጉሕፉ ከለው፡ ንስኻ ግና ናብ ቤተይ ሒዝካለይ መጻእካ። ቃል ኣምላኽስ <<ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ>> (ማቴ 7፡1) ይብል።
ስለዚ እቲ ቀሲስ ሓጢኣተኛ ዋላ’ኳ እንተኾነ፡ ኣምላኽ ከድኅኖ እዩ። ምኽንያቱ <<እግዚኣብሔር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡ እንተ ተዐንፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ>> (መዝ 37፡24) ። ከምኡ’ውን <<ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩም’ውን ጸልዩ>> (ያዕ 5፡16) ይብል እቲ ቅዱስ።” ኢሉ ኣብ ጸሎት ተጸምደ። ኣብቲ ሰብኣይ ሓዲሩ ዝነበረ ሰይጣን ድማ ብሕፍረት ወጸ።
እቲ ቀሲስ ከም ልማዱ ምስ መጸ፡ ቅዱስ ኣባ ማርቆስ ብፍሕሹው ገጽ ተቐቢሉ ሰዓሞ። ክጽሊ ከሎ ድማ ሓደ ራእይ ረኣየ። እቲ ቀሲስ ቅዱስ ቁርባን ንኽወስድ ክዳሎ ከሎ፡ ቅዱስ ኣባ ማርቆስ ካብ ሰማይ መልኣኽ እግዚኣብሔር ነቲ ቀሲስ ብኢዱ ክትንክፎ ከሎ ረኣየ። እቲ ቀሲስ ድማ ናብ ድሙቕ ቀንዴል ተለወጠ። በዚ ድማ ተገረመ። “ንምንታይ ትግረም፤ ንጉሥስ ዓለም ንኣገልገልቱ ብረሳሕ ክዳን ክቖሙ ከምዘይፈቅድ፣ ንጉሥ ሰማይ ደኣ ንኣገልገልቱ ኣኽሊል ዓወት ክጭብጦም ኣይፈቅድን’ዶ፤” ።
ሓደ እዋን ኣብ ገዳም መግቢ ዘዳሉ ኣገልጋሊ፡ መግቢ ምስ ኣዳለወ ንደገ ክወጽእ ስለዝደለየ ክሳብ ዝምለስ ንሓደ መንእሰይ ሓልዎ ኢሉ ይኸይድ። እቲ መንእሰይ ጨና ናይቲ መግቢ ክጻወር ስለዘይከኣለ፡ ክበልዕ ወሰነ። እቲ ኣገልጋሊ ግና ክበልዕ ምስ ጸንሖ፡ ተቖጢዑ ደፈኦ። ምስ ደፈኦ ድማ ብርእሱ ካብቲ ኮፈ ኢሉሉ ዝነበረ ስለዝወደቐ ብኡ ንብኡ ትንፋሱ ይመውት። ነዚ ምስ ረኣየ ብፍርሒ ዝገብሮ ጨነቖ። ካብቲ ዝነበሮ ኣልዒሉ ኣብ ዓራት ኣቐሚጡ ናብቲ ኣበመኔት ከይዱ ነቲ ዘጋጠሞ ገለጸሉ። እቲ ኣበመኔት ድማ፡ “ኣጆካ ኣይትፍራኅ፡ ሰብ ከይረኣየካ ነቲ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣቐሚጥካዮ ኪድ” በሎ። ሰባት ናይ ፍርቂ ለይቲ ጸሎት ከይኣተው ከለው፡ ሓደ ቀሲስ ጸሎቱ ኣዕሪጉ ክወጽእ ከሎ እቲ መንእሰይ ብድሕሪኡ ወጸ።
➢ ገድሊ ጸሎት
ቅዱስ ኣጋቶን ሰባት ክሓቱዎ ከለው፡ “ዝዓበየት ጸጋ ኣብ ገድሊ እንታይ እያ፤” በሉዎ። ንሱ ድማ፡ “ኩሉ ግዜ ናብ እግዚአብሔር ክትጽሊ ምስ እትደሊ እዩ እቲ ዝዓበየ ገድሊ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ክጽሊ ምስ ዝደሊ ሰይጣን ክዕንቅጾ ይመጽእ። ኃይሊ ኣጋንንቲ ዘድክም መሳርሒ ስለዝኾነ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጽላይ ንሰይጣን ሓደገኛ ምዃኑ ሰይጣን ኣይቀስንን። ሰብ ኣብ ጸሎት ዝደኽሞ ድኻም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ክሓፍሰሉ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ክሳዕ መወዳእታ ትንፋስ ኣብ ጸሎት ክጋደል ይግብኦ።”
“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድኻምኩም ንገሩ፡ ንሱ ድማ ዕረፍቲ ክህበኩም እዩ” ።
ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከም ዝበሎ፡ ሕይወቱ ንእግዚአብሔር ዝወፈየ ሰብ፡ ብርቱዕ ኲናት ኣንጻር ሰይጣን ኣለዎ። እዚ ከኣ ምስልካይን ተስፋ ምቑራጽን ክጋደለለን ዝግብኦ እየን። ነዚ ምስ ከኣለ ካብ ትዕቢት ሰይጣን ክጥንቀቕ ይግባእ። ከምዚ ድማ ይበል፡ <<እግዚአብሔር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚአብሔር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፡ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።>> (መዝ 127፡1) ከምኡ ድማ፡ <<ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም>> (ያዕ 4፡6) ዝብል ቃል የስተንትኖ።
ንኣበ ነፍሱ ዝሓተተ መንእሰይ፡ “ድቃስ እንተ ጸቐጠኒ፡ ወይ ሰዓታት ጸሎት እንተሓለፈኒ፡ ብዘይምጽላየይ ነፍሰይ ብሓዘን እንተተሳቐየት፡ እንታይ ክገብር ይኽእል፤” መልሲ፡ “ክሳዕ ምብራቕ ጸሓይ ዋላ እንተደቀስካ፡ ምስ ተንሣእካ፡ ማዕጾ ቤትካ ዕጾ ጸሎትካ ጸሊ፡ ቆኖና ድማ ፈጽም። ምኽንያቱ ነቢይ ዳዊት፡ <<መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ>> (መዝ 74፡16) <<በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ>> (መዝ 138፡3) ። ስለዝብል።
መቓርዮስ ዓቢ ድማ ከምዚ ይብል፡ “ዘውትር ዝጽሊ ሰብ ዝበለጸ ጸጋ ይቕበል። እዚ ግና ብብዙሕ ድኻምን ገድልን ስለዝርከብ፡ ካብቲ እከይ ክጥንቀቕ ይግባእ። ምኽንያቱ ጸላኢ ሰናያት ብኸቢድ ድቓስ ክቃወሞ እዩ። ከምኡ’ውን ብትኽስን ምስልካይን ተስፋ ምቑራጽን ብዙሕ ዘይጠቅም ሓሳባትን ገይሩ ካብ ጸሎቱ ከተዓናቕፎ እዩ። ስለዚ ኣንጻር እቶም ኣብ ጸሎቱ ዝቓውምዎን ካብ ኣምላኽ ከርሕቕዎ ዝደልዩን ክጋደል ኣለዎ። ነቲ ክፉእ ሓሳብ ክሰጉግ ካብ ኣምላኽ ረድኤትን ምስትውዓልን ይለምን” ።
➢ “ናይ ነፍስ ጸሎት እንተዘይብልካ ኮይኑ፡ ናይ ሥጋ

ጸሎት ክትጽሊ ተጋደል። ሽዑ ናይ ነፍሲ ጸሎት ክዋሀበካ እዩ። ናይ ነፍስ ትሕትና እንተዘይብልካ ኮይኑ፡ ናይ ሥጋ ትሕትና ክህልወካ ተጋደል። ሽዑ ናይ ነፍስ ትሕትና ክዋሀበካ እዩ። ምኽንያቱ <<ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ>> (ማቴ 7፡7) ተባሂሉ እዩ።
➢ምስ ክርስቶስ ምንባር።
ሓደ መንእሰይ ንኣበነፍሱ፡ “ልበይ ንሓጢኣት’ዶ ክሐድጋ፤”
መልሲ፡ “ኣይፋል።”።
“ንገሃነም እሳት፤” “ኣይፋል። ኣብ ኢድ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ደኣ ግደፋ። ኣብኡ ድማ ተማዕቖብ። ምኽንያቱ ድያብሎስ ንነፍስኻ ናብ ጸልማት ክድርብያ፡ ካብ ኣምላኽ’ውን ክፈልየካ ስለዝደሊ።
ሕቶ፡ “ልብና ምስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ከመይ ገይራ ክትዕቖብ ትኽእል፤” ።
መልሲ፡ “ብብሕትውና ምስ እግዚአብሔርን ዓለማዊ ነገራት ዘይምሕሳብን፡ ሥጋ ምድካምን”።
ቅዱስ በኻምዮስ፡ “ንኣምላኽ ኣብዚ ወይ ኣብቲ ክርእዮ እየ ኢልካ ፍሉይ ቦታ ኣይትመድበሉ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣብዝኾነ ቦታ ህሉው እዩ። እቲ ቅዱስ ቃል፡ <<ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፡ ይብል እግዚአብሔር።>> (ኤርምያስ 23፡24) ። ካባኻ ዝዓበየ ነገር ኣይትሕሰብ፡ ምኽንያቱ <<ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብ . . . >> (ሮሜ 12፡3) ይብል። ቅድስናኻ ዓቅብ፡ <<ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳን ኩኑ>> (1 ጴጥ 1፡16) ስለዝብል። እቲ ሽፍታ (ጥጦስ ወይ ፈያታዊ ዘየማን) ከመይ ንገነት ከምዝኣተወ ተመልከት (ሉቃ 23፡43) ። ይሁዳ ከመይ ዝበለ ኣገልግሎት ተዓዲሉ ከሎ፡ ብገዛእ ርእሱ ንነፍሱ ክሓንቕ ደለየ (ግ.ሓ. 1፡16-17) ። ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝነበሩዋ ማርያም መግደላዊት ካብ ባሕሪ ሓጢኣት ናብ ድንግል ዘሰጋገራ ጣዕሳ ርአ። (ሉቃ 7፡38) ወይ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሄዋን ከም ዘስሓታ ተዓዘብ ። (ዘፍ 3፡5-7) ። ወይ ኤልያስ ንሰማይ ከመይ ኢሉ ዓረገ። (2 ነገ. 2፡11)። ወይ መላእክት ሰማይ ከመይ ገይሮም ናብ ኩነኔ ከም ዝተደርቡዩ ፍለጥ። ስለዚ ሕተት ክዋሃበካ እዩ። ንኣምላኽ ጸውዓዮ ክትረኽቦ ኢኻ።”
➢ቅዱስ ዮናስ፡ “ኣብዛ ዓለም ብጀካ ኣምላኽን ኣነን ካልእ የለን ዝበለ ኣይመውትን እዩ” ።
ቅዱስ ሞስቲፎስ፡ “ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ምስ ዝቐርብ፡ ሓጥእ ምዃኑ ይግለጸሉ። ምኽንያቱ ነቢይ ኢሳይያስ ንእግዚአብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ምስ ረኣየ፡ ንነፍሱ፡ ብርኽሰት ከምዝመልአት ረኣየ” (ኢሳ. 6፡1-5) ።
ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከምዝበልዎ፡ “ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ዝኾነ ሰብ ንብጻዩ ክጎድኦ ዘይክእል፡ ከምኡ’ውን <<ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ>> (ያዕ 4፡8) ፡ ከም ዝበለ፡ ንኣምላኽ እንተቐረብናዮ ጸላኢ ሠናያት ብዝኾነ ክጎደኣና ኣይክእልን እዩ። ካብ ኣምላኽ ዓሊና ግና ኣብ ዓለማዊ ድልየታትና እንተኸድና፡ መፍቶት ድያብሎስ ኮይና ኣብ ጭቃ ሓጢኣት ንድርበ” .......
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላክ አበዊነ

ገብር ኄር
ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ ኽብርቲ ዕለት ከምቲ ቓሉ እሙናት ኮይና ከነኽብራን ክንነብራን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና።
እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም እዚ ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ዚዝመር መዝሙር ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ድማ “አግብርት ኄራን” እናበለ ዓስቦም ከም ዚህብ ተዘኻኽር ስለዝኾነት እያ። እቲ ዚዝመር መዝሙር’ውን “መኑ ውእቱ ገብርኄር” (መን እዩ እሙን ኣገልጋሊ፧) እናበለ ዚቕጽል እዩ። እቲ መበገሲ ታሪኽ ድማ ጐይታ ንዅሉ ብምስላ ይምህር ከምዝነበረን ካብቶም ትምህርቱ ሓደ ድማ ኣብ ወንጌል ማቴ. 25፡10-30 ዘሎ ታሪኽ እዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ወንጌል ሉቃ. 19፡12-27 ብካልእ ኣገላልጻ ግና ብስሙር መልእኽቲ ነዚ ምስላ እዚ ይደግመልና።
ጐይታ በዚ ምሳሌያዊ ትምህርቱ ሕድሪ ወንጌል ንኣገልገልቱን ምእመናንን ከምዝሃበን ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ድማ ብዛዕባ ዝሃቦ መኽሊት ወንጌል ድማ ንዅሉ ከምዝጸባጸብን ከም እቲ ቓሉ ሓልዮም ዘጽንሑሉ እሙናት ኣገልገልቱ ዓስቢ ከምዝህብን ነቶም ዘይሓለዉ ድማ ፍዳ ከምዝጽበዮም ዘመልኽት እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ ዅሉ ሰብ ከምቲ ጐይታ ዚደልዮ ኾይኑ ተዳልዩን ግቡኡ ፈጺሙ ክጸንሕን ዘተሓሳስብ እዩ።፡ ንዅልና ድማ ኸከም ግብርና ኺፈድየና ዓስቡ ምስኡ ኣሎ።
ጐይታ በዚ ትምህርቱ ንርእሱ ኸም ሓደ በዓል ጸጋ መሲሉ እቲ በዓል ጸጋ ንኻልእ ርሑቕ ዓዲ ኺብገስ ኣብ ዝሓሰበሉ ነቶም ኣገልገልቱ ጸዊዑ ኽሳብ ዚምለስ ምእንቲ ኺዓይዩሉ መኽሊት ከምዝሃቦምን ሕድሪ ከምዝገደፈሎምን ይነግር። በዚ መሠረት እዚ ነቲ ሓደ ኃሙሽተ ነቲ ኻልእ ድማ ኽልተ ነቲ ሣልሳይ ከኣ ሓደ መኽሊት ሃቦም። ድኅሪ ነዊኅ ዘመን ድማ እቲ በዓል ጸጋ ምስተመልሰ ነቶም መኽሊት ዝሃቦም ኣገልገልቱ ጸዊዑ ክጸባጸብ ጀመረ። በዚ መሠረት ድማ እቲ ኃሙሽተ መኽሊት ዝተቐበሊ ወሪዱን ደይቡን ደኺሙ ነተን ሓሙሽተ መኽሊቱ ኃሙሽተ ረቢሑለን ነቲ ጐይታ 10 መኽሊት ኣቕረበ። እቲ ብዓል ክልተ’ውን ከምኡ ኽልተ ረቢሑ ኣርባዕተ ኣቕረበ። እቲ በዓል ሓደ ግና ኣብ ክንዲ ወሪዱን ደይቡን ምርባሕ መኽሊቱ ዝገብር ኣብ ፍርህን ጥርጥርን ክፉእ ሓሳባትን ኣትዩ ነበረ እሞ ጐይታኡ ኪጸባጸቦ ከሎ ዘይተባሎ ጭካነ ጐይታኡ ገሊጹ ነታ ዝተዋህበቶ ከይረብሐ ሓቢኡ ከምዘቐመጣ ገለጸ።
እቲ በዓል ጸጋ’ውን ነቶም መኽሊቶም ረቢሖም ዝጸንሕዎ “ጽቡቕ! ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ኣገልጋሊ! ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ እየ፡” እናበለ ብምውዳስ “ናብ ሓጐስ ጐይታኦም” ኪኣትዉ ፈቐደሎም። ነቲ መኽሊቱ ዝቐበረ በዓል ሓደ ግና “ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ!” ተባሂሉን ነታ ሓንቲ መኽሊቱ ድማ ከም ዘግደፍዎ ኮነ። ብሰንኺ እቲ ኽፉእ ግብሩ ድማ ኣብቲ ብኽይትን ምሕርቃም ኣስናንን ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጸልማት ተደርበየ።
ትርጕም’ዚ ምሳሌ ድማ እቲ በዓል ጸጋ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ እቶም ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ መኽሊት ዝተዋህቡ ድማ መምህራነ ወንጌል (መምህራነ ንስሓ) ዝኾኑ ስዩማን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ድማ ኸከም ማዕርጎምን ዝተዋህቦም ጸጋን ከምቲ ዝግብኦም ከገልግሉ ዚግብኦም ካብ ዲያቆናት ክሳብ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘለዉ ኣገልገልቲ ይምልከት። ብኻልእ ወገን ድማ ኸከም ዓቕሞም ከገልግሉን ብመንገዲ ቕድስናን ኪመላለሱን ኪመርሑን ኣብነታውያን ኪኾኑን ኣብ 40ን 80ን መዓልቲ ኻብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማሕፀን ዮርዳኖስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንዝተቐበሉ ዅሎም ምእመናን ይምልከት።
እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ተጊሆምን ነቒሖምን እሙናት ድማ ኾይኖም ንምእመናን ኣባጊዑ ኸውፍሩን ኪሕልዉን ከብዝኁን፡ ስብከተ ወንጌል ከስፉሑ፡ ወዘተረፈ እዮም ነቲ መኽሊት (ሥልጣነ ክህነት) ተቐቢሎም። ስለዚ ድማ ኸምቲ ዚግባእ ዚዓየዩሉን ወሪዶም ደይቦም ደኺሞም ግቡኦም ፈጺሞም ኣብ ጊዜ ጸብጻብ ኣበርኪቶም ንጐይታኦም ዘረክቡ “ኣግብርት ኄራን ወፍቁራን” ተባሂሎም ናብቲ ሓጐስ ጐይታኦም “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” ተባሂሎም ዘለዓለማዊ መንግሥቱ ኺኣቱ ዝፍቀደሎምን እዮም። እቶም ንስሙ ጥራይ መኽሊት ተቐቢሎም ምእመናን ዘይጓስዩሉን ኣብ ካልእ ጕዳያቶም ጥራይ ኬድህቡን ዚነብሩ ድማ ሃካያት ግና ብቑዕ መልሲ ስለዘይብሎምን ምኽንያት’ውን ከድኅኖም ስለዘይክእል ናብቲ “ጸልማት” ክድርበዩ እዮም።
ዋና መኽሊት ክርስቶስ ኣምላኽና እዩ። ዋና መኽሊት ድማ ኸም ፍቓዱ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ጸጋ ይህብ እዩ። እቶም ቀዳሞት ኽልተ ድማ ንዝተዋህቦም ሕድሪ እሙናት ኮይኖ ኺፍጽምዎን ጽዒሮም ከርብሕዎን ተረኺቦም። ስለዚ ድማ ኣብ ጊዜኡ ዕጽፊ ዓስቢ ረኸቡሉ። ኣገልገልቲ ድማ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ጸጋኦም ኣለልዮም ንእግዚአብሔር ብትግሃት ከገልግሉ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ኪርከቡ ኣለዎም። እቲ ሓደ ናይቲ ኻልእ ኪጥምት ፡ ናቱ ገዲፉ ብ ዘይናቱ ኺኣቱ ዘይኮነስ ንዝተዋህቦ መኽሊት ኣለልዩ ኣብኣ ተጊሁ ኺርከብን ከርብሕን ኣለዎ። ቤተ ክርስቲያንና ዓውዲ ኣገልግሎታ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ኵሎም ደቃ ኸከም መኽሊቶም ተጊሆም ኣርቢሖም ዚርከቡ እንተ ደኣ ኾይኖም ዕብየታን ሕንጸታን ክንርኢ ጊዜ ዚወስድ ኣይኮነን። ግና መኽሊትና ንፈልጦ ዶ፧ ነርብሕ ዶ ኣሎና፧ ወይስ ቀቢርናዮ ኢና፧ መን እዩ ገብርኄር፧ ኵልና ኣካል ክርስቶስ ካብ ኮንናን ኣብዛ መንፈሳዊት ቤት ክንህነጽ’ውን እንተደኣ ኮይንና ኸክለትና ነበርክተላ።
እዚ መኽሊት ንስዩማት ኣገልገልቲ ጥራይ ዝተነግረ ዘይኮነስ ንዅሉ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። ምእመናን’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበርክትዎ ዘለዉን ከበርክትዎ ዝግባእን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ መንፈሳዊ ፍረ ኣፍርዮም መኽሊቶም ከርብሑን ብሠናይ ግብሪ ንኻልኦት ኣብነት ኪኾኑ ይግብኦም። ኣብ ፍርህን ጥርጥርን ዝምርኮስ ምኽንያት ዚመልኦ ሕይወት ስለዘሎና ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስለ ኣባጊዕ ክርስቶስ ተንሢዕና ንሥራሕ። ኣይምልከተናን እዩ ኣይንበል። ስለ ቤተ እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እሙናት ኣገልገልቲ ንኹን።
ካብዚ ምስላ እዚ እንመሃሮ ሓደ ድማ ዅሉ ኸከም ጸጋኡ ተጊሑ ከገልግል እዩ። ሓደ ሰብ ብምሉእ ኃይሉን ጕልበቱ ኪሰርሕን ከፍርን እንተ ደኣ ኾይኑ ዅሎም ኣካላቱ ነናቶም ስራሕ ከምቲ ዚግብኦም ኪዓዩ ይግባእ። ዓይኑ ናይ ዓይኒ፡ ኢድ ናይ ኢድ፣ እግሪ ድማ ናይ እግሪ ወዘተርፈ እቲ ሓደ ኣብቲ ኻልእ ዚኣቱ እንተ ደኣ ኮይኑ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ኺስራሕ፧ እቲ ሓደ ድማ ስራሕን ኣበርክቶን እቲ ኻልእ ዘቖናጽብን ዝዕንቅፍን ኮይኑ ከመይ ገይሩ እዩ ጥዕና ክርከብ፧ ንዅሉ ዝኣሊ ርእሲ(ኣእምሮ ልቡና) ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም ኣካላት ከወሃህድን ከስምርን ይግብኦ።
ሰብ ማዕርግ ዝኾንና ከከም ማዕርግና፡ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ኸምቲ ዝተጻሕፈልና ተጊህና ጥራይ መኽሊትና ነርብሕ። ኣብ መዓልቱ ዅሉ ኺገሃድ እዩ። ሰባት ብዚደለይዎ መንገዲ ነቲ ሓቂ ኺኽውልዎ ይፈትኑን ስለ ሓሶት ድማ ይጽዓትን ምኽንያት ይፈጥሩን እታ ፍርዲ ግና ኣብ ኢድ እቲ ርቱዕ ዚፈርድ ኣምላኽ እያ። ንሕና ግቡእና ንዕየ። ኣምላኽ ድማ ኸምቲ ድኹም ግብርና ዘይኮነስ ከምቲ ምሕረቱ ኺርእየን ኣብዚኅና ንለምኖ።
ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ኽንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!
https:/

ማሕበር ኣቡነ ተክለሃይማኖትን እምነ ክርስቶስ ሰምራ ጽባሕ ንራከበሉ መዓልቲ ከም ምኳኑ ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ንግሆ ኣብ ቅዱስ ኡራኤል ቤተክርስቲያን ጎፋ መብራት ሃይሊ ኮንደሚኖም እዩ ዝደንጎና ድማ ሰዓት 3:00 ድሕሪ ቅዳሴ ምምጻእ ይከኣል እዩ። ዘለናዮ ዘፍርሕ ግዜ ብቅዱሳን ጸሎት ክንወጾ ምእንቲ ኩላትና ተራኪብና ናይ በረከት ስራሕ ንስራሕ። ብቃል ኪዳኖም ድማ ካብዚ መቅዘፍቲ ነዓናን ንህዝብናን ከውጹእና ምእንቲ ብኣማላድነቶም ንማሕጸሎም ተኣኪብና።
24 መጋቢት ጥንሰቱ ለኣቡነ ተክለሃይማኖት''
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!!!
በእንተ ክቡር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምኢትዪጵያ ሰደዴ ጽልመት እግዚአ መናፍስት ህብአነ እምገጸ ሞት በእንተ ጸጋ ዘአብ አቡከ ወእግዚእ ኃረያ እምከ ተማህጸነ ውሉድከ ምህላነ ስማዕ በዕዝንከ ኢታርምም ኣባ ወኢትጸመም ተክለሃይማኖት ብእሴ ሰላም ጻድቕ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ካብ ኣቡኦም ካህን ጸጋ ዘአብን ኣዲኦም እግዚእ ሃረያን ብታኅሳስ 24 1197 ተወሊዶም።
ኣቦና ካብ ዝተወልድሉ ኣብ 3ይ መዓልቲ ብዕለተ ሰንበት ካብ ሕቑፎ ኣዲኦም ወሪዶም “ሓደ ኣብ ቅዱስ እዩ ሓደ ወልድ ቅዱስ እዩ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ውን ሓደ እዩ” ኢሎም ብተኣምር ኣመስገኑ። “ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳለኻ” ከም ዝብል ቅዱስ ዳዊት። ኣብ 40 መዓልቲ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም “ፍስሐ ጽዮን” ብዝብል ስም ኣጠመቕዎም። ወዲ ዓመትን 3 ወርሕን ምስ ኮነ ኣብ ከባቢ ሽዋ ደርቂ ኮይኑ ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጥሜት ነበረ። ኣቡኡ ካህን ጸጋ ዘአብ ድማ ነቲ ዘኽብርዎ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኸውን እኽለ ማይ ስኢኖም ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ከልቅሱ እንከለዉ ሰበይቶም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ኮይና ትሓዝን ነበረት። ነዚ ዝረኣየ ህጻን ግና ነዲኡ ነቲ ዝነበራ ቊሩብ ሓርጭ ከተምጽኦ ነገራ ምስ ኣምጸኣትሉ ኢዱ ምስ ኣንበረሉ እቲ ሓርጭ በርከተ። ነቲ መትሓዚ ዘይቲ ውን ብተኣምራቱ መልኦ በዚ ድማ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል የሕለፍዎ። ክሳብ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ዝኸውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናመሃሩ የዕበይዎ፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮኑ ኣቡኦም ናብቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጳጳስ ዝነበሩ ግብጻዊ ቅዱስ ቄርሎስ ወሰድዎም።
ቅዱስ ቄርሎስ ኣቐዲሙ መልኣኽ እግዚአብሔር ጽባሕ ሓደ ህጻን ክመጸካ እዩ ተቐቢልካ ዲቁና ሽሞ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ርእይ ምስ ኣበልዎ ተቐቢሎም ሸምዎም። ከምቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ታዕሊም ናይ ፈረስን ሃድን አራዊትን ተማህሩ። ሓደ ካብ መዓልታት ምስ ብጾቶም ኣብ ሃድን እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ ካብ ድሕር ሕጂ ኣራዊት ዘይኮነ ሰባት ክትሃድን ኢኻ ድዉይ ናይ ምፍዋስ ኣጋንንቲ ናይ ምውጻእን ምዉት ናይ ምትንሳእን ሥልጣን ካብ እግዚአብሔር ተዋሂብካ ኣሎ፤ ስምካ ድማ ፍስሐ ጽዮን ዘይኮነ ተክለ ሃይማኖት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ፡ ተክለ ሃይማኖት ማለት ድማ ተክለ አብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ።
ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ተገሊጹ ሐዋርያት ናብ ዘይበጽሕዎ ምድሪ ንኽልእኸካ ብቅዱስ ሚካኤል ጌረ ሓድሽ ስም ብምሃብ ሓድሽ ሐዋርያ ጌረካ ኣለኹ። 22 ዓመት ምስ መልኦም ናብ ኣባ ቄርሎስ ብምኻድ ቅስና ተቐቢሎም ኣቡኦም ብዘገልገሉሉ መዓርግ ኣቡኦም ኣብ ዘገልግልሉ ደብሪ ከገልግሉ ጀመሩ። ብመጀመርያ ኣዲኦም ቀጺሎም ድማ ኣቡኦም ምስ ዓረፉ ዘለዎም ኩሉ ሸይጦም ንድኻታት ብመሃበ ገዝኦም ብኽፍቱ ገዲፎሞ ወጽኡ።
ብዙሓት ህዝቢ ድማ ነቲ ብስም እግዚአብሔር ዝገብርዎ ብዙሕ ተኣምራት ርእዮም ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም እናተጠመቑ ተኸተልዎም። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ከባቢ ቡልጋ ኣብ ዕንጨት ዝኣምኑ ኣብ ባሕሪ ዘምልኹ መድኃኒት ዝቓምሙ ጠንቆልትን መምለኽቲ ጣኦትን መሊኦም ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦና ነዚ ምስ ሰምዑ ሩባ ተሳጊሮም ብምኻድ ነቲ ህዝቢ ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ እንስሳዊ ባህሪን ዘምልኾ ዝነበረ ገረብን ገዲፉ ናብ ኣምልኾ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክምለሱ እንዳ ገሰጹ ወንጌል ክምህርዎም ጀመሩ። እቲ ህዝቢ ግን ክሰምዖም ኣይከኣለን ብኣንጻሩ ትምህርቲ ወንጌል ከቋርጽዎ ኣዘዝዎም። ኣቦና ግን ብፍጹም እምነት ናብቲ እቶም ህዝቢ ዘምልኽዎ ገረብ ከዱ፡ ኣብቲ ገረብ ዝሓደረ ሰይጣን ኣነ ፈጣሪኹም እየ ዝብል ድምጺ የውጽእ ነበረ። ኩሎም ህዝቢ ድማ ነቲ ገረብ ይሰግድሉን ዝደለዮ ይስውእሉን ነበሩ። ኣቦና ምስቶም ህዝቢ ናብቲ ገረብ ምስ ቀረቡ ኣብቲ ገረብ ሓዲሩ ዝምለኽ ዝነበረ ሰይጣን “ነዚ ሰብ’ዚ ኣይተቕርቡለይ” እናበለ ከጉርዕ ጀመረ።
እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ነቦና ገዲፎም ናብቲ ገረብ ከዱ፡ ኣቦና ግን ገጾም ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ኢዶም ዘርጊሖም ናብ ፈጣሪኦም ምእንቲ ወገናቶም “ ኦ ጐይታ ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትካ ዝሰልጠነ ሰይጣን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣርግጸልና፡ ነዚ ሰይጣን እዚ ኣዋርዶ፡ ዘውትር ክረድኣካ እዩ ዝበልካኒ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ልኣኸለይ፡ ናይ’ዚ ሰይጣን ሓፍረቱ ግለጽ፡ ጐይታ እግዚአብሔር ምግባር ካባኻ እዩ፡ኣብዞም ዝተኣከቡ ሰባት ስምካ ይገለጽ፡ ስራሕካ ይፈለጥ ንስኻ ዓቢ ምዃንካ ይፍለጡ” እናበሉ ክጽልዩ ጀመሩ። ናብቲ ህዝቢ ዘምልኾ ገረብ ተመሊሶም “ ኣንቲ ሰይጣን ኣባኺ እናሓደረ ህዝቢ ዘስሕተልኪ ገረብ፡ እዚ ህዝቢ ኃይሊ እግዚአብሔር ምእንቲ ክርኢ በቲ ኣነ ዝኣምኖን ዝሰግደሉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ዘለኽዮ ተላዒልኪ ናባይ ክትመጽኢ እእዝዘኪ ኣለኹ” ኢሎም ኣዘዝዋ። ህዝቢ ናብታ ገረብ እናሰገደ እታ ገረብ ግን እግሪ ከም ዘለዋ እና ተጓዕዘት ኣቦና ጻድቅ ተክለሃይማኖት ናብ ዘለውዎ ቦታ ከይዳ ቆመት። እቲ ኣብታ ገረብ ዝሓደረ ሰይጣን ድማ “ኣታ ክፉእ ሰብ እቲ ዝገደፍኩልካ መላእ ኣውራጃ ከይ ኣኽለካስ ነዞም ኣብዚ ዘለዉ ባሮተይ ክትምንጥለኒ መጺእካ” እናበለ ጨርሐ።
ብድኅሪ እዚ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ከም መብረቕ ብምውራድ ንሰይጣን ሓኒቑ ሓዞ። በዚ ጊዜ ሰይጣን “ሚካኤል ጊዜይ ከይበጽሐ ኣይተጥፍኣኒ ድኅሪ ሕጂ እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኣይቀርብን እየ” እናበለ ጨደረ። ብድኅሪ እዚ እቶም ደቂ ዓዲ ናብ ኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ቀሪቦም “ኦ ናይ ህይወት ብርሃን ኣቦና ናብቲ ዝፍቶ ናይ ወንጌል ጎደና ምርሓና” እን በሉ ኣብ እግሩ ወደቑ። ቦታ ክሳዕ ዝጸቦም ንኣሽቱን ዓበይትን ኣወዳትን ኣዋልድን ተኣኪቦም “ንሕና ውን በቲ ትኣምኖ ኣምላኽ ኣሚንና ኣለና” በልዎም። ኣቦና ድማ “መጽኣት” ናብ ዝተባህለት ሩባ ወሪዶም ነቲ ማይ ብምብራኽ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጠመቕዎም። በዚ ከምዚ ብዙሕ ተኣምራት እናፈጸሙ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እናተዛዋወሩ ህዝቢ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ እምነት ክርስትና መለስዎ። ቲላት ዝተባህለ ናይ ውራጌ ቦታ በጽሑ። እቲ ከባቢ ብጠንቋሊ ንጉስ እዩ ዝመሐደር ኔሩ። ኣቦና ኣትዮም ኣምልኾተ ጣኦት ክገድፉ ወንጌል ክመሃሩን ኣጽኒዖም ስለ ዝገሰጽዎም ብኣፎምን ብኣፍንጭኦምን ደም ክሳብ ዝወጽኡ ቀጥቀጥዎም። ዝሞቱ መሲልዎም ኣብ እግሪ ጎቦ ደርብዮሞም ከዱ፤ ቅዱስ ሚካኤል ግን እንደገና ጽንዓት ሂቡ ኣተንስኦም። ደጊሞም ብኃይሊ ብምትንሳእ ድማ ነቲ ጠንቋሊ ንጉስን ህዝብን ወንጌል ክምህርዎም ጀመሩ።እንደገና ውን ብርቱዕ ተቓውሞ ስለ ዘርኣዩ ግን “ኣንቲ ምድሪ ተኸፊትኪ ክትውሕጥዮም ብስመይ ዘይ ኮነ ብስም እግዚአብሔር እእዝዘኪ ኣለኹ” ምስ በሉ ከምቲ ንዳታንን ኣቤሮንን መሬት ተኸፊታ ዝወሓጠቶም ነቲ ንጉስን ጠንቆልትን ወሓጠቶም።
ናይ ዳሞት ንጉስ ሞተሎኒ ውን ተቐቢሉ ክልተ ጊዜ ብጸድፊ ደርበይዎም እዩ ቅዱስ ሚካኤል ብክንፉ ስለ ዝተቐበሎም ግን ተንሲኦም እንደገና ኣብ ቅድሚ ህዝብን ንጉስን ብትብዓት ወንጌል መሃሩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ተኣምራትን ስለ ዝገበሩ ድማ ህዝቢ ብእግዚአብሔር ኣመኑ፡ ንጉስ ሞተሎኒ ውን ኣሚኑ ተጠምቀ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ብዙሕ ርስቲን ገንዘብን ሃበ። ኣቦና ድማ ክርስትና እናመሃሩ ን 12 ዓመት ኣብቲ ቦታ ጸንሑ። ንኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ዲቁናን ቅስናን ዝሃብዎም ኣቡነ ቄርሎስ ድኅሪ ምዕራፎም ን

ብዙሕ ዓመታት ጳጳስ ካብ ግብጺ ኣይመጹን ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣቦና ምሂሮም ንዝመስረትወን ኣብያተ ክርስቲያናት ታቦት ዝባርኸሎም ጳጳስ ስኢኖም ይሽገሩ ነበሩ።
በዚ ጊዜ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ጸለዩ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ከምቲ ብሊቃነ ጳጳሳት ዝወሃብ ናይ ጳጳሳት ሽመት ዘይኮነ ብሰማያዊ ሽመት ሸይመካ ኣለዅ” በሎም። በዚ ሰማያዊ ሽመት ድማ ኣቦና ሜሮን ኣፍሊሖም ታቦት ብምብራኽ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት መስረቱ። ኣቦና ኣብ ገዳም ብምእታው ውን ብጸሎት ይነቕሑ ኔሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 1 መዝሙረ ዳዊተ 10 ስግደት እናሰገዱ፡ ንመዓልቲ 3650 ስግደት ይሰግዱ ነበሩ። ን 10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ደብረ ጎል ምስ ገበሩ፡ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ “ኣብ ደብረ ሃይቅ ኢየሱስ ሙኣ ዝበሃል ሕያዋይ ሰብ ክትረክብ ኢኻ ንሱ ድማ ኣርዑት ምንኩስና ከሰክመካ እዩ’ሞ ክመርሓካ እየ ተኸተለኒ” በሎም። ቅዱስ ሚካኤል ብግልጺ እናተራእየ ነቲ ባሕሪ እናረገጸ መርሖም ኣቦና ውን ኣብቲ ባሕሪ ከም ኣብ መሬት እናተጓዕዙ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን በጽሑ።
ኣባ ኢየሱስ ሙኣ ብደስታ ተቐቢሎም ናይ ቅድስናን ናይ መላእኽትን ምሳሌ ዝኾነ ናይ ምንኩስና ልብሲ ኣልበስዎም። ኣብኡ ድማ ብብዙሕ ገድልን ጸሎትን ነበሩ፡ ብዘይካ ቀዳምን ሰንበትን መግቢ ከይበልዑ ኣብ ሃይቅ እስቲፋኖስ ጸንሑ። ኣብ ከምዚ ትግሃት እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ መንዚዑ ብምውሳድ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ኣብጽሖም። ኣብኡ ድማ ቅዱሳን መላእክት ንእግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ውዳሴን መዝሙርን ተመልከቱ። ካብቲ ዙፋን ድማ “ክፍልኻ ምስ’ዞም 24 ካህናተ ሰማይ ይኹን” ዝብል ድምጺ መጾ። ናይ ወርቂ ጽንሃህ ሒዞም ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ክዓጥኑ ጀመሩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ከምዚ ብምባል ቃል ኪዳን ኣተወሎም “ከምቲ ዝፈተኻኒ ፈትየካ ኣለዅ ስምካ ልዑል ክቡር ጌረዮ ኣለኹ፡ ኩሉ ብጸሎትካ ዝእመን ስሌኻ ክድኅን እዩ፡ ዝኽርኻ ዝገበረ ኣነ ኣብ ሰማይን ምድርን ከኽብሮ እየ” ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ኣቦና ነዚ ሰማያዊ ናብራ ምስ ተመልከቱ ልቦም ብፍቕሪ ናይ’ዚ ሰማያዊ ኣምላኾም ተቓጸሉ። ለይትን መዓልትን ዳዊትን ካልኦት ጸሎታትን ኣብ ምድጋም ድማ ተግሁ። በዚ ከምዚ ኣብ ሃይቅ 10 ዓመታት ምስ ጸንሑ ናብ ምድሪ ትግራይ ብምምጻእ ኣብ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ደብሪ ደብረ ዳሞ ምስ ኣባ ዮሓኒ ተራኸቡ። ኣብኡ ድማ ን 12 ዓመታት ተቐመጡ።
ድኅሪ 12 ዓመታት ናብ ካልኦት ናይ ትግራይ ቦታታት ክኸዱ ድማ ነቲ ብገመድ ዝውረድ ናይ ደብረ ዳሞ ጎቦ ብገመድ ክወርድዎ ምስ ጀመሩ፡ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ነቲ ገመድ ቆረጸሎም። እግዚአብሔር ድማ 6 ናይ ጸጋ ክንፊ ሃቦም፡ እቶም ምስኦም ዝነበሩ መነኮሳት እናረኣይዎም በዚ ኣምላኾም ዝሃቦም ክንፊ እናበረሩ ናብ ዝደለይዎ ቦታ በጽሑ። ኣብ ሓውዜንን ካልኦትን ገዳማት ምድሪ ትግራይን ከባቢኡን እናተዘዋወሩ ባረኽዎም። ናይ ብርሃን ዓንዲ እናመርሖም ናብ ኢዮርሳሌም ብምኻ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝተወለደሉ ካብ ገሊላ ጀሚሮም ክሳብ ዝዓረገሉ ደብረ ዘይቲ በጽሑ።
ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተሓጺቦም ድማ ኣባ ዮሐንስ ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ናብ ገዳመ ኣስቄጥስ ብምኻድ ካብ መነኮሳት በረኸት ተቐቢሎም ንሳቶም ውን ባሪኾሞም። ኣብ ደብረ ሲሃት ዘርከቡ መነኮሳት ውን ሰላም በልዎም። ግብጻዊ ጳጳስ ኣባ ዮሐንስ 5ይ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ብምምጻእ፡ “ነዚ በይንኹም እተገልግልዎ ህዝቢ ተማቒልና ንምርሓዮ” ምስ በልዎም ኣቦና ግን ብትሕትና“ሕጂስ እንቋዕ ንስኹም መጻእኩም እምበር ኣነ ናብ በዓተይ ክኸይድ” ብምባል ናብ ደብረ ሊባኖስ ገዳም ኣተዉ። ኣቡነ ሊባኖስ ዝመስረትዎ ገዳም ሓራስ ዝተባህለ ጠንቋሊ ተቖጻጺርዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣቦና ንዕኡ ኣባሪሮም ብ 1267 ንደብረ ሊባኖስ በዓቶም ገበርዋ።
ኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕሪ ስለ ዝነበሮም ነቲ ዝነበርዎ ጫካ ከፊሎም ታቦተ ማርያም የእተውሉ። ብጸሎቶም ድማ ኣብቲ ጫካ ማይ ኣፈልፈሉ ክሳብ ሕጂ ድማ ማየ ተክለሃይማኖት እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ። ኣቦና ኣብዚ ገዳም ን 29 ዓመታት ድኅሪ ምጽናሕ ሰብነቶም ደኸመ እርጋን ውን ኣርከበቶም፡ብኸምዚ እናተዘዋወሩ ወንጌል ክምህሩ እኳ እንተ ዘይከኣሉ ንብዙሕ ዘመን ኣብ በዓቶም ኮይኖም ብዘይ ገለ ምርኩስ ከም ዓንዲ ቆይሞም ብምጽላዮም ሓንቲ እግሮም ተቖርጸት፡ ናቶም ረድኢ (ኣገልጋሊ) ዝነበረ ብጨርቂ ጠቕሊሉ ድማ ቀበራ።
ኣቦና ግን ብሓንቲ እግሮም ን 7 ዓመታት ቆይሞም ጸለዩ። ብድኅሪ እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቦና ተገሊጹ “ጉያኻ ወዲእካ ኣለኻ ስለ ስመይ መከራ ተቐቢልካ ኢኻ’ሞ ዝኽርኻ ዝገበረ ብጸሎትካ ንዝእመን ቃል ኪዳን ሂበካ ኣለኹ” በሎም። ኣብ መወዳእታ ኣቦና ክዓርፉ ኣብ ዝቐረብሉ ደቀ መዛሙርቶም ኣኪቦም ከምዚ እናበሉ ክምዕድዎም ጀመሩ “እዞም ደቀይ ኩሉ መነኵሴ መንግስተ ሰማያት ይኣቱ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ንዓለም ዝነዓቓ እዩ ዝኣቱ፡ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚአብሔር ድለዩ፡ ጾምን ጸሎትን ኣዘውትሩ፡ ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ፡ ትእዛዙ ሓልዉ” ብምባል ኣባ ኤልሳዕ ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ከም ዝኾኑ ነገርዎም።
ነሐሰ 24 1296 ዓም ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርሕን 10 መዓልቶምን ብሰላም ዓረፉ። እቶም መነኮሳት ድማ ኣብ’ቲ ዝነብርዎ በዓቶም ቀበርዎም። 57 ዓመት ድሕሪ ዕረፍቶም ብ 1354 ዓ.ም ኣከባቢ ኣቦና ነቶም ሽዑ ኣበምኔት ዝነበሩ ኣቡነ ሕዝቂያስ ብራእይ ተገሊጾም ዓጽሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ከእትውዎ ተማሕጸንዎም። ብግንቦት 12 ኣብቲ በዓቲ ምስ ደቀ መዛሙርቶም ኣትዮም ዓጽሞም ብምርካብ ናብ ደብረ ሊባኖስ ቤተ ክርስቲያን ኣእተውዎ። ኣቦና ብ ሕዳር 24 ምስ 24 ካህናተ ሰማይ መበል 25 ኮይኖም ዘገልገልዎ ይዝከር።
ታሕሳስ 24 ልደቶም፡ ጥሪ 24 ስባር ዓጽሞም፡ መጋቢት 24 ጽንሰቶም፡ ግንቦት 12 ፍልሰተ ዓጽሞም፡ ነሐሴ 24 ድማ ዕረፍቶም ብቤተ ክርሰቲያን ይኽበር።
በረኸቶምን ጸሎቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘለ ዓለም ይኹን ኣሜን።
ስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን

ዓመታዊ ክብረ በዓል መጋቢት 27 መድኋኔዓለም
ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝተነበበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእክትን ወንጌልን ቀጺለ ንመልከት ብልቢ ድማ ነንብቦ ኣብ ገዛና ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ምርኩስ ጌርና ሰናይ ንባብ።
እብራውያን 12 (Hebrews)
2፤ ናብቲ፡ ሕፈረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።
3፤ ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።
4፤ ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን።
5-6፤ እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም።
7፤ ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧
8፤ ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን።
9፤ ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧
10፤ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና።
11፤ ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።
12፤ ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡
13፤ እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።
14፤ ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን።
15፤ ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ።
16፤ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ።
17፤ ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም።
18፤ ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዚትንከን ብሓዊ ዚነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡
1ይ ጴጥሮስ 3 (1 Peter)
15፤ ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
16-17፤ ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም።
18፤ ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።
19፤ ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡
20፤ ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም።
ግብሪ ሃዋ 10 (Acts)
30፤ ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዜብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡
31፤ ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡
32፤ ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቚ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኪነግረካ እዩ፡ በለኒ።
33፤ ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካ። ሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተዘዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ።
34-35፤ ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።
36፤ እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡
37፤ እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡
38፤ ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
39፤ ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ።
40፤ ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ኪገሀድ ከኣ ሀቦ፡
ዳዊት 74 (Psalms)
12፤ ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ።
13፤ ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ።
ማቴዎስ 27 (Matthew)
1፤ ምስ ወግሔ፡ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
2፤ ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ።
3-4፤ ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሐዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ።
5፤ ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ።
6፤ ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ።
7፤ ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ።
8፤ ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ።
9-10፤ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ።
11፤ የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ በሎ።
12፤ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን።
13፤ ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧ በሎ።
14፤ እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን።
15፤ እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም።
16፤ ሽዑ በርባን ዚብሀል ዉሩይ ተኣሲሩ ነበረ።
17-18፤ ተአኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝህብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም።
19፤ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸ

ኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሊኡ ብዙሕ መከራ ረኺቡኒ አሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ።
20፤ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም።
21፤ እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም።
22፤ ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምብኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኵሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ።
23፤ እቲ ሹም፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ።
24፤ ጲላጦስ ዘይምብዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ።
25፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ።
26፤ ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ከስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም።
27፤ ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ።
28፤ ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ።
29፤ ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጽሉ።
30፤ ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ።
31፤ ምስ ኣላገጽሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ፡ ኪስቕልዎውን ወሰድዎ።
32፤ ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ።
33፤ ጐልጎታ ኣብ እትብሀል ቦታ፡ ትርጓሚኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ፡
34፤ ምስ ሓሞት እተሖሶ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ።
35፤ ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ።
36፤ ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ።
37፤ እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ።
38፤ ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ።
39-40፤ ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
41፤ ከምኡ ድማ ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ምስ ጸሓፍትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም፡
42፤ ንኻልኦት ኣድሓኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከኣለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን።
43፤ ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ አሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ።
44፤ እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
45፤ ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ።
46፤ ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ።
47፤ ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ አሎ፡ በሉ።
48፤ ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ።
49፤ ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ።
50፤ የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት።
51፤ እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ።
52፤ መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ።
53፤ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ።
54፤ እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ።
55፤ ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን።