“ነቶም ደሓር ዚመጹ በደለኛታት . . . . . . . ሰዶምን ጎሞራን” (2ጴጥ፡2፡6)
“እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ . . . ዲንን ሓውን ኣዝነመ”ተባሂሉ ከም ዚተጻሕፈ(ዘፍ፡19፡24)፡ቅንዕ ኢልና ንርእዮ ሰማይ፡ ንጥቕሚ ሰብ፡ንምድሪ ከም እተብቁልን እተፍርን ዚገብር ዝናም ጥራይ ዘይኮነ ፡እግዚኣብሔር፡ኣብ ቅድሚኡ ጽዩፍ ንዝኾነ ሓጢኣት ንዚፍጽሙ ዘበሉ፥ ዘንድድ ዲንን ሓውንን ዘዝንም ሰማይውን እዩ።ግቡርዶ ንገባሪኡ “ንምንታይ ከምዚ ገበርካኒ”ይብል’ዩ?ዚተሰርሐ ኣቕሓ ንገባሪኡ እንተዘይጠቐመ ከምቲ ዚደልዮ እንተዘይኣገልገለ ፡ገባሪኡ ክሰብሮን ናብ ሓዊ ክድርንብዮን በዓል ሥልጣን እዩ። እግዚኣብሔር ንሰብ ተኻፋሊ መለኮታዊ ባህርይኡ ክኸውን ብዕላማ ብኽብሪ፡ንኽብሪ ፈጠሮ(2ጴጥ፡1፡4)።ሰብ ካብቲ ገባሪኡ ዚሓሰበሉ ብምውጽኡ ግን ናብ ርእሱ ዲንን ሓውን ኣምጸአ።
"ሰብ ሰዶም"፥ሑሱማት፡ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣዝዮም ኃጢኣተኛታት ሰባት ነበሩ(ዘፍ፡13፡13)።ከተማ ሰዶም፡ዓቢይ ከም ዕብየቱ ተሓፊሩ፥ንእሽቶ ከም ንእስነቱ፥ ዘይነብረላ፡ኩሉ ሰብ ሓደ ዝኾነላ ከተማ ነበረት።ሰብ ሰዶም፡ልጓም ከም ዘይብሉ ፈረስ፡ለይትን መዓልት፡ብትምኒት ሥጋ ተኣሊኾም፡ ንእግዚኣብሔር ዘሕዝኑ ሰባት ነበሩ።ሰብ ሰዶም፡በቲ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ፡ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣዝዩ ጽዩፍ ዝኾነ ግብሮም ክሳዕ ሎሚ ፡ናይ ሰዶም ግብሪ(ግብረ ሰዶም) ብዝብል ስያሜ ይጽዋዕ ኣሎ።ግብረ ሰዶም፡ነቲ ባህርያዊ ናብ ዘይባህርያዊ ዚልውጥ፡ኣብ ሓድሕድ ዓይነት ጾታ ዚፍጸም ስጋዊ ርክብ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ጽዩፍ ዝኾነ ኃጢኣት እዩ።
ሰብ ሰዶም ብትምኒቶም ዚምርሑ፥ካብ ንሓድሕዶም ሓሊፎም፡ናብታ ከተማ ዚመጹ፡ሎጥ ኣብ ቤቱ ንዚተቐበሎም መላእኽቲ ከይተረፉ ብግብሮም ክጠልፉ ዚሃቀኑ፥ ኣዝዮም ብትምኒት ሥጋ ዚተኣልኩ ሰባት ነበሩ።ንሎጥ "እዞም ናብ ቤትካ ዘእተኻዮም ኣበይ ኣለዉ፡ምእንቲ ክንፈልጦምሲ፡ናባና ኣውጽኣዮም እናበሉ"፡”ሰብ እታ ኸተማ፡ሰብ ሰዶም፡ኣጒባዝን ኣረገውትን፡ብዘሎ እቲ ህዝቢ ካብ ኩሉ ሸነኽ መጺኡ፡ነታ ቤት ከበባ”(ዘፍ፡19፡4)።”እቲ ጻድቕ(ሎጥ) ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝንበረ ግብሪ ዓመጽኦም፡እታ ጻድቕ ነፍሱ ትሳቐ ነበረት”(2ጴጥ፡2፡8)።ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሄር ንሎጥ ነሓፎ፡ንሰብ ሰዶም ግና ናይቲ ዚገበርዎ ግቡእ መቕጻዕቲ ብዲንን ሓውን ኣቃጸሎም። ኣብኡ ዚነበራ ከተማታትን ኩለን ከኣ ሓሙኽሽቲ ኮና።
ሰዶምን ጎሞራን ንምንታይ ብዲንን ሓውን ነደዳ? ንዚብል ሕቶ፡ጽሑፍ ከም ዚብሎ፡ ነቶም ደሓር ዚመጹ በደለኛታት መሰክሒ መታን ክኾና እዩ(2ጴጥ፡2፡6)።”ደሓር ዚመጹ በደለኛታት” ማለት ነቶም ድሕሪ ምንዳድ ከተማታት ሰዶም ጎሞራን ዚተፈጥሩ፡ታሪኽ ሰዶምን ጎሞራን በእዛኖም ዚሰምዑ፡ፍጻሜአን ዝርኣዩ ዳሕሮዎት ወለዶ።መሰክሒ፡መምሃሪ፣ኣርኣያ መታን ክኾና እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌአን ዲንን ሓውን ኣዝነመ።”በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለዓለም ሓዊ ንመሰክሒ ኾይነን ኣለዋ”(ይሁ፡7)። ንስራሕ ሰዶም ዚስዕቡ ኩሎም ፍጻሜኦም ፍጻሜ ሰብ ሰዶም እዩ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ንዚነብሩ፡ከምቲ ”ንገሊኣቶም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም” ዚተባህለ(ይሁ፡23)፡ብክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ዘለውዎ ጸልማት ናብ ብርሃን ብወንጌል ዚወጽሉ፡ካብ መፈንጠራ ናይቲ ክፉእ ከምልጥሉ ዝኽእልሉ መገዲ ኲልና ኣመንቲ ክንዓየሉ ይግባእ።
“ንስኻትኩም . . ካብቲ ንዓለም ኣባላሽይዋ ዘሎ ትምኒት ሥጋ ወጺእኩም ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኮንኩም”(2ጴጥ፡1፡4)
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

--------------------------------------------------------------
"ድምጺ ኻልእ..... ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን።"(ዮሓ፥10፥5)

ብትኽክል ክርስቶስ ንስዕቦ ከም ዘሎና እንፈልጠሉ ምልክት ሓደ፥ "ድምጺ ጐይታ" ካብ "ድምጺ ኻልእ" ፈሊና ምስ እነለሊ እዩ።ጽሑፍ " እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ" ከም ዝብል(ዮሓ፥10፥4)፥እቲ ንክርስቶስ ዚስዕብ ሓቀኛ ሰዓቢ "ድምጺ ጐይታ" ካብ "ድምጺ ኻልእ" ፈልዩ ዘለለየ እዩ።"ድምጺ ኻልእ" ካብ ድምጺ ጐይታ ክሳዕ ዘይፈለናዮ ግን ንክርስቶስ ንስዕቦ ኢና ምባል ፍጹም ስሕተት እዩ።ድምጺ ኻልእ፦ ሰብ ካብ መገዲ ኣምላኽ ኣዘንቢሉ ባርያ ሓጢኣት ዚገብር ድምጺ እዩ።

ብየማን እዝንና ድምጺ ኣምላኽ፥ ብጸጋም ከኣ ድምጺ ኻልእ ብምስማዕ ንክርስቶስ ምስዓብ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ።"እምነት ካብ ምስማዕ እያ"ከም ዚተባህለ(ሮሜ፣10፣17)፥እቲ ንኹሉ ዚሰምዖ ዚቕበል ሰብ እምነቱ ኣብ ኩሉ እዩ።እዚ ዓይነት ሰብ ከኣ እምነቱ ኣብ ቃል ክርስቶስ መሰረት ዘይገበረ ካልእ እምነት ዚሓዘ ሰብ እዩ።ነዚ ሰብዚ ኸኣ "ኣምላኽ የብሉን"(2ዮሓ፣1፣9)።ከምኡውን ጽሑፍ "እምነት ካብ ምስማዕ እያ" ምስ በለ ቀጺሉኸኣ"እቲ ዚስማዕውን ቃል ክርስቶስ እዩ"ብምባል ክንሰምዖ ዘሎና ፈልዩ ይነግረና (ሮሜ፣10፣17)።እዚ እምነትዚ ከኣ ከም ቃሉ ዝኾነ ኣብ ምህሮ ክርስቶስ ዚተመስረተ እምነት እዩ።

ድምጺ ኻልእ፥ብደግኡ ሓቂ ዚመስል ውሽጡ ግን ሓሶት ዝሓዘለ መልእኽቲ እዩ። እዚ ድምጺ መጀምርታ ኣብ ገነት ዝተሰምዐ፥ "ኩሉ ከም እትፈልጡ" "ከም ኣምላኽ ከም እትኾኑ " ዚብል ሓቂ ዚመስል፣ሕይወት ዝህብ ዚመስል ግን ውሽጡ ሞት ዚሓዘለ፥ ንሰብ ካብ ገነት ኣውጺኡ ናብ ጸልማት ዘውረደ ድምጺ እዩ።እዚ ድምጺ'ዚ ምንጩ ካብ ጸላኢና ሰይጣን እዩ።ዲያብሎስ ፣ሰብ ሕይወት ዚረኽበሎም ዚመስሉ ግናኸ ናብ ሞት ዘውርዱ ኣፍ ደገታት ብጥበቡ ብምኽፋት፣ካብ ጥንቲ ካብ ገነት ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ንጥፍኣትና ኣየዕረፈን።

ቅድሚ ንክርስቶስ ምስዓብ ዚመጽእ፣ኣቐዲምካ ድምጹ ፈሊኻ ምልላይ እዩ።ነቲ እትኽተሎ ክርስቶስ ንዕኡ መታን ክትስዕቦ፣ካብ ካልኦት ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ድምጽታት ፈሊኻ "ድምጹ" ከተለሊ ግዲ እዩ።ኩሉ ዚሰምዕ ሰብ ፥ሰዓቢ ኩሉ እዩ።ጽሑፍ "እተን ኣባጊዑ. . . "ድምጺ ኻልእ..... ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን"ከም ዚብል ፥ እቲ ድምጺ ክርስቶስ ሰሚዑ ንጐይታ ዝስዕብ ክርስትያን ድምጺ ኻልእ ስለ ዘይፈልጥ ካብቲ ካልእ ይገልብ እምበር ንካልእስ ፈጺሙ ኣይስዕብን እዩ።

ብዘይካ ድምጺ ጐይታ ማለት ቃል ክርስቶስ፥ሰብ ከዕርፈሉ ዝኽእል "ካልእ ድምጺ" ንሰብ ፈጺሙ ካብ ላዕሊ ኣይተዋህበን።ሰብ ቅኑዕ መሲላ እትርኣዮ መገዲ መወዳእታኣ ግን ጥፍእት እዩ።ንሰብ ሕይወት ዝህብ ዚመስል ግናኸ ንቃል ወንጌል ዚጻረር ካልእ ወንጌል፣ካልእ መድሕን፣ካልእ ድምጺ ኩሎም ካብቲ ንጥፍእትና ዘይድቅስ ጸላኢና ዝኾነ ዲያብሎስ እዮም።ንኩሉ ንሰምዖ ኣብ ቃሉ ሚዛን ከነቐምጦን ንኹሉ ክንመርምሮን ይግባኣና።ኣብዛ ብዙሕ ድምጺ እተአንግድ ዓለም ንኹሉ ብሽፋን ኣምላኽ ዚመጽእ ካልእ ድምጺ ፈሊና፣ ንድምጺ ጓሳና ኣለሊና ንዕኡ ክንስዕብ ይግብኣና።

ኣታ ክቡር ኣንባቢ ንስኻ'ኸ ድምጺ መን ኢኻ እትሰምዕ ዘሎኻ ናይ ክርስቶስ ድምጺዶ ወይስ ናይ ክርስቶስን ከምኡኸኣ ናይ ካልእ ብየማንን ጸጋምን ዘሎ ድምጺ? ጽሑፍ "ሒደት ማይ ብሑቕ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ የብኵዖ እዩ"ከም ዝብል(ገላ፣5፣9)።ሒደት "ድምጺ ኻልእ" ካብቲ ድምጺ ክርስቶስ ጐቦ ክትከይድ ካብ ኣምላክ ክትዝንብል ይገብር እዩ።"እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን"ከም ዚተባህለ'ኸ ሰሚዕካዶ(2ዮሓ፣1፣9)። ሕይወት ዘውህብ ዚመስል መልእኽቲ ኩሉ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን'ሞ ብወንፊት ቃሉ ክርዳድ ካብ ስርናይ ፍለዮ። ሕይወት ከም እትረክብ ነጊሩ ናብ ጸልማት ዘውርድ ዘይድቅስ ጸላኢኻ ሰይጣንዩ'ሞ ብእትሰምዖ ኩሉ ተጠንቀቕ(ማር፣4፣23)።

"ከም ቃልካ"
"ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እየ"(ዕብ፣13፣5) ኢልካ ኢኻሞ፣ዎ ጐይታ ንዓይ ንባርያኻ "ከም ቃልካ ደግፈኒ"(መዝ፥119፥116)።"ከም ቃልካ ኣደልድለኒ"(መዝ፣119፣28)።"ከም ቃልካ ኣናግፈኒ"(መዝ፣119፣170)።
"ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ"ተባሂሉ ከም ዚተጻሕፈ(ዕብ፣4፣12) ዎ ጐይታ ንዓይ ንባርያኻ "ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ"(መዝ፥119፣25)።ንዓይ ንውሉድካ "ከም ቃልካ ኣእምሮ ሃበኒ"(መዝ፣119፣169)።
"ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።"ከም ዚተባህለ(መዝ፣119፣9)
"ከም ቃልካ"- ክነብር
"ከም ቃልካ"-ክመላለስ'ሲ
ዎ ኣምላኸይ"ከም ቃልካ ደግፈኒ"(መዝ፥119፥116)።

ንሓሳብ ሰብ'ዶ ወይስ ንሓሳብ ኣምላኽ?
ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ደቂ ሰባት፥ሓደ ሰብ ብኣባላት ቤተሰቡ፣ብማሕበረ ሰቡ፥ ተቐባልነት ዝህልዎ፣ከምቲ ሕብረተሰቡ ዝደልይዎን ዝቕበልዎን ባህልን ስርዓትን ኣካይዳ ምስ ዝኸይድ እዩ።ካብ ንቃል ኣምላኽ ንቃል ሰብን ስርዓት ሰብን ዘቐድም ሰብ፥ "ሰብ'ከ እንታይ ክብለኒ" ብዝብል መርሕ፣ "ኣብ ቅድሚ ሰብ" እምበር "ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር" ዘይመላለስ፣ንሰብ ጥራይ ዝነብር ሰብ እዩ።እዚ ኸኣ"ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ"(ማቴ15፣6) ከም ዝተባህለ እዩ።
ጽሑፍ "ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።"ከም ዝብል(ኢሳ፣55፥9)ሓሳብ ሰብን ሓሳብ እግዚኣብሔርን በበይኑ እዩ።"ክሳዕ መአዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፡"ከም ዚተባህለ፣(1ነገ፣18፣21)ካብ ክልቲኡ ንሓዲኡ ምምራጽ ይግባእ።ናብ ክልቲኡ ወገን ምሕንካስ ግን ከምቲ "ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።"(ራእ 3 ፥16)ዚተባህለ ልብጥ ሰብ'ዩ።
ከም ሓደ ክርስትያን ክነብሮ ዝግብኦ ካብ ዘይነበርና፣ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ፣ንቓሉ ንምእዛዝ ካብ ዘይተጋህና፣ኣብ ቤትና ብውልቂ ኮነ ብማሕበር፣ቃል ኣምላኽ ምክፋል፣ከምኡውን ናይ ጸሎት ሕይወት ልምምድ ካብ ዘይብልና፥ ዘወትር ብመንፈስ ብሓቅን ብዝኾነ ኣምልኾ፣ብመንፈሳዊ ልምምድ ካብ ዘይተመላለስና፥ ክርስቲያን ምዃኑ ስምና እንታይ እዩ ረብሕኡ?ብሓስብ ሥጋ ጥራይ ምንባርና እንታይ ጥቕሙ?ወይስ ከምቶም"ሃይማኖት ናይ ምድራዊ ረብሓ መጋበሪ እዩ ዝመስሎም"ዚተባሃሉ(1ጢሞ፣6፣5)ንሃይማኖት ንምድራዊ ረብሓ ንጥቀመሉ ሰባት ኢና?
". . ካብ ንኣምላኽ፥ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ "(ግ.ሓ፥ 4 ፣19-20)ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፣ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣየናይ እዩ ቅኑዕ?ንመን ምእዛዝ'ዩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝሓይሽ? ንሓሳብ ሰብ'ዶ ወይስ ንሓሳብ ኣምላኽ?
"ንመን ከም እተገልግሉ፡. . ሎሚ ሕረዩ" "(ኢሳ፣24፣15)

ሰብ ብዘሕፍር ሓጢኣቱ ዘይሓፈረ፣ከመይ ቢሉ ብወንጌል ይሓፍር?ከመይ ቢሉ ብዘድሕን ሓይሊ ኣምላኽ ይሓፍር?
ጽሑፍ " ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ"ከም ዝብል(ዕብ፣2፣12)፣ሓጢኣተይ ብዝተሸከመለይ ብኣይ ብሓጢኣትርኛ ዘይሓፈረ ፣ኣነ ከመይ ቢለ ብእኡ በቲ ሓጢኣተይ ኣብ መስቀል ዝጾረለይ ጐይታ ክሓፍር።
"ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ"ተባሂሉውን ከም ዝተጻሕፈ(ዕብ፣11፣16)፥ ብክርስቶስ ወዱ ዝገብረኒ ኣምላኽ፣ኣምላኸይ ተባሂሉ ክጽዋዕ ብኣይ ዘይሓፈረ ፣ኣነ ከመይ ቢለ ብእኡ ክሓፍር?
"ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ"(ሮሜ፣1፣16)
"ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ"(ሮሜ፣1፣16)
ብወንጌል ምሕፋር ብኢየሱስ ምሕፋር ማለት እዩ።
ብወንጌል ምሕፋር ማለት ንዓና ከድሕን ብሰሪ ገበንና ብዝቖሰለ፣ብሰሪ ኣበሳና ብዝተኸትከተ፣ ብዝተሰቕለ፣ ብዝሞተ፣ብዝተቐብረ ብክርስቲስ ምሕፋር እዩ።"ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ"(ሮሜ፣1፣16)

---------------------------------------------------------------------
" ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም. . . .ኣሰርኣሰር እምነቶም ስዓቡ።"(ዕብ፣13፣7)
----------------------------------------------------------------------

"ቃል ሰብ" ዘይኮኑ ቃል'ቲ ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ መርገጺ እግሩ ዝኾነ ኣምላኽ፣ዝነገሩና መራሕትና መን እዮም ንዝብል፣ቅድሚ ኹሉ ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን እዮም።ድሕሪኦም ከኣ ኣሰሮም ብምኽታል፣ኣኣብ ዘመኑ ዝተንስኡ፣ሓደራ ንዝተቐበልዎ ትምህርቲ ክርስቶስ ከየጉደሉ ከይወስኹ ከም ዘለዎ ዝመሃሩ፣ዝሓለዉ፣ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘሕለፉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። "ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ"(ዕብ፣13፣7)።

ሓዋርያት ዘይመሃርዎ ግጉይ ትምህርቲ እዳመሃርካ፣ሓዋርያት ዘይሰበኽዎ ጽውጽዋያት ክትሰብኽ እናወዓላካ፣ "ኣነ ፍኖት ሓዋርያት ኣቦታተይ" ከምኡውን ኣሰሮም ዝኽተልየ ምባል ብኣምላኽን ብቃል ኣምላኽን ምንጋድ እዩ(2ቆሮ፣2፣17)።ኣሰርኣሰር ሓዋርያት ምኽታል፣ ንሳቶም ንዝመሃርዎ ምምሃር፥ካብቲ ንሶም ዝመሃርዎ ኸኣ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይበልካ ንዕኡ ምስዓብን ብእኡ በቲ ንሳቶም ዝመሃርዎ ቃል ክርስቶስ ምጽናዕን እዩ።ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና ከምቶም፣ካብ እምነት ዘምቢሎም እምነት ብዙሓት ዝገላበጡ፥ሄሜኔዎስን ፊሊጦስን ምዃን እዩ(2ጢሞ፣2፣17)።ከምኡውን ከምቲ " እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን"ዝባህለ እዩ(2ዮሓ9)።

እስኪ ንመልከት፣ሓዋርያት "ኪዱ መሃሩ "ተባሂሎም፥ናብ ኩሉ ዓለም ምስ ተበተኑ፣ኣኣብ ዝኸድዎ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ሓደዶ ኣይኮነን እዩ።ጴጥሮስ ብሓደ ወገን፣ዮሓንስ ብሓደ ጫፍ ፣ከምኡውን ያዕቆብ ብኻልእ ወገን ኮይኑ ዝመሃሮ፣ ከምኡውን ጳውሎስ፣ፋሕ ኢሎም ክሳዕ ጫፍ ምድሪ ዝሰበኽዎ ፣ካብ ሓደ መንፈስ ዝኾነ ትምህርቲዶ ኣይኮነን?ንሓድሕዶም ዝጋጮ ትምህርቲዶ ነይርዎም እዩ?፣ምድሓን ብሓደ ክርስቶስ እምበር ብኻልእ ከም ዘይልቦ'ዶ ኣይኮነን።ኣታ ናይዚ ዘመን ሰባኺ! ብሓቂዶ ኣሰር ሓዋርያት ኣቦታትካ ትኽተል ትህሉ?እቲ ንሶም ዝመሃርዎ ከይሓዋወስካዶ ትምህር ትህሉ ወይስ "ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ"(2ቆሮ፣2፣17)።

ጴጥሮስዶ ኣብ መልእኽቱ፣ካብ ክርስቶስ ወጻኢ፣ካልእ ንሰብ ዕረፍቲ ክህብ ዝኽእል፣ካብ ሰብ ወገን ወይስ ካብ መላእኽት ወገን ኣሎ ኢሉ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣሎዩ? ጳውሎስ'ከ ኣብቲ ዝጸሓፎም መልእኽታቱ፣ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ምድሓን ብኻልእ መገዲ ከም ዘሎ፡ዝመሃሮዶ ኣሎዩ? እስኪ ገዛኻ እቶሞ ጽሑፋቱ ፈትሾ?" ኩሎም ሓዋርያት ከምዚ ሎሚ ንምህሮ ዘሎና ሓዋዊሶምዶ ሚሂሮም እዮም?።ኣቱም ሰበኽቲ!ምናልባት ብሽፋን ኣምላኽን ቃል ኣምላኽን ንሰይጣን ነገልግል ከይንህሉ ርእስና ንፈትሽ?ብቃል ኣምላኽ ንነግድ ከይንህሉ ርእስና እስኪ ንመርምር?እስኪ ብጽሞና ሎሚ ንዝመሃሩ ዘለው ትምህርቲ ካብ ኣምላኽ ምዃኖም ንመርምሮም፣ብሓቂዶ ካብ ኣምላኽ እዮም?እንታይ ደኣ ኮይኑ ፍረ ተሳኢንዎም?ብሓቂዶ ንወንጌል ዝጻረር ትምህርቲ የልቦንዩ?ብሓቂዶ ኣሰር ሓዋርያት ንኽተል ኣሎና ኢና?

ንሓዋርያት ምኽታል ማለት ንሳቶም ንዝመሃርዎ ትምህርቲ ምምሃር ጥራይ ዘይኮነ፣ ከምኡውን ነቲ ንሳቶም ዝመሃርዎ ትምህርቲ ዝጻረር ካልእ ትምህርቲ ምቅዋም እዩ።ምኽንያቱ ጽሑፍ፣"ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን።ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ።"(ገላ፣1፣8-9)ከም፡ዝብል፣ነቲ ኣቦታትና ሓዋርያት ዝመሃርዎ ዝጻረር ዝመህር ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ፣ከምኡውን ካብ ሰማይ ንዝወረደ መልእኽ፣እወ እቲ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ እኳ እንተኾነ ውጉዝ እዩ።

"ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን"(2ቆሮ፣2፣17)።

ድሕነት ደሞዝዶ ወይስ ውህበት?
ሰብ ካበይን ብኸምይን ከም ዝተፈጥረ፡ብዘይካ እቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ካልእ ንዕኡ ክገልጾ ዝኽእል ኣካል ፈጺሙ የልቦን።እንታይነት ፍጡሩ ዚገልጽ ፈጣሪ ጥራይ እዩ።ልክዕ ከምቲ ሓደ መሃዚ ንሓደ ዝመሃዞ ብኸምይ ከም ዝመሃዞ ፡ከምኡውን ናይ ምህዝኡ ጥቕምን እቲ ክህቦ ዝኽእል ኣገልግሎትን ባዕሉ እቲ መሃዚ ኣካል ጥራይ ከም ዝገልጾ፡እግዚኣብሔርውን ንሰብ ብኸመይን ንምንታይ ዕላማን ከም ዝፈጠሮን ከምኡውን ንዕኡ ንምድሓን ዝፈጾሞ ስራሕ ከመይ ከም ዝኾነን ዝገለጾ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ።ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ከምኡውን ከድሕኖ እንከሎ ንዕኡ ንምፍጣርን ንምድሓንን ዝተጠቀመሉ መገዲ ዋናኡ ባዕሉ ጥራይ እዩ።ስለዚ እግዚኣብሔር ብቓሉ ኸምዚ’ዩ ንዝበሎ ኣሜን ምባል ጥራይ እዩ መልሱ።ኲሉ ካብኡን ንዕኡን እዩ’ሞ ንዘልዓለም ንኣምላኽና ክብሪ ይኹን።ኣሜን!
ደሞዝ ውህበት ኣይኮነን፡ውህበትውን ደሞዝ ኣይኮነን።ደሞዝን ውህበትን ክልቲኦም ዚተፈላለዩ ኣርእስታት እዮም።ደሞዝ ናይ ድኻም ፍረ እዩ።ደሞዝ ናይ ስራሕ ውጽኢት እዩ።ከይሰርሐ ደሞዝ ዝቕበል ሰብን ብኸምኡ ንዘይሰርሐ ደሞዝ ዝኸፍል ትካልን ኣብ ዓለም ፈጺሞም የለውን።ከይሰራሕካ ከይደኸምካ ብኸምኡ እትቕበሎ ነገር እንተሎ ንሱ ወህበት እዩ።ውህበት፡ከይደኸምካ ካብ ሓደ ዝደኸመሉ ሰብ፡ ብነጻ ማለት ብኸምኡ፡ እትቕበሎ ልግሲ እዩ።ደሞዝ ግን ናይ ስራሕካ ግቡእካ ደኣ እምበር ውህበት ኣይኮነን ።”ነቲ ዝዓዪ ሰብ ደሞዙ ከም ግቡኡ ኮይኑ እዩ ዚቑጸረሉ እምበር ከም ውህበት ኣይኮነን”(ሮሜ፡4፡4)። ብክርስቶስ ዝኾነልና ድሕነት፡ናይ ድኻምና፡ ናይ ስራሕና ዶሞዝዶ ወይስ ብነጻ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበልናዮ ውህበት ?
ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ዝጸሓፍዎ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡”ግብሪ ኣየድልን እዩ”ዝብል ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይጸሓፉን፡ከምኡውን “ሰብ ብግብሩ’ዩ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ዝቕበል”ዝብልውን ኣይመሃሩን።”ግብሪ ኣየድልን እዩ”ዝብል ካብዘይተጻሕፈ፡”ሰብ ብግብሩ’ዩ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ዝቕበል”ዝብልውን ካብ ዘየልቦ፡ሰብ ዝድሕን ደኣ ብኸመይ እዩ?ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝጸድቕ ደኣ ብምንታይ እዩ?ነዚ መረዳእታ ንኽኾነና ኢና ደሞዝን ውህበትን ፍልልዮም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም።ግር ከይብለኩም፡ዝተጻሕፈ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።ዘመኑ ግን ንዝተጻሕፈ እኳ ደጊምካ እንተጻሓፍካ ዝቃወም ትውልዲ ዝተንሳኣሉ ዘመን ኮይኑ ኢና ንርእዮ ዘሎና።እዚ ሓድሽ ትምህርቲውን ፈጺሙ ኣይኮነን።ትምህርቲ እነ ቅዱስ ጳውሎስ እነ ቅዱስ ጴጥሮስ እነ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቶም ዝመሃርዎ ሕያው ትምህርቲ ሓዋርያት እዩ።
እስኪ ሕቶ ክሓትት፦ሰብ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ወይ ናይ ዘልዓለም ሞት ዝቕበል፡ብግብሩ እንተድኣኾይኑ፡”ግብሪ ክርስቶስ”ደኣ እንታይ ጥቕሙ?እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ግብርና ዝተመርኮሰ እንተድኣኾይኑ ከምኡውን ንምድሓን ግብርና ቡቑዕ እንተኾይኑ፡ክርስቶስ ስጋ ተዋሂዱ ንምታይ ገዛእ ርእሱ ኣዋሪዱ ሰብ ኮይኑ?ንምንታይከ መከራ መስቀል ተቐቢሉ?ንምታይ ሞይቱ፡ተቐቢሩ፡ተንሲኡ፡ዓሪጉ? ግብርና ንስራሕ ክርስቶስ ከንቱዶ ኣይገብሮን?ትምክሕትና መን እዩ? ግብርናዶ ወይስ ክርስቶስ? ሓደ ሰብከ ኃጢኣት ብዘይምግባሩ፡ሠናይ ዘበለ ነገር ብምግባር ብክርስቶስ ከይኣመነ ግብሩ ከድሕኖ ይኽእልዶ?ኣይክእልንዩ እንተኾይኑ መልስኹም፡ስለ ምንታይ?እምበኣር ጽሑፍ ”እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይመካሕ”ከም ዝብል(1ቆሮ፡1፡31) እቲ ብክርስቶስ ዝተገብረሉ ውዕለት ዘስተውዕል ሰብ ትምክሕቱ ግብሩ ዘይኮነ ግብሪ ኣምላኽ እዩ።ድሕነት ውጽኢት ድኻምና ዘይኮነ ውጻኢት ድኻም ክርስቶስ ምኳኑ ምስትውዓል፡- ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሑት ይገብር፡ሰብ ዝቖጽሮ ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ከም ጨርቂ መርገም ምዃኑ የገንዝብ፡ናብ ኣምላኽውን ከብጽሖ ዘይክእል ምዃኑ የረድእ፡ንወሰን ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ የፍልጥ።እቲ ግብሩ ትምክሕቱ ዝኾነ ሰብ ግን ፡ጽድቁ ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ዘየግዝእ፡ናይ ክርስቶስ ሞት ከንቱ ዝገብር ሰብ እዩ(ገላ፡2፡21)።
ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ንሕና ዝደሓንና ክርስቲያን ብኸመይ ክነብር ከምዝግብኣና ክገልጽ እንከሎ”ነቲ ኣምላኽ ክነመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተፈጠርና ኢና “ብምባል ክንፍጽሞ እግዚኣብሔር ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ከምዘሎ ይገልጽ።እቲ ክንገብሮ ዝተእዘዝና ግብሪ፡ንዓና ከም ዝመሰለና ዘይኮነ፡እግዚኣብሔር ንዓና ኣቐዲሙ ዘዳለዎ እዩ።ስለዚ ውሉድ ኣምላኽ ብምኳንና ከም ውሉዱ ክንፍጽሞ ዝተኣዘዝና ኣቐዲሙ ዝተዳለወልና ስራሕ ኣሎ።ዋላእኳ ካብ ግዝኣት ሰይጣን ሓራ እንተወጸና፡ካብ ትእዛዝ ኣምላክ ግና ሓራ ኣይኮንናን።ካብ ርኽሰት ዘበለ ርሒቕና ብቕድስና ክንመላለስ፡ከም ፍቁራት ውሉድ ንኣምላኽ ክንመስል ኢና ተጸዊዕና(ኤፌ፡5፡1)።ጽውዓና እዚ ካብ ኮነ፡እቲ ኣብ ክርስቶስ መሰረት ዝገብረ እምነትና፡ግብሪ ዘለዎ እምነት እዩ።ጽሑፍ”እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት”ከም ዝብል(ገላ፡5፡6)ዝተቐበልናዮ እምነት፡ ስራሕ ዘይብሉ እምነት ኣይኮነን፡፡ብስራሕ ዘይግለጽ እምነት እንተዳኾይኑ ግና ዝሞተ፡ ከም ናይ ኣጋንንቲ እምነት እዩ(ያዕ፡2፡19)።ቅዱስ ያዕቆብ ነዚ እዩ “እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ”እናበለ ነቲ ይኣምንየ እናበለ እምነቱ ብግብሪ ዘየርኢ ክርስቲያን’የ ባሃሊ ግን ካብ ዓለማውያን ፍልዩነት ዘይብሉ ሰብ ክምጉቶ እንምልከት።ዝሞተ ከምዘይርአ ፡እምነት ብዘይ ግብሪውን ከምኡ እዩ።ስለዚ ጳውሎስ “ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡እዚ ኸኣ ዉህበት ኣምላኽ እዩ ‘”ምባሉ ትኽክል እዩ።’ያዕቆብ”እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ“ ምባሉውን ትኽክል እዩ።”እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ”(1ጢሞ፡1፡15)።
ጽሑፍ“ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ካብ ግብሪ ኣይኮነን ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን”ከም ዝብል(ኤፌ፡2፡9)።ድሕነት ውህበት እምበር ካባና ኣይኮነን።ድሕነት ውህበት እምበር ናይ ግብርና ውጻኢት ኣይኮነን።ናይ ሰብ ታራ ኣብ ውህበት ከኣ ምቕባል ጥራይ እዩ።እዩ።ኩላትና ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ ናይ ግብርና ዓስቢ ከምዘሎ ክንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ እዩ።ግናኸ ናይ ስራሕና እንቕበሎ ዓስብን ብክርስቶስ ዝኾነልና ድሕነትን ግን በበይኖም ምዃኖም ክንግንዘቦ ይግብኣና።ድሕነት ብሰናይ ስራሕ እንቕበሎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ብክርስቶስ ዝተገልጸ ጽድቂ ኣምላኽ ከንቱ ምግባር እዩ።ሰብ ብስርሑ ናብ እግዚኣብሔር ክበጽሕ ዝኽእል እንተዝነብር፡ኣምላኽ ንሓደ ወዱ በጃ ኣይምሃበን።ኩሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእ፡ኣምላኽ ንሓደ ወዱ በጃ ክሳዕ ምሃብ መዘና ዘይብሉ ፍቑሩን ምሕረቱን ንዓለም ገለጹ እዩ።ክርስትና ዉሉድ ኮይንና እንነብሮ ሕይወት ደኣ እምበር ዉሉድ ኣምላኽ ንምዃን እንንብሮ ሕይወት ኣይኮነን።”ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ወረስቲ ድማ ኢና”(ሮሜ፡8፡16)።”ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደሓንኩም”(1ጴጥ፡1፡19)ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ክርስትና ብደሙ ድሒንና ናይ ዘልዓለም ሕይወት ተቐቢልና ብቕድስና ሕይወት እንመላለሶ ደኣ እምበር ገና ንምድሓን፡ ገና ናይ ዘልዓለም ሕይወት ንምቕባል እንነብሮ ሕይወት ኣይኮነን።”ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ”(1ዮሓ፡5፡13)”ነቲ ዘይኣምን ግና ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ”(ዮሓ፡3፡18)”ቁጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይ

ነብር እምበር፡ንሕይወት ኣይኪርእያን እዩ”(ዮሓ፡3፡36)።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!
“ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ካብ ግብሪ ኣይኮነን፡ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን;ፍጡራቱ ኢና እሞ ፡ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተፈጠርና ኢና “(ኢፌ፡2፡9-10)