Kulu Media ኩሉ ሚድያ
11.2K subscribers
58 photos
12 videos
3 files
373 links
Welcome To Kulu Media ኩሉ ሚድያ

ኩሉ ሚድያ - ፍልፍል ፅፉፍን እዋናውን ሓበሬታ
Kulu Media - A source of Latest & Reliable Information.

Subscribe on YouTube
https://youtube.com/c/KuluMedia


Follow us on Facebook
https://facebook.com/KuluMedia
Download Telegram
የተባበሩት መንግስታት ድርጅትን በኢትዮጵያ ሀላፊ ካትሪን ሱዚ የተመራው የልኡካን ቡድን መቐለ ገባ።

በኢትዮጵያ የሚገኙ አለም አቀፍ የግብረ ሰናይ ድርጅቶች ልኡካን በመቐለ ኲሓ የተፈናቃይ መጠልያ ላይ ጉብኝት እያደረጉ ነ
ው።

ለተጨማሪ መረጃ
Join 👉 t.me/KuluMedia
#ሰበር_ዜና
ድምፂ ኣቦታት!!!

"ንሕና መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ዝመስረትና፣ 'ኣይተድልዩናን' ኢሎም ስለዝደፍኡናን ክንበርስ ስለዝጨፍጨፉናን እምባር ብፅጋብናን ባህግናን ኣይኮነን። ኣይተድልዩን ኢሉ ከጥፍአካ ንዝወሰነልካ ኣካል ድማ 'የድልየካ ዶ ይኾን' ኢልካ ኣይኽየድን። መንበረ ሰላማ ካብ ንኡስ ክሳብ ዓብዪ ትግራዋይ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ስለዝኾነ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ምንታይ ብመስዋእቲ ዝተመስረተ መንበረ ሰላማ ኣቃሊልካ ምርኣይ ማለት፣ ነቲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ምርኻስ እዩ ዝኾን።

"ስለዚ ባህጊ ህዝብናን እቲ ወድዓዊ ክነታትን ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ መወዳእታ መስዋእቲ ክንከፍል ወሲንና ዝመስረትናዮ ስለዝኾነ፣ ከምቲ 'ዕርፊ ሒዝካ ንድሕሪት ኣይረአን' ዝበሃል ጉዕዞና ንቕድሚት እምባር ንድሕሪት ኣይኮነን። ይትረፍ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ እናደገፈናስ እንተዘይድግፈና እውን ክሳብ ህይወት መስዋእትነት እናተቓለስና ክንተኽሎ ዝግባእ እዩ ነይሩ። ስለዚ መንበረ ሰላማ ብወነ (ስምዒት) ዘይኮነስ ብውነ ዝተትሓዘ መደብ እዩ። ስለዝኾነ ህዝቢ ከምቲ ልሙድ ኣብ ጎድኒ መንበረ ሰላማ ኮይኑ ደገፉ ክቕፅል ይግባእ" ክብሉ ኣተሓሳሲቦም እዮም።

ንሓበሬታ
Join 👉 t.me/KuluMedia
╔═╦╗╔╦╗╔═╦═╦╦╦╦╗╔═╗
║╚╣║║║╚╣╚╣╔╣╔╣║╚╣═╣
╠╗║╚╝║║╠╗║╚╣║║║║║═╣
╚═╩══╩═╩═╩═╩╝╚╩═╩═╝
ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብብርኪ ትግራይ ሎሚ ዕለት ሓደ ለካቲት 2015 ዓ/ም ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይ ዓለም ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተሳተፈሉ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን
ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ዕቀባ ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦን ተረኺቦም ኣጀሚረምዎ ኣለዉ።

ተወ
ሳኺ ሓበሬታ
👉 t.me/KuluMedia
ሰበር ዜና ምሕፅንታ ብልጽግና ንህወሓት | “ንትግራይ ክመርሕ‘የ ” ኣረጋዊ በርሀ | “ ኣይደልየልኩምን ” ኤርትራ | Kulu Media ኹሉ ሚድያ
https://youtube.com/live/ig_71sAsxF0?feature=share
የትግራይን ጊዜያዊ አስተዳደር ለማቋቋም በሚመክር ስብሰባ ላይ ሦስት የክልሉ ተቃዋሚ ፓርቲዎች ሳይገኙ መቅረታቸው ተሰማ

በስብሰባው ላይ ጀነራል ጻድቃን ገብረተንሳይም እንዳልተገኙ ተነግሯል

የትግራይን ጊዜያዊ አስተዳደር ለማቋቋም በሚመክር ስብሰባ በክልሉ የሚንቀሳቀሱ የተቃዋሚ ፓርቲዎች ሳይገኙ መቅረታቸው ተሰምቷል፡፡

ከዛሬ ረቡዕ የካቲት 22፣ 2015 ጀምሮ እየተካሄደ በሚገኘው ስብሰባ ጥሪ ቢደረግላቸውም ሳይገኙ የቀሩት ፓርቲዎች የብሔራዊ ባይቶ አባይ ትግራይ (ባይቶና)፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እና ውድብ ነጻነት ትግራይ ናቸው፡፡

በዛሬው ስብሰባ ላይ ሳይገኙ የቀሩት ሦስቱ የትግራይ ክልል ፓርቲዎች ከአስር ቀናት በፊት በጋራ በሰጡት መግለጫ በክልሉ ይመሠረታል በተባለው የሽሽግር መንግሥት ምሥረታ ራሳቸውን ማግለላቸውን አሳውቀው ነበር፡፡

ፓርቲዎቹ ከሒደቱ ራሳቸውን ያገለሉት በኮሚቴው ላይ ገለልተኝነት እና የአሳታፊነት ጥያቄ በማንሳት ነው፡፡

https://t.me/KuluMedia
''ኣብ ከቢድ ፀልማትን ጥፍኣትን ክትሳቐ ዝፀሐ ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ናብ ጭላንጭል ብርሃን ምርኣይ ኣብቀዐካ '' ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ
----
ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስን ካልኦት ኣበዉ ሊቃነ ጳጳሳትን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብፁእ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮዉሃንስ ዳግማዊ ንምሰናይን ቡራኬ ንምሃብን ኣብ ካቴድራል ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል መቐለ እንትበፅሑ ብ10ታት ኣሽሓት ኣመንቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

ላዕለዎት ሊቃነ ጳጳሳትን ኣመራርሓን ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ ፣ካህናት፣ዲያቆናት፣መዘምራንን ምእመናትን እታ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝፈቕዶ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣቀባብላ ተገይርሎም ።

ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትርያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ተሃቂንዎ ዋላእኳ እነተነበረ እቶም ነዚ ሓደጋ ዝሸርሑ ሓይልታት ዝሓሰብዎ ከይሰመረ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ከምዝተመከተ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ብሰማይን ብምድርን ተኸቢቡ ኣብ ከቢድ ፀልማት ሓደጋ ጥፍኣትን ከም ዝነበረ ዝገለፁ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ እንኳዕ ካብ ሓደጋ ምጥፋእ ናብ ጭላንጭል ሰላም ምርኣይ ኣብፀሐካ ክብሉ ሓቢሮም።

ካብዚ ገጢምዎ ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ጥፍኣት ንምውፃእ ኩሉ ነዚ ትረኺቡ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ብዕቱብ ክከታተሎን ክሕልዎን ከም ዘለዎ ናይ ኣቦነት ምኽሪ ኣመሓላሊፎም።

ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ድማ ንዝተፈፀመካ ግፍዒን ሞትን ፅንዓት ይሃብካ ክብሉ ገሊፆም።

More 👉 t.me/KuluMedia
This media is not supported in your browser
VIEW IN TELEGRAM
የከባድ ጦር መሳሪያ ትርዒት በመስቀል አደባባይ

👉 t.me/KuluMedia
ሰበር ዜና | ህፁፅ መጠንቀቐታ ንትግራይ | ኢሳያስ ካብ ትግራይ ክውጽእ ተለሚኑ | ኢትዮጵያ ኤምባሲ ከፊታ - ሓደገኛ ንተጋሩ | Kulu Media ኩሉ ዜና
https://youtube.com/live/bNLp8sDuBus?feature=share
እቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዓል ሕደር ከይበለ ዝስዕቡ ተግባራት ክፍፅም ይግባእ።#ሼር #ሼር

√ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክምለስ ምግባር
√ ዝተፈናቐሉ ወገናትና ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር
√ እቶም ኣብ ኩለን ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም መሊስካ እተን ቤት ትምሀርቲ ንትምህርቲ ድሉዋት ምግባር
√ ዝዓነወ ጥዕና ጣብያን ቤት ትምህርትን ብህፁፅ ክስራሕ ምግባር
√ ህፃናትን መናእሰይን ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ክምለሱ ምግባር
√ መንግስቲ ሰራሕተኛ ናይ 2 ዓመት ደመወዙ ብህፁፅ ንክወሃብ ምግባር
√ ናይ ፀጥታን ሓለዋን ኩነታት ብዝተዋደደ መልክዑ ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ብዕቱብ ክስራሕ ምግባር
√ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ሓገዝ ዘድልዮም ናይ ሰራዊት ትግራይ ኣባላት ክሐገዙ ምግባር

ሰላም ንትግራይ!!
Kulu Media ኩሉ ሚድያ
t.me/KuluMedia
ሓበሬታ!!
ካብ ኣዲስ ኣበባ - ኣምሓራ - ብኣላማጣ- ኮሮም ገይሩ ናብ ማይጨው መቐለ ዝወስድ መንገዲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዕፁው ኮይኑ ኣሎ።ኣብ ከባቢ ኮሮም እውን እዩ ተዓፅዩ።

ብኻሊእ ሸነኽ ብዓፋር ኣብዓላ ገይሩ ንመቐለ ዝኣቱ መንገዲ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ክባን ዕፅዋን ዝኽፈል ዝነበረ ብዙሕ ገንዘብ ተዘይኺፍልካ ኣይትሓልፍን ብዙሓት መካይን እውን ተዓፅየን ይርከባ።

እዙይ ድማ ብዘይ ምሉእ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌደራል ፈፂሙ ክኸው ኣይክእልን።

ትግራይ ሐዚ እውን ብውሽጥን ብደገን ናብ ሙሉእ ዕፅዋ ተምርሕ ኣላ።

https://t.me/KuluMedia
New Logo Kulu cap.png
451.4 KB
ዓበይቲ ዜናታት 5 መጋቢት2015ዓ/ም

1.ኣብ ወለዶ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ውድቀት ክፈጥር ዝኽእል ሕብረተሰብ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝሓቶም ተርእዮታት ኣብ ምእራም ዘሎ ጅማሮ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ተባሂሉ።ቅድም ክብል ኣባላት ቤት ምኽሪ ክፍለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ ኣብ መዐወኒ ወልፍታት ዝረአ ዘሎ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ዝምልከቶ ኣካል ኣደብ ከትሕዝ ብዘቕረብዎ ፃውዒት መሰረት ስዒቡ ዝተወሰደ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ክቕፅል ናብ ካልኦት ከባብታት እውን ክሰፍሕን ከምዝግባእ ተመልኪቱ።

2. ኣብ ምጥያሽ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ብምእታው ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፀገማት ብህፁፅ ክፈትሑልና ንፅውዕ ክብሉ ነበርቲ ወረዳ ጎሎመኸዳ ተዛሪቦም።መንግስቲ ፌደራል እውን ብመሰረት ዝኸተሞ ውዕሊ ተግባራዊ ስጉምትታት ክወስድ ፀዊዖም።

3. ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ቅሉዕ ወራር ስዒቡ ኣብ መሰረተ ልምዓት ማይ ትግራይ ዝተፈጠረ ዕንወት ንምፅጋን ሓገዝ ኩሎም ግዱሳት ኣካላት ከምዝጠልብ ተገሊፁ።እዚ ዝተገለፀ ትካል ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ብልዕሊ 11 ሚልዮን ዝግመት ንፅገና ትካላት ማይ ዝውዕል ናውቲ ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ብሓገዝ ኣብ ዘበርከተሉ እዋን እዩ።

4.ሓይልታት ፅንተት ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ብዘይምውፅኦም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ መከራ ይርከብ ክብል ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣፍሊጡ።ንስምምዕ ሰላም ስዒቡ እውን ከይተረፈ ሓይልታት ፅንተት ካብ ልእላዊ መሬት ትግራይ ብዘይምውፅኦም መከራ ህዝቢ ትግራይ ይቕፅል ምህላዉ ዘመልከተ መግለፂ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ማእለያ ዘይብሎም ገበናት ይፍፅሙ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

5. ሓይልታት ፅንተት ድሕሪ ምፍራም ስምምዕነት ሰላም እውን እንተኾነ ብሓይሊ ተቖፃፂሮም ኣብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ቕትለት ሰላማውያን ዜጋታት ጉሕለትን ዕንወትን ሃፍትን ትካላትን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ከምዘለዉ ስድራ ግዳያት ገሊፆም።እቲ ኩነታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ይኸይድ ብምህላዉ ዘላቒ መፍትሒ ክናደየሉ ድማ ፀዊዖም እቶም ስድራ ግዳያት።

https://t.me/KuluMedia
ከ20 በላይ ኦራሎች እና አውቶብሶች ላይ የተጫኑ የመከላከያ ሰራዊት አባላት ከኤርትራ ወደ ትግራይ ገቡ።

ከኤርትራ ሰንዓፈ በኩል አደርገው ወደ ትግራይ ዛላንበሳ በመግባት የተሓድሶ ስልጠና ሲወስዱ የቆዩት የመከላከያ ሰራዊት አባላት ናቸው ወደ ትግራይ የተላኩት።

እነዚህ የሰራዊት አባላትን ለማምጣት በርካታ ባሶች እና ኦራሎች ከዓዲ ግራት ከተማ ወደ ዛላንበሳ አምርተው እንደነበር የገለፁት ምንጮች ለአባላቱ የኤርትራ መንግስት የሽኝት መርሃ ግብር አዘጋጅቶላቸው እንደነበር ገልፅዋአል።

የመከላከያ ሰራዊት አባላቱ በኤርትራ ሰራዊት እንደ መያዣነት ታግተው የነበሩ መሆናቸው የተነገረ ሲሆን ዛላንበሳ አከባቢ ተሓድሶ እንዲወስዱ ከተደረገ በኋላ መለቀቃቸውን ምንጮች አክለው ገልፀዋል።

For more info Join👉 https://t.me/KuluMedia